25
Thu, Apr
0 New Articles

መልእኽቲ ካብ ሓውኹም ስንቁ ተስፋ ንግዳያት ኤይድስ

Salvation
Typography
መጀመርታ ንዓቢኹም ንናእሽቱኹም ንኣወዳትኩም ንኣዋልድኩም ኮታ ንኹልኹም እንቃዕ ኣምላኽ ሓሊዩን ጓስይን ናብዚ ሓድሽ ዓመት ኣብጸሓኩም እናበልኩ ኩቡር ሰላምታይ የቐድም፣ ስመይ ተስፋ ስንቁ ይብሃል፣ እዚ ስም እዚ ግና ሓድሽ ሰምየ እምበር ቀደምሲ ስመይ ጉዱል ተስፋ እዩ ኔሩ፣ በሉ ናብቲ ቀንዲ ታሪኸይ ክመልስኩም፣ ኣብ ዝሓልፈ ግዜ ኣብ ሬድዮ ሰላምና ብዛዕባ ተስፋ ንግዳያት ኤይድስ ዝብል ምስ ሰማዕኩ ኣዝየ ተሓጊሰስ ኣነኸ ብወገነይ ነዚ ሓድሽ ዓመት ዝኸውን ካብ ተመኩሮይ ስለምንታይ ነቶም ግዳያት ወስ ዘይብለለም ብዝብል እየ ብርዓይ ኣዋዲደ፣ ቅድሚ ኹሉ ግና ክነግረክም ኣነ ንባዕለይ እውን ግዳይ ምኻነይ ክሕብረኩም እፈቱ፣

ኣነ ሓውኹም ስንቁ ተስፋ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቖልዑን እየ፣ ኣዚየ ሃብታም እኳ እንተ ዘይኮንኩ ግናስ ዓቕሚ ርእሰይ እየ፣ ሰሪሔ ዝኣቱ ስድራይ ብዝግባእ ዝኣሊ ሰብ እየ ኔረ፣ ግና ንኣምላኽ እንተ ዘይፈሪሕካ ጠንቀምቀም ምባል ኣይተርፍን እዩ፣ የዕሩኽ ከኣ መጋገይቲ እንድዮም፣ ብስራሕ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበርኩ እዋን ምስ ሓንቲ ጎርዞ መንእሰይ ተላለኹ፣ ኣንቱም ሰባት በዓል ሓዳር ኣሚን ዘላትኒ እኮ እየ፣ እዚ ግና መዓስ ቀይድኒ፣ ኣብዚ ዘመና ፍቕሪ ዝብልዎ ግና ዘይኮነ ፍቕሪ ይሕዘኒ እሞ ምስታ ጓል ሃነይነይ ክብል ጀመርኩ ብሕብኡ ኸኣ ከም ካለኣይቲ ሰበይተይ ኮነት፣ ንዕኣ ደልየኸኣ ስራሕ ዘይብለይ ክነሰይ ስራሕ ኣሎኒ እንበልኩ ምውረሓይን ምቕናየይን ምስኣ ኾነ፣

ንቡር ኣይተርፍን እዩ ናብ ገዛ ይመጽእ ከምቲ ኣፋ ምሳይ ልባ ምስ ደበሳይ ዝበሃል ኣነ ድማ ኣመሰሉነት ህይወት ሒዘ ብኣፈይ ንሰበይተይ ብልበይ ግና ምስታ ኽልእ እዩ ኔሩ፣ ከምዚ እንበለ ኸኣ ዳራጋ ክልተ ዓመት ሓለፈ፣ ኣብ መወዳእታ ነታ ዝሓዝክዋ ጎርዞ መኔያ እሞ ተሓዳደግና፣

