23
Tue, Apr
0 New Articles

መንእሰይን ሕብረተሰብን

Finance & Career
Typography

መንእሰይ ማለት ኩላትና ከም እንፈጦ ናይ ሓንቲ ሃገር ዓንዲ ሕቖ ከም ዝኾነ  ኩላትና እንፈልጦ ሓቒ እዩ። መንእሰይ ክንብል እንከሎና ካብ 18 ክሳብ 40 ዘሎ ዕድመ ዘጠቓልል እዩ። ስለዚ መንእሰይ ናይ ሓንቲ ሃገር ዓንዲ ሕቆ እዩ እንድ ሕሪ ኢልና ሓደ ኣፍራይን ጡዑይን መንእሰይ ከነፍሪ ኣሎና። እምበኣር ናይ ሓንቲ ሃገር ቀንዲ መሰረት ሃብታ መንእሰይ እዩ።

 ሓንቲ ሃገር ጥዑይ መንእሰይ እንተ ዘይብላ ናይታ ሃገር ምዕባለ ኮነ መጻኢ ተስፋኣ ዝጸልመተ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ብዘሎ ሕብረተሰብን መንግስትን ኣብ መንእሰይ ዘተኩር። ስለዚ ሓንቲ ሃገር ምዕብልትን ሃብታምን ሃገር  ከብላ ዝኽእል መንእሰይ እዩ። እሞኸ ደኣ ከመይ ጌራና ኢና ጥዑይ ምዕቡል መንእሰይ ከነፍሪ ንኽእል?

ጥዑይ መንእሰይ ከነፍሪ እንተ ኾይና መጀመርታ ጥዑይ ስድራ ቤት ካልኣይ ድማ ጥዑይ ሕብረተሰብ ሳልሳይ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝገብሮ ኣተሓሕዛን ዝህቦ ትምህርትታትን እዩ። ንኣብነት ክልሳውን ግብራውን ዝኮነ ትምህርትታት ብምሃብን ከምኡ ድማ ንመንእሰያት ከምዕብልን ከደንፎዖን ዝኽእል ተወሰኽቲ ነገራት ብምሃብ እዩ።

1 ጥዑይ ስድር ቤት

ሓደ መንእስይ መንእሰይ ቅድሚ ምዃኑ ብናይ ቁልዕነት ዕድመ ክሓልፍ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ሓደ ጥዑይ መንእሰይ ከነፍሪ እንተ ኾይና ብግዜ ቁልዕነቱ ብኹሉ ተኾስኪሱ ዝዓብየ ክኸውን ከሎ ኣዩ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ 22።26 ከምዚ ኢሉ ይምህረና "ንቖልዓ እታ ክከደላ ዝግብኦ መንገዲ ኣልምዶ ኣሞ ምስ ኣርገ ካባኣ ኣይከልግስን እዩ" ንዉላድ ወይ ንቖልዓ ክኸደላ ዝግባኦ መንገዲ ኣላምዶ ክብል ከሎ መሃሮ ክኸደሉ ዝግባእ መንግዲ ኣርእዮ ማለቱ እዩ። ስለዚ መንእስይ ቆልዓ ኮይኮነ ብቖልዕኡ ተኾስኪሱ ክኸደሉ ዝግብኦ መንገዲ ፈሊጡ ክዓቢ ከሎ እዩ። ካብቲ ክኸደሉ ዝግብኦ መንገዲ 

ሀ ምስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ርክብ

ለ ወላዲ ምስ ዉላዶም ዘለዎም ርክብ

ሐ ምስ ሕብረተሰብ ዘለዎ ርክብ

መ መንግስቲ ምስ መንእሰያት ዘለዎ ርክብ እዩ 

ሀ ምስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ርክብ።-

መንእሰይ ጥበበኛን ህርኩትን ተበላሓትን ክኸውን ከም ዘለዎ ሓቂ እዩ። እንተ ኾነ ግን መንእሰይ ጥበበኛ ኩን ወይ ከምዚ ኹን ኢልካዮ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ጥበብ ካብ ብዝሒ ተመክሮ ወይ ብዝሒ ዓመታት ዝመጽእ ኣይመስለንን ብተመክሮ ወይ ብብዝሒ ዓመታት ጥበብ ዝርከብ እንተ ዝከውንሲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤስያ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ዓለም ኔረን እየን እሞ ኣዚየን ጥበበኛታት ምኾና ኔረን። ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ገለ ምዕራባውያን ከም ዝብልዎ ትምህርቲ ካብ ዝኣቱ ካብ 100 ዓመት ኣይበልጽን እዩ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ዘይኮነ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ቅድሚ 2000 ዓመታት ኔሩ እዩ። መጽሓፍ ቁዱስ እውን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 8 ብዛዕባ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያው መጽሓፍ ኢሰያስ እንዳንበብ ይኸይድ ከም ዝነበረ ይነግረና እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ኣፍሪቓ ድሮ ትምህርቲ ከም ዘነበረ የረጋግጸልና እዩ። እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግና ክንምዕብልን ክንጎይን ኣይከኣልናን ኣቲ ምኽንያት ከኣ ንኣምላኽ ብፍጹም ልብና ከምቲ ዝግብኣና ስለ ዘይሰዓብናዮ ጥራይ እዩ። ግና እቲ ፉጹም ዝኾነ እግዚኣብሄር ክትፈልጦን ክትስዕቦን ክትጅምር ከሎኻ እቲ ንጥበበኛታት ጥበብ ዝህብ ኣምላኽ ጥበብ ይህብ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ እዮብ ምዕራፍ 32።9 "ዓበይቲ ኣይኮኑን ጠቢባን ዝኾኑ ሽማግሌታት እውን ኣይኮኑን ንቑኑዕ ዘስተውዕሉ" ይብለና። ዕድመ ወይ ተመክሮ ነቲ ትፈልጦ ኣጸቢቕካ ክትለማመዶ ይገብረካ እዩ። ጥበብ ግና ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽ እዩ ዝመጽእ። ጥበብ ኣብ መጽሕፍ ቁዱስ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይገልጾ እዩ። ምድራዊ ጥበብ። ሰማያዊ ጥበብ እናደበለ ዝተፈላለየ ጥበብ ከምዘሎ ይምህረና እዩ። ነዚ ኹሉ ዝህብ እግዚኣብሄር እዩ። እግዚኣብሄር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ንምድሪ ክዓያን ክሕልዋን እዩ ዝኣዘዞ እግዚኣብሄር ድማ ንምድሪ ክሰርሓ ክብሎ ከሎ ምስኡ ድማ ጥበብ ሂብዎ እዩ። ንኣብነት ሙሴ ነታ ድንካን ኣምላኽ ክሰርሓ ምስ ተነግሮ እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቡ ንቤት መቕደስ ዝዓዩ ጀጋኑ ጥበብ ኣብ ልቦም የሕዲሩ። ዘጸኣት 36። 1-6።

እቲ ኹሉ ጥበብ ዝህብ እምበኣር ኣምላኽ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ዳኒኤል 2።20 ከምዚ ይብለና "ዳኒኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ ስም ኣምላኽ ካብ ዘልኣለም ንዘልኣለም ይባረኽ" እሞ ደኣ ጥበብ ካብ ኣምላኽ ካብ ኮነ መንእሰይ ጥበብ ከመይ ጌሩ እዩ ካብ ኣምላኽ ክረክብ ዝኽእል። ምስ ኣምላኽ ጥቡቕ ዝኾነ ርክብን ምሕዝነትን ክምስርት ኣለዎ።

እቶም ቀንዲ ንመንእሰይ ብህጻኑ ከሎ ንኣምላኽ ክፈልጥዎን ክምህርዎን ክሕግዝዎ ዘለዎም ግና ወልዲ እዮም። እግዚኣብሄር ንውልድካ ክትምህሮ ከም ዘለካ ይነግረና እዩ። ከምዚ ከኣ ይብልና "እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ከምጻሉ ንሱ ድማ ብድሕሪኡን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ክሕልዉን ጽድቅን ፍርድን ከኣ ክገብሩን ምእንቲ ክእዝዞም ፈለጥክዎም በለ" ዘፍጥረት 18።19። ስለዚ መንእሰይ ብቓል እግዚኣብሄር ተኾስኪሱ ዝዓበየ ክኸውን ኣለዎ። እግዚኣብሄር ንዉልድካ ክትምህሮ ከም ዘለካ ይነግረና እዩ ክትምህሮ ከኣ ሓላፍነትካ ጥራይ ዘይኮነስ ግዴታኻ እውን ኣዩ።

ኣብ ሃገርና ግን ክንደየኖት እዮም ወለዲ ንደቆም ብቓል ኣምላኽ ሚሂሮም ዘዕብይዎም? ሓደ ኣቦ ወይ ኣደ ንደቆም ቃል ኣምላኽን ፍርሓት ኣምላኽን ከስተምህርዎም ካብ ኣምላኽ ሓላፍነት ከም ዝተቐበሉ ዝፈልጡ? እቲ መልሲ ንወለዲ ንሓድጎ። ኣነ ግና ከም ዝመስለኒ ኣብ ሃገርና ወለዲ ንደቆም ከምዚ ዓይነት ፍልጠት ዘመሓላልፍሎም ኣዚዮም ዉሑዳት እዮም። ናይዚ ጠንቂ ምኽንያት እንታይ እዩ እንተ በልና ወለድና ባዕሎም ነዚ ዕድል እዚ ዝረኸብዎ ኣይመስለንን። ስለዚ እዩ ኣብ ሃገርና ብቓል ኣምላኻዊ ፍልጠት ኣዚና ዝደሓርና ይመስለኒ።

መንእሰይ ናይ ሓንቲ ሃገር ዓንዲ ሕቖ እዩ እንድሕር ኢልና ብቓል ኣምላኽ ዘይሓለፈ እንተ ኾይኑ ኣቲ ርክብ ምስ እግዚኣብሄር ክሳብ ክንድዚ ስለ ዘይኮነ ተበላሓትን ጥዑይን መንእሰይ ንምርካብ ከሸግረና እዩ። ከመይሲ ምንጪ ኩሉ ጥበብ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ።

መገዲ እግዚኣብሄር ምስዓብ ኩሉ ሰብ ጹቡቕ ምዃኑ ዝኽሕዶ ዘሎ ኣይመስለንን የግዳስ ብእኡ ጌርና ናብ በረኸት ፍልጠት ምዕባለ ጥበብ ብዓቢኡ ድማ ናይ ዘልኣለም ህይወት ንረክብ ምኻና ዝዝንግዕዎ ብዙሓት ኣለዉ። ስለምንታይሲ ንእግዚኣኣብሄር ምስዓብና ከም ሓደ ቤት ትምህርቲ ስነ ምግባር ወይ ጠባይ መኣረሚ ወይ ካብ ወልፍታት መከላኸሊ ጌርም ይወስድዎ። ገለ ገለ እውን ከም ናይ ድኹማት ስራሕ ዘይፈትዉ ሰነፋት ጌሮም ዝርእይዎ ዉሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ኹሉ በረኸትን ጥበብን ኣብ እግዚኣብሄር ምጽጋዕን ምምልላስን ከም ዘምጽእ ግና ክፈልጡ ይግብኦም።

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ እንተ ሪኢናዮ ነቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝመርሕዎም ዝነበሩ ብፖሎቲካዊ ብኢኮኖሚያዊ ብፍትሒ ፈረድቲ ተባላሕቲ ዝነበሩ ብቓል ኣምላኽ ዝዓበዩ ንእግዚኣኣብሄር ብፉጹም ልቦም ዝስዕብዎ ዝነበሩ እዮም። ንኣብነት ክንጠቅስ ሙሴ እያሱ ነቢይ ሳሚኤል ዳዊት ካህናትን ለዋውያንን እዮም ዝነበሩ። ካብዚኣቶም ንኣብነት ሓደ ክንወስድ። እስከ ብዛዕባ ነቢይ ሳሜኤል ንርኣ። ሳሚኤል ህይወት ታሪኹ ቅድም ኢልና እንተ ሪኢናዮ ካብ ዓሌት ኤፍሬም እዩ ዝነበረ። 1ሳሜ 1።1 ብዛዕባ ሕግን ስርዓትን ነዚ ነገድ እዚ ምንም ዝተዋህበ ኣይነበረን። ማለተይ ሕግን ስርዓትን ከስተምህሩ ንንገድ ለዊ ወይ ካህናት እዮም ዝነበሩ።

ኣብ ዘመን መሳፍንቲ እንተ ሪኢና ግን እቶም ካህናት ንህዝቢ ኣምላኽ ክመርሑ ሓላፍነት ዝነበርም ሰባት ነቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ሸለል ኢሎሞ ነበሩ። እግዚኣብሄር ግና ከም ቃሉ ዝነብር ሰብ እንተ ረኺቡ ሚስጥሩ ነቶም ዝፈርህዎ ብምሉኡ ልቦም ዝስዕብዎ ይገልጸሎም እዩ። እምበኣር ነቢይ ሳሚኤል ንእግዚኣኣብሄር ኣምላኽ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብምሉእ ልቡ ዝሰዓቦ ነቢይ ዝነበረ። ኣታዓባቢዩኡ ድማ ብቓል ኣምላኽ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝዓበየ እዩ ኔሩ። ሳሚኤል ግና ኣብ ታሪኽ እስራኤል እቲ ዓቢ ኣበርክቶን ተራን ዝተጻወተ ሰብ እዩ ኔሩ። ገለ ካብቲ ንሱ ዝገበሮ ንምጥቃስ ከኣ

 

