20
Sat, Apr
0 New Articles

ቤትኩም ቤት ማርያምን ማርታን ይኹን

Marriage & Relationships
Typography

ኣብዚ ዓለማውነትን ምግያጽን ዝበዝሖ ዓለም ንኣምላኽ ተገዚእካን ንዕኡ ፈሪሕካ ምኻድ ከመይ ዓወት ይመስለኩም። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ንቤተሰብ ዝፈታተንን ዘፍርስን ዘመን ንኣምላኽ ማእከላይ ዓዲ ቤትካ ጌርካ ኣብኡ ኣሚንካን ተጸጊዕካን ምጉዓዝ ናይ ዓወት እቲ ዝበለጸ ዓወት እዩ። ሎሚ ፋይላት ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ጉዳይ ቤተሰብ መሊኡ ዘሎ እቲ ቐንዲ ምኽንያት እቲ ማእከላይ ስፍራ ክሕዝ ዝግብኦ ኣካል ማለት ኣምላኽ ዕድል ስለ ዘይረኸበ ጥራይ እዩ። ዕሰለ ሆ እናተባህለ ብሓጎስን ብጭድርታን ዝተሰንየ መርዓ ተጌሩ ክነሱ ኣብ ዓመት ወይ ኣዋርሕ ዘይኣክል ሰዓትን ጊዜን ሽማግሌታትን ዳኛታትን ጠበቓታትን ክኣትውዎ ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ። ውጺት ኣምላኽዊ ፍርሓት ዘይብላ ቤተሰብ ከምዚ ክኸውን ግና ዘገርም ኣይኮነን። እስከ ካብቲ ንምህሮናን ንምጽንናዕናን ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ናቱ ኣርኣያ ሒዝና ክንከይድ ዝተዋህበና ሓደ ዛንታ ካብ ቃል ኣምላኽ ክንሪኢ።


 ኣብቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ዝመላለስሉ ዝነበረ እዋን ቀረባ ፈተውትን መሃዙትን ኔሮሞ እዮም ንሳቶም ከኣ ኣልኣዛር ማርያም ማርታ ይብሃሉ፣ እዞም ቤተሰብ እዚኣቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ዝነበሮም ርክብ ኣዚዩ ጉሩምን ብበረኸት ከኣ ዝተመልኣን እዩ ዝነበረ። ቐጺልና እምበኣር ካብኣኦቶም ገለ ንቤተሰብና ዝኽውን ትምህርቲ ክንመሃር ኢና። ኣብ ሉቃስ 10፡38 ከምዚ ይብለና “ኪኸዱ ከለዉ ድማ ኾነ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ” ከመይ ጉሩም ደስ ዘብል ጥቕሲ ፣ ቤት ማርታ ንየሱስ ክርስቶስ ርሑው እዩ ኔሩ። የሱስ ከኣ ኣባታ ዓዲ ምስኣተወ ንቤት ማርታ ጓሲዋ ክሓልፍ ብፉጹም ኣይደለየን ከመይሲ በታ ቤት ክሓልፍ ናይ ግድን እዩ። ስለምንታይ እንድሕር ኢልና እቲ መልሲ ርዱኡን ፉሉጡን እዩ። ንሱ ኸኣ እቲ ማዕጾ የሱሱ ክኣትወሉ ዝኽል ጋህ ዝበለ እየ ዝነበረ። ሎሚ ኸኣ ማዕጾ ቤትና ንየሱስ ከመይ ኣሎ? ሕጂ  ከም ስድራ ቤትን እንፍጥሸሉ ሰዓት እዩ! 

ኣብዚ ግዜ እዚ ህይወት ብዙሓት ስድራቤታት ንዓለማውነትን ገንዘብን ካልእ ምድራዊ ነገርን  ኣዚዩ ጋህ ዝበለ እዩ። ነቲ መዓረዪን መጸበቕን የሱሱ ግና ቤት ዕጽው እዩ። ውጺት ናይዚ ኸኣ እንሆ ንርእዮ ከም መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ስድራቤታት ተበታቲኑ ንሪኢ ኣሎና። 

