"ትንቢታውያን ቃላት ክርስቶስ"
ስለዚ እስከ ሕጂ ነቶም ክርስቶስ ዝተዛረቦም ቃላት ትንቢት ንፈትሾም
﷽ምስላኡ ካብ ኦም በለስ ተምሃሩ፡ ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቆጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ምስ ረኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። እዚ ኩሉ ክሳዕ ዚኸውን እዚ ወለዶ እዚ ከም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን እዩ"
"﷽ኦም በለስ" ብዘይጥርጥር ናይ እስራኤል ምሳሌ እያ። (ኤርምያስ 21፡ 2 4, 9 ሆሴእ 9፡10)። ነዛ ትንቢት እዚኣ ክትርድእዋ እንተ ኪኢልኩም፡ ነተን ገና ዘይተፈጸማ ተሪፈን ዘለዋ 20 ትንቢታት ክትርድእወን ትኽእሉ ኢኹም። ጐይታና ነዚ ትንቢታዊ ቃላት ቅድሚ ምሃቡ ኣብ ምዕራፍ 21 ሓደ ንግሆ፡ ኣብ ቢታንያ ሓዲሩ ናብ የሩሳሌም ገጹ ይሓልፍ ነይሩ። ኣብ ጥቓ መገዲ ድማ ሓንቲ ቆጸልጸል ዝበለት ኦም በለስ ርእዩ። ፍረ እንተ ረኸበላ ኢሉ ድማ ናብኣ ከይዱ፡ ይኹን እምበር ቆጽሊ እምበር ፍረ ኣይረኽበላን። ቆጽሊ እምበር ፍረ ስለ ዘይረኸበላ ድማ፡ ﷽ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፈረ ኣይፍረ" ብምባል ረጊሙዋ። እታ ኦም በለስ ድማ ካብ ሱራ ነቂጻ ይብለና መጽሓፍ ቅዱስ። ሕጂ ሕሰብዎ፡ ጐይታና ኣብ ቢታንያ ሓዲሩ እዩ ንየሩሳሌም ንግሆ ገስጊሱ ዝኸይድ ነይሩ፡ እሞ ማርታ ንጐይታና ቁርሲ ከየቑረሰት ትሰድዶ ኰይኑ ይስምዓኩምዶ? ፍጹም ዘይሕሰብ እዩ! ይኹን እምበር ጐይታና ገና ብንግሆኡ ከሎ ክጠሚ ኢና ኣብዚ እንምልከት። ስለዚ እዚ ጥምየት እዚ ስጋዊ ናይ ከብዲ ጥምየት ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ጥምየት እዩ። የሱስ ካብታ ብኦም በለስ ተመሲላ ዘላ እስራኤል ክረኽቦ ዝደለየ መንፈሳዊ ፍረ ነይሩ። ንሳ ግን ቆጽሊ እምበር ፍረ ኣየጽንሓትሉን።
ፍረ ማለት ንኣምላኽን ንሰብን ዘዕግብ ማለት እዩ። ልክዕ ከምቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንተኽሊ ወይኒ እቲ ዝስተ ወይኒ እምበር ፍረ ወይኒ ዘይኰነ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንኦም በለስ ድማ፡ ፍረ በለስ እምበር ቆጽሊ በለስ ኣይኮነን። ሓንቲ ኦም በለስ እምበኣር ቆጽሊ ጥራይ ምውጻእ ዘይኰነስ ፍረ እያ ክትፈሪ ዘለዋ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ኦም ነናታ ጻውዒት እዩ ዘለዋ። እስራኤል ኣብዚ ምድሪ እዚ ናይ ኣምላኽ ምስክር ክትከውን እያ ተጸዊዓ።
ይኹን እምበር ጐይታና ናብታ ኦም በለስ ምስ ቀረበ ፍረ ኣየጽንሓትሉን። ብደገ ማራኺ፡ ልሙዕ፡ ህይወት-ዘለዎ-ዝመስል ቆጽሊ ነይሩዋ፡ ፍረ ግን ኣይነበራን። ሓደ ነገር ፍረ እንተ ዘይብሉ ድማ ሓቅነት የብሉን ማለት እዩ። ምስልዩነት እምበር ሓቀኛ ክውንነት የብሉን ማለት እዩ። ብሓሶት ጥበራን ዝተመልአ ማለት እዩ። ቅንዕና የሎን። ነዚ ኹሉ ሸፈጥን ሓሶትን ስለ ዝተመልከተ ድማ እዩ፡ ጐይታና ነታ ኦም በለስ ዝረገማ። ሓንቲ ኦም በለስ ፍረ እንተደኣ ዘይትህብ ኰይና፡ ንሳ እተድልየሉ ኣብነት የሎን። ስለዚ ድማ ተረጊማ። ﷽እታ ኦም ካብ ሱራ ነቐጸት" ይብለና መጽሓፍ ቅዱስ። (ማቴዎስ 21፡18-20)።
እዚ ትንቢት ምኻኑ ክንዝክሮ ይግባእ። ጐይታና ብቓላት ዘይኰነስ ብተግባር ዘመሓላለፎ ትንቢት እዩ። እዚ ትንቢት እዚ ድማ ብ 70 ዓ.ም ፍጻሜ ረኺቡ እዩ። ብ 70 ዓ.ም የሩሳሌም ምሉእ ብምሉእ ዓንያ። ጸኒሓ ኸኣ እታ ሃገር ካብ ገጽ ናይዛ ፕላኔት ምድሪ ተደምሲሳ። ፍጻሜ ትንቢት ናይ ጐይታና ድማ ተረጋጊጹ። የሱስ ነታ ኦም ረጊምዋ። እታ ኦምውን ቆጽላ ሓሪሩ ካብ ሱራውