08
Sun, Jun
0 New Articles

ዳሕሮት ግዝያት (ሳልሳይ ክፋል)

Apologetics
Typography

ዒራቕ 

እስከ ናብ ትንቢት ዳኒኤል 410-11, 13-14 ተመሊስና ነንብብ።"እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከለኽ ዝረኣኽዎ ራእይ ርእሰይ ከምዚ እዩ እንሆ ኦም ኣብ ማእከል ምድሪ ርኤኽ ቁመታ ከኣ ነዋሕ እያ፡፡ እታ ኦም ዓብያን በርቲዓን ቁመታ ክሳብ ሰማይ በጺሑ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ትርአ ነበረት። ቆጽላ ጽቡቕ ነበረ እቲ ፍሬኣ ብዙሕ ንኽሉ ከኣ መግቢ ነበራ። እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቴኣ ኣጽሊለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጨነፍራ ሰፊረን ነበራ። ስጋ ዝለበሰ ኩሉውን ኣብኣ ይምገብ ነበረ። እንሆ በቲ ኣብ መደቀስየይ ከለኽ ናይ ርእሰይ ራእያትሲ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኽ ንሱ ከ ዓው ኢሉ ጨደረ በለውን ነዛ ኦም ቁረጽዋ ጨናፍራ ጸልጽሉ ቆጽላ ኣርግፉ ፍሬኣ በትኑ እተን እንስሳ ካብ ትሕቴኣ እተን ኣዕዋፍውን ካብ ጨናፍራ ይህደማ ግናከ ነቲ ጉንዲ ሱራታ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዚን ተኣሲሩ ኣብ ማእከል ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ ምስ እንሳሳ ከኣ ግዴኡ ሳዕሪ ምድሪ ይኽን። ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምካúን ይለወጥ ልቢ እንስሳ ድማ ይወሃቦ ሾብዓተ ግዝያት ድማ ይሕለፎ”


ኣብ ዝርዝር ከይኣተና እዛ ዓባይ ኦም እዚኣ ተቖሪጻ ጉንዲን ሱርን ጥራይ ክተርፋ ሾብዓተ ግዝያት ክሓልፋ ድማ ተነጊሩዋ። እዚ ማለት ድሕሪ ሾብዓተ ግዝያት እታ ኦም ዳግም ክትበራበር ወይ ክትጥጥዕ እያ ማለት እዩ። ናብ ዝርዝር ከይኣተኽ መደምደምታት ክህበኩም እዛ ኦም ብዘይ ጥርጥር ንነቡካድነጻር እያ እተመልክት። ግዳ ንእኡ ጥራይ ዘይኰነ ንግዝኣት ባቢሎንውን ተመልክት  እያ።

 

ብከመይ ክንብል ንክእል ኢና። ጽቡቕ ናብ ምዕራፍ 2 ናይ ዳኒኤል እንተ መጺእና ኣብኡ ሓደ ገዚፍ ምስሊ ኢና ንረክብ። እዚ ምስሊ እዚ ርእሱ - ወርቂ ደረቱን መንኩቡን - ብሩር ከብዱ  - ኣስራዚ ኣእጋሩ ድማ - ሓጺን። እዚ ምስሊ እዚ ነቶም ኣርባዕተ    ዓበይቲ ግዝኣታት ዓለም እዩ ዝውክል ወርቂ - ንግዝኣት ባቢሎን ብሩር - ንግዝኣት ሜዶንን ፋርስን  ኣስራዚ - ንግዝኣት ግሪክ ሓጺን ድማ - ንግዝኣት ሮማ። ይኽን እምበር ዳኒኤል ክትርጉሞ ከሎ ከምዚ ክብል ንሰምዖ "እቲ ርእሲ ወርቂ ዎ ንጉስ ንስካ ኢካ” ኢሉዎ ንነብካድነጻር። ስለዚ እቲ ወርቒ ብሓደ ወገን ንነብካድነጻር ከመልክት ከሎ በቲ ካልእ ድማ ንግዝኣት ባቢሎን ብምሉኡ እዩ ዘመልክት። ነብካድነጻር ንግዝኣት ባቢሎን ዝውክል ንጉስ ጥራይ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 4 ዘላ ኦም ድማ በቲ ሓደ ንንጉስ ነብካድነጻር ከተመልክት ከላ በቲ ካልእ መዳይ ግና ንግዝኣት ባቢሎን እያ እተመልክተና። ነብካድነጻር ብመሰረት ትንቢት ዳኒኤል ምዕራፍ ኣርባዕተ ሓደ መዓልቲ ኣእምሮኡ ከም ዝስሕትን ከምኡ ኢሉ ተጸሊሉ ሾብዓተ ግዝያት ከም ዝሓልፎን ብድሕሬኡ ድማ ናብ ልቡ ከም ዝምለስን ይነግረና። እዚ ድማ ንነብካድነጻር ረኺቡዎ እዩ። ንምሉእ መጽሓፍ ዳኒኤል እንተደኣ ኣጽኒዕክምዎ

 

ኣብ ትንቢት ዳኒኤል ግና " ድርብ ፍጻሜ” ዝበሃሉ ነገራት ኣለዉ። ስለዚ እታ ኦም ንነብካድነጻር ጥራይ ዘይኰነት እንኮላይ ንግዝኣት ባቢሎን እያ እተመልክት። ግን ብከመይ? እታ ኦም ተቖሪጻ ሾብዓተ ግዝያት ክሓልፋ እዩ። ሾብዓተ ግዝያት ማለት እንታይ ማለት ምካúኑ ንገሌኽም ምስትውዓሉ ከሸግረኩም ይክእል እዩ ይኽን እምበር እቲ መልሲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ኢና ንረክቦ። ብመሰረት መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ሓደ ግዜ 360 መዓልታት እዩ። ሾብዓተ ግዝያት ድማ 2520 መዓልታት እዩ። እዚ ኣሃዝ እዚ እንታይ መልእክቲ የመሓላልፍ? ንነብካድነጻር ብዝምልከት ድሕሪ 2520 መዓልቲ ናብ ልቡ ከም ዝምለስ እዩ እዚ ዝነግረና ልክዕ ድማ ነብካድነጻር ድሕሪ እዘን መዓልታት እዚኣተን ናብ ልቡ ተመሊሱ እዩ። ንግዝኣት ባቢሎን ብዝምልከትከ እዚ ኣሃዝ እዚ እንታይ መልእክቲ የመሓላልፍ?

 

ምስ ግዝኣት ባቢሎን ኣተኣሳሲርና ክንዛረባሉ ከሎና ክንዝንግዖ ዘይብልና እታ ኦም ካብ ዝተቖርጸትሉ ግዜ ኢና ክንጅምር ዘሎና። እታ ኦም ኣብ ዘመን ነቡካድነጻር ኣይኮነትን ተቖሪጻ፡፡ ናይ ፋርስ ንጉስ ቂሮስ ብ 539 ቅ.ል.ክ ነታ ኦም ቆሪጹዋ። ባቢሎን ድማ ካብኡ ንነጀው ታሪክ ኰይና ተሪፋ። ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ግና ድሕሪ ሾብዓተ ግዝያት እታ ኦም ክትጥጥዕ እያ። ስለዚ እቲ 2520 ዝብል ቁጽሪ መዓልታት ክከውን ኣይክእልን እዩ። ካልእ ኣማራጺ ብመሰረት ካልኣይ ኣተራጓጉማ ናይዚ ኣሃዝ ድሕሪ 2520 ዓመታት እታ ኦም ዳግም ክትጥጥዕ እያ ማለት እዩ። እዚ ሓቂ እንተ ደኣ ኰይኑ ብሩካት ኣሕዋት ካብ መጠን ንላዕሊ ዘገርም ነገር እዩ። ኣቐዲምና ከም ዝበልናዮ እታ ኦም ብ 539 ቕ.ል.ክ እያ ተቖሪጻ ድሕሪ 2520 ዓመታት ድማ ዳግም ክትጥጥዕ እያ። ስለዚ ኣብ 1981 ዓ.ም ምጥጣዕ ናይታ ኦም ክጅምር እዩ ማለት እዩ።

 

