25
Thu, Apr
0 New Articles

ሓሙሽተ ቋንቋታት ፍቕሪ

Marriage & Relationships
Typography

መእተዊ፡

ናይዛ 'ሓሙሽተ ቋንቋታት ፍቕሪ' ዘርእስታ መጽሓፍ ደራሲ ዶ/ር ጋሪ ቻፕማን ይበሃል። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ ድሮ ብልዕሊ 4,000,000 ቅዳሓት ክትሽየጥ እንከላ፡ ብተወሳኺ ንቋንቋታት ዓረብን ሂንዱን ወሲኽካ ብ36 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተቶርጊማ ትርከብ። ኣብዛ ብደረጃ ዓለም ፍልጥቲ ዝኾነት መጽሓፍ፡ ዶ/ር ጋሪ ቻፕማን ሰባት ንፍቕሪ ክሳብ ክንደይ ብዝተፈላለየ መገዲ ከም ዚገልጽዎ የመልክት። እዛ መጽሓፍ መጻምድቲ ናይ ሓድሕዶም ድሌት ንኽርድኡ ኣዝያ ኣገዳሲት ኢያ። ትኽክለኛ ንቋ ተማሂርካ፡ ትኽክለኛ ዝኾነ ኣገባብ ብምትግባር ፍቕሪ ብምሃብን ብምቕባልን ማእለያ ዝይብሉ ዕጋበትን ሓጎስን ብኸመይ ክተስተማቕር ከም ትኽእል ትሕብር መጽሓፍ እያ።


/ር ጋሪ ቻፕማን ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ልዕሊ 20 ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ኪኸውን ከሎ፡ ንሱ ዝውንና 'ናይ ፍቕሪ ንቋ ደቒቕ' (A Love Language Minute) ዝተበሃለት ናይ ሬድዮ መደብ ኣብ ኣሜሪካ ብልዕሊ 100 ካልኦት ናይ ሬድዮ ፈነወታት ትቃላሕ። ብምኽንያት ዘለዎ ተሞክሮታትን ኣቐዲሙ ዝጸሓፎም ልዕሊ 20 ዝተፈላለዩ መጻሕፍትን፡ ዶ/ር ጋሪ ቻፕማን ኣብዚ ግዜ'ዚ ልዑል ተፈላጥነት ረኺቡ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት እንዳ ተዘዋወረ፡ ንመርዓን ንህይወት ሰብ-ሓዳርን ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ኣስተምህሮታት ኣብ ምሃብ ይርከብ።

 

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንኣንባባይ ብቐጥታ ትዛረብ ምጽሓፍ ስለ ዝኾነት፡ ደራሲ ብቋንቋ እንግሊዝ ንናይ ክልቲኦም ጾታታት ኣንበብቲ (ተባዕታይን ኣንስታይን) ብዘይ ናይ ቃላት ምድግጋም ይገልጾም። ኮይኑ ግን ኣብ ኣተረጓጉማ፡ 'ንስኻ ወይ ንስኺ' እንዳበልካ ተደጋጋምን ኣሰልቻውን ኣገላልጻ ኣብ ክንዲ ምጥቃም፡ ብጀካ ኣብ ፍሉይ ኣድላይነት ዘለዎም ቦታታት፡ ብናይ ተባዕታይ ጾታ ከም ዝተጸሓፈ እንዳ ገለጽኩ፡ ንኸስዕቦ ዝኽእል ስምዒታት ኣቐዲመ ይቕሬታ እሓትት።

 

ምዕራፍ ሓደ

 

ድሕሪ መርዓ ፍቕሪ ኣንታይ ይኸውን?