ሓደ ግዜ ኣካላተይ ቅርጥምጥም ስለ ዝበለኒ ኣዚየ ኸኣ ስለተቖንዘኹ ንሕክምና ይኸይድ፣ ሓኪም ከኣ ግቡእ ምርምራ ይገብረለይ፣ ኩሉ ነገረይ ምስ ፈለጠ ማለተይ በዓል ሓዳር ምኻነይ ምስ ኣስተውዓለ ሓቢረ ምስ በዓልቲ ቤተይ ክመጽእ ነገረኒ፣ እቲ ዛንታ ክሕጽረልኩም፣ ከምቲ ዝበለኒ ምስ በዓልቲ ቤተይ ናብቲ ሕክምና መጻና መቸመ እታ መዓልቲ ክዝክራ ኸለኹ እንድዒ በቓ ኣነን ሰበይተይን ተሰከምቲ ኤይድስ ምኻና ተነግረና፣ ንሰበይተይ ለኪመ ንገዛይ ዘርሞ ዘርሞ ኣእተኽሉ፣ ሓዘን ንገዛና ወረራ መልኣኽ ሞት ብዘሎ ስድራና ኣነጸላለዋ፣ ኩሉ ነገር ጸልመተና ንሕዞን ንጭብጦን ጠፍኣና፣ ሰላም ቤትና ኣርሒቑ ሃደመ፣
ካብዚ ነገር እዚ ክሃድም ዝከኣለኒ ኩሉ ገበርኩ ግና ኣይከኣልኩን፣ ነፍሰ ስጋይ ብሓንሳብ ተወደኣ፣ ብዓልቲ እንዳይ ከምታ ትቕምስል ዕንባባ ቐምሰለት፣ ፈተወተይ መቕርበይ ኩሎም ሓደ ብሓደ ካባይ ሃደሙ፣ ኩሉ ተወዳኣኒ ሓደ ግዜ ናይ መጨረሻ ውሳኔ ወሰንኩ ተሓኒቐ ክመውት ኣብዚ ሓሳብ እንከለኹ እዩ ኣብ ሓደ ቦታ በይነይ ኮፍ ኢለ ኸለኹ ሓደ መንእሰይ ጎበዝ ሓንሳብ ዶ ኮፍ ክብል ምሳኻ በለኒ፣ ብውሽጠይ መንንተይ እንተ ዝፈልጥ እኮ ኣሽንካይ ኮፍ ክብል ከም ብዕራይ ምስ ነፈጸ በልኩ ዝኾነ ኾይኑ ኮፍ በል በልክዎ፣

እቲ ወዲ ተቐላጢፉ ተስፋይ ይበሃል በለኒ ኣነ ኸኣ ሽመይ ነገርክዎ፣ ተስፋይ ኣይተጋየሸን እንታይ ደኣ ዝን ኢልካ በለኒ፣ ኣነ ኸኣ ምረት ስለ ዘለኒ ዓለም ጸሊኤያ በልክዎ፣ ሓቕኻ ትጽላኣ እንድያ የግዳስ ክንዮ እዚኣ ኣማዕድይና ክንሪኢ ኣሎና በለኒ፣ ኣንታ ሓወይ ኣነስ ዝረኣ የብለይን ኣብ ቅድመይ ዘሎ ኸኣ ጸልማት እዩ በልክዎ፣ ደሓን ከምኡ ኣይትብለ ጸልማት እንተ ዘልይህሉ ኸኣ እኮ ብርሃን ኣይምሃለወን በለኒ፣

ሓወይ መን ምኻነይ ኣይፈለጥካንን እምበር ንዓይ ዝኸውን ብርሃን ከም ዘየለ ምስ ኣስተውዓልካ በልክዎ፣ ሓቕኻ ሰብ ብዘይ እቲ ብርሃን ኩሉ ነገሩ ጸልማት እዩ፣ ንስኻ እውን ሓደ ካብ ሰባት ኢኻ እሞ ጸልማት ክኸበካ ናይ ግድን እዩ ግና ተስፋ ኣሎ በለኒ፣ እንድዕ ተስፋይ ኣነስ በል ካብቶም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንማሕረዲ ናብ ማቻላዮ ዝኸዱ ሰብ እየ፣ መዓልታተይ ከኣ ድሮ እኮ ተጸንቂቐን እየን በልክዎ፣ ልክዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ የግዳስ ኣብት ዝዝተጸንቀቐ ነጠብጣብ ኣንጢቡ ዝመልእ ከምዘሎ ኸኣ ፍለጥ፣ በለኒ ተስፋይ፣