ቁሩብ ታሪክ ትፈልጡ እንተ ደኣ ኴንኩም ብ 1981 ኣጸቢቕና ከም ንፈልጦ ኣብ ሞንጎ ዒራቕን ኢራንን ኩናት ነይሩ። ናይ ሎሚ ዒራቕ ናይ ቀደም ባቢሎን እያ። ኢራን ድማ ናይ ቀደም ፋርስ እያ። ታሪክ ከም ዝምስክሮ ኣብ 539 ቅ.ል.ክ ኣብ ሞንጎ ፋርስን ባቢሎንን ኩናት ነይሩ ድሕሪ 2520  ዓመታት ድማ መሊሰን ኣብ 1981 ዓ.ም ኩናት ገጢመን። ሳዳም ሑሴን ብ 1979  እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ። ብ 1981 ድማ ምስ ኢራን ኩናት ኪገጥም ቆሪጹ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ድማ ኣብቲ ኩናት ኢደን መሊሰን። ከም ሓቂ ምዕራባውያን ካብ ሞንጎ ክልተ ክፉኣት እዮም ዘመርጹ ነይሮም። ናይ ክፉእ ክፉእ ከም ዝበሃል ግና ካብ ንኢራን ንዒራቕ ክሕግዙ መሪጾም። ከም ውጽኢቱ ድማ ዒራቕ እንዳ በርተዐት ከይዳ። ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ሓይልታት ናይዛ ዓለም ክትከውን ድማ ክኢላ። ብ 1991 ኩናት ወሽመጥ ብምክንያት ወራር ዒራቕ ንኩውየት ምስ ተወለዐ ዒራቕ ኣንጻር ምሉእ ዓለም እያ ገጢማ። ኣብቲ ኩናት ጸረ ዒራቕ ኣስታት 35 ሃገራት ተሳቲፈን። ዒራቕ ዋላኳ ኣብቲ ኩናት እንተ ተሳዕረት ጆርጅ ቡሽ ዓቢ ግና ኣብ ምርጫ ተሳዒሩ። ስለዚ ኩናት ወሽመጥ ቀሊል ጽልዋ ኣይነበሮን።

 

መሊሱ ካልኣይ ኩናት ወሽመጥ ድማ ብ 2003 ተወሊዑ። ብሰንኪ ሳዳም ሑሴን ድማ ዓለም  ተገማሚዓ። ኣብ ታሪክ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 600 ከተማታት ጸረ-ኩናት ሰልፊ ተካይዱ። ኣብ ሎንደን 750,000 ሰባት ነቲ ኩናት ንምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ሮማ ድማ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣንጻር ኩናት ሰልፊ ገይሮም። ቫቲካን ከየረፈት ተዛሪባ። ብዝኮነ እታ ብ539 ቅ.ል.ክ ዝተቖርጸት ኦም ዳግም ብ1981 ክትጥጥዕ ከላ ንርእያ።

 

ስለዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይካ እታ ብኦም-በለስ ተመሲላ ዘላ ሃገረ እስራኤል ካልኦት ዝጥጥዓ ኣእዋም ከም ዘለዋ ክንርዳእ ኣሎና። እዘን ኣእዋም እዚኣተን ኩሉ ሳዕ ኣንጻር እታ ኦም በለስ ደው ምስበላ እየን። ሳዳም ሑሴን ናብ ስልጣን ምስ መጸ ምድሪ ፍልስጢኤም ካብ "ወራር ኣይሁድ” ሓራ ንምውጻእ ኣስታት 6 ሚልዮን ወተሃደራት ኣክቲቱ። ካብኣቶም እተን 2 ሚልዮን ደቒ ኣንስትዮ ነይረን።

 

ኣብ ቀዳማይ ኩናት ወሽመጥ ዋላኳ እቲ ኩናት ኣብ ሞንጎ ዒራቕን ክውየትን ብቐጥታ ምስተን ንረዲኤት ክውየት ዝመጻ ሃገራት ድማ ብተዘዋዋሪ እንተ ነበረ  ዒራቕ ኣስታት 39 ስካድ ሜሳይላት ወንጪፋ ንእስራኤል ደብዲባታ እያ። ስለዚ እተን ኣእዋም ኣንጻር እታ ኦም በለስ እየን።

 

ኣብ ቻይና "ሓንቲ ኢድ በይና ከተጣቕዕ ኣይትክእልን እያ” ዚብል ምስላ ኣሎ። ነታ ብ 1948 ዝጠጠዐት  ኦም በለስ ብምምልካትን ነታ ብ 1981 ዝጠጠዐት ካልእ ኦም ብምስትብሃልን ናብ ዳሕሮት ግዝያት ከም ዝበጻሕና ዘመልክተና ጣቕዒት ክንሰምዕ ይግባእ። 