 

ኣብ ልዕሊ 9000 ሜትሮ በራኸ ኣብ መንጎ ቡፋሎን ዳላስን መጽሔቱ ኣብ ጁቡኡ ጌሩ ናባይ ገጹ ብምጥማት ''እንታይ ዓይነት ስራሕ ትሰርሕ?" ኢሉ ሓተተኒ፡፡ ኣነ ድማ "ኣነ ናይ መርዓ ኣማኻሪ ኮይነ ብተወሳኺ ድማ ናይ መርዓ መደልደሊ ሴሚናራት እህብ እየ" ብማለት ነቲ ሓቂ ነገርኩዎ።

''ኣነ ነዚ ነገር እዚ ዝሓቶ ሰብ ንነዊሕ ጊዜ ይደልይ ኔረ" ። በለ ኣስዒቡ ድማ፡ 'ምስ ተመርዓኻ ፍቕሪ እንታይ ይኸውን?" ኢሉ ሓተተ።

ንኽሓስብ ቁሩብ ጊዜ ንኽረክብ ኢለ፡ "እንታይ ማለትካ እዩ?" ኢለ ሓቲተዮ።

"ኣነ ሰለስተ ጊዜ ዝተመርዓኹ ሰብ እየ፡፡ ኣብ ነፍስ ወከፈን ድማ ቅድሚ መርዓ ዝነበረና ፍቕሪ ዘገርም እዩ ኔሩ፡ ድሕሪ መርዓ ግን ኩሉ ይጠፍእ። እቲ ኹሉ ነዓኣ ኣለኒ ኢለ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ፍቕርን፡ እቲ ንሳ ነዓይ ዝነበራ ፍቕሪ በኒኑ። ኣነ ብመጠኑ መስተዎዓሊ ሰብ እየ። ዕዉት ስራሕ የካይድ እየ፡ ነገር ግን እዚ ዝገጠመኒ ነገር ኪርድኣኒ ኣይከኣለን።"

"ንኽንደይ ዝምንዉሑ ጊዜ ሓዳር ጌርካ ጸኒሕካ?" ኢለ ሓቲተዮ።

"እቲ ቀዳማይ መርዓ ንዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ። ኣብ ካልኣይ ጊዜ ንሰለስተ ዓመት ክንጸንሕ ኮለና ኣብ መወዳእታ ድማ ዳርጋ ንሽዱሽተ ዓመት ጸኒሕና።" 

"ድሕሪ መርዓ ምግባርኩም፡ ፍቕርኹም ሽዑ ንሽዑ ድዩ በኒኑ ወይስ ቀስ ብቀስ እዩ እንዳ ዘሓለ ከይዱ?" ኢለ ሓቲተዮ። 

"እቲ ካልኣይ ካብ መጀመርታኡ እዩ ጸገም ኔሩዎ። እንታይ ከም ዝተፈጠረ ኣይፈልጥን እየ። ብርግጽ ንሓድሕድና ንፋቐር ኢና ኢለ ይሓስብ ኔረ፡ ነገር ግን እቲ ናይ ሕጽኖት ጊዜና ዓቢ ናይ ዕንወት ጊዜ እዩ ኔሩ። ብድሕሪኡ ፈጺምና ክንገጣጠም ኣይከኣልናን። ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረና ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ዕርክነት ጊዜ፡ ዘገርም ፍቕሪ ኔሩና። ብርግጽ ኣዝዩ ባህ ዜብል ጊዜ ኔሩ! ድሕሪ መርዓ ግን ካብ መጀመርትኡ ተጻብኦ ዝመለኦ እዩ ኔሩ።

"ኣብ ናይ ቀዳማይ መርዓ፡ ቆልዓ ቅድሚ ምውላድና ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ግሩም ዓመታት ኔሩና። ቆልዓ ምስ ተወለደ ግና ኩሉ ኣቓልቦኣ ነቲ ቆልዓ ከም ዝሃበቶን ኣነ ምንም ከም ዘየገድሳን ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ሓደ ዕላማ ህይወታ ድማ ቆልዓ ምርካብ ጥራይ ይመስል ኔሩ፡፡ ነዓይ ብድሕሪኡ ኣይደለየትንን።"

"ነዚ ነገር'ዚ ነጊርካያ'?" ሓቲተዮ።

"እወ ነጊረያ። ጽሉል ኢኻ ኢላትኒ። ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ቆልዓ ምእላይ ዘስዕቦ ውጥረት ኣይርድኣካን እዩ ኢላትኒ። ዝያዳ ክርዳኣን ዝያዳ ክሕግዛ ከም ዘሎንን ድማ ተዛሪባትኒ። ዝከኣለኒ ፈቲነ፡ ነገር ግን ኩሉ ጻዕረይ ምንም ለውጢ ኣየምጸአን። ብድሕሪኡ እንዳ ተረሓሓቕና መጺእና። ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ፍቕሪ ተጸንቂቑ፡ በቃ ተወዲኡ! እቲ ሓዳር ከም ዘብቅዐ ድማ ክልቲኤና ተሰማሚዕና። 