እንታ ሰብ ክንገረካ ዶ ኣነ ተሰካሚ ኤችኣይቪ እየ፣ ሰበይተይ ለኪመ ገዛይ ዘጸልመትኩ ብልሽው ሰብ እየ ተረዲኢካ ዶ? በልክዎ፣ ተስፋይ ኣይሰንበደን ፍሽኽ እንዳበለ፣ ከቢድ እዩ ግና ሰበ ኣብዛ ምድሪ ክነብር ከሎ ዓስቢ ኣበስኡ ቡዙሕ እዩ ዝዓጽድ ግና ምሕረት ኣምላኽ ግና ሓለፍኡ ዓቢ እዩ፣

እዛ ሓወይ በለኒ ብስራት ኣሎኒ ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ፣ ብውሽጠይ ሰሓቕክዎ ከይተፈለጠኒ ኸኣ ንዓይ በልክዎ፣ እወ ንዓኻ፣ ብኸመይ ሓተትክዎ፣ ኣምላኽ ስለ ዘፍቀረካ ስለኻ ክብል እኰ እዩ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ክመውት ጌርዎ፣ ውስኽ ኣብሉ ኸኣ ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩቡር ፍጥረት ኢኻ፣

ኣምላኽ በመጠን እቲ ዘለካ ክፍኣትን ጉድለትን ዘይኮነ ዝርኣየካ ከም ዘለኻዮ ይጥንቀቐልካን ይፈትወካን፣ ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ እንታይ ይብል መስለካ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳብ ዝህብ ንኣኦለም ኣፈቀራ ይብል ስለዚ ሓወይ ሎሚ ከምዚ ኢልካዮ ዘለኻ ኣካይዳ እንተ ኸይድካ ኣማውታኻ ክኸፍእ እዩ መወዳእታኸ ኸኣ ኣይጽብቕን ስለምንታይ ኣማውታ ጀጋኑ ዘይትመወት በለኒ፣

ልበይ ብሓጎስ ክመልእን ክሰራሰርን ጀመረ መመሊሰ ኸኣ ክሰምዕ ደለኹ፣ እንታይ ክገብር በልክዎ፣ ተስፋይ እቲ መንገዲ ጥውይዋይ ኣይገበሮን ቀሊሉ እዩ በለኒ ሓጥያትካ ተኣመን ንመድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ ኣብ ልብኻ የእትዎ ከምቲ ቃል ዝብል ብልብኻ ኣሚንካ ብከናፍርካ ኸኣ የሱሱ ጎይታ ህይወተይ ኩን በሎ ሽዑ ለውጢ ህይወት ጣዕሚ ናብራ ክትሪኢ ኢኻ ድሒሩ እዋን ሕማም ኣይድስካ ምንባር ኣብዛ ምድርኻ ከም ዘይድርቶ ክትሪኢ ኢኻ በለኒ፣

ከምቲ ዝበለኒ ኩሉ ገበርኩ፣ በቃ ምስ ኣምላኽ ተዓሪቐ ምስ ኣምላኽ ክኸውን ወሲነ ጸሎት ኣፍቂረ መጽሓፍ ቁድስ ምንባብ ፈትየ፣ ተስፋይ ናብ ገዛና መጺኡ ቃል ብስራት ንባዕልቲ ገዛይን ንደቀይን ነገሮም፣

ኣንቱም ሰባት ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ እታ ድነ ገሃንም ዝነበራ ገዛና መንግስተ ሰማይ ተተኺላታ፣ ሓለፋ እቲ ቐደም ዝነበርክዎ ብተስፋ ሰኒቐ ብሩህ መጻኢ ተዓጢቐ ብኽብሪ ክመላለስ ጀሚረ፣ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2ቆሮንጦስ 16-17 “እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕድስ ኣሎ ስለዚ ኣይንሕለንን ኢና ዝበሎ” ኣነ ኸኣ ብስንኪ እቲ ምሕዳስ ውሽጠይ ናብራ ኣብዛ ዓለም ክምቅረኒ ጀሚሩ፣