ኣብ መዝሙር ዳዊት 24፡8-10 ከምዚ ይብል “ኣቱም ደጌታት ርእስኹም ኣልዕሉ ዎ ናይ ዘልኣለም ደጌታት ልዕል በሉ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪኣቱ እዩ። እዚ ንጉስ ክብሪ እዚ መን እዩ? እቲ ቡርቱዕን ሓያልን እግዚኣብሄር ኣብ ውግእ ዝብርትዕ እግዚኣብሄር እዩ።” እሞ ሎሚ'ኸ ነዚ ጎይታ ኽብሪ፡ ከም ቤት ማርታ ማዕጽ ገዛኹም ክትከፍትሉ ፍቓደኛታት ዲኹም? እዚ የሱስ ኣብ ሕልፍኚ ቤትና ምስ ኣተወ ጥራይ እዩ ጸልማትና ዝበርህ፡ ሕቶና ዝምልስ፡ ክፍኣትና ዝርሕቕ፡ ሕሰምና ዝቕንጠት ንብዓትና ዝደራረዝ፡ ፍራስና ኸኣ ዝጽገን። 

ኣብ መጽሓፍ ማህለይ ማህልይ ከምዚ ዝብል ጹሑፍ ነንብብ “ኣነ ደቀስኩ ልበይ ግና ነቔሔ ድምጺ ፍትወይ ኣቲ ሓብተይ ፍትውተይ ርእሰይ ህቦ ጎተናይ ከኣ ነጥቢ ለይቲ መሊኡ እዩ እሞ ኣቲ ርግበይ ፍጽምተይ ክፈትለይ እናበለ ማዕጾ ኪኹሕኩሕ ሰማዕኩ፣ ቀሚሸይ ኣውጺኤ እየ፡ ከመይ ኢለ ክኽደኖ ኣእጋረይ ተሓጺበ እየ ከመይ ኢለ ክርስሖ፣ ፍትወይ ኢዱ ብነኻል ሰደድ ውሽጠይ ብእኡ ተደፋነቐ፣ ንፍትወይ ክኸፍተሉ ተንሳእኩ…..ንፍትወይ ክኸፍተሉ ተንሳእኩ ፍትወይ ግና ከይዱ ረሓቐ” ማህ 5፡2-6፣ 

ንርኢ ዘሎና ኩቡራት ቤተሰብ እዛ ፍትወቲ ፈታዊኣ ምስ መጻ ቐልጢፋ ኣይከፈተትሉን ንኸይትኸፍተሉ ኸኣ ክብረት ገዛእ ርእሳ ዓጢጥዋ ማእለያ ዘይብሉ ምኽንያታት እያ ደርዲራ። ፍትዋ ተጸብይዎ ግና ሰዓት ምስ ኣኸለ ኸይዱ። ሎሚ ኸ ንጉስ ቤታና ክኸውን የሱስ እናመጸ ክነሱ ማዕጸ ቤታና ምኽፋት ዝኣበና ክንደይ ኢና? ሎሚ ብዙሓት ኣባይቲ ንዝተፈላለየ ነገር ማእለያ ዘይብሉ ግዜ ኣሎና። ንየሱስ ዝኸውን ሰዓት ግና ንስእን። ምሳና ክኸውን ክመጽእ ክደሊ ኸሎ ኸኣ እነ ቕርቦ ምኽኒታት ማእለያ የብሉን። ኣብቲ ጉቡኡ ግዜ ኸኣ ኣብ ቤትና ሓዳርና ናብራና ኮታ ኩሉ መነባብሮና ክመጽእ እንተ ዘይኣፍቂድናሉ መሰረት ቤትና ክዘናበል ዓንዲ ቤትና ኸኣ ክነቓነቕ ዘይምስናይን ባእስን ክመጽእ ናይ ግድን እዩ። 

ቤት ማርታን ማርያምን ኣልኣዛርን ግና ንየሱስ ዝኸውን ቦታ ኔርዎን። ኣብ ቤትና ኩሉ ክህሉ ይኽእል እዩ። የሱስ እንተ ዘይብሉ ግና ምንም ኣይኮነን። ኣብ ገዛና ምንም ዘየል ክኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ እንተሎ ግና እኹል እዩ። መጽሓፍ ምሳሊ ክዛረብ ከሎ እኮ “ካብ ብዕራይ ምሉኡ ምስ ህውከት ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ” ኢሉ ማለቱ ኸኣ ካብ ኩሉ ሃልዩ እቲ ፍቕሪ ዝኾነ ኣምላኽ ግና ዘየሎ እንተኾይኑ ትርጉም የብሉን ማለቱ እዩ። 