"ናይ መወዳእታ መርዓይ ብሓቂ ፍሉይ ኪኸውን እዩ ኢለ ሓሲበ ኔረ። ምስታ ካልኣይቲ ተፋቲሐ ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበርኩ፡ ምስታ ሳልሰይቲ ሰበይተይ ተላሊና ብዕርክነት ንኽልተ ዓመታት ጸኒሕና። እንታይ ንገብር ከም ዝነበርና ብርግጽ ንፈልጥ ኢና ኢለ ሓሰብኩ። ንመጀመርያ ጊዜ ድማ ትርጉም ምፍቃር ተረዲኡኒ ኢለ ሓሰብኩ። ንሳውን ብሓቂ ተፍቅረኒ ኮይኑ ተሰመዓኒ።

 

"ድሕሪ እቲ መርዓ ኣነ ዝተቐየርኩ ኣይመስለንን። ከምቲ ቅድሚ መርዓና ዝገብሮ ዝነበርኩ ፍቕረይ ምግላጽ ኣየቋረጽኩን። ክሳብ ክንደይ ጽብቕቲ ምኳና እነግራ። ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅራ እነግራ። ሰብኣያ ብምኳነይ ክሳብ ክንደይ ኩርዓት ከም ዝስማዓኒ እነግራ። ኮይኑ ግን ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ መርዓና ክተንጸርጽር ጀሚራ። መጀመርታ ብዛዕባ ቀንጠመንጢ ነገራት _ ጓሓፍ ንደገ ዘይምውጻአይ፡ ወይ ክዳውንተይ ዘይምስቃለይ፡ ወዘተ። ደሓር ጸኒሓ ንባህርያተይ ክትቃወም ጀሚራ፤ ኣብ ልዕሊኣ ዘይእሙን ከም ዝኾንኩ ጌራ ብምቅዋም ክትኣምነኒ ከም ዘጸግማ ትነግረኒ። ፈጺማ ኣሉታዊ ዘረባ ጥራይ ትዛረብ ሰብ ኮይና። ቅድሚ መርዓ ኣንጻረይ ኣይትዛረብን ኔራ። ሓንቲ ካብቶም ዘጋጠሙኒ እሙናት ሰባት እያ ኢለ ሓሰብኩ። እዚ ድማ እዩ ኔሩ ናብኣ ንክቐርብ ዝገበረኒ። ብዛዕባይ ዝኾነ ይኹን ነገር ኣሉታዊ ዘረባ ኣይትዛረብን። ኩሉ ኣነ ዝገብሮ ዘበለ ግሩም እዩ ኔሩ። ትምርዕው ምስ ኣበልና ግን ሓንቲ'ኳ ክገብር ከም ዘይክእል ተቖጸርኩ። እንታይ ከም ዝተፈጠረ ብሓቂ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ነዓኣ ዝነበረኒ ፍቕሪ ጠፊኡ ከጉህያ ጀሚረ። ንሳ ነዓይ ፍቕሪ ከም ዘይነበራ ግሁድ እዩ ኔሩ። ብድሕሪኡ ብሓደ ምንባር ምንም ፋይዳ ከም ዘይብሉ ተረዳዲእና፡ ስለዚ ድማ ተፈላሊና።

 

"እዚ ቅድሚ ሓደ ዓመት እዩ ተፈጺሙ። ስለዚ ድማ ሕቶይ፡ ፍቕሪ ድሕሪ መርዓ እንታይ ይኸውን? እዚ ነዓይ ዘጋጠመኒ ተሞክሮ ልሙድ ድዩ? እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ፍትሕ ዝበዝሓሉ ምኽንያት ንሱ ድዩ? ነዓይ እዚ ነገር ሰለስተ ጊዜ ከጋጥመኒ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን። እቶም ዘይፋትሑ ሰብ-ሓዳርከ ኣብ ባዶ ፍቕሪ ምንባር ድዮም ተለማሚዶም ወይስ ፍቕሪ ኣብ ገለ ሰብ ሓዳር ናይ ብሓቂ ህይወት ዘለዎ ኮይኑ ይጸንሕ እዩ? እንተ ኾይኑ'ኸ ከመይ?"