የሕዋትና ዮናታንን ሶስናን መዝሙር ኣውጽዮም ኣሎው “ትርግም ምንባረይ ንስኻ ኢኻ ምንባረይ ፈቴዮ ሳላኽ” ኣንታ ሓቆም ኣነ ኸኣ ነዚ ኣብ መስቀል ዝመተለይ ዘፈቀረኒ ተበጃውየይ መድሕነይ ልበይ ኩሉ ጋህ ስለ ዘበልክሉ ምንባረይ ፈትዮ እብሎ ኣለኹ፣

ኣንቱም ሰባት ተጽሊልካ ኣይትበሉኒ ብፍቕሪ ኣምላኽ ተጸሊለ ኣለኹ፣ ከመይሲ ሓጥያተይ ይቕረ ኢሉ ኣበሳይ ደምሲሱ እቲ ኣብ ዓለም ብዝሙት ዘይረኸብክዎ ሰላም ውሽጠይ መሊኡ ይሰራሰር ኣለኹ፣ ጾረይ ኩሉ ተቐንጢጡ ጾር መድሓንየይ ተሰኪመ ሓጥያተይ ኩሉ ሪሒቑ ምሕረት ኣምላኽይ ለቢሰ፣

ምድራዊ ስጋይ ይምህምን ኣሎ ግናኸ ናብቲ ሰማያዊ ክኸይድ ሃረር እብል ኣለኹ፣ ንምንባረይ ትርጉም ረኺበሉ ንመጻእየይ ዝጭበጥ ተስፋ ሒዘሉ እንቱም እንታይ እየ እሞ ክብል ነቲ እሙን ግና ዘሎ ዘይረኣይ እናረኣኹ ብዙሓት ክሳብ ዝግረሙ ብህይወትን ተስፋን ይነብር ኣለኹ፣ እዚ እዩ ኣምላኽ ተኣምራት የዒነትይ ከፊቱ ኣብ ህይወተይ ሓዳረይ ቤተይ ዝገበሮ፣
ኣእምሮይ ቀሲኑ እዩ መንፈሰይ ዓሪፉ እዩ እቲ ሓኪም ዝኣዘዘለይ መድሃኒት እናበላዕኩ እውን ስርሓይ እናሰራሕኩ ስድራይ የማሓድር ኣለኺ፣ ገዛይ እንተ መጺኹም ሰሓቕ ተስፋ ሓጎስ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ብፉጹም ኣይትሪኡን ኣምላኽ ተኣምራት ልዕሊ እቲ ኣብ ስጋይ ዝኾነ ኣብ መንፈሰይን ነፍሰይን ታኣምራት ጌሩ እዩ እሞ ስብሓት ንዕኡ ይኹን፣

እምበኣር ኣነ ሓውኹም ስንቁ ተስፋ ነዞም ከምዚ ኸማይ ግዳያት ኤይድስ ዝኾንኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ንዓኹም ዘሎኒ እዚ እዩ፣ ከምዚ ኸማይ ብጌጋ ኣምጺኽዎም ክትኮኑ ይከኣል እዩ፣ ከምዚ ኸማይ ብስንኪ ዝገበርኩዎም ምንዝር ቤትኩም ለኪምኩም ክትኮኑ ይከኣል እዩ ወይ እውን ብዝተፈላለየ ዘይሓሰብክምዎ ኣጋጣሚታት ተለኪምኩም ክትኮኑ ይክኣል እዩ እዚ ሓሊፉ እዩ፣ ካብዚ ዘለኽምዎ ሓዘቕቲ ክትወጹ እትኽእል እቲ እንኮ ምርጫ እዚ ኣነ ዝወሰድክዎ ስግምቲ ምውሳን እዩ፣ እሱ ኣበሳኹም ተኣሚንኩም ሓጥያትኩም ተናዚዝኩም ነቲ ኣምላኽ ምሕረት ናብ ህይወትኩም ጸውዕዎ፣ ኣድህይዎ ንረዲኢተይ ንዓይ ናባይ በልዎ፣