  • ሳሚኤል ናይ ሃገር እስራኤል ሕግን ስርዓትን ዘቖመ ነበረ። 1ሳሜ 10።25 
  • ሳሚኤል ንህዝቢ እስራኤል ምስ እግዚኣኣብሄር ኣምልኽ ዘተዓረቖም ነቢይ ነበረ። 1ሳሜ 7።3-6 
  • ሳሚኤል ኣብ እስራኤል ይፈርድ ነብረ። 1ሳሜ 7።15-16 
  • ሳሚኤል ንውግእ እስራኤል መሪሑ ተማሪኸን ዝነበራ ከተማታት ዘምለሰ ነቢይ ነበረ። 1ሳሜ 7።11-12 
  • ሳሚኤል ካብ ዘመነ መሳፍንቲ ንእስራኤል ናብ ዘመን ነገስተ ዘቖመ ነቢይ ነበረ። 1ሳሜ 15።1

 

እምበኣርሲ ኣሕዋተይ እዚ ኹሉ ነቢይ ሳሚኤል ክገብር ዘብቀዖ እንታይ ስለ ዝኾነ እዩ? እቲ መልሲ ርዱኡ ኣዩ ምስ እግዝIኣኣብሄር ኣምላኽ ጹቡቕ ሕብረት ስለ ዝነበሮ እዩ። ስለዚ ሓደ መንእሰይ ተሰካሚ ቤተሰብን ሃገርን ሕብረትሰብን ክኸውን እንተ ኾይኑ ቀዳምነት ሕብረት ምስ መንፈስ ቁዱስ ሕብረት ምስ ቃል ኣምልኽ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ደረጃ ክበጽሕ ከኣ ወለዲ ዓቢ ሓላፍነት ኣለዎ። 

ለ ወለዲ ምስ ውላዶም ዘለዎም ርክብ

ሓደ መንእሰይ ጥዑይን መሃርን ተባላሓትን ክኸውን እንተ ኾይኑ ወለዲ ኣብዚ ዓቢ ተራ ኣለዎም። ኣብ ሃገርና ሓደ ጹቡቕ ልምዲ ኣሎና። ሓደ ኣቦ ንዉሉዱ ዘለዎ ዘበለ እዩ ዘውርሶ። ካብዚ ድማ እቲ ውላድ ካብ ናይ ኣብኡ ነገር ብዙሑ እዩ ዝወርስ። ሓደ ኣቦ መካኒክ እንተ ኾይኑ እቲ ወዱ ድማ ምስ ኣብኡ ስለ ዝውዕል ናይ ኣብኡ ጥበብ ይወርሶ እዩ። ኣዚ በቲ ሓደ ጎኒ ሰናይ እኳ እንተ ኾነ መንእሰይ ግን ክእለት ጥራይ ኣይኮነን ክወርስ ዘለዎ። እዚ ናይ ሎሚ ህጻን ናይ ጽባሕ መንእሰይ ድሕሪ ጽባሕ ከኣ መራሒ ስድራቤት ሕብረትሰብ ሃገር ስለ ዝኸዉን ብኹሉ ሙሉኡ ዝኾነ መንእሰይ ክንሃንጽ እንተ ኾይና ብድሲቢሊንን ብሞራላውን መንፈሳውን ብኹሉ ምእዙዙ ኮይኑ ክዓቢ ኣለዎ። ነዚ ድማ ኢና ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም ዓቢ ሓላፍነት ኣለዎም ንብል ዘሎና።

ሓደ መንእሰይ ወናኒ ክእለት ክኸውን ይኽእል እዩ እንተኾነ ካብ ስነ ስርዓት ወጻኢ ዝከይድ እንተ ኾይኑ ግና ኣዚ ዓቢ ጸገም እዩ። እዚ ድማ ናይ ወለዲ ጸገም እዩ። ኣብ ሃገርና ሓደ ጉግይ ምስላ ኣሎ። ንሱ ከኣ ከምዚ ይብል "ኣግዚኣብሄር ባዕሉ ቀጺዑ ይሃብካ ንሕና እሞ እንታይ ክንገብር ክንዲ ሰብ ኮይኑ" ይብሉኻ እዚ ግና ካብ ሓላፍነት ንምህዳም እዩ ወይ ከኣ ሓላፍነትካ ብዝግባእ ዘይምፍላጥ ኣዩ። ብርግጽ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ወይ ንዉሉዱ ዘይቀጽዕ ኣይኮነን ይቐጽዕ እዩ። እዚ ግና ናይ እግዚኣኣብሄር ሓላፍነት ዘይኮነስ ናይ ወለዲ ሓላፍነት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ "ንቖልዓ ብሻብጥ እንተ ገረፍካዮ ኣይመውትን እዩ እሞ ብዘይመቅጻዕቲ ኣይትግደፎ ብሻቦጥ ትገርፍ እሞ ንነፍሱ ካብ ሲኦል ተድሕኖ" ምሳሌ 23።13 ሓደ ወላዲ ንሓደ ዉሉዱ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጅሚሩ ብጉቡኡ እንዳ ቐጽዐ እንተ ዘይኣዕቢዎ ምስ ዓበየ እግዚኣኣብሄር ቀጺዑ ይሃብካ ማለት ቁኑዕ ኮይኑ ኣይስማዓንን እዩ። ኣቦታት ክምስሉ ከለዉ "ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ" ይብሉ።

መንእሰይ ድማ ካብ ግዜ ንእስነቱ ተቐጺዑ እንተ ዘይዓቢዩ ምስ ዓበየ እግዚኣብሄር ቀጺዑ ይሃብካ ማለት ጌጋ እዩ። ከምቲ ተኽሊ ምስ ተትኽለት ቀኒና እንድሕር ዓብያ ገርብ ምስ ኮነት ትኽ ክትብል ዘይትኽእል ከምኡ ከኣ መንእሰይ ብግዜ ሕጻንነቱ ከሎ ተኾስኪሱ እንተ ዘይዓብዩ ምስ ዓበይ ንኽእረም ኢልካ ዝግበር ዘይግባእ ጸቕጥን ምፍርራህን ዘይከዉን እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል ኣሎ "እቲ ከም ንዉሉዱ ገይሩ ወደየ እግዚኣብሄር ነቲ ዘፍቅሮ ይቕጽዖ እዩ እሞ እቲ ዝቕብሎ ዘብለ ዉሉድ እውን ይገርፎ ስለዚ ቕጽዓት ጎይታ ኣይትንዓቕ እንተ ገንሓካ እውን ሕልናኻ ኣይተዕርብ ኢሉ ዝዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ረሲዕኩምዎ ኣለኹም ቕጽዓት እንተ ተዓገስኩም ኣምላኽ ከም ዉሉዱ ጌሩ ይርእየኩም እዩ ኣቦ ዘይቀጽዖ እንታዋይ ዉሉድ እዩ ብዘይታ ኩሎም ዝሓብሩላ ቕጽዓት እንተ ኰንኩም ግና ደቓሉ እምበር ዉሉድ ኣይኮንኩምን ኣብ ርእሲ እዚውን ዝቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ካብ ዝነብሩ እሞ ካብ እንሓፎሮም ብህይወት ምእንቲ ክነብርሲ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ክንእዘዞ ዶ ኣይግብኣንን ኣዩ? እቲኣቶምሲ ንቑሩብ መዓልቲ ከም ተራእዮም ጌሮም ቀጽዑና ንሱ ግና ካብ ቅድስንኡ ምእንቲ ክንማቐል ኢሉ ንጥቕምና እዩ ዝቐጽዓን" እብ 12።6-10።