 

እዚ ዓርከይ ዝሓተኒ ዘሎ ሕቶታት ኣሽሓት ዝተመርዓዉን ዝተፋትሑን ሰባት ሎሚ ዚሓቱዎ ሕቶ እዩ። ገሊኦም ንኣዕሩኽቶም ይሓቱዎም፡ ገሊኦም ንኣማኸርትን ኣገልገልትን፡ ገሊኦም ድማ ንገዛእ ርእሶም ይሓቱ። ሓድ-ሓደ ጊዜ እቲ መልሲ ብኽትርዶኦ ዘጸግም ዘልማዳውን ስነ-ኣእምሮኣውን መጽናዕቲ ይወሃብ። ሓድ-ሓደ ጊዜ ድማ ብመስሓቕን ጽውጽዋይን ጌሮም ነቲ ሕቶ ኪምልሱዎ ይፍትኑ። እቶም ዝበዝሑ ዋዛታትን ምስላታትን ገለ ሓቅነት ዘለዎምኳ እንተኾኑ፡ ንሓደ ካንሰር ዝሓመመ ሰብ ኣስፕሪን ከም ምሃብ እዩ ዝቑጸር።

 

ኣብ ሓዳር፡ ድሌት ጾታዊ ፍቕሪ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውማና ዝተመስረተ እዩ። ዳርጋ ነፍስ ወከፍ ተፈላጥነት ዘለዎ መጽሔት ብዛዕባ ፍቕሪ ኣብ ሓዳር ከመይ ህያው ኮይኑ ኪቕጽል ከም ዝኽእል ዝዝትይ እንተወሓደ ሓደ ዓምዲ ኣለዎ። ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ኣብዚ ኣርእስቲ'ዚ ይኾሉ። ቴሌቭዥን፡ ሬድዮን ዝተፈላለዩ ካልኦት ማዕከናትን ኣብዚ ኣርእስቲ'ዚ የተኩሩ። ኣብ ሓዳርና ቀጻልነት ዘለዎ ፍቕሪ ምዕቃብ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።

 

እዞም ኩሎም መጻሕፍቲ፡ መጽሔታትን ተግባራዊ ሓገዛትን እንዳሃለዉ፡ ስለምንታይ ውሑዳት መጻምድቲ ጥራይ ድሕሪ መርዓ ንሚስጢር ምዕቃብ ህይወት ዘለዎ ፍቕሪ ከስተውዒሉ ክኢሎም? ስለምንታይ እዮም መጻምድቲ ንምርድዳእ ዚምልከት ኣስተምህሮታት ተኻፊሎም፡ ዘሎካ ናይ ምርድዳእ ክእለት ብኸመይ እንዳ ተመሓየሸ ከም ዚኸይድ ዝሕግዙ ኣደነቕቲ ሓሳባት ሰሚዖም ኬብቅዑ፡ ገዝኦም ምስተመለሱ፡ ነቲ ኩሉ ዝቐሰሙዎ ብልሓታት ምርድዳእ ክትግብሩዎ ዘይክእሉ? 'ንመጻምድትኻ ፍቕሪ ትገልጸሉ 101 ተኽእሎታት' ዘርእስቱ መጽሔት ኣንቢብና፡ ብፍሉይነት ክልተ ወይ ሰለስተ ነዓና ጽቡቕ ዝመሰሉና ሓሳባት መሪጽና፡ ፈቲንና ክነብቅዕ፡ መጻምድትና ነቲ ኩሉ ጻዕርና ዋላ ሓንቲ እንተ ዘይፈለጡልና'ኸ - ከመይ እዩ? ተስፋ ቆሪጽና ነተን ዝተረፋ 98 ኣማራጺታት ገዲፍና ናብቲ ልሙድ ህይወትና ንምለስ።

 

