16
Tue, Apr
0 New Articles

'ጸሎትን ምንቕቓሕን'

Message 4
Typography

ብጊዜ ጽብሓት ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ እቲ መባርቕ ዝገብር እግዚኣብሄር ካብ ነፍሲ ወከፍ ሳዕሪ ኣብ ግራት ሰርቢ ዝናም ከዝንመሉ እዩ።' ዘካ 10፡1

 ምንቕቓሕ ቃል ንቓሉ ክንርድኦ ከሎና ካብ ምብዕዛዝ ምብርባር፡ ምትንሳእ ከመልክት ከሎ ልክዕ ከምቲ ብጊዜ ሓጋይ ብጸሓይ ቀምሲሉ ወይ ጸልምዩ ዝጸንሐ ተኽሊ ዝናም ምስ ዘነበ ዝጥጥዕን ዝበራበርን፡ ቤተክርስትያን ድማ መንፈስ ኣምላኽ ብሓይሊ ክግለጽ ምስ ጀመረ ካብቲ ባዕዚዛቶ ዝነበረት ትትንስእ ማለት እዩ።

 ምንቕቓሕ ግና ስቕ ኢሉ ዝመጽእ ነገር ኣይኰነን። ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተ ረኣና ምንቕቓሕ ንጸሎት ስዒቡ ዝመጽእ ፍጻመ ከም ዝዀነ ንርኢ። ኣብ ግብ 1፡14 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ተኣኪቦም ከየብኰሩ ሓቢሮም ይጽልዩ ምንባሮም ነንብብ። ከምኡ'ውን ኣብ ግብ 2 ሓቢሮም  ብሓንሳእ ምንባሮም ንርኢ። እዚ ምእካብ'ዚ ንጸሎት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ እዩ መንፈስ ቅዱስ ብድንገት ካብ ሰማይ ብብርቱዕ ደሃይ መጺኡ ከም ልሳን ሓዊ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ዝተቐመጠ። ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራፍ 4 ሃዋርያት መሊሶም ኣብ ጸሎት ምስ ኣተዉ መንፈስ ቅዱስ መሊሱ ከነቓቕሖም ከሎ ንርኢ።

 

ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ኣምላኽ ንቤተክርስትያን እቲ ዘጥፍኣቶ ሓይሊ ክመልሰላ ከሎ ዝተጠቕመሉ ማርቲን ሉተር ኣብ ታሪኽ ብጸሎቶም ካብ ዝፍለጡ ሰባት ሓደ እዩ ነይሩ። ኩሎም እቶም ኣኣብ ዘመኑ ኣብ ቤተክርስትያን ምንቕቓሕ ንምምጻእ ጐይታ ዝተጠቀመሎም ሰባት ከም ጆን ወስሊ፡ ኢቫን ሮበርትስ፡ ዊልያም ሲሞር ዝኣመሰሉ ሰባት እቲ ኣብ ዘመኖም ዝነበረ ምንቕቓሕ እንተ ረኣናዮ ጸሎት ዘሰነዮ እዩ ነይሩ። ክብሪ ኣምላኽ ክግለጽ ዝነበሮም ጽምኣት ኣብ ቅድሚኡ ብዘይ ምቁራጽ ምስ ገለጹ ክብሪ ኣምላኽ ርእዮም።

 ሎሚ ምንቕቓሕ ክመጽእ እቲ መፍትሒ ኣበይ እዩ ዘሎ? እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕሲ 'ዝናም ለምኑ እግዚኣብሄር ድማ ከዝንም እዩ' እዩ ዝብል። ሎሚ እቲ እንጸምኦ ዘሎና ምንቕቓሕ ክመጽእ እንተ ዀይኑ ኣብ ሓጢኣት ዘለዉ ሰባት ተረቲዖም ብንስሓ ናብ ጐይታ ኪመጹ እንተዀኖም ብዘይ ምሕላል ገጽ እግዚኣኣብሄር ክንደሊ ይግብኣና። ሎሚ ንቤተክርስትያን ዘድልያ ዘሎ ገጽ እግዚኣብሄር እዩ። ሙሴ ''ገጽካ ምሳና ዘይከይድ እንዀይኑ ካብዚ ኣይተደይበና'' ኢሉ ንኣምላኽ ዝለመኖ ብዘይ ክብሪ እግዚኣብሄር ሓይሊ ዘይብሎም እኳ ደኣ ሒደት ህዝቢ ስለዝኾኑ ብጸላእቶም ክጥቅዑ ስለ ዝኽእሉ እዩ።

ስለዚ ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላኽ ቤተ ክርስትያን ሎሚ ምስ ክብሪ ኣምላኽ እንተ ዘይከይዳ፡ ኣብዚ ሰይጣን ብዓቢ ሓይሊ ተበጊሱሉ ዘሎ እዋን ክትሰዓር ትኽእል እያ።

 ስለዚ ከም ወትሩ፡ ዋላኳ ንሒደት ኣዋርሕ በዛ መንፈሳዊት ጋዜጣ ርክብና ኣቋሪጽና እንተነበርና፡ ሕጂ ግና ናይ ጸሎት ኣገልግሎትና ብምቕጻል ተጊህና ክንጽሊ ኢና።

ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝህልወና ናይ ጸሎት ኣርእስቲ

1. ኣብ ወርሒ ለካቲት መደምደምታ ኪረክብ ተስፋ ተገይሩሉ ዘሎ ሰላም ሃገርና ኢድ ኣምላኽ ኪሕወሶ።

2. ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ምንቕቓሕን ኢድ ኣምላኽን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኪፈስስ ንጸሊ።   

 ጐይታ ይባርኽኩም!