ስለዚ ኣሕዋተየ እግዚኣብሄር ንዘፍቅሮ ይቐጽዖ ኣዩ። ኣግዚኣኣብሄር ግና ተማቐልቲ ቅድስናኡ ምእንቲ ክንከውን ኣዩ ዝቐጽዓና። ውልድና ግና ንስጋ ኣዮም ዝቐጽዑና። ኣዚ ማለት ድማ ኣብ ዓለም ስጋብ ዘልና ከመይ ጌርና ከም እንመልለስ እዮም ዘርእዩና እዚ ኸኣ ምድራዊ ሓላፍነት ወለዲ እዩ። እምበኣርሲ ቅጽዓት ጎይታን ቕጽዓት ኣቦታት ብስጋ ዝወልዱና ርኢና ኣሎና። እቲ ሳልሳይ ቅጾዓት ገሊጽዎ ዘሎ ከምዚ ኢሉ ብዘይ እታ ኩሎም ዝሓብሩላ ክጽዓት እንተ ኰይንኩም ደቓሉ ኣምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን። ዝብላ ዘሎ እዚ ንሰይጣንን ንመልኣኽቱን ሰዓብቱን ዝተዳለወ ቕጽዕኣት እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ዘልኣኣለም ሞት ወይ ንይ ዘላኣለም ገህንም እሳት እዩ እምበኣር ቅጽዓት ክበሃል ከሎ ቅጽዓት እግዚኣብሄር ኣቦ ቕጽዓት ናይ ስጋ ኣቦታት ዘሎ ፍልልይ ተረዲእኩምኒ ክትኮኑ ተስፋ ይገብር።

ሎሚ ኣብ ዓለምና ብዙሕ መሰል ደቂ ሰባት ተባሂለን ዝጽውዓ ትካላት ኣለዋ። ንኣብነት ሰብኣዊ መሰል ደቀ ኣንስትዮ መሰል ህጻናት... ወዘተ ኣለዋ። እዚእን ትካላት ገለ ጡዑይ ነገራት ክህልወን ይኽእል እዩ። መሰል ህጻናት ዝብል ግና ኣብቲ ስርሑን ኣካይድኡን ጥልቕ ኢላካ እንተ ሪኢኻዮ ምስ ቃል እግዚኣብሄር ዝጻረረ ነገር ኣለዎ። ንሱ ኸኣ ካብቲ ዘስፈሮ ዓንቀጽ ሓደ ህጻን ከይህረም ዝብል እዩ።

ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ህጻን መጀመርያ ነገር ዝመሃሮ ነገር እንተ ሃልዩ ኣብኡ ወይ ኣዲኡ ምስ ዝቐጽዕዎ ናይ ፖሊስ ቁጽሪ ተሌፎን ተማሂሩ ፖሊስ ጸዊዑ ኣብኡ ወይ ኣዲኡ ክአስር መሰል ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና እንተ ሪኢና ሕጻን ተቐጺዑ ክዓቢ ይምህረና እዩ። ንቆልዓ ሻቦጥ ጹቡቕ እዩ ኢሉ ይምህረና። ኣብ ሰብኣዊ መሰል ህጻናት እንተ ሪኢና ግና ህጻን ንኸይህረም ኣብቲ ዓንቀጹ ኣስፊርዎ ኣሎ። ኣቦታትና ክምስሉ ከለዉ "ዘበነ ግርምቢጥሲ ማይ ንዓቐብ" ከም ዝብሉ ሰብኣዊ መስለ ህጻናት ከኣ ከምኡ ኮይኑ ዘሎ ይመስለኒ።

ሎሚ ዓለም እቲ ቐንዲ መሰረት ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ብቖልዕኡ ኸሎ ዝእረም ምስ ዓበየ ንኽእረም ኢልካ ዝግበር ብዙሕ ጻዕርታት ከንቱ እዩ። ሎሚ ንመንእሰይ ተባሂሉ መኣረሚ ጠባይ ኮለጃት ክኽፈት ክትርኢ ከለኻ ነቲ መንእሰይ ግብረ ኣይትግበር ኢልካ ትእዛዛትን መሚሪሒታትን ምሃብ ናብ ዝገደደ ምንጽርጻርን ጭንቀትን የእትዎ ኣሎ።

ሰብ ብተፈጥርኡ ድኹም ስለ ዝኾነ ኣሽንካይ ትእዛዝ ሰብ ክሕሉስ እቲ ቑዱስ ዝኾነ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክሕልዎ ኣይከኣለን።  ኣብ መጽሕፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣብ 15።10-11 ከምዚ ይብለና "እምበእርስከ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጸሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ ትፍትንዎ ንሕናስ ከማታቶም ብጸጋ ብጎይታና የሱስ ከም እንድሕን እንኣምን ኣሎና"። ሰብ ንሰብ ግበር ኣይትገበር ኢሉ ከስምዖ ኣይክእልን እዩ።

ናይ ሰብ ትእዛዝ ገለ ዉሑድ ሰናይ ክኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ዉሑድ ድማ ነቲ ሓደ ዝጠቅም ነቲ ሓደ ዝጐድእ እውን ክከውን ይኽእል እዩ። ናይ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽና ግን ኩሉ ንሰናይና ዝተዳለወ እዩ ዝነበረ። ንኣብነት እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንኣዳም ካብታ ጹቡቕን ኩፉእን እተፈልጥ እሞ ኣይትብላዕ ኢሉ ኣዚዝዎ ካብኣ ምስ ዝብልዕ ድማ መዓልቲ ሞት ከም ዝመውት ነጊርዎ። እዚ ትእዛዝ እዚ እንተ ሪኢናዮ ምንም ዝኸብድ ወይ ጾር ኣይነበረን ማለተይ ግበር ኣይትግበር ዝብል ትእዛዝ ኣይኮነን ግና እታ ኦሞ ንኣዳም ከተስሕትውን ዝተገብረት ኣይኮነትን። እቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረ ፍረ ኦም ኣዳም ከም ድላዩ ክጥቀመሉ ተዋሂብዎ ኔሩ። ሰብ ግና ብተፈጥርኡ ስለ ዝዓመጸ ካብ ኣምላኽ ዓልዩ። ኣምላኽ ግና ብዝዓለዎ ክኸይድ ስቕ ኢሉ ኣይሓደጎን ንወዱ የሱሱ ክርስቶስ ሊኢኹ ንሰብ ትእዛዙ ክፍጽመሉ ዝኽእል ጸጋ ሂብዎ።