ዕዉታት ገለጽቲ ፍቕሪ መታን ክንከውን ናይ መጻምድትና ቀንዲ ናይ ፍቕሪ ቋንቋ ክነለሊ ፍቋደኛታት ክንከውን ኣለና።

 

ነዞም ሕቶታት ምምላስ፡ ዕላማ ናይዛ መጽሓፍ እዩ። እዚ ማለት ግን ክሳብ ሕጂ ዝተጸሓፉ መጻሕፍትን ዓምዲታትን ሓገዝት ኣይኮኑን ማለት ኣይኮነን። እቲ ጸገም ንሕና ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ኣየስተውዓልናን፤ ሰባት ዝተፈላለየ ቋንቋ ፍቕሪ ይዛረቡ።

 

ኣብ ስነ-ቋንቋ ብዙሓት ዓበይቲ ክፍሊታት ኣለዉ፡ ጃፓኒስ፡ ቻይኒስ፡ ስፓኒሽ፡ እንግሊዝ፡ ወዘተ ኣለዉ። መብዛሕትና ናይ ስድራና ቋንቋ ተማሂርና ስለ ንዓቢ እዚ ነዓና ቀዳማይ ቋንቋና እዩ። ብድሕሪኡ ተወሳኺ ቋንቋ ክንመሃር ዚከኣልኳ እንተኾነ፡ ብዙሕ ጻዕሪ የድልዮ። ንሱ ድማ ካልኣይ ቋንቋና ይኸውን። ብቐዳማይ ቋንቋና ዝበለጸ ንዛረብን ንረዳዳእን። በዚ ቋንቋ ክንዛረብ ይቐለና። በቲ ካልኣይ ቋንቋ ዝያዳ ብዝተጠቐምና ቁጽሪ ብእኡ ክንዛረብ እንዳ ቀለለና ይኸይድ። ብቋንቋና ጥራይ እንተ ተዛረብና፡ ካልእ ናቱ ቋንቋ ጥራይ ዝዛረብ ሰብ ምስ ዘጋጥመና፡ ኣዝዩ ትሑት ምርድዳእ ጥራይ ይህልወና። ክንረዳዳእ ንኽእል ኢና፡ ግን ድሩት እዩ። ናይ ቋንቋ ፍልልይ ክፋል ባህሊ ሕብረተሰብ እዩ። ካብ ባህልና ወጺእና ምስ ካልኦት ክንረዳዳእ እንተደሊና፡ ናይቶም ክንረዳድኦም ንደልዮም ዘለና ሕብረተሰብ ቋንቋ ክንመሃር ኣለና።

 

ፍቕሪ ድማ ተመሳሳሊ መስርሕ ኣለዎ። ናትካ ስምዒታዊ ቋንቋ ፍቕርን ናይ መጻምድትኻ ቋንቋን ክንድቲ ቋንቋ ቻይናን ቋንቋ እንግሊዝን ዝፈላለዩዎ ኺኸውን ይከኣል እዩ። ብቃንቋ እንግሊዝ ፍቕርኻ ክትገልጽ ክንዲ ዝጸዓርካ እንተ ጸዓርካ፡ መጻምድትኻ ቋንቋ ቻይና ጥራይ ትርዳእ እንተደኣ ኮይና፡ ንሓድሕድኩም ከመይ ጌርኩም ክትፋቐሩ ከምትኽእሉ ክትፈልጥ ኣይትክእልን ኢኻ። እዚ ኣብ ነፋሪት ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ ዓርከይ፡ ነታ ሳልሰይቲ ሰበይቱ ናይ ፍቕሪ መረጋገጺ ቃላት  ይዛረባ ከም ዝነበረ ኪገልጽ ከሎ፡ ' ክሳብ ክንደይ ጽብቕቲ ምዃና እነግራ። ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅራ እነግራ። ሰብኣያ ብምዃነይ ክሳብ ክንደይ ኩርዓት ከም ዝስማዓኒ እነግራ' ኢሉ። ማለቱ ኮይኑ ፍቕሪ ይዛረብ ኔሩ፡ ይኹን እምበር ናቱ ቋንቋ ኣይተረደኣን። ምናልባት ንሳ ኣብ ባህርያቱ ፍቕሪ ደልያ ዘይረኸበት ክትከውን ትኽእል። ሓቀኛ ምዃን እኹል ኣይኮነን። ዕዉታት ገለጽቲ ፍቕሪ መታን ክንከውን ናይ መጻምድትና ቀንዲ ናይ ፍቕሪ ቋንቋ ክነለሊ ፍቋደኛታት ክንከውን ኣለና።

