20
Sat, Apr
0 New Articles

ኣድያም (4ያ ክፋል)

Literature
Typography
ኣድያም ኣብቲ ዓራታ ኮፍ ኢላ ብሓሳብ ናብ ርሑቕ ከደት፣ ኣብ ኣእምሩኣ ኸኣ ብዙሕ ነገር ክመላለሳ ጀመረ፣ “ኣምላኸይ ኣነ መን ምዃነይ ይፈልጥ እየ ታሪኸይ እውን ኣንደዕዲዔ ይፈልጦ እየ፣ ንስኻ ግና ኣይንዓቕካንን፣ እንኳዕ ደኣ ንዓኻ ፈለጥኩኻ እምበር ኣዚ ንዓኻ ብምስዓበይ ዝመጸኒ ዘሎ መከራ ክቕበሎ ውሳኔይ እዩ” እናበለት ንብዓት ብኽልተ መዓጓጉርታ ክፈስስ ጀመረ፣ ኣድያም ኣብ ርእሳ ዝነበራ ኩቱር ቃንዛ ከደቅሳ ኣይከኣለን፣ ብፍላይ ምሸት ምሸት ሓለፋ ኣለዎ፣ ምስ እዚ ኹሉ ጸገማ ግና ንኣምላኽ ምምስጋን ኣየቃረጸትን፣ ብፍላይ እግዚኣብሄር ይሓልየለይ እዩ ትብል መዝሙር ደጋጊማ ትዝምራ ነበረት፣

 

ኣብዚ ኸመዚ ኩቱር ሓሳብ ከላ ኣያ ዶክተር ሁርግ ዝብላ “ኣይትሰንብዲ ኣድያም ከመይ ይስማዓኪ ኣሎ” ኢሉ ርእሳ ተንከፋ፣ ኣድያም “ዶክተር ቀስ በል” ኢላ ዘለዋ ኩትር ቃንዛ ገለጸትሉ “ኣድይም ሕጂ ሓዊኪ ኢኺ ኣጆኺ ድሕሪ ቕሩብ ገዛኺ ክትከዲ ኢኺ ጥራይ ነዚ ዝሃብኩኺ መድሃኒት ብዝግባእ ጥራይ ውሰድዮ” በላ ብፍላይ ገዛኺ ትብል ቃል ምስ ኣውጻላ፣ ኣብ ኣእምሮኣ ናይ ኣቡኣን ኣዲኣን ሓዋን ጸርፍን ማህረምትን ቅጅል በላ እሞ የዒንታ ካብ ዶክተር መሊሳ ኣብ ከቢድ ሓሳባት ኣተወት” ዶክተር “ኣድያም ናብ ገዛ ምኻድ ተሃዊኪ ናፍቕዮ ዶ ደሓን ኣጆኺ ሓዊኺ ኢኺ” “ሓራይ ዶክተር” በለት ኣድያም ብትሑት ድምጺ፣

“ኣድያም ስምዒ እንዶ ኣቦኺ ክሳብ ክንድዚ ዝቑጥዓክስ እንታይ እዩ እቲ ጸገም? ክሳብ ክንድዚ ማእሰይቲ ኣብ ልዕሌኽስ” በላ ዶክተር ነቲ ሚስጥር ክፈልጥ እናተሃንጠየ፣ “ደሓን እዩ እኮ ኣበይ ሓራቕ ስለ ዝኾነ እዩ” በለት ኣድያም “እንታይ ኮይኖም ሓሪቖም ኣድያም ክሳብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ዘውርድልኪ” በላ ዶክተር “ኣጋጣሚ ኣምስየ መጽየ” በለት ኣድያም ብትሑት ድምጺ “ኣየ ደቂ ሎሚ ኣበይ ኣምሲኺ ኣድያም ስለምንታይ ተምስዪ”