ኣብ ማህልይ ማህልይ ደጊምና እንተ ኣንቢብና እቲ ፈታዊ ናብታ ፍትውቱ ክመጽእ ከሎ ጥራይ ኢደ ኣይኮነን ዝመጽእ እስከ ነንብቦ “ሓብተይ መርዓተይ ናብ ገነተይ መጺኤ ከርበይን ምእዝ ቀመማተይን ቀንጢበ መዓር ወለላይን መዓረይን በሊዔ ወይነይን ጸባይን ሰትየ  ኣቱም ኣዕሩኸይ ብልዑ ስተዩ ፍትዋተይ ኣብዚሕኩም ስተዩ” ክንደይ ጉሩም ደስ ዘብል። 

የሱስ ናብ ቤትና ክመጽእ ማዕጸና ክኹሕኩሕ እንከሎ እኮ ጥራይ ኢዱ ኣይኮነን ዝመጽእ ኣብ ኢዱ ከምቲ ፍትዉ ሽታ ቤትና ዝቕይር በረኸትን ማእዛን ሒዙ እዩ ዝመጽእ። ሎሚ  ክንደይ ኮን ምመቀረ ኔሩ ነዚ ነገር እዚ ክንሪኢ መንፈሳዊ የዒንትና እንተዝኽፈት።  

የሱስ ቤት ማርታ ምስ ኣተወ ተዘናጊዑ ወይ ሻሂ ሰትዩ ጥራይ ኣይኮነን ወጺኡ ነቲ ቤት ዝጠቕም መሰረት እባ ደኣ ኣንጺፉ። እስከ ንቐጽል እቲ ጥቕሲ እንታይ ከምዝብለና ነንብብ “ማርያም እትብሃል ሓብቲ ድማ ነበረታ፣ ንሳ ኸኣ ዘረብኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት” ርኣዩ የሱስ ዝኣተዎ ቤት ድምጺ ኣምላኽ መሪሕነት ኣምላኽ ኣለዎ። ቤት ምርታ ስለ ዝተኸፈተ ማርያም እካ ድምጺ የሱስ ትምህርቲ የሱስ ሰሚዓ፣ 

ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ “እቲ ንዓኻ ዝጠቅም ዝምህረካ እትኸደላ መንገዲ ኸኣ ዘርኣየካ ኣነ እግዚኣኣብሄር እየ ይብል” ሎሚ ብዝሑኣት ኣባይቲ ኣብ ምድንጋር ዘለዋ ኣብ ውሽጢ ቤተን እቲ መልኮታዊ ዝኾነ መምህር የሱስ ስለ ዘይኣተወ ጥራይ እዩ። ኣንፈተን ጠፊእውን ናብዝን ናብዝን ዝብላ ዘለዎ ኣባይቲ እኮ ቑጽረን ሒደት እየን። እቶም ንየሱስ ኣብ ሕንብርቲ ቤቶም ዝገበሩ ኣመንቲ ግና በየን ይኸዱ እንታይ ይገብሩን ኣይገብሩን ይፈልጡ እሞ መንፈሳዊ መሪሒነት ነፍሳዊ ዕጋበት ስጋዊ ቕሳነት ንረክብ። ኣብቲ ምንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ኣብኡ ሓርነት ኣለዎ። ኣብ እግሪ የሱስ ዝተቐመጣ ስድራቤታት እየን ሎሚ ነዚ ዘመን እዚ ዝሰግሮኦ ዘለዎ እሞ ቤትና ንየሱስ ከፊትና  ኣብ እግሪ መድሓኒ ንቀመጥ። 

እስከ እግረ መገደይ ሓደ ነገር ክንርኢ ማርታ ንየሱስ ቤታ ከምዘርሓወትሉ መቸም ሪኢና ኢና። እዚ ኸኣ ናብ ዓቢ በረኸት ዝመርሕ ምኻኑ ኸኣ ተገንዚብና። ሓንሳብ ሓንሳብ ንየሱስ ቤትና ምስ ከፈትናሉ ኸኣ እቲ ንዕኡ ዝድለ ግዜ ዘይንህበሉ ሰዓት ኣሎ እዩ ንኣብነት ከምቲ ማርታ ዝገበረቶ። እስከ ክርድኣና ደጊምና ነቲ ጥቕሲ ነንብቦ። “ማርታ ግና ብብዝሑ ምግልጋል ትጽዕር ነበረት ደው ኢላ ኸኣ ጎይታይ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግል ዶ ግዲ የብልካን ኢኻ እምበኣር ክትድግፈኒ ንገራ በለቶ፣ የሱስ ድማ ማርታ ማርታ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጉህይን ኣለኺ፣ እቲ ዘድሊ ግና ሓደ ነገር  ጥራይ እዩ ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውስድ ጽብቕ ግደ ሓርያ ኣላ ኢሉ መለሰላ፣ 