 

ናይ መርዓ ኣማኻሪ ኮይነ ንሰላሳ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ብዝበጻሕኩዎ መደምደምታ መሰረት፡ ሓሙሽተ መሰረታዊ ስምዒታዊ ቋንቋታት ኣለዉ። ኢዚ ድማ ሰባት ንስምዒታዊ ፍቕሪ ክዛረቡን ክረዳድኡን ዝኽእሉሉ ሓሙሽተ መገዲታት ኣለዉ ማለት እዩ። ኣብ ክፍሊ ስነ-ቋንቋ ክንርኢ ኮለና፡ ሓደ ቋንቋ ዝተፈላለዩ ኣዘራርባታት (dialects) ወይ ዝተፈላለዩ ኣበሃህላታት ኪህልዎ ይኽእል። እዚ ድማ ነቶም መጽሔታት 'ንበዓልቲቤትካ ከም ተፍቅራ ትገልጸሉ 10 መገዲታት''ንበዓል ቤትኪ ኣብ ገዛ ክተውዕልዮ ትኽእልሉ 20 መገዲታት፤ ወይ '365 መግለጺታት ፍቕሪ ንሰብ ሓዳር' ዚብሉን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጽሑፋትን ይምልከት። 1020፡ ወይ 365 መሰረታዊ ቋንቃታት ፍቕሪ የለዉን። ብናተይ ኣተሓሳስባ፡ ሓሙሽተ ጥራይ እዮም ዘለዉ። ይኹን እምበር ልክዕ ከም ኣብ ሓደ ቋንቋ፡ ንፍቅሪ ብዝምልከት ድማ ዝተፈላለዩ ኣበሃህላታት (dialects) ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቋንቋ ፍቕሪ፡ ቁጽሪ ፍቕሪ ክትገልጸሉ ትኽእለሉ መገዲታት ኣብ ኣተሓሳስባኻ ዝተወሰነ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ናይ መጻምድትኻ ቋንቋ ፍቕሪ ምዝራብ እዩ።

 

ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ምዕባለ ቆልዑ፡ ነፍስወከፍ ቆልዓ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ስምዒት ኣለዎ። ንኣብነት ገለ ቆልዑ ትሑት ነፍሰ-ገምጋም ክህልዎም ከሎ ገለ ድማ ጥዑይ ዝኾነ ነፍሰ-ገምጋም ኣለዎም። ገለ ብትሑት ነፍሰ-ምትእምማን ኪዓብዩ ከለዉ ገለ ድማ ብልዑል ነፍሰ-ምትእምማን ይዓብዩ። ገለ ቆልዑ ዝተፈቐሩ፡ ተደለይትን ተደነቕትን ከም ዝኮኑ እንዳ ተሰመዖም ኪዓብዩ ከለዉ፡ ገለ ድማ ብኣንጻሩ ዘይፍቀሩ፡ ዘይተደለይትን ዘየደንቑን ከም ዝኾኑ እንዳ ተሰመዖም ይዓብዩ።

 