ሰብ ንሰብ ከዕርዮ ኣይክእልን እዩ። ሎሚ ግና ሓደ ተስፋ ንዓለም ንነግራ ኣሎና እቲ ንሰብ ዘይተኽእሎ ንኣምላኽ ይከኣሎ እዩ እሞ ካብ መጀመርታውን እግዚኣብሄር ባዕሉ ሰራሒና ስለ ዝኾነ ባዕሉ ከዕርየና ይኽእል እዩ። ካብ ናይ ጠባይ መኣረሚ ኮሌጅ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምምጻእ ይበልጽ። ንሱ ድማ ከዐርየና እዩ።

ኣብ ሃገርና ሓደ ምስላ ኣሎ ንሱ ከኣ ከምዚ ይብል "መዕበይኡ ዝበደሎ ወላዲ" ወለዲ ንውልዶም ብኽልተ ነገራት እዮም ዝብድልዎም። እቲ ቐዳማይ ወለዲ ንውላዶም ከይቀጽዑ ከዕብይዎም ከለዉ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ልዕሊ ውላዶም ዘርእይዎ ዘይሃስስ ናይ ኣእምሮ በሰላ ኣትሓሕዛ ኣቀጻጽዓ እዩ። ኣብ ሃገርና ብዙሓት ኣለዉ ንወለዶም ክዝክሩ ከለዉ ዝራገሙን ዘስካሕኩሑን ስለዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣቦ እዩ ኢልካ ንኸተረድእ ንሓንሳብ ዘሸግረና።

ኣብ ዓለም ብዙሓት ኣቦታት ኣለዉ ካብዚኣቶም ብዙሓት ኣቦታት ገሊኦም ሰኽራማት ገሊኦም ተጻረፍቲ ዘመውቲ ተባእስቲ ወዘተ... ከም ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣቦታት እሞ ዉሉድ እንተ ኣለውዎም እግዚኣብሄር ኣቦ እዩ ኢልካ ከተርድኦም ኣሸጋሪ እዩ። ስለምንታሲ ሓደ ኣቦ ናይ ኣቦ ፍቕሪ እንተ ዘይብሉ ኣቦ ንምባል የሸግር እዩ። ከምኡ እውን ሓንቲ ኣደ ናይ ኣደ ፍቕሪ እንተ ዘይብላ ኣደ እያ ንምባል ዘሸግር እዩ። ሓደ ዉሉድ ናይ ኣቦ ናይ ኣደ ፍቕሪ እንተ ዘይብሉ ንናይ እግዚኣብሄር ፍቕሪ ንኽርድኦ ብዙሕ እዩ ዝወስደሉ። ከምዚኣቶም ዝኣምሰሉ ኣቦትት ኣብ ልዕሊ ደቆም ዘርእይዎ ሕማቕ ኣካይዳ ተግባራትን ነቲ ሁርኩትን ተበልሓትን ክኸውን እንጽበዮ መንእሰይ ዘይሃስስ በሰላ ገዲፍካ ከም ዘይሰርሕ ይገብሮ።

ሰብ ሞራሉ ክትንከፍ ከሎ ሓንቲ ነገር ክገብር ኣይክእልን እዩ። ኩሉ ጊዜ ኣሉታዊ ስለ ዝሐስብ ራእይ ዘይብሉ ሰብ እዩ ዝኸውን። ሎሚ ኣብ ሃገርና ብሰንኪ ፍትሕ ወለዲ ዘይስንምግባር ኣካይዳ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን መንእሰያትን ዝወርድ በደል ክንደይ እዩ። ሰብ ከምቲ እግዚኣኣብሄር ዝብሎ ዘይነብር እንተ ኾይኑ ህይወቱን ህይወት ስድርኡን ኩሉ ጊዜ ዝተባላሸወ እዩ። ገለ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ውላዶም ዘርእይዎ ቅጽዓት ዶብ ዝሓልፎ ከቢድ ይኸውን እዚ ድማ ነቲ መንእሰይ ሕልንኡ ከዕርብ ይገብሮ። ኣብ ኢፌሶን 6።4 "ኣቱም ኣቦታት ነቶም ዉሉድኩም ብናይ ጎይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እንበር ኣይትኾርይዎም" ወሲኹ እውን ኣብ ቆሎሴ 3።21 "ኣቱም ኣቦታት ሕልንኦም ከይዓርብ ነቶም ዉሉድኩም ኣይተኾርይዎም ይብለና"  ሰብ ንዉሉዱ ከመይ ክርእዮ ብኸመይ ጌሩ ይግስጾ መጽሓፍ ቁዱስ እቲ ኣገባብ ይምህረና እዩ።

ገለ ገለ ሕሉፋት ወለዲ ግና ንደቆም ብምፍርራህን ብምድሃልን ካብ ሓደ ወለዲ ዘይትጽበዮ ኣነዋሪ ጸርፍታት መርገም ካብ መጽሓፍ ቁዱሳዊ ወጻኢ ዝኾነ ተግሳጽ ይግስጽዎም። ሹዑ ንኣቦኦም ከም ኣቦ ዘይኮነ ንኣዲኤም ከም ኣደ ዘይኮነት ከም ጨካንት ዝርእይዎም። ወለዶም ክርእዩ ከልዉ ዝሃድሙን ክፈርሁን ኢኻ ትርእዮም። እዚ ኹሉ ግና ኣብ ልዕሊ መንእሰይ እቲ ካብ ስድርኡ ክረኽቦ ዝግብኦ ፍቕሪ ከይረኸቦ ይዓቢ። መቐረት ስድራ ቤት ዘይፈልጥ ይኸውን። ስለዚ ወላዲ ንዉሉዱ ብኽልተ ነግር ይብድሎ። ሓደ ካብ ጉቡኡ ንላዕሊ ኣቐጻጽዓ እቲ ካልእ ድማ ከይቀጽዐ ከዕብይዎ ከለዉ እዩ።

 

 ሐ ምስ ሕብረተሰብ ዘለዎ ርክብ

ስድራ ቤት ሓንቲ ጉጅለ ናይ ሕብረተሰብ እያ ሕብረተሰብ ድማ ሓደ ጉጅለ ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ህዝቢ እዩ። ሓደ መንእሰይ ከኣ ካብ ቤትሰብ ናብ ሕብረትሰብ ኣዩ ዝቀላቐል። ሕብረትሰብ ብዙሕ ጠብያትን ዝተፈላለየ ልምድን ዝተፈላለየ ፍልጠትን ዘልዎ ኣዩ። መንእሰይ ከኣ ናብ ሕብረተሰብ ክንጽንበር ክጅምር ከሎ ዝተፍልልየ ነገራት ዝመሃርሉ እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና "ኣይትታለሉ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ" 1ቆሮ 15።33።

ሓደ መንእሰይ ካብ ስድር ቤቱ ዝተፈላለዩ ብህሪ እዩ ዝወርስ። ነዚ ሒዝዎ ዝመጸ ጹቡቅ ይኹን ሕማቕ ባህሪ ናብቲ ከባቢኡ ዘሎዉ መንእሰያት ከንጸባርቖ ናይ ግድን እዩ። መንእሰይ ብብህሪኡ ዉዕይ ስለ ዝኾነ ንኩሉ ነገር ክፈልጥ ስለ ዝደሊ ጹቡቕ ይኹን ሕማቕ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዓቢ ጽልዋ ስለ ዘለዎ ሕብረትሰብ ኣብ ከብቢኦም ንዘለው መንእሰያት ብምኽርን ማዕዳን ከዐርይውምን ክመኽርዎምን ኣለዎም።