ብፍላይ ኣገልገልቲ ሰብ ሓዳር ኣምላኽ ብእንገብሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትና ልቡ ኣይውሰድን እዩ። የሱስ ዝደልየና ኣብ እግሩ ተቐሚትና ድምጹ ምስማዕ እዩ። የሱስ ናብ ቤትና ክኣቱ ኸሎ ከምቲ ንሱ ዝደለዮ እምበር ክምቲ ንሕና እንደልዮ ኣይኮነን ዝደሊ። ማርታ ቤታ ምስ ኣርሓወትሉ ንጎይታ ከምቲ ንሳ ዝደለየቶ ጌራ ከተትኣናግዶ እያ ደልያ።  የሱስ ግና ነቲ ናይ ማርያም ምርጫ እዩ ኣኽቢሩ። እምበኣር ኣብ ቤትና ንየሱስ ማእከላይ ዓንዲ ክንገብሮ ክሎና ድሌትናን ሃርርታናን ክመልኣልና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሃረርትኡን ድሌትን ክንመልእ ክኸውን ኣለዎ። 

በሉ ናቢ ቐንዲ ኣርእስትና ንመለስ ቤት ማርታ ንየሱስ ስለ ዝተኸፍተ ጥራይ ኣየናይ እዩ እቲ ሓቐኛ ርስትን ግደን ፈሊጠን ተማሂረን ተማዒደን ተገሲጸን ቀኒዔንን ጢዔንን ከኣ እዚ ዘሕጉስ ዘይኮነን? መን ክህብ እዚ መዓልታዊ ተመክሮ ቤትና እንተ ዝኸውን? 

ሓደ ግዜ ኸኣ ኣብዞም ንየሱስ ዘፍቅርዎ የዕርኽቱ ዝተፈጸመ ነገር ኔሩ። ኣልኣዛር ሓደ ሓወን ንማርያምን ማርታን እዩ። ንሕሰቦ ሓደ ከም ሓሙስ እንተ ኾይኑ ኣብኡ ዘለካ ክብርን ሓልዮትን ዓቢ እዩ። እዚ ሓደ ከም ሓሙስ ግና ሓሚሙ  ግና በዓል ማርያም ማርታ ኣይተጨንቓን ናብቲ መፍቀሪኤን እየን መልእኽቲ ስዲደን። ኩሉ ግዜ ንየሱስ ቤትካ እንተኸፍትካሉ ቀረባኻ ስለ ዝኸዉን ጸግምካ ነገርካ ናብኡ ካብ ምፍሳስ  ዓዲ ኣይትውዕልን ኢኻ። መማኸሪ ኣለካ ጾርካ ክጸውር ዝኽእል ፈተዊ እውን ረኺብካ ኢኻ። የሱስ መልእኽቲ እዘን ፈተወቱ ምስ ሰመዓ ሕጂ ኣይጥዕመንን እዩ ኣየበልልን። ብኣንጻሩ ኣብኣተን ዘለዎ ዓላማ ከመይ ዓቢ ምኻኑ ስለ ዝፈልጥ ኣጆኽን ንክብሪ ኣምላኽ እዩ ዝብል መልሲ እዩ ሊእኽለን። 


እቲ ዛንታ ንምሕጻር ኣልኣዛር ሞይቱ ጨንዩ ራብዕቱ ጌሩ የሱስ ግና ኣብ ሰዓቱ መጽዩ።  መቓብር ፈንቂሉ ኸኣ ህያው ጌርዎ። ሎሚ እታ ንየሱስ ማዕጾኣ ዝኸፈተት ስድራ ብዘይገድስ መዓስን ብኽመይን እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሕቶ ከይተመልሰ ዝሞቶም ነገር ህያው ኮይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ኣባታ ማዕጾ ቤታ ንየሱስ ዘርሓወት ስፍራ ወትሩ ናይ ተኣምራት ናብራ እያ ትነብር ከመይሲ ኣብ ሕምብርታ እቲ ገባሪ ተኣምራት ዝኾነ የሱስ ስለ ዘሎ። ሎሚ ኣብ ገዛና ክንደይ ዘይተመለሰ ሕቶ ኣሎ? ክንደይከ ዝጨነወን ዝመሽመሸን ተስፋ ዝቖረጽናሉ ጉዳይ ኣሎ? ቤትና ነቲ ጎይታ ኽብሪ ዝኾነ የሱስ ንኽፈተሉ። ንሱ ከመይ ጌሩ ከምዘዐርዮ ይፈልጥ እዩ።  እዚ ዛንታ ናይ ኣልኣዛር ኣብ ወንጌል ዮውሃንስ 11 ኢና ንረኽቦ።
 