ንሱ ንዝሞተ ህያው ዝገብር ንዝጸልመት ዘብርህ ንዝተቐብጸ  ዝልውጥ ንዝተወደኣ ዝጅምር ኮታ ናይ ተስፋ ረዲኤት ሓገዝ ኣምላኽ እዩ፣ከም ሰብ ኣይኮነን ዝፍንፍን ከም ሰብ ኣይኮነን ሓራይ ኮንካ ዝብል፣ ኣንቱም ሰባት ከም ሰብ ኣይኮነንን ረሓቐለይ ዝብል፣ ንሱ ፍቕሪ እዩ ኣቦ ፍቕሪ ስለዚ እንሆ መጽየካ ኣለኽ ንብሎ፣

ኣብ መጽሕፍ ቁዱስና ሓደ ካብ ቤት ኣብኡ ኮብሊሉ ኣብ ዓለም ዓንዲሩ ዘሚዩ ሰኪሩ ናብ ቤት ኣቡኡ ዝተመልሰ መንእሰይ ኣሎ፣ ኣብኡ ወዱ ምስ መጾ ረሓቐለይ ጥፋኣ ኣይበለን ብኣንጻሩ ተቐቢልዎ ሓድሽ ናይ ቃል ኪዳን ቀለቤት ሓድሽ ኪዳን ፌስታ እዩ ጌርሉ፣ እዚ መንእሰይ ኣብ ዓለም ዝኸሰሮ ክሳራ ዓቢ ዝወደቖ ውድቀት ገዚፍ ዝተዓንገጦ ሓጥያት ከኣ ቡዙሕ እዩ፣ ግና ኣብኡ እዚ ነገር እዚ ኣይገዶሰን ነዚ ለዊጡ ሓድሽ ማዕጾ ተስፋ ኣርሒሉ፣ እዚ ትሪኽ ሎሚ ኣባኻ ክድገም ይክእል እዩ እሞ ኣነ ምስክር ኮይነ እንግረኩም ኣለኹ፣

ደሓር ከኣ እኮ ዓለም ቀሪባ እያ ዝላ ስለዝ ምሟት ምሟቱስ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ነጊሱ ምሟት ይሓይሽ ከመይሲ ዕድሎት ርስትኻ መጻኢ ህይውትካ ዘልኣለማዊ ዕጫ መንግስተ ሰማይ ስለ ዝዝኸዉን፣

ስለዚ ሓወይ ብኣይድስ ሓሚምካ ዘለኻ ሓፍተይ ብኤይድስ ትማስኒ ዘሎኺ ተስፋ ኣሎ ተስፋኹም ኣይተጸንቀቐን ናብ ፈጣሪኹምን ደኳኒኹምን ምጹ እምበር ሓጺር ናይ ተስፋ ቑርጸት መንገዲ ኣይትውሰዱ ይብል፣

ነቶም ፍንጢራሕ ትብሉ ዘለኹም ድድሕሪ ዝሙትን ዕብዳንን ትኸዱ ዘለኹም ከኣ ተመለሱ ኣብዚ ናትና ዕጫ ከይበጻሕኩም መንገድኹም ኣስተኻኽሉ ናብ ኣምላኽ ተመለሱ ይብል፣

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣነ ሓውቑም ስንቁ ተስፋ ተስፋ ሰኒቐ ነታ ዘለማኣለዋዊት ቤተይ እናማዕደኹም ይነበር ኣለኹ እሞ እዚ ዕጫይ ንዓኻትኩም ይብጻሕ ይብል ጸጽብቑ ንዓኹም ርሑስ ሓድሽ ዓመት ዓመት ምሕረትን ምምላስን ይግበረልኩም ኣምላኽ ይባርኽኩም ሓውኹም ተስፋ ስንቁ፣