ብዓቢኡ ኣብዚ ግና ዓቢ ተራ ክትጻወት እትኽእል ቤተ ክርስትያን ኣያቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ሕብረትሰብ ስለ ዘላ ቀንዲ ሓላፍነት ወሲዳ ንመንእሰያታ ክትምህርን ክትከታተልን ኣለዋ። ኣብ መጽሓፍ ቁድስና ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነብሩ መብዛሕትኦም መንእስያት ኣዮም። መንእሰይ ኣብ መንግስቲ ይኹን ቤተ ክርስትያን ሕብረተሰብ እቲ ዓቢ ተራ ዘልዎ ንሳ እያ። ብፍላይ ከኣ መዕበይቲ ኣቦታት ሕብረተሰብ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝገብርዎ ኣወንታዊ ኣተሓባሕባን ኣተሓሕዛን ኣብ መንእሰያት ዓቢ ግደ ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ትሕቲኡ ብዙሓት መንእሰያት ይሓቁፍ ኔሩ። ንኣብነት ጢሜጥዎስ ነቲ መንፈሳዊ ሕድሪ ኣረኪብዎ። ሕድሪ ጥርይ ዘይኮን ኣርኪብዎ ብኹሉ ነገር ፍቱን ዓይዪ ክኸውን ሚህርዎን መንገዲ እውን ኣላሚድዎ ዓቢ ሓላፍነት ኣሰኪምዎ።

ከምኡ ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅድስ 2ነገስት 11 እንተ ሪኢና ብዛዕባ ሓደ ካህን ዮያዳ ዝተባህለ ሰብ ንህዝቢ ኣምላኽ መራሒ ዝኸውን ብኹሉ ትምህርቲ የዕብዩ መራሒ ሃገረ ከም ዝገበሮ መጽሓፍ ቁድስ ይነግረና።

ሎሚ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ተበላሹ ዘሎ ርክብ መንእሰያትን ሕብረተሰብን ቤተ ክርስትያን ሓላፍነት ወሲዳ ብደገፍ መንፈስ ቁዱስ ከተዕርዮ ኣለዋ። ቤተ ክርስትያን ንመንእሰያት ከመይ ጌርም እዮም ኣብ ዓለም ብቅድስና ዝመላለሱ? ሳዕቤን ሕማቅ ሕብርት ጉድኣቱ ኣንታይ ምኻኑ ብዝግባእ ከተፍልጦም ኣለዋ። ከመይ ተበልና እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት መራሕቲ ቤተ ክርስትይን ስለ ዝኮኑ። ሎሚ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዓለማውነት ኣመሓዳድራን ዓለማውነት ፋሽንን ዝተኣታቶ ዘሎ ኣንታይ እዩ ጠንቁ እንተ ኢልን መንእሰያት ምስ ዓለማውነት ዘለዎም ሕብርት እዩ ዝገልጽ።

ሎሚ ኣብ ቤት ኣምላክ ከምቲ ዓለማውይን ዝኸድዎ ቅዲ ፋሽን ንመንእሰያ ከምኡ ክገብሩ ዝድርኾም ዘሎ ምስ ዓለም ዘሎና ርክብ እዩ ዝገልጽ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንህዝቢ ኣምላኽ ከጠንቅቖም ከሎ ከምዚ ኢሎም ነበረ። ምስታቶም ኣይትዋሰቡ ኣማልኽቶም ኣይተምልኹ። ኣብ ትንቢት ኢሰያስ መሊሱ ምዕራፍ 52።11 "ረሓቑ ረሓቑ ካብዚ ዉጹ ርኹስ ኣይትተንኪዩ። ኣቱም ኣቕሑ እግዚኣብሄር እቲ ጸሩ ካብ ማእከሎም ዉጹ ንጽሁ" ኣብዚ ጹሑፍ እዚ ረሓቑ ረሓቑ ክብለና ከሎ ካብ ምንታይ ኢና ክንርሕቕ ዘሎና? ካብቲ ኣብ ዓለም ዝግበር ሩኹስ ነገራትን ዶ ኣይኮነን? ንዓለም ምፍቓርሲ ንኣምልኽ ጽልኢ ዶ ኣይኮነን? ሎሚ ዓለማውነት ኣብ ቤት ኣምላኽ ክኣቱ ዘይኮነስ ቤት ኣምላኽ ነቲ ሰናይ ነገር ንዓለም ከተርኢ ደኣ እምበር ዓለም ንቤት ኣምላኽ ክትጸልዋ የብላን። ስለዚ ቤት ክርስትይን ኣብ ተራ መንእሰያት ዝዓበየ ተራ ኣለዋ።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝገብሮ ኣተሓሕዛ

ጥዑይ መንእሰይ ንምፍራይ ናይ ወለዲ ሕብረተሰብን ውህደት ናይ መንግስን ሓላፍነትን እዩ። ኣብ ዓለም ዘለዉን ዝነብሩን ዝተፈልለዩ መራሕትን ሰበ ስልጣንን ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘለዎም ኣተሓሳስባ ጹቡቕ ኣኳ እንተ ኾን ገለ ገለ ምትዕርራይን ምክትታልን ክገብርሉ ዝግብኦም ኣሎ። ብዙሕ ግዜ ንመንእሰይ ተባሂሉ ዝቕውም ክላባት መምሃሪ ዘይኮነስ ቡዝሕ ግዜ መዐወልን መበላሸውን ኮይኑ ኢኻ ትርእዮ። መንእሰያት ኣብዚ ክለብ እዚ ካብ ስነ ምግባር ወጻኢ ዝኾነ ግብርታት ክፍጹሙ ኢኻ እትዕዘብ። ስለዚ ኩሉ ንመንእሰይ ተባሂሉ ዝቐውም ትካላት ማህበራት መሰርቱ ኩሉ መንፈሳውን ሞራላውን እንተ ዘይኮይኑ ጉድኣቱ ዓቢ ጥፍኣቱ ኸኣ መዘና ኣልቦ እዩ ዝኸውን።

መንግስቲ ንመንእሰያት ክዓብይሉ ዝኽእሉ ባይታ ክፈጥር ሓልፍነት ኣለዎ። ሓላፍነት መንግስቲ ኸኣ መሪሕነቱ ንመንእሰይ ወለዶ ብዝግብእ ምትሕልላፍ እዩ። ኣዚ እንተ ዘይኮይኑ ኣብቲ ሃገር ስነ ሞራልውን ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ቅልውላው ክመጽእ ናይ ግድን እዩ።

