26
Fri, Apr
0 New Articles

መስተ (Drug) Part 1

Hot Issue
Typography

. ጥቕሚ፡ ጉድኣትን ሳዕቤንን መስተ / • ክርስትናን መስተን  /• ኣገባብ ኣፈዋውሳ ወልፊ መስተ /• መደምደምታ

እዚ ኣርእስቲ ኣዝዩ ሰፊሕን ብዙሕ መጽናዕትን ዝሓትት´ኳ እንተኾነ፡ ጽሑፈይ ሓፈሻዊ መግለጽን መረዳእታን ኮይኑ፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለምና ሂወት ብዙሓት ዘበላሹን ዝቐዝፍን ዘሎ ጎዳኢ ዓይነታት መስተን ኣገባብ ኣፈዋውሱኡን ከተኩር እዩ። መስተ ዝብል ከም ናይ ኢንግሊዘኛ ድራግ (Drug) ዝብል ቃል ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ገለ ገለ ቃላትን ሓረጋትን ናይ ትግርኛ ትርጉም ክትረኽበሎም ከበድቲ ስለ ዝኾኑ እቲ ስነፍልጠታዊ ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ተጠቒመ ምህላወይ ነንበብቲ ክሕብር ይፈቱ።


1. መስተ እንታይ እዩ፧


መስተ ዝብል ቃል ንብዙሓት ንጥረ ነገራት (chemicals) ዘካተተ ኮይኑ፡ ምስ እንወስዶ ድማ ኣብ ኣካላዊ፡ ስነ ኣእምራዊን፡ ሰብነታዊን ኩነታትና ወይ ንጥፈታትና ለውጥን ጽልዋን ኣለዎ። ንኣብነት ሓደ ሰብ መድሃኒት ፈውሲ ኮሶ እንተወሲዱ፡ እቲ ንኮሶ ክቐትልን ነቲ ሰብ ድማ ካብ ሕማሙ ክፍውሶ ኢሉ ዝተቓመመ መድሃኒት፡ ንግዚኡ ሓይሉ የድክሞ ኣብ መወዳእታ ግን ነቶም ደቀቕቲ ታህዋስያን ቀቲሉ ነቲ ሰብ ካብ ሕማሙ ይፍውሶ። ብተመሳሳሊ ድማ ኣልኮላዊ መስተ እንተሰቲና፡ ካብ ንቡር ንላዕሊ ምውቕ ይብለና፡ ናይ ምሕፋርን ሰብ ከይብለንን ስምዒታትና ንግዚኡ ይቕንጠጥ፡ ዘጨንቑናን ዝርብሹናን ሓሳባት ንግዚኡ ካብ ምስትውዓልና ከልግሱ ይኽእሉ፡ ወዘተ።
እቲ ኣዝዩ ክፉእ ባህሪ ናይ ጎዳእቲ ዓይነታት መስተ ከኣ ንብዙሕ ግዜ እንተወሲድናዮ ናብ ወልፊ ተሰጋጊሩ ንምግዳፉ ዘሎ ተኽእሎ ይውሕድ። ወልፊ ማለት ድማ ሰባት ስሩዕ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ንክሰርሑ እቲ ዝለመድዎ ንጥረ ነገር ይደልዩ: እዚ ማለት ኣካላውን ስነኣእምራውን ትውክልቲ ኣብቲ ንጥረ ነገር የስዕብ።


1. መቦቆላዊ ኣመጻጽኣ


ካብ ነዊሕ እዋን ደቂ ሰባት ንዝተፈላለየ ዕላማታት መስተ ከምዝጥቀሙ መዛግብቲ ታሪኽ ነንብብ። ኣብነታት ንምጥቃስ ከም መዘናግዒ፡ ባህላዊ ፍወሳ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ሰባት ካብ ሕማም ንኽፍወሱ መስተ (መድሃኒት- ካብ ንጥረ ነገራት ዝተቓመመ) ይጥቀሙ።
 
ኣብ መጀመርታ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ እንተንበብና´ኳ፡ "ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ክኸውን ጀመረ፡ ወይኒ ከኣ ተኸለ።ካብ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ . . . (ዘፍ 9፡20)" ይብለና። ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓዊስካ፡ ብልምዲ ዓቐኑን ዉጺኢቱን ብዘየገድስ መስተ ከም መድሃኒት ይጥቀምሉ ከምዝነበሩን ሕጂ'ውን ይቕጽሉ ኣለዉ። ኣብ ገለ ክፋል ሃገርና ቆጽሊ ወይባ ዝተባህለ ገረብ ከም ፈውሲ ወይቦ፡ መዘጉፍን ዕረን ድማ ከም ፈውሲ ዓሶ ክጥቀምሉ ንርኢ። ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ከም ህንድን ቻይናን ናይ ጠንቆልትን ኣስማተኛታት ስራሓት ዝበዝሖ ዞባ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሮም ሱሮምርን ኣቕጽልትን ከም መድሃኒት ይጥቀሙ። ኣብ ሃገርና’ውን ዋላ´ኳ ከምዞም ዝተጠቅሱ ሃገራት ኣዝዩ ግኑን ኣይኹን እቲ ተርእዮ ክሳብ ሕጂ ኣሎ።
ባህሊ ክንብል ከሎና ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቑን ኣምር ኾይኑ ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳማዕበልዎን እንዳጥረይዎን ዝመጹ ምስ ከባቢኦምን መነባብርኦምን ዝሳነ ልምድታት፡ ቋንቋ፡ ኣተሓሳስባ፡ ሜላታት ሂወት፡ ኣገባብ ኣፈዋውሳን ካልእን ዘጠቓለለ እዩ። ዘመናዊ ትምህርቲ'ውን ክፋል ባህሊ ሕብረተሰባት እዩ። ሓደ ነገር ክሳብ ብልምዲ ወይ ብሃሳሰ ለባም ዝተጠርየ ወይ ዝተገብረ ግን ድኹምን ሓያልን ጎድንታት ክህልዎ ግድን እዩ። ብዙሓት ልምዳውያን ኣገባባት ኣፈዋውሳ ጎዳእትን ሂወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ከውድቑን ንረኽቦም። ብኣንጻሩ ገለ ገለ ከኣ ጽቡቕ መሰረት ንዘመናዊ ሕክምና ምዃኖም ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ንኣብነት ኮኬይን ካብ ቖጽሊ ናይ ኤሪትሮዛይሉም ኮካ ዝተባህለ ገረብ ንረክቦ። እዚ ገረብ ብብዝሒ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ (ቦሊቪያ፡ ፔሩ፡ ኤኳደርን ቺለን) ይቦቁል። ካብ ባህላዊ ኣጠቓቕማ ሓሊፉ ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ኣብ ግዜ መጥባሕቲ ከም መደንዘዚ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ብካርል ኩለር ዝተባህለ ናይ ስነ ቀመም ሊቅ (ሳይንቲስት) ንመጀመርታ ግዜ ተኣታትዩ።
 
2. ዓይነታት መስተ


ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ብዙሓት ጎዳእቲ ዓይነታት መስተ ኣለዉ። ብዝያዳ ከኣ ኣብቲ ምዕቡል ምዕራባዊ ክፋል ናይ ዓለምና ጠንቂ ማሕበራዊን ቁጠባውን ዘይምርግጋእ (ነውጺ)ን ቅልውላውን ኮይኖም ንረኽቦም። ዋላ´ኳ ብመጽናዕቲ ኣይደገፍ፡ ከም ትዕዝብተይ፡ ኣብ ሃገርና መብዛሕቲኦም ኣብ ታሕቲ ዝጠቕሶም ክሳብ ሕጂ ዘይፍለጡን ብዙሕ ዘሰክፉን´ኳ እንተዘይኾኑ፦ (1) ጽልዋ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ መንእሰያት ንኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብሩ መዘነኦም፡ (2) ልዑል ናይ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳድ ዝንባለን ድልየትን ናይ ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብና ግን ኣተኩሮ ዘድልዮም ጉዳያት ኮይኖም ይስምዑኒ።
   
ንምርድኦም ምእንቲ ክቐለልና እምብኣር፡ ዓይነታት መስተ በብጉጅለ ክንሪኦም ክንፍትን ኢና። ብዙሓት ኣገባባት ኣመዳድባ ዓይነታት መስተ ኣለዉ። ገለ ገለ ንምጥቃስ፡ ባህላዊን ዘመናዊን፡ ፎኮስቲን ተረርቲን፡ ወልፊ ዝኾኑን ወልፊ ዘይኮኑን፡ ኣዝዮም ጎዳእቲን ብመጠኑ ጎዳእቲን፡ ሕጋውያን ዘይሕጋውያን ወዘተ እንዳተባህሉ ይምደቡ። እቲ ዝያዳ ቅቡል ኣገባብ ኣመዳድባ ግና ብዓይነት መስተ ኣብ ኣእምሮ ዘምጽኦ ውጽኢት (effect) እዩ። ንሳቶም ድማ፦
ሀ. ኣነቓቓሕቲ (stimulants) ፦ እዚኣቶም ንንጥፈታት ኣእምሮ ዘፋጥኑ ወይ ዘቀላጥፉ (increase) እዮም። ኣልካይል ኒትራይትስ (Alkyl Nitrites): ኣምፐታሚነስ (Amphetamines): ኣናቦሊክ ስቴሮይድስ (Anabolic Steroids): ኮኬይንን ክራክን (Cocaine & Crack): ካፌይን (Caffeine): ኤክስታሲ (Ecstasy): ትምባኾ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ።
ለ. ጸቐጥቲ (depressants) ፦ ንንጥፈታት ኣእምሮ ዘዛሕትሉ (reduce) ዓይነታት መስተ ድማ ጸቐጥቲ ተባሂሎም ይምደቡ። ኣብነታት ንምጥቃስ ኣልኮል (Alcohol): ባርቢቱሬትስ (Barbiturates): ቤንዞዲያዘፒነስ (Benzodiazepines): ሄሮይን (Heroin): ሶልቬንትስ (Solvents) እዮም።


ሐ. ሃሉሲኖጀንስ (Hallucinogens) ፦ እዚኣቶም ንኽውንነት ኣጣሚሞም ቀይሮም የርእዩ: ከም ውጽኢት ዘይንቡር ሃሎሲኔሽን (hallucination) ዝተባህለ ባህሪ የስዕብ። ዲምቲ (DMT): ኤልሲዲ (LSD): ካናቢስን (Cannabis) ሜጅክ ቃንጥሻ`(Magic Mushrooms) ኣብነታት እዮም። ሃሎሲኔሽን ማለት ናይ ኣእምሮ ኩነት ኮይኑ ሰባት ዝረኤ ወይ ዝስማዕ ቁሳዊ ነገር ኣብ ዘይብሉ ከም ዝሰምዑ ወይ ዝራኣዩ ኮዩኑ ዝመስሎም ወይ ዝስመዐም ዘይንቡር ተርእዮ እዩ።


መ. ናርኮቲክስ (Narcotics) ፦ ኦፒዮም (Opium) ፡ ኮዴይን (Codeine) ፡ ሞርፒነን (Morphine) ፡ ገለ ገለ እዋን'ውን ሄሮይን (Heroin) ምስ ናርኮቲክስ ይምደብ እዩ።  
ረ. ማሪዋና (Marijuana) ዝብል ቃል ብክልተ ክፍልታት ናይ ካናቢስ ዝተባህለ ኣትክልቲ ዝቖመ እዩ። ንሳቶም ድማ ቖጽልን ላዕለዋይ ክፍሊ ናይቲ ዕምበባን እዮም። ነዚኦም ኣንቂጾም እቲ ማሪዋና ዝባሃል መስተ ንትምባኾ ዝመስል የዳልውዎ። ማሪዋና ዘይሕጋዊ መስተ ኮይኑ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብብዝሒ ተጠቀምቲ፡ ካብ ዘይሕጋውያን መስተታት ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ንረኽቦ። ካብ ንኣእምሮ ሰባት ዝጠውዩ መስተ ሓደ ኮይኑ ከም ውጽኢት ድማ ተጠቀምቲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓጺር ባህታን ንኽውንነት ዝንቡዕ ኣመለኻኽታ ከም ዝህልዎም ይገብር።
ካብ ተኽሊ ካናቢስ ማሪዋና ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓሽሽ ዝተባህለ መስተ'ውን ንረክብ። እዚ ሓሽሽ ዝበሃል እቲ ብርቱዕ ዝበሃል ማሪዋና ኮይኑ ልዑል ትሕዝቶ ናይ ቲኤችሲ (THC) ዝተባህለ ክፋል ናይ ካናቢስ ኣለዎ።  
ኣብ ሃገርና እዞም ኣ

ብ ላዕሊ ዝራኣናዮም መብዛሕትኦም ዳርጋ ኣይፍለጡን እዮም። እቶም ዝውቱራት ጎዳእቲ ዓይነታት መስተ ኣብ ዓድና ድኣ ኣየኖት እዮም፧ ካብዚ ብምቕጻል፡ ዋላ´ኳ ብመጽናዕቲ ኣይደገፍ እምበር ገለ ዉሑዳት ክጠቅስ እየ። 

ሀ. ኣልኮላዊ፦ እቲ ዝውቱር ዓይነት መስተ ኣልኮላዊ መስተ እዩ። ኣብ ክልተ ምድብ: ባህላዊን ዘመናዊን ክፋፊልና ክንሪኦ ኢና።  
ባህላዊ ፦ ብልምዲ ብዘይዉሱን (ዘይምጡን) ኣልኮላዊ ዓቐን ዝዳለዉ ኮይኖም ኣብ ዉራያትን በዓላትን ዝውቱራት ዝኾኑ መስተታት ከም ኣብነት ስዋ፡ ሜስ፡ ብርዚን ካቲካላን ክጥቀሱ ይኽእሉ። ብዘይካ ስዋ እቶም ስዒቦም ዝተጠቕሱ ኣልኮላዊ ትሕዝቶኦም ልዑል ኮይኑ ኣብ ጥዕና ብዙሕ ሃስያ ኣለዎም።
 
ዘመናዊ ፦ ምስ ምትእትታው ቴክኖሎጂን ምዕራባዊ ጽልዋታትን ከም ኣብነት ቢራ፡ ኣረቂ፡ ጅን፡ ኮኛክን ዊስኪን ኣብ ዕዳጋታት ሃገርና ክውሕዙ ጀሚሮም። ምስ ምሕሳር ዋጋታት ይኹን ካልእ ምኽንያታት እቶም ልዑል ትሕዝቶ ኣልኮል ዘለዎም ከም ኣረቂ፡ ጅንን ኮኛክን ብዙሕ ክፋል ናይ ሕብረተሰብና ክወስዶም ንዕዘብ። ኣልኮል ብብዝሒ ኣብ ዘለዎ መስተ ድማ ሳዕቤኑን ጉድኣቱን ንምግማቱ ኣየሸግረናን እዩ። ኣብ ጋዜጣን ሬድዮን ብዙሕ እዋን ብትራፊክ ፖሊስ ኤርትራ ከም ዝቃላሕ መብዛሕትኦም ጠንቂ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ምስ መስተ ሰቲኻ መኪና ምምራሕ ዝተታሓሓዙ እዮም።


ቁጠባዊ ትሕዝቶ እንተዘይደሪትዎ፡ ብዙሕ ክፋል ናይ ሕብረትሰብና ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ምስታይ ዝንባሌ ኣለዎም። ንኣብነት ኣብ በዓላት ከም ንግደት ብዙሕ ስኽራን ንዕዘብ። ኣልኮላዊ መስተ ዘዘውትር ሰብ፡ ኣብ ብዙሕ ምንቅስቃሳቱን ውሳኔታቱን ልዙብን ኣድማዕን ክኸውን ኣይንጽበን። ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ምድብ ጸቐጥቲ ከም ዝኾነ ኣቐዲምና ሪኢና ኔርና። እዚ ማለት ሓደ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ምስ ዝወስድ ንጥፈታት ኣእምሮ ካብ ንቡር ንላዕሊ ይድንዝዝ: ናይ ብግቡእ ምሕሳብን ምግንዛብን ዓቕሙ ይደክም: ከም ውጽኢት ድማ ብዙሕ ጌጋታት ይፍጽም። መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምውሳድ ዝንባሌ ምስ ዘይተደልየ ጥንስን ብሕማማት መውስቦ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎን ልዑል ምትሕሓዝ ኣለዎ። ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ከኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልከል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን (ምሳ.20፡1)።


ለ. ትምባኾን ሽጋራን፦ ሽጋራ ካብ ትምባኾ ስለዝስራሕ ብዛዕባ ሽጋራ ፈሊና ምዝራብ ኣየድልየናን እዩ። ትምባኾ ሓደ ካብ ኣነቓቓሕቲ ዓይነታት መስተ እዩ። ሽጋራ ምትካኽ ወይ ትምባኾ ምጥቃም ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እምበር ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ግኑን ተርእዮ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ 2004 ዝተገብረ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ከም ዝሕብሮ: ካብ 2342 ንመጽናዕቲ ዝተሓርዩ ልዕሊ 40% ደቂ ተባዕትዮ ትምባኾ ዝጥቀሙ ክኾኑ ከለዉ: ቁጽሪ ተጠቀምቲ ደቂ ኣንስትዮ ግን 0. 9% ጥራይ እዩ።እዚ ኣሃዝ ድማ ነዚ መጽናዕቲ ዝተሓርዩ ንኣብ ክሊ ዕድመ 24 – 54 ዘለዉ እዩ ዝውክል።  


ሐ. ጫት፦ ኣብ ጎረባብትና ኢትዮጵያን የመንን ድኣ´ምበር ኣብ ሃገርና ዝውቱር ኣይኮነን። ኣብ ዉሱን ከባቢ ዓሰብ ዝነብሩ ገለ ሰባት ግን ይጥቀሙ እዮም። እዚ ጫት ዝበሃል ቖጽሊ ኾይኑ እቶም ዝወስድዎ ብሽኾር ወይ በይኑ ይሕይኽዎ፡ ነቲ መረቑ ድማ ይውሕጥዎ። ንብዙሕ ሰዓታት (ምሉእ ለይቲ) ከኣ ኮፍ ኢሎም እንዳዕለሉ፡ ተማሃሮ'ውን እንዳጽንዑ ይወስድዎ። ኣብ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲታትን ኢትዮጵያ ገለ ገለ ሃካያት ተማሃሮ ግዜኦም ብጉቡእ ምጥቃም ተሪፉ፡ ኣብ መወዳእታ ስዓት ብተብተብ ምሉእ ሰሙን ጫት እናወሰዱ ድቃስ ዘይብሎም ከንብቡ ይቕንዩ። ኣድማዕን ፍረ ዘለዎ ስራሕን ግን ኣይኮነን፡ እቲ ዘንበብዎ ነቲ ፈተና ድኣምበር ነባሪ ፍልጠት ኣይኮነን። ከም ትዕዝብተይን ገለ ገለ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ጫት ዝወስዱ ሰባት ሽውሃቶም ይቅንስ፡ ዝኸፈአ ድማ ናይ ስራሕ ፍቕሪ የጥፍእ።


ይቅጽል !!!