 

ስለዚ ብሩካት ኣሕዋት ነቲ "እንሆ ኣቐዲመ ነገርክኽም” ዝብል ቃል ጐይታ ምዝካሩ ኬድልየና እዩ።

 

 

 

ራእይ ዮሃንስ

 

 

"ንሱ ከ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ ወዲቓ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኩሎም ርኽሳት መናፍስትን ሰፈር ርኽስን ዘፈንፍንን ዘበለ ኩሉ ዑፍን ኰይና .......... እቶም ነጋዶ ምድሪ ከ ደጊም ኣቑሕኦም ዝዕድገሎም የልቦን እሞ ይበክዩላን የልቅሱላን።  ኣቕሑ ወርቂን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀይሕ ውጹእ ክዳንን ሃርን ቀይሕ ግምጃ ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዘበለ ዕጨይትን ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝ ዘበለን ናይ ክቡር ዕጨይቲ ዘበለ ኣቕሓን ናይ ኣስራዚን ናይ ሓጺንን ናይ እምኒ በረድን ቃርፋን ቅብኢ ኣሞንን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ከርበን ወይንን ዘይትን ድኽም ሓርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ነፍሳት ሰብን” (ራእይ 182, 11-13)

 

 

ዘንበብናዮ ክፍሊ ቅዱስ ጽሑፍ ራእይ ምዕራፍ 18 እዩ። ከም ንፈልጦ ምዕራፍ 17 ወይ 18 ኣቢልና ምስ በጻሕና እቲ ራእይ ዳርጋ ናብ መወዳእታኡ በጺሑ እዩ። ኣብ ራእይ ዮሃንስ ኣፈጻጽማ መደባት ኣምላክ ዝነግራና 7 ማሕተማት 7 መለከታትን 7 ጽዋኣትን ኣለዋና።

 

እዚኣተን ካብ ጐይታና ካብ ዝዓርግ ጀሚረን ክሳብ እዋን ካልኣይ ምጽኣቱ ዝሕብራና ነገራት እየን። ኩለን እዚኣተን ካብ ዕርገት ክሳብ ምጽኣት ዘጋጥማ ፍጻሜታት እየን።

 

እተን ፍጻሜታት ብቕደም ተከተል እየን ዝከዳ። ቅድም እቲ ቀዳማይ ማሕተም ይፍጸም ድሓር ካልኣይ ጸኒሑ ሳልሳይ ከምኡ እንዳበለ ክሳብ ሻብዓይ ማሕተም ይበጽሕ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሻብዓይ ማሕተም ምስ በጻሕና ኣብ ውሽጡ ሸብዓተ መለከት ሒዙ ይጸንሕ። እቲ ቀዳማይ መለከት ክንፋሕ ከሎ ጸበባ ጀሚሩ ኣሎ ማለት እዩ። እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መለከታት ብዛዕባ መከራ እየን ዝዛረባ። እተን ዳሕሮት ኣርባዕተ መለከታት ድማ ድማ ብዛዕባ እቲ "ብርቱዕ መከራ” እየን ዝዛረባ። ብገምጋም እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መለክታት ኣብ ውሽጢ 3 ዓመትን ፈረቓን እየን ዘጋጥማ። እተን ዳሕሮት ሰለስተ መለከታት ድማ ልክዕ ኣብ ውሽጢ 3 ዓመትን ፈረቓን እየን ዝፍጸማ። ዮሃንስ ዳሕሮት ስለስተ መለከት ንምግላጽ "ወዮ ወዮ ወዮ” ዚብል ቃላት ይጥቀም። ሓንቲ ወዮ ንነፍሲ ወከፍ መለከት ተመልክት። ስለዚ እተን ናይ መወዳእታ 5ይቲ 6ይቲን 7ይቲን መለከታት ጸበባ ጥራይ ዘይኮና "ወዮ” እውን እየን። ስለዚ ድማ እየን "ብርቱዕ ጸበባ” ተባሂለን ዝስመያ።

 