እምበኣር ንሓደ መንእሰይ ጥዑይን ኣፍራይን ክኸውን እንተ ኾይኑ ናይ ወለዲ ሕብረተሰብን መንግስቲ ሓላፍነት ክወስዱ ከም ዘለዎም ሪኢና ኣሎና። መንእሰይከ ምስ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም እንታይ ግደ ኣለዎ? ወይ ኣቲ ዝተባልሸወ ነገር ከምይ ጌሩ ከዕርዮ ኣለዎ? ዝብል ንመልከት

 

1 መንእሰይ ምስ ወለዱ ክኾኖ ዘለዎ

መንእሰይ ናይ ኣተዓባብያ በደል ኣንተ ኣጋጥሞ እቲ ክረኽቦ ዝግባኦ ፍቕሪ ትምህርቲ ስነ ምግባር... ወዘተ ብዘይ ምርካቡ ዕድሉ ተበላሹ ማለት ኣይኮንን። እኳ ደኣ ብዙሕ ነገራት ተማሂሩ ነቲ ንሱ ዘጋጠሞ ሽግር በዲሁ ዓቢ መምህር ክኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ ብብዙሕ ነገር ተፍቲኑ ተሞኪሩ ስለ ዝኾነ። ነዚ ኩሉ በዲሁ ክሓልፈሉ ዝክእል መንገድን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከኣ ክመርሖ ዝኽእል ቃል ኣምላኽ ኣለዎ።

ኣብ መዙሙር ዳዊት 119። "ቃልካ ሓለፋ መምሃራን ኣለበመኒ" ወሲኹ እውን "ጎበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ" መዝ 119።9። እዚ ከምዚ ዚዓይነቱ ተስፋ ካብ ዝህልወና መንእሰይ ኩሉ ወጽዓታቱ ሓዲጉ ብቓል ኣምላኻዊ መምርሒ ንነፍሱ ክመርሓ ክጅምር ከሎ እቲ ዝተበላሸወ ነገር ተዓርዩ ንኹሉ ሰብ ምሃሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዞም ናይ ኣተዓባብያ ሽግር ዘጋጠሞም መንእሰያት ድማ ከስተምህሮምን ክሕግዞምን ይኽእል ኣዩ።

መንእሰይ እቲ ቐዳማይ ንነፍሱ ዝህንጸሉ ከም ቃል ኣምላኽ ክነብር ከሎ ጥራይ እዩ። ንምሳሌ ኣብ ቃል ኣምላኽ እቲ ቐዳማይ ተስፋ ኣንቢርዎ ዘሎ ኣብ ኤፌሶን 6።1-2 "ኣቱም ዉሉድ እዚ ቑኑዕ እዩ እሞ ንወለድኹም ብጎይታ ተኣዘዝዎም ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ጹቡቕ ክኾነልካ ኣብ ምድር እውን ዕድሜኻ ክነውሕ ኣዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ጎበዝ ንነፍሱ ዝሃንጸሉ ከም ቃል ኣምላኽ እንተ ኔሩ እዩ። እቲ ቐዳማይ ከኣ ምስ ወለዱ ዘለዎ ርክብ ብኣኽብሮትን ብተማእዛዝነትን ክኸውን ከሎ ጥራይ እዩ። እዚ ምስ ገበረ ከኣ እቲ ቐዳማይ ኣብ ምድሪ ጹቡቕ ይኾነሉ እቲ ኻልኣይ በረኸትን ዕድሚኡን ይነውሕ እዚ ተስፋ እዚ ኣቦ ወይ ኣደ ዝሃብዎ ዘይኮነስ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዝተዛረቦ እዩ። 

ሎሚ መንእሰያት ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ንወለዶም ዝእዘዙስ ክንደይ እዮም? ሎሚ ኣብ ምድሪ ምክንዋን ዝኣብዮ ዘሎ መንእሰይ ርእሱ ክምርምር ኣለዎ እቲ ተስፋ ዝሃቦ እግዚኣብሄር ጹቡቕ ክኾነልካ ኣብ ምድሪ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ዝብሎ ክዝክሮ ኣለዎ።

ሰብ ከምቲ ጎይታ ዝብሎ ዘይነብር እንተ ኾይኑ ኣብ መርገም ምህላዉ ክፈልጥ ኣለዎ። ከመይሲ ቃል እግዚኣብሄር ካብ ዝሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ስለ ዝቐልል። ቃሉ ድማ መገዲ በረኸትን መገዲ መርገምን ይምህረና እዩ። ንጉስ ዳዊት ነዚ ስለ ዝተረደኣ እዩ "ጎበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ" መዝ 119።9 ኢልዎ ዘሎ። እግዚኣኣብሄር ኣምላኽና ንወለድና ብጹቡቕ መንገዲ እንዳምሃሩ ከዕብዩና እኳ እንተ ኣዘዞም ንሕና ድማ ንወለድና ክንእዘዝን ክንፈርሆምን ከነኽብሮም ኣዚዙና ኣሎ።

ብሕልፊ ኣብ ቡሉይ ኪዳን እንተ ርኢና ዉሉድ ምስ ወለዶም ክህልዎም ዘለዎም ርክብ ከመይ ብጥንቃቐን ብፍርሓትን ክኸውን ከም ዘለዎን ናይ በረኸትን መርገምን መገዲ ምዃኑ ኢና እንምልከት።

 

ንኣብነት 

•·         "ንኣብኡ ወይ ነኣዲኡ ዝወቕዔ ሞት ይሙት ዘጻኣት" 21።15 

•·         "ንኣብኡ ወይ ነኣዲኡ ዝረገመ ሞት ይሙት ዘጻኣት" 21።17 

•·         "ንሓደ ሰብ ህልኸኛን ዓመጸኛን ቃል ኣብኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተ ኣለዎ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም ኣቡኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦትኡን የውጽእዎ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተምኡ እዚ ወድና ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ ንቓልና ኣይሰምዕን ህሩፍን ሰካርን እዩ ኸኣ ይብልዎ። ኩሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ ይሙት ኸኣ ኩፉኡ ዘበልስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ሰሚዑ ክፈርህ እዩ" ዘዳ 21።18-21 

ሓደ መንእሰይ ተቐጺዑ ዘይሰምዕ ሰካርን ሁሩፍን እንተ ኾይኑ ብመሰረት ቡሉይ ኪዳን ክመውት ኣለዎ። ኩሎም ዓበይቲ ኸኣ ነዚ ምስ መርመሩ ካብ ማእከል ሕብረትሰብን ስድርኡን ክእለ ሳዕቤን ከየምጸ ከሎ ከም ዝመውት ይግበር ኔሩ። ነዚ ኹሉ ዝረኣየ ሰብ ድማ ክፈርህ ይጅምር እሞ ንወለዱ ኸኣ ከም ብዝግባእ ይእዘዘ ኔሩ። ሎሚ መንእሰያት ነዚ ቓል ኣዚ ብግቡእ ዝርድእዎ ክንደይ እዮም? ክንደይ ከ እዮም ንወለዶም ዝጻረፉ ዘይእዘዙ ዘለዉ? ሳዕቤን ናይዚ ኩሉ ኸኣ መርገምን ሞትን ይኸውን። ቃል ኣግዚኣብሄር ንኣቦናን ንኣዴናን ከነኽብር ይእዝዘና እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ 23።22 "ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ ኣዴኻ ምስ ኣረገት ኣይትንዓቓ" ኢሉ ይእዝዘና እዩ።