ናብ ምዕራፍ 12 ወንጌል ዮውሃንስ እንተተ መሊስና  ሓደ ጉሩም ዛንታ ኢና ነንብብ።  ድሕሪ ኣልኣዛር ካብ ምውታት ምትስኡ ኣብ ቤቶም ሓደ ዓቢ ድራር እዮም ንየሱስን ንደቂ መዛሙርትን ጌሮሙሉ። ኣብኡ ኸኣ ሕጂ ማርታ ተሓጊሳ ንየሱስ ተገልግሎት ነበረት ኣልኣዛር ከኣ ምስ የሱስ ተቐሚጡ  ነበረ። ማርያም ከኣ ንኽብሪ የስሱ ሓደ ኩቡር ቁዱይ ቅብኢ ኣምጽያ ንየሱስ ለኸይቶ። ክብራ ኹሉ ወፍያ ኸኣ ብጨግሪ ርእሳ ኣእጋሩ ደሪዛቶ። እዚ እቲ ቤት ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ተዓጢቓ ነበረት። ንኽብሪ ኣምላኽ ከኣ ደው ኢሎም ነበሩ። እዛ ስድራ እዚኣ ከመይ ብጽእቲ ስድራ እያ፣ 

ሎሚ ንየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ቤትና ብፍቓደኛ ልብና እንተ ኸፊትንላኡ ንናቱ ኽብሪ ጥራይ ኢና ደው ንብል በረኸትን ናእዳን የሱስ ከኣ ይበዝሓልና። የሱስ ኣብቲ ቤት ማርታን ማርያምን ኣልኣዛርን ዝገብሮ ታሪኽ ከኣ ኣባና ይድገም፣ ሎሚ ንኽብሪ ኣምላኽ ጥራይ ደው ትብል ቤት ክትህልወና ኣምላኽ ኮታ እንተ ዝረድኣና። ክሳብ እዚ ግዜ እዚ ኸኣ እዞም ቤተሰብ እዚኣቶም ጽልዎኦም ኣባና እምብዛ ዓብዩ ይርከብ ኣሎ። ሎሚ ከም ቤተሰብ ኣምላኽ ንመን ንነብር እሎና? ንኽብሪ ኣምላኽዶ ንኽብሪ ገዛእ ርእስና? 

ድምጺ ፈታዊ የሱስ ሎሚ እውን የቓልሕ ኣሎ። ኣብ ማዕጾ ቤትና ኾይኑ ኳሕኳሕ የብል ኣሎ። ደሃዩ ዓው ኣቢሉ የድሂ ኣሎ። ሰማዒ እንተረኸበ ይጣራዕ ኣሎ። ሰብኣይ እታ ርእሲ ገዛ ልብኻ ይደልዮ ኣሎ። ሰበይቲ ብርሃን ቤታ ውሻጠኺ ይብህጎ ኣሎ። ዉሉድ ውህበት እግዚኣብሄር ሓይልኹም ይናፍቖ ኣሎ። 

ኣምላኽ እዚ ንጉሳ ቤት ደጊኣ የሱስ ዝረገጾ ስድራ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝጠዓተዓጥቀት ቤተሰብ ዓስባ ኣብ ሰማይ ዕቢ በረኸታ ኣብዛ ምድሪ ኸኣ ምቁር እዩ፣ ሎሚ እምበር እቲ ፈታዊ የሱስ ድምጹ ኣናጋለበ ፍትወተይ ይብል ኣሎ እሞ ግብረ መልስና እንታይ እዩ? 

ፈታውየይሲ ካብ ዓሰርተው ሽሕ ጻዕዳን ቀይሕን ዝተመርጸ እዩ፣