እቲ ዓቢ መከራ (ብርቱዕ ጸበባ) ኣብ ሻብዓይ መለከት ምስ በጽሐ ኣዝዩ ኪመርር እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ መለከት ምስ ተነፍሐ ንሱውን ኣብ ውሽጡ ብዘገርም ነገር ካልኦት ሾብዓተ ጽዋኣት ሓቚፉ ክጸንሕ እዩ። ብምቕጻል ድማ ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሳይ ጽዋእ እንዳበለ ክሳብ ሻብዓይ ጽዋእ ንረክብ። ኣብ እዋን እቲ ሻብዓይ ጽዋእ ዓለማዊ ምንቕጥቃጥ ምድሪ ኬጋጥም እዩ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኬጋጥም ከሎ ብዙሕ እዋን ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ጥራይ እዩ ዘጋጥም። እዚ ምንቕጥቃጥ ምድሪ ግና ኣዝዩ ፍሉይ እዩ። ንምልእቲ ዓለም ድማ ኬንቀጥቕጣ እዩ። ኣብ ዓለም ዘለዋ ዓበይቲ ከተማታት ድማ ከንፈጥፍጣ እየን። ከተማ የሩሳሌምውን ናብ ሰለስተ ክተገማማዕ እያ። ኩርባ ይሁዳ ድማ ብምክንያት እዚ ዓቢ ምንቕጥቃጥ ምድሪ ርባርባ ኪከውን እዩ።

 

የሩሳሌም ብኣክራናት ዝተከበበት ከተማ ምኳና ንፈልጥ ኢና። ገለገለ ካብቶም ኣክራናት ብምክንያት እቲ ብርቱዕ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ናብ ዓብይ ሜድተራንያን ባሕሪ ክጥሕሉ እዮም። ከረን ሞርያውን ብምክንያት እዚ ምንቕጥቃጥ ምድሪ ካብ እስራኤል ዝበረከ ከረን ኰይኑ ልዕል ክብል እዩ። ሎሚ ናብ ከረን ሞርያ እንተደኣ ኬድኩም ኣብቲ ቤት መቕደስ ተሃኒጻትሉ ዝነበረት ከረን ክልተ መሳጊድ እየን ዘለዋ። ይኽን እምበር መሲሕ ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ ናብታ ቤት መቕደስ ኪኣቱ ስለ ዝኮ እታ ቤት መቕደስ ኣቐዲማ ክትህነጽ ኣለዋ።

 

ስለምንታይ ብርቱዕ ግሎባዊ ምንቕጥቃጥ ምድሪ ይከውን እንተ ኢልና ኣእጋር ጐይታ የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ስለ ዝዓርፍ እዩ። ካብ ብርትዐ ሓይሊ ናይ ጐይታና ዝተላዕለ ከኣ ምልእቲ ዓለም ከተንቐጥቕጥ እያ። ደብረ ዘይቲ ድማ ንሓይሊ ጐይታና ኪጻወሮ ስለ ዘይክእል ናብ ክልተ ኪግማዕ እዩ። ሓደ ናብ ሰሜን ሓደ ድማ ናብ ደቡብ። ብሰንክዚ ድማ ንምብራቕ-ምዕራብ ዝጥምት ርባርባ ክፍጠር እዩ። ኣብ ከባቢ ከረን ደብረ ዘይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተደኣ ኣጋጢሙ እቲ ከረን ንሰሜንን ንደቡብን ከም ዝገማማዕ ድሮ ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ ኣረጋጊጾምዎ ኣለዉ።

 

ክንፈልጦ ዘሎና ኣብዚ ግዜ እዚ ምልእቲ ዓለም ኣንጻር እስራኤል እያ ክትከውን። እቲ ብ "ኣርማጌዶን” ዝፍለጥ ናይ መወዳእታ ዓለማዊ ኩናትውን ኣብዚ ናይ ታሪክ ናይ መወዳእታ ሰለሰተ ዓመትን ፈረቓን ግዜ እዩ ዝከውን። ሰራዊት ኩለን ሃገራት ንእስራኤል ምስ ወረሩዋ ህዝቢ እስራኤል ናብ ዘብልዎ ክጨንቆም እዩ። ካብ ዘይተጸበይዎ ወገን ድማ ረዲኤት ኪረክቡ እዮም። እወ ኣይሁድ ካብ ዘይሓሰብዎን ዘይሓለምዎን ወገን ደገፍ ኪረክቡ እዮም።

 