ብርግጽ ቃል እግዚኣብሄር ንወለድና ክንእዘዞም እኳ እንተ ኣዘዘና ንወለድና ንእዘዞም ግና ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር ኣንጻር ቃል ኣምላኽ ምስ ዝኸውን ክንኣቢ መሰልና እዩ። ከመይሲ ካብ ንዓይ ነብኡን ነዲኡን ዘፍቅር ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ ዝብል ትኹል ዝኾነ ናይ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ቃል ኣሎና። ብርግጽ እዚ ሓሳብ ኣዚ እንተ ሪኢናዮ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣይተፍቅር ማለቱ ኣይኮነን። እቲ ሓሳብ እንተ ኣስተውዕልናዮ ግና ካብ ቃል ኣምላኽ ወጻእን ኣንጻር ቃል ኣምላኽን ክእዝዙና ከለዉ ክነጽጎ እዩ ዘምህረና ዘሎ። እቲ ቀዳማይ ክፍርሃን ክንእዘዞን ዘሎና ኣግዚኣብሄር ኣምላኽ ስለ ዝኾነ እዩ። ስለዚ ንወለድና ከነኽብሮምን ክንእዘዞምን ከነፍቅሮምን ክንሓልየሎምን ሓላፍነትና እዩ። 

2 መንእሰይ ምስ ሕብረተሰብ ክኾኖ ዘለዎ 

ሕብረተሰብ ክበሃል ከሎ መንእሰይ ሕጻናት ሽማግሌታት ኣቦታት ኣዴታት ዝሓቖፈ እዩ። ኣብ ሃገርና ሓደ ጹቡቕ ባህሊ ኣሎና። ዓቢ ሰብ ነኽብር ኢና። ንኣብነት ኣብ ኣውቶብሳት ንዓበይቲ ንዝተጸገሙ ሰባት ክመጹ ከለዉ ብድድ ኢልና ኮፍ ነብሎም ኢና። እዚ ድማ ባህልና ኮይኑ ይስምዓና። 

መጽሓፍ ቁዱስ እውን ኣብ ዘለዋውያን 19።32 "ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር ንኣምላኽ ፍርሃዮ ኣነ እግዚኣብሄር እየ"።  መንእሰይ ኣብ ሕብረተሰብ ዓቢ ግደ ዘልዎ እዩ። እታ ቐዳመይቲ ቤተክርስትያን እንተ ርኢናያ ኩሎም መንእሰያታ ከም ዝነበሩ ንዝክር ኢና። እዞም ናይ ሎሚ ኣቦታት ኢልና ንጽዎዖም ኩሎም ንእግዚኣብሄር ብንእስንቶም ከለዉ ዘገልገሉ እዮም። ነቲ ባህሊ ኣይሁድ ጣኦታት ኣህዛብ ጢሒሶም ነዚ ሎሚ ዘሎ ወለዶ ወንጌል ብዝግባእ ኣማሓላሊፎምልናስ እንሆ እኳ ንሕና በረኸተን ምድሓንን ረኺብና።

ሓይሊ መንእሰይ ኣበይ ክኸውን ከም ዘለዎ መንእሰይ ከስተውዕሎ ኣለዎ። ነቲ ናይ ኣቦታትና ወንጌል ከመይ ጌርና ኣብ ሕብረተሰብን ከም ነብጽሖ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ኢኮኖሚ ስደት ካልእ ተወሳኺ ጸገማት በዲሁ ኣብ ሕብረትሰብ ዓቢ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ፈሊጡን ኣስተውዒሉን ብዓቢ መንፈሳዊ ሓይሊ ክሰርሕ ኣለዎ። ኣብ ዘመናት ኩሉ ታሪኽ ናይ ዓለምና እንተ ሪኢና መጽሓፍ ቁዱስ እውን ከም ዝምህረና እቲ ለውጢ ዘምጹ ኩሎምቶም መንእሰያት ከም ዝነበሩ ይምህረና እዩ። ስለዚ መንእሰይ ነዚ ኹሉ ተረዲኡ ሓደ ተኣምራታዊ ዝኾነ ሓይሊ ኣብ ህዝብና ከምጽእ ሓላፍነት ኣለዎ። 

3 መንእሰይ ምስ መንግስቲ ዘለዎ ርክብ

"ኣብ ሃገር ረሲኣን እንተ በዚሑ ሃገር ትጠፍእ ጻድቃን እንተ በዝሑ ሃገር ትለምዕ" ምሳሌ ኣብ ሃገር እስራኤል እንተ ሪኢና እቶም ነገስታት ካብ እግዚኣብሄር ምምላኽ ክእለዩ ከለዉ ኣብታ ሃገር ጥሜት ስደት ኩናት ባርነት ይኸውን ነበረ። እቶም ነገስታት እቲኣ ሃገር ምስ እግዚኣኣብሄር ኣምላኽ ጹቡቕ ሕብረት ክገብሩ ክጅምሩ ከለዉ ኣባታ ሃገር በረኸትን ሰላምን ይኸውን ነበረ። ግዝኣቶም ድማ ክሳብ ጫፍ ምድሪ የስፋሕፍሕ ነበረ።

መንግስቲ ክብሃል ከሎ ኣካል ህዝቢ እዩ። ነቲ ህዝቢ መሪሑ ድማ ኣባታ ሃገር ዘሎ ኹሉ ንጥፈታት የካይድ። መንግስቲ ንጥፈታት ኣብታ ሃገር ከካይድ እንተ ኾይኑ እሙናት ሰባት ክረክብ ኣለዎ። እምበኣር ሎሚ ክርስትይን ስጋብ ክንደይ ኢና ነዚ ተረዲእና ምስ መንግስቲ ኮይና ክንዓዪ ክንጅምር ከሎና ነቲ ዝተባላሸወ ነገር ከን ዕርዮ ከም እንኽእል እንፈልጥ? እቲ ቦታ ረሲኣን ክቕመጥሉ ከለዉ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሃገር ዕንወትን ብልሽውናን ዝበዝሕ?

እቲ ብጽድቂ ዝተመልኣ መንእሰይ ነዚ ቦታ እዚ ከም ዳንኤል ኣኣስቴር ዮሴፍ ከይኑ ክቕመጦ ኣበርቲዑ ክጽሊ ይግባእ። መንእሰይ ኣኣብ ፖሎቲካዊ ማሕበራዊ ኢኮኖሚይዊ መዳይት ጽልዉኡን ተርኡን ዓቢ ምኻኑ ተገንዚቡ ነዚ ነገር እዚ ኣዚዩ ክነቅሕን ክጽልን ኣለዎ። "እቲ ንኣምላኹ ዝፈልጥ ህዝቢ ግና ክብርትዕን ክገብርን እዩ" ዳኒ 11።32