እቶም ብስድሮኦምን ብኣዕሩክቶምን ከም ዝፍቀሩ እንዳ ተሰመዖም ዚዓብዩ ቆልዑ፡ በቲ ካብ ስድሮኦምን ካልኦት ኣገደስቲ ሰባትን ዝረኸቡዎ ፍቕሪ ምኽንያት ዚህልዎም ስነ ኣእምሮኣዊ ኣቃዉማ፡ ቀዳማይ ቋንቋ ስምዒታዊ ፍቕሪ የማዕብሉ። እዞም ቆልዑ ሓደ ቀንዲ ቋንቋ ፍቕሪ ይዛረቡን ይርዱኡን። ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ካልኣይ ቋንቋ ፍቕሪ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም፡ ይኹን እምበር በቲ ቀዳማይ ቋንቋ ፍቕሪ ኪዛረቡ ይቐሎም። እቶም ብስድሮኦምን ብኣዕሩክቶምን ከምዘይፍተዉ እንዳ ተሰመዖም ዝዓብዩ ቆልዑ ድማ ቀዳማይ ቋንቋ ስምዒታዊ ፍቕሪ የማዕብሉ እዮም። ይኹን እምበር ልክዕ ከምቶም ግጉይ ስዋሰውን ውሑድ ቃላትን ተማሂሮም ዚዓብዩ ቆልዑ እዮም ዝኾኑ። እዚ ማለት ግን እዞም ሰባት ብጽቡቕ ኪረዳድኡ ኣይክእሉን እዮም ማለት ኣይኮነን። እዚ ማለት እዞም ቆልዑ ካብቶም ጽቡቕ ኣርኣያ ረኺቦም ዚዓበዩ ቆልዑ ዝያዳ ጽዕሪ የድልዮም ማለት እዩ። ብተመሳሳሊ ብትሑት ርድኢት ስምዒታዊ ፍቅሪ ዚዓብዩ ሰባት ድማ ከም ዝፍቀሩ ኪስምዖምን ንኻልኦትውን ፍቅሪ ኪገልጹ ይኽእሉ እዮም፡ ይኹን እምበር ካብቶም ብጥዑይ ናይ ፍቕሪ ሃዋህው ዚዓበዩ ሰባት ዝያዳ ተጊሆም ኪጽዕሩ ኣለዎም።

 

ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ዓይነት ቀዳማይ ቋንቋ ስምዒታዊ ፍቕሪ ዝህልዎም ሳሕቲ እዩ። ንሕና በቲ ቀዳማይ ቋንቋ ስምዒታዊ ፍቕሪ ንዛረብ'ሞ ነቲ ንብሎ ዘሎና መጻምድትና ምስ ዘይርድኦ ጊር ይብለና። ፍቕርና ንገልጽ፡ ኮይኑ ግን በቲ ነዓዓቶም ዘይርድኦም ቋንቋ (ቋንቋ ጓና) ንዛረብ ብምህላውና መልእኽትና ከምቲ ንደልዮ ኣይበጽሕን። ኣብኡ ድማ ዓቢ ጸገም ኣሎ፡ መፍትሒ ናይዚ ጸገም ምሃብ ድማ ናይዛ መጽሓፍ ዕላማ እዩ። ስለዚ ድማ እየ ብዛዕባ ፍቕሪ ካልእ መጽሓፍ ክጽሕፍ ዝዳለው ዘለኹ። እንተ ደኣ ሓንሳብ እቶም ሓሙሽተ ቋንቋታት ስምዒታዊ ፍቕሪ ተገሊጾምልናን ናይ ገዛእ ርእስናን ናይ መጻምድትናን ቀንዲ ቋንቋ ፍቕሪ ተረዲኡናን፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መጻሕፍትን ዓምዲታትን ዘለዉ ሓሳባት ክነተግብሮም ዘድሊ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣለና ማለት እዩ።

 

ሓንሳብ ናይ መጻምድትኻ ቀንዲ ቋንቋ ፍቕሪ እንተ ደኣ ኣለሊኻን ተማሂርካን፡ ነቲ ቀንዲ መፍትሕ ንነዊሕ ዝቕጽል ፍቕራዊ ቋንቋ ከም ዝረኸብካዮ እኣምን። ድሕሪ መርዓ ፍቕሪ ኪበንን የብሉን፡ ነገር ግን መታን ንነዊሕ ጊዜ ኪጸንሕ፡ መብዛሕቴና ካልኣይ ቋንቃ ፍቕሪ ንክንመሃር ዕቱብ ዝኾነ ጻዕሪ የድልየና። መጻምድትና ዘይርድኦ እንተ ደኣ ኾይኑ በቲ ቀዳማይ ቋንቋና ክንተኣማመን የብልናን። መጻምድትና ነቲ ክንገልጾ ንደልዮ ዘሎና ፍቕሪ  ብትኽክል ክርድኦ እንተ ደሊና፡ በቲ ናቱ ቀዳማይ ቋንቋ ፍቕሪ ክንገልጸሉ ኣለና።