ኣድያም “ዶክተር ጸሎት እየ እኮ ኣመስየ” ዶክተር ፍሽኽ ኢሉ “እንታይ ጸሎቱ ናይ ምሸት ጸሎት ዶ ኣሎ እዩ” “ኣነ መንፈሳዊት እየ ንኣምላኽ ከኣ የፍቅሮ ኣየ ምስ ከማይ ዝኣመስሉ ሓቢርና ኸኣ መጽሓፍ ቁዱስ ክንመሃርን ክንጽልን ኣመሲና ኣቦይ ግና ሃይማኖትኪ ቀይርኪ ኢሉ እዩ ኣዚ ኹሉ ኣውሪዱለይ” በለት “ኣድያም ንስኺ ንእሽቶይ እኺ ዘለኺ ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ትምሃርሉ ትምዕብልሉ እዋን እምበር ኣብ ዘይጭበጥን ዘይእምንን ነገር ኣቲኺ ትኸድሉ ሰዓት ኣይኮነን” ኢሉ ገንሓ “ዶክተር መገዲ ኣምላኽ ምሓዝ ጌጋ ድዩ” ኢላ ተመሊሳ ሓተተቶ “ኣድያም ብመጀመርያ ኣምላኽ ከም ዘሎ ከመይ ጌርኪ ኣረጋጊጽኪ? ኣየናይ ኣመላኽ እዩ ኸ ኣምላኽ?” ኢሉ ብሕቶ ዘዋጠራ መሰሎ፣ “ዶክተር ሓቅኻ ኢኻ ኣእምሮና ብዛዕባ ኣምላኽ ኣሎ ድዩ የለን ኢሉ ክመራመር ዓቅሚ የብሉን፣ ኣምላኽ ከም ዘሎ ርጉጽ ምዃኑ ግና ሕጂ ሕጂ ሓደ መረጋገጺ ከርእየካ” በለቶ ኣድያም “እንታይ ኢልኪ እስከ ኣረጋግጽለይ” ኢሉ ብሓውሲ ምሕጫጭ ተዛረበ “ኣምላኽ ከም ዘሎ መረጋገጺ ደኣ እንሆ ኣብዚ ጥቓይ ኮይኑ ዝዛረበኒ ዘሎ ሰብ እዩ” በለቶ ኣድያም “እንታይ ኣይተረደኣንን መን ኣብ ጥቓኺ ዘሎ” በላ ዶክተር ብምግራም

“ዶክተር ንስኻ ኣምላኽ ከም ዘሎ መረጋገጺ ኢኻ፣ ርኣይ እሞ ደክተር እስኻ ሓኪም ኢኻ ብዛዕባ ኣቃውማ ሰባት ትፈልጥ ኢኻ ኣይገርመካን? ሰብ ከምቲ ሙሁራት ዝብልዎ ከመይ ጌሩ እዩ ብኣጋጣሚ ዝመጽእ? ንስኻ ከም ሰብ ኮይንካ ኣብዛ ምድሪ ምምልላስካ ኣይገርምን ዶ? መጽሓፍ ቁዱስ እንታይ ይብል መስለካ “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ የማስወካ ኣለኹ” ኢሉ ስለዚ ዶክተር ምናልባት ከይትቕበሎ ትኽእል ንስኻ ግና ብኢድ ኣምላኽ ዝተፈጠርካ ኢኻ” ኢላ ተዛረበቶ ኣየ ኣድያም ኢሉ ዶክተር ክርትም ኢሉ ሰሓቐ፣

ኣድያም በለ ዶክተር “እዚ ሕዝክዮ ዘለኺ ስነ ሓሳብ ጥራይ እዩ ኣይትዓሸዊ” ኢሉ ክኸይድ ምስ ተበገሰ፣ ኣድያም ቕልጥፍ ኢላ “ዶክተር ክልእ መረጋገጺ ኣሎኒ” “እንታይ ኣድያም” በለ ዶክተር ክፈልጥ እናደለየ “ኣነ ባዕለይ” በልቶ ኣድያም “ብከመይ” በላ ዶክተር “ኣነ ናይ ትማሊ ኣድያም ከይመስለካ ታሪኸይ ዝተለወጠ እዩ ብዝኾነ እቲ ታሪኽ ነዊሕ እዩ፣ ሕጂ ተሃዊካ ኣለኻ ካልእ መዓልቲ ክነግረካ እየ ብሰፊሑ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ከዕልለካ እየ ሓራይ ዶክተር” “ኣድያም ሕራይ ግና ክትወጺ ኢኺ ኣበይ ክንራኸብ በላ” “ዶክተር ፕሮሚሰ ናይ ግድን ሞባይልካ ሃበኒ ክድውለልካ እየ” በለቶ “ሓራይ ክንራኸብ ኢና” በላ ዶክተር፣ ዶክተር እናሰሓቐ ናብ ካልእ ሑሙማት ከደ፣

ኣድያም “ዎ ኣምላኸይ እዚ ነገር ኣዚ ካብ ሙሁራትን ፈላጣትን ሰዊርካ ስለ ዝገለጽካለይ የመስግነካ ኣለኹ” ኢላ ንኣምላኽ ኣመስገነት፣  ኣድያም ብዛዕባ ዶክተር ዝበል ኣዚዩ ኣሕዘና፣ “ኣንታ ኣምላኽ ከምይ ጌሮም እዮም የለኻን ዝብሉኻ ከመይ ጌርሞ እዮምከ እቲ ብወድኻ የሱስ ክርስቶስ ዝገበርካዮ ምድሓን ዝርስዑ” ኣነ ግና ወሰኸት ኣድያም “ ካባኻ ፈልከት ኣይብልን እየ” ኣምለኸይ ተመስገን እናበለት ምስጋናኣ ምውዳእ ኣበያ፣

ኣድያም ብዛዕባ ወለዳ ኣብ ልዕሊ ሒዛቶ ዘላ ኣምነት ኩቱር ዝኾነ ጽልኢ ክትሓስብ ከላ ውሽጣ ብምግራም እዩ ዝመልእ፣ “ስለምንታይ ክንዲ መንገዲ የማንን ጽድቅን ዝኸድኩ? ቀደም ደኣ ከማኡ ዘይብሉኒ? ምዃን ንሶም መዓስ ኮይኖም ደይ ስለ ዘይበርሃሎም እዩ እምበር ጸሊኦምኒ ኣይኮኑን” እናበለት ንወለዳ ከይትቅየመሎም ወሰነት፣ ኣድያም መድሃኒት ትበልዓሉ ሰዓት ስለ ዝኣኸለ ካብ ሓሳብ ወጺኣ ነቲ ኣብ ኮሞዲኖኣ ተድርዲሩ ዝነበረ መድሃኒት ክትወስዶ ጀምረት፣ ኣቲ መድሃኒት ምስ ወሰደት ከኣ ሩፍ ኢላ ደቀሰት፣ ኣብ ከቢድ ድቃስ ከላ ሓደ ሕልሚ ሓለመት፣ ሓደ ገጅፍ ጸሊም ገበል ክውሕጣ እናተወርወረ ናብኣ ገጹ ይመጽእ ነበር፣

ኣድያም ድሕሪ  እዚ ዘፍርሕ ሕልሚ ከይተፈለጣ የሱስይ ኢላ ብድድ ኢላ ተሰኣት፣ “ኣድያም ጓለይ ሕሽኺ ዶ” ኢለን ሒቑፍ ኣቢለን ሰዓማኣ፣ ኣብኡ ኸኣ “ኣዱ ጓለይ ሓዊኺ ዶ?” ኢሎም ኣቦይ ዓንደ ትርር ኢሎም ሓተትዋ፣ ኣድያም “ባብ ማማ መዓስ መጺኹም ደኣ ነዊሕ ጌርኩም” ኢላ ኣጥቢቓ ሓተተቶም “ኣየ ከቢድ ድቃስ እንዲኺ ደቂስኪ ሕሺኺ ዶ ኸ? ኢለን ኣደይ ጎዖይ ካብ ሓሳባ ኣበራበርኣ “ደሓን እየ ኣምላኽ ይመስገን ቁሩብ ቃንዛ ኣሎኒ እምበር ካብ ናይ ዝሓለፍ ሰሙንሲ ሒጂ ይሕሸኒ” ኢላ ብልስሉስን ልዙብን ቃላት መልሰትሎም፣

ኣበይ ዓንደ የማነይቲ እግሮም እናነቕነቑ “ረኣዪ ኣድያም ጓለይ ኣብ ዘይሽይጣነይ ኢኺ የእቲኽኒ፣ ሕጂ እውን ኣድያም ጓለይ ተኽብርኒ እንተ ኾንኪ በጃኺ ስምዕኒ..” ኢሎም ዘረብኦም ከይወድኡ ኸለዉ እወ እዛ ጓለይ በጃኺ ስምዕዮም ኢለን ኣብ ብርካ ወደቓ፣ “እወ ኣድያም ጓለይ ብህይወት ክነብር ትደሊኒ እንተ ኾይንኪ እዛ ዝብለኪ ዘለኹ ስምዕኒ” ኢሎም ትርር ኢሎም ተዛረብዎ፣ “ማማ በጃኺ እንዶ ተስኢ እንታይ ትገብሪ ኣሎኺ” ኢላ ፊቕ ኢላ በኸየት “ሕራይ ከይበልክና ብፉጹም” እናበላ ፊቕ ኢለን በኸያ ወይዘሮ ግዖይ፣ “ኣድያም እዚ ሕዝክዮ ዘለኺ ኣይናይ ኣቦና ኣይናይ ኣዴና እዩ ኣነ ከኣ ዘመነይ ኩሉ ተከቢረን ተፍሪሔን ዝነብርኩ ሰብኣይ እየ፣ ንስኺ ሕንጫል ቆልዓ ሽመይን ዓጽመይን ከተጥፍእዮ ኣይኮንክን ኣይተጸልልኒ በጃኪ ስሞዕኒ ማርያም ትስማዕኪ፣  

ኣድያም ብኸመይ ከም ትምልሰሎም ጠፍኣ ርእሳ ጭርውርዉ በላ፣ “ማም ተስኢ እንዶ እንታይ ዶ በዲለ ኣየ በጃኹም እባ ሕደጉኒ” ኣብ ኣእምሮ ኣድያም ሓሳብት ክወናጨፍ ጀምረ፣ እንታይ ኣለዎ ድዩ ሐራይ ዘይትብልዮም ደሓር ትቅጽልዮ፣ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር እንድዩ ዝብል ኣዋእ ቃል ኣምላኽ ካባይ ንላዕሊ ነብኡን ነዲኡን ዘፍቕር ወዲ መዝሙረይ ክኸውን ኣይበቅዕን እዩ እንድዩ ዝብል፣ ኣብ ቅድሚ ስብ ዝኸሓደኒ ኣነ ክኽሕዶ እየ እዩ ዝብል፣ እዚ ኹሉ ሓሳባት ኣብ ኣእምርኣ ክነፍስ ጀምረ፣ ብሃንደበት “በቃ በቃ” ኢላ ጨደርት ኣድያም “ተንስኢ ማም ኣይትብከዪ ” ኢላ ፊቕ ኢላ በኸየት፣

ሃንደበት ሓንቲ ነርስ ማዕጾ ከፊታ ኣተወት ኣሞ “ደሓን ዲኹም ክንድዚ ዋዕ ዋዕ? ነዞም ኣብዚ ገዛ ዘለዉ ሑሙማት እኮ ድቃስ ከሊእክምዎም በጃኹም ስርዓት ግበሩ ደሓር ከኣ ሰዓት ናይ በጻሕቲ ኣኪሉ ኣዩ” በልቶም፣ “ደሓን ኢና እኮ ሲስተር ናይ ቤተሰብ ጉዳይ እዩ” ክኸውን ይክእል እዩ ግና ንኹሉ በበቱኡ ኣለዎ” ኢላ ብሓውሲ ሕርቃን ንኣቶ ዓንደ መለሰትሎም፣ ብዓይና ጌራኸኣ ናይ ዉጹ ምልክት ኣርኣያቶም፣ “ኣድያም እዛ ዝበልኩኺ ሕሰብላ ሕሰብላ” በልዋ ኣቦይ ዓንደ “እወ ኣድያም ጓለይ ኣይትዓሽዊ” ደገማ ኣደይ ጎዖይ፣ ኣድያም ኣንትርፎ ካብ ኣዒንታ ዝወጽእ ንብዓት ምንም ኣይመለሰትን፣ ኣቦኣን ኣዲኣን ከኣ ሓዲጎማ ኸዱ፣

ኣድያም ኣፍ ተመስገን ኣምላኸይ ኢላ ንብዓታ ደረዘት፣ “ረብሽናኪ ዶ” በለታ ነታ ኣብ ጥቕኣ ደቂሳ ዝነበረት ኣብ ሰላሳታት እትርከብ ዝሓመምት መንእሰይ “ኣይ ደሓን ኣይረብሽክሙንን ደሓን ድዮም ስድራኺ ክንድዚ ዘጨንቁኪ” በለታ ሓውሲ ሕፍር ኢላ “ኣይ ደሓን እዮም መገደይን ኣካይዳይን ስለ ዘይተረደኦም እዩ” ኢላ መለሰትላ “ማለትኪ ኣይተረደኣንን” “ሶሪ ኣብ ኩቱር ቃንዛ ስለ ዝቐንኹ ክሳብ ሕጂ ኣይተላለናን መጀመርያ ሽምኪ ዶ ክትነግርኒ ምፍላጥ ጽቡቕ ኢንድዩ ኣሕዋት ከኣ ንኸውን” በለታ ኣድያም “ኣወ ሓቅኺ ስመይ ራህዋ ይብሃል” ኣነ ኸኣ “ኣድያም ይበሃል” ተበሃሃላ፣ “መዓስ ደኣ ናብዚ ሆስፒታል ኣቲኺ ደሓን ዲኺ” ኢላ ብዛዕብኣ ቁሩብ ክትፈልጥ ስለ ዝደለየት ኣድያም ሓተተታ፣ ራህዋ “ሕጂስ እንሆልኪ ወርሐይ ቐሪበ ኣለኹ” ኢላ መለሰትላ፣ ኣድያም ኣብ ገጽ ራህዋ ፉሉይ ናይ ተስፋ ምቑራጽ መንፈስ ተንብብ ነበረት፣ ሕማማ እንታይ ምኳኑ ክትሓታ ደለየት ግና ተስኪፋ “ደሓን ክትሓዊ ኢኺ ኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዩ” በለታ “ኣየ ኣድያም ሓፍተይ ይግበረለይ እምበር” ኢላ ዘረበኣ ክይወደኣት ከላ ካብ የዒንቲ ራህዋ ንብዓት ኮረር ኮረ ክብል ጀመረ፣

“ኣንቲ ራህዊ ክላትና እኮ ሕሙማት ኢና ኣይትበከይ እባ” በለታ ካብቲ ፖርሳኣ ሶፍት ኣውጽኣያ ሃበታ፣ ኣድያም  “ኣምላኽ ኣብዚ ቦታ ዘምጻኻኒ ብዘይ ዓላማ ኣይኮንካን እዚ እርድኣኒ ኣሎ” በለት ብልባ፣ ኣድያም ራህዋ ዝሓተተታ ሕቶ ተዘከራ እሞ “ራህዋ እዞም ዝረኣኽዮም ስድራይ እዮም ሕጂ ሃይማኖትኪ ቀይርኪ ኢሎም እዮም ዝቋዮቑኒ ዘልዉ” በለታ ራህዋ  ቕልጥፍ ኢላ “መንፈሳዊት ዲኺ” በለታ “እወ” ኢላ ቐልጢፋ መለሰትላ፣

“ደሓን በሊ ኣጆኺ ጸሊኦምኺ ኣይኮኑን” ኢላ ኣደዓዓሰታ ወሲኻ እውን “ንዓና መን ምሃበን ከምዚ ናትኪ መገዲ ተንሕዝ ኔርና ኣብዚ እኳ ኣይምበጻሕናን ኢላ” ንብዓታ ምቁጽጽር ሰኣነት ራህዋ፣ ኣድያም ርእሳ ቃንዛ እኳ እንተ ነበራ ቀስ ኢላ ካብ ዓራታ ወሪዳ ናብ ራህዋ ኸይዳ ሑቕፍ ኣቢላ “ኣጆኺ ራህዋ ሓፍተይ እንታይ ኮይንኪ ትበኺ ኩሉ ሰብ ይሓምም ኣምላኽ ከኣ ኣሎ” ኢላ ንብዓታ ደርዘትላ

“ኣድያም ንዓኺ ኸኣ ከይልክመኪ ጥንቕቕ በሊ” በለታ ራህዋ፣ ኣድያም ዘረባኣ ኣይተረድኣን፣ “ራህዋ ሓፍተይ ኣምላኽ ከም ዘፍቅረኪ ትፈልጢ ዶ” በለታ ኣፍደገ ከም ተኸፍተላ ፈሊጣ “ንዓይ” በለት ራህዋ “እወ ንዓኺ” መለሰትላ ኣድያም “ኣይመስለንን” በለት ራህዋ “ስለምንታይ ራህዋ ከምኡ ኢልኪ” ሓተተታ ኣድያም “ኣድያም ፕሊስ ኣይትጸግዕኒ ኣነ” ኢላ ዘርባ ከይወደኣት ፊቕ ኢላ በኸየት “ራህዋ ሓፍተይ በጃኪ እስኺ ክንዲ ተጸናንዕንስ ትበኺ ምሽ ወለደይ ከብክዩኒ ጸኒሖም ንስኺ ኸኣ ከትብኪኒ ደሊኺ” ኢላ ካብ ንብዓታ ክትመልሳ ተጋደለት “እውይ ሓቅኺ ሶሪ ኣዱ” በለታ ራህዋ፣ ኣድያም ንሰብ ቐልጢፋ ቀሪባ መሓዛ ክትገቦሮ ግዜ ኣይወስደላን እዩ፣

ኣድያም ኣብ ሆስፒታል ካብ ትኣቱ ምስ ማንም ሰብ ኣፋ ከፊታ ኣይተዛረበትን፣ ምንም ኣኳ ዘለዋ ቃንዛ ናይ ስድርኣ ጸቕጢ ኣዚዩ ኣንተ ኸበዳ ሕጂ ንብዓት ራህዋ ምስ ረኣየት ውሽጣ ብድንጋጸ መልኣ፣ “ራህዋ ሓፍተይ ሕጂ ብሓንሳብ ክንድረር ኢና ኣነ ኸኣ ፍረሽ ክኸውን ደሊየ ስለ ዘለኹ ኢላ ንራህዋ ጽግዕ በላታ”  “ኣድያም ሓፍተይ ኣይጠመኹን በጃኺ የዕርፊ ደሓን” በለታ፣ ራህዋ ቀልዓለም ጌራ እምበር ምስ ኣድያም ኮፍ ኢላ ከትዕልል ደልያ ነበረት፣ “ደሓን ደሓን ንዓይ ከማን እንተ የዕሊለ እየ ቃንዛይ ዝሓድገኒ” ኢላ ንራህዋ ኣብ ሓሳባ ኣርዓመታ፣

እናበልዓ ከለዋ ራህዋ ንኣድያም “ሓደጋ ዲኺ ረኺብኪ” በለታ “ኣይኮነን ራህዋ ሓፍተይ” ኣንታይ ደኣ ሓተት ራህዋ “ኣቦይ እዩ ሃሪሙኒ” ስለምንታይ “ደሓን እዩ ራህዋ” ኢላ ኣድያም ንራህዋ ናብ ካልእ ዕላል ክትወስዳ ደለይት፣ ራህዋ ኸኣ ስለ ዝተርድኣ “መዓስ ደኣ መንፈስ ኮይንኪ ሶሪ ማለተይ መንፈሳዊት ኮይንኪ” ኢላ ሓተተታ፣ ኣድያም እምብዛ ተሓጎሰት፣ “ራህዊ ታሪኸይ ነዊሕ እዩ፣ እንተ ነገርኩኺ ኣይስልጭወክን እዩ?” በለታ “ኖኖ እንታይ ኮይኑ በጃኺ ንገርኒ በለታ” ኣድያም ከኣ ኣምላኽ ዝኸፈተላ ደገ ክትጥቀመሉ ደለየት ታሪኻ ከኣ ሓንቲ ብሓንቲ ክትነግራ ወሰነት፣