ትፈልጡ ዲኽም ኣይሁዳውያን ኣብ ምድሪ ጥራይ እዩ ተስፋኦም። በረከቶምውን ኩሉ ሳዕ ምድራዊ ጥራይ እዩ። ስለዚ ሎሚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ሃብቲ ናብ ሰለሰተ እንተ ጎዛዚኽሞ እቲ ሓደ ጉዚ ብዘይጥርጥር ኣብ ኢድ ኣይሁዳውያን ኪጸንሓኩም እዩ። ሎሚ ኣይሁድ ኣብዛ ዓለም ሓደ ስውር ግዝኣት ፈጢሮም ይርከቡ። ኣብዚ ናይ ኣይሁድ ሕቡእ ግዝኣት ኩሉ ምድራዊ በረከታት ክትረክቡ ኢኽም። ኮካኮላ ሆሊዉድ ወ.ዘ.ተ ወ.ዘ.ተ። ስለዚ ሎሚ ምስ ዝኮነ ኣይሁዳዊ ንግዳዊ ልውውጥ ክትገብሩ ከለኽም ክትጥንቀቑ እዩ ዘሎኩም። ኣምላክ ነቲ ኣይሁዳዊ ክባርኮ እዩ ኩሉ እቲ ኣብ ጁባኽም ዝነበረ ገንዘብ ድማ ናብ ጁባ እቲ ኣይሁዳዊ ኪግዕዝ እዩ። ስለምንታይ? ምክንያቱ ኣምላክ ንኣይሁውያን ምድራዊ በረከታት ክህቦም እዩ ተስፋ ኣትዩሎም። ንዓናከ? ንዓና ንክርስትያናት ግና ኣምላክ ብቐንዱ ብሰማያዊ በረከታት እዩ ባሪኽና።

 

ትርእዩዶ ኣለኽም? ጣኦታትካ ምስ ጠፍኡ ሽዑ ኢካ ናብ ህላውነት ኣምላክ ትኣቱ። ሓንሳብ ሓንሳብ ኣምላክ ርእሱ መታን ኪገልጸልና ንክሉ ከባቢና የናውጾ።  ከም ውጽኢቱ ድማ ኽሎም ሓቚፍናዮም ዝነበርና ጣኦታት ይረግፉ። ካብ ኣምልኮ ጣኦት ድማ ንላቐቕ። ትገልጡዱዶ ዝኮነ ነገር ጣኦት ኪኮነና ከም ዝክእል? ንስካ ንዓለም ክትንብርከክ እንተ ኪኢልካ ዓለም ድላይካ ክትቅርበልካ ድልውቲ እያ።

 

ኣብዘን ዳሕሮት ግዝያትውን ልክዕ ከምዚ እዩ ኪከውን። ኣይሁዳውያን ብክእለቶም ብፍልጠቶም ብገንዞብምን ተበላሓትነቶምን ኪፈትሕዎ ዘይክእሉ ጸገም ኪጎንፎም እዩ። ኣብቂዕና! ምስ በሉ ግና ደገፍ ካብ ካልእ ወገን ኪመጾም እዩ። ጐይታና የሱስ ኣእጋሩ ናብ ከረን ዘይቲ ኬንብር እዩ ዓለም ከተንቀጥቅጥ እያ ከረን ዘይቲውን ናብ ክልተ ኪግማዕ እዩ በቲ ዝተፈጥረ ርባርባ ድማ ኣይሁድ ኪሃድሙ እዮም። ሃዲሞም ናብ ወገን ዮርዳኖስ ኪከዱ እዮም። ናብ ፔትራውን ኪበጽሑ እዮም። ፔትራ ሎሚ ኣብ ሃገር ጆርዳን (ዮርዳኖስ) እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ እያ። ስለዚ እቲ ሻብዓይ  መለከት ምስ ተነፍሐ ዓለማዊ ኩናት ጥራይ ዘይኰነስ  ዓለማዊ ምንቕጥቓጥ ምድርውን ኪከውን እዩ።

 

ጥሜት ይኽን ፌራ ንኽሉ ገጽ ምድሪ ዝሽፍን ኣይነበረን። ኣብ ሓደ ከባቢ ኣብ ሓደ ዞባ እዩ ዝሕጸር ነይሩ። ብ 1918 ሓደ ሓድሽ ቫይረስ ኣብ ዓለም ተራእዩ ነይሩ። እዚ ቫይረስ እዚ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፈጺሙ ሓድሽ እዩ። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ድማ እዚ ቫይረስ እዚ ብንፋስ ይመሓላለፍ ነይሩ።

 

ብሰንኪ እዚ ቫይረስ እዚ ብ 1918 ዓሌት ሰብ ዳርጋ ናብ ምጽናት ተቓሪቡ ነይሩ። ምክንያቱ ነቲ ቫይረስ ኪጻወር ዝክእል ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ስለ ዘይነበረ። ካብ 20 ክሳብ 100 ሚልዮን ሰባት ድማ ተቐዚፎም። እዚ ቫይረስ እዚ ግልባዊ ቫይረስ እዩ ዝነበረ። ስሙ ስፓኒሽ ቫይረስ እዩ ይበሃል። ኰይኑ ግና ቀስ ብቐስ እቲ ቫይረስ ንባዕሉ ጸኒቱ።

 

ሎሚ ዓለም ናብ ሓንቲ ቑሸት ተቐይራ ኣላ። ገለ ሰባት ካብ ሆንግ ኮንግ ገስጊሶም ናብ ሎንዶን ድሓር ናብ ጀርመን ካብኡ ምሕዳሮም ናብ ሆንግ ኮንግ ይምለሱ። ስለዚ ሓደገ ቫይረስ ሓንሳእ እንተ ደኣ  ተላዒሉ ክሳዕ ክንደይ ብኣዝዩ ፍጡን ናህሪ ኪላባዕ ከም ዝክእል ምግማቱ ኣየጸግምን።

 

ሎሚውን ቅድሚ ሕጂ ተራእዮም ዘይፈልጡ ሓደስቲ ቫይረሳት ይቀላቐሉ ኣለዉ። "ሳርስ” ንኣብነት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓድሽ ቫይረስ እዩ። ስለዚ ሎሚ ብነፋሪት ትገሹ እንተለኽም ከይትስዕሉ ወይ ህንጥሾ! ከይትብሉ ክትጥንቀቑ ኣለኩም። ምክንያቱ ሰባት ሕማም ሰዓል ደርሁ ተታሒዙ ኢሎም ብዓይኒ ጥርጣረ ክጥምትኽም ስለ ዝክእሉ። እዞም ቫይረሳት ብንፋስ ዝመሓላለፉ ነይሮም እንተ ዝኮኑ ብርግጽ ኣብ ጸበባ ምኣቶና ነይርና።

 

ስለዚ ኣሕዋትን ኣሓትን ሎሚ ንሕና ኣብ ሞንጎ  ራብዓይን ሓሙሻይን ማሕተም ከም ዘሎና ክንዝክሮ ይግባእ። ናብቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ መጻእና ሓደ ራብዓይ ፈረስ ንረክብ ስም ናይዚ ፈረስ እዚ "ሞት” እዩ ዝበሃል። እዚ ፈረስ እዚ ብሰይፊ ማለት ውግእ ፌራ ማለት ተላባዕቲ ሕማማት ከምኡውን ጥሜት ኣቢሉ ርብዒ ህዝቢ ዓለም ከጽንት እዩ። ሎሚ ብኽሉ ዓይነት መምዘኒታት ኣብቲ ራብዓይ ማሕተም ኢና ዘሎና ግብረ ሽበራ በበይኖም ዓይነት ተላባዕቲ ሕማማትን ትናወጽ ኣላ።

 

ብዛዕባ ኤድስውን ገለ ክንዛረብ ጽቡቕ እዩ። ግደ ሓቂ ብዛዕባ ኤድስ ዘሎና ፍልጠት ጥምዓዊ እዩ። ንኤድስ ብዝምልከት ዓለም ኣዝዩ ኣዝዩ ድሩት ፍልጠት እዩ  ዘለዋ። ይኽን እምበር እዚ ፌራ እዚ ብከመይ ዓይነት ሓያል ናህሪ ይጎዓዝ ከም ዘሎ ክትሓስብዎውን ኣይትክእሉን ኢኽም። ሕማማት ካንሰርውን ከምኡ። ገለ ገለ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ህዝቢ ዓለም ብካንሰር ናይ ምትሓዝ ተክእሎ ኣሎዎ። አረ ገለ እዋናውያን መጽናዕትታት ነቲ መጠን ሓደ ናብ ሰለሰተ ገይሮም እዮም። ነዚ ኽሉ ዓይነት ተርእዮታት ደማሚርኩም ሓደ መደምደምታ ኢኽም ትገብሩ። ንሱ ድማ ቅድሚ እቲ ብርቱዕ መከራ ሓደ ርብዒ ካብ ህዝቢ ዓለም በዞም ነገራት እዚኣቶም ኪድምሰስ እዩ። እቲ ዘገርም ግና መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ቫይረሳትን ሕማምትን ዝቀላቐሉ ዘለዉ ግበረ ሽበራን "ጸበባ” ኢሉ ኣይጸዎዖምን። መጽሓፍ ቅዱስ ነተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ማሕተማት ጸበባ ኢሉ ኣይጸወዐንን። ይኽን እምበር በዘን ማሕተማት እዚኣተን ራብዓይ ኣፍ ህዝቢ ዓለም ክሃልቕ ከሎ ንርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ነተን ኣብ ውሽጢ ናይታ ናይ መወዳእታ ሻብዐይቲ ማሕተም ዝነበራ ቀዳሞት ኣርባዕተ መለከታት እዩ "ጸበባ” ኢሉ ዝጽውዐን። ነተን ናይ መወዳእታ ሰለሰተ መለከታት ድማ "ብርቱዕ ጸበባ” ብምባል ይሰምየን።

 

ስለዚ ዓለም ቅድሚ ናብ ናይ ጸበባ እዋን ምእታዋ ሓደ ዓለምለካዊ ቁጠባዊ ቅልውላው ክትኣቱ እያ። ሎሚ ናብ መወዳእታ ማሕተም ኣይበጻሕናን ዘሎና ሓንሳእ ናብኡ ምስ በጻሕና ግና ጸበባ ክጅምር እዩ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ መለከት ምስ በጻሕና ድማ እግዚኣብሄር ቁጣዓኡ ናብዛ ዘለናያ ፕላኔት ከፍስስ ክጅምር እዩ። ኣብ ሻዱሻይ ጽዋእ ዓለማዊ ኩናት ማለት ኣርማጌዶን ክውላዕ እዩ። ኣብ ናይ መወዳእታ ጽዋእ ምስ በጻሕና ድማ ዓለማዊ ምንቕጥቓጥ ምድሪ ኬጋጥም እዩ። "እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ ወዲቓ” ዝብል ጭርሖ ድማ ኪስማዕ እዩ።

 

ንምንታይ ግን ባቢሎን? ባቢሎን ብስሩ መን እያ? ስለምንታይ እያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ባቢሎን ብተደጋጋሚ ትጥቀስ? ኣቐዲምና ከም ዝገለጽናዮ ቅድሚ 600 ቅ.ል.ክ ዓለም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ባቢሎን ነይራ። እስራኤላውያንውን በቲ ግዜ እቲ ናብ ባቢሎን ተማሪኮም እዮም። ስለዚ እስራኤል ባቢሎንን ካብ ዘመን ጥንቲ ጀሚረን መቓናቕንቲ እየን። ከም ንፈልጦ ድማ ብ 539 ቅ.ል.ክ ግዝኣት ፋርስ ንባቢሎን ደምሲስዋ እዩ።

 

ካብቲ እዋን እቲ ንነጀው ድማ ባቢሎን ታሪክ ኰይና ተሪፋ እያ። ስለዚ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ድማ ኣብ ናይ ታሪክ መጽሓፍቲ ኢኽም ትረክቡዋ። እቲ ዘገርም ግና "ባቢሎን ወዲቓ ወዲቓ” ዚብል ጭርሖ ኣብ ዳሕራይ ግዝያት ንሰምዕ። ባቢሎን ኣብ ራእይ ዮሃንስ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ ንረክባ ኣብ ምዕራፍ 17 ሓንቲ ሃይማኖታዊት ባቢሎን ንረክብ። ኣብ ምዕራፍ 18 ድማ ሓንቲ ፖለቲካዊት ባቢሎን ንረክብ። ኩሉ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ሃይማኖታት ካብ ባቢሎን እዩ ምንጩ። ሓደ መዓልቲ ድማ ናብ ባቢሎን ኪጥርነፍ እዩ።