18
Thu, Apr
0 New Articles

ቡንን ካሮቲን እንቆቆሖን

Literature
Typography

ሓደ ግዜ ሓንቲ ሓፍቲ ብዝመጻ ፈተና ኣዚያ ትምረር። ብዛዕባ ኩነታት ኸኣ ኩሉ ግዜ ተግሮምርምን ትሓዝንን። ዝመጻ ጸገምን ፈተናን ከኣ ኩሉ በብሓደ ዘርዚራ ነታ ኣማኒት ኣዲኣ ተዕልላ። ኣዲኣ ኸኣ ኣዚያ ለባም ስለ ዝነበረት ንጓላ ኣጆኪ ኣምላኽ ምሳኺ እንድዩ ዘሎ ኢላ ጥራይ ከተጸናንዓ ወይ ክትድብሳ ኣይፈተወትን። እዛ ጓለይ እስከ ንዕናይ ናብቲ ክሽነ ንኺድ እሞ ሓደ ነገር ክንገብር ኢና በለታ። ጓላ ኸኣ ሐራይ ማማ ኢላ ተሰማሚዓ ናብቲ ክሽነ ኸዳ። 

እታ ኣደ ኸኣ ንጓላ ሰለስተ ድስትታት ማይ መሊኣ ኣብቲ ጋዝ ክትስኽትቶ ነገረታ። ጓላ ኸኣ ከም ዝተባህላ ከኣ ገበረት። ወሲኻ እውን ኣብቲ ድስቲ እቲ ማይ ከይፈልሐ ኣብቲ ሓደ ድስቲ ካሮቲ ኣብቲ ኻልኣይ ድስቲ እንቆቖሖ ኣብቲ ሳልሳይ ድስቲ ኸኣ ዘይተቐልወ ቡን ክትገብር ነገረታ። እታ ጓላ ኣዲኣ እንታይ ትገብር ከም ዘላ ኣኳ እንተ ዘይተረደኣ ከም ዝተባህልቶ ገበረት። ንኣስታት 30 ደቒቕ ከኣ ኣብቲ ክሽነ ኮይነን ነቲ ዝሰኽተትኦ ክሳብ ዝበስል ተጸበያ። 

ኣብ መወዳእታ እታ ኣደ ነታ ጓላ ከተውርዶ ነገረታ። እታ ጓላ ኸኣ እንታይ ክትገብር ደልያ እያ እናበለት መቸም ኣውረደቶ። ኣዲኣ ኸኣ በሊ መጀመርያ ነቲ ካሮቲ ዝተሰኽተቶ ድስቲ ክፈትዮ ነቲ ካሮቲ ርኣዮ ብድሕሪኡ እስከ ብኢድኪ ተንክፍዮ  በለታ። እታ ጓላ ኸኣ ረኣየቶ ነቲ ካሮቲ ከኣ ብኢዳ ሓዘቶ እታ ኣደ ኸኣ እንታይ ሪኢኽን ተንኪኽን በለታ። እታ ጓላ ኸኣ እቲ ካሮቲ ኣዚዩ ለስሊሱ ሕብሩ ቐይሩ በለታ።

 

ኣዲኣ ኸኣ ሓራይ ነቲ እንቆቕሖ ዘለዎ ድስቲ ከፊትኪ ድማ ረኣዮ እሞ ነቲ እንቆቖሖ ኣውጺኺ ረኣዮን ቀሪፍኪ ኸኣ ውሽጡ ተዓዘብዮ በለታ። ጓላ ኸኣ ከም ዝተባህለቶ ገበረት ደጊማ ኸኣ ኣዲኣ እንታይ ትርኢ ኣለኺ ኢላ ሓተተታ እታ መንእሰይ ጓላ ኸኣ እቲ እንቆቆሖ ደጊኡ ቀልጢፉ ተቐሪፉ እቲ ናይ ውሽጢ ፈሳሲ ኸኣ ኣዚዩ ደሪቑ በለታ። እታ ኣደ ቐጽላ ነቲ ዘይተቐልወ ቡን ዝተሰኽተቶ ድስቲ ከፍቲ ካምቲ ዝገበረቶ ክትግብር ነገረታ። እታ መንእስይ ከኣ ከምኡ ገብረት። ኣዲኣ ኸኣ ንሳልሳይ ግዚ ሓተተታ እታ ጓላ ኸኣ ከምዚ ኢላ መለሰትላ እቲ ማይ ሕብሩ ተቐይሩ እቲ ቡን ከኣ ከምቲ ናይ መጀመርያ ደረቕ እዩ ዘሎ በለታ ኣዲኣ ኸኣ እስከ ጠዓምዮ በለታ እታ ጓላ ኸኣ ጠዓመቶ ከመይ እዩ ጣዕሙ ኢላ ሓተተታ እታ ጓላ ትቕብል ኣቢላ ጥዕም በለታ። 

ወሲኻ ጓላ ማማ ኣነ ብዛዕባ ፈተናይ እናንገርኩኺ ስለምንታይ ኢኺ ትላገጺ ዘለኺ በለታ። ኣዲኣ ጋለይ እዚ ዝገበርክዎ ሚስጥር ኣለዎ ጽን ኢልኪ ስምዕኒ በለታ። እወ ፈተና ክመጸና ኸሎ ከነርእዮ ዝግብኣና ግብረ መልሲ ክነግረኪ እየ በለታ እቲ ካሮቲ ኣብቲ ፉሉሕ ማይ ከይ ኣተወ ኸሎ ኣዚዩ ተሪር ጽቡቕ እዩ ኔሩ ኣብቲ ፉሉሕ ማይ ምስ ኣተወ ግና እቲ ዝነበሮ ትሪ ኩሉ ጠፊኡ ኣዚዩ ዱኹም ኮይኑ። ከምኡ ኸኣ ሓንሳብ ሓንሳብ ንሕና ክርስትያናት ቅድሚ ዋዒ ወይ ፈተና ምምጻና ዘሎና ህይወት ኩሉ ተሪርን ዉቁብን እዩ ዝመስል ግና እቲ ሃልሃልታ ዋዒ ምስ መጸ ከምቲ ካሮት ኩሉ ትርና ይጠፍእ ተስፋና ይቕህም ዝነበረና ህይወት ይለዋወጥ በቲ ፈተና ኸኣ ኣዚና ንጽሎ።

እቲ እንቆቆሖ እውን ተኾነ መጀምርያ ኣብቲ ሓዊ ቅድሚ ምእታዉ ልስሉስ ቀልጢፉ ዝስበር እዩ ዝነበረ ኣብቲ ፉሉሕ ማይ ምስ ኣተወ ግና ኣዚዩ ተቐይሩ ብፍላይ እቲ ውሽጡ ኣዚዩ ተሪሩ ከምኡ ኸኣ ንሕና ክርስትያናት ሓንሳብ ሓንሳብ ኣብ ፈተና ክንኣቱ ከሎና እቲ ዝነበረና ስቡርን ቅጥቁጡን ልቢ ይተርር ብምረትን ጋሂን ከኣ ውሽጥና ይመልእ እሞ ልብና ብምግሩምራምን ሓዘንን ይመልእ። እቲ ሳልሳይ ኣብቲ ዉዑይ ማይ ዝተሰኽተት ቡን ግና ልክዕ ከምኣቶም ኣብቲ ዉዑይ ማይ ኣትዩ ክነሱ ንሱ ከይተለወጠ ጣዕሚ ናይቲ ማይ ኩሉ ብምልኡ ቀይርዎ ከምቲ ዝጠዓምክዮ ኸኣ መቐረት ዘለዎ ኮይኑ። እምበኣር እዛ ጋለይ ገለ ኣመንቲ ግና ዋዒን ፈተናን ክመጾም ከሎ በቲ ዋዒ ዘይኮኑ ዝልወጡ ንሶም እዮም ነቲ ሓዊ ለዊጦም መቐረት ዘለዎ ሃዋህው ዝገብርዎ።  

ኣብ ህይወትና ዝተፈላለየ መከራን ፈተናን ክመጽእ ከሎ መቲ ካሮት ካሮት ትርና ኣጥፍእና ብድኻም ክንዋሓጥ ዘይኮነስ ከምቲ እንቆቖሖ ልብና ብምረት ክተርር ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ከምቲ ቡን ነቲ ሃዋህው ዝቐየረ ከምኡ መታን ናይ ለውጢ ን መቐረትን ሰባት ንከውን ስለ ዝደልየና እዩ። ስለዚ ፈተና ክመጸኪ ከሎ እዛ ጓላይ ህይወትኪ ንመን ትመስል ነቲ ካሮቲ ዶ ወይ ነቲ እንቆቖሖ ወይ ከኣ ነቲ ቡን? ኢላ ንጓላ ዓቢ ትምህርቲ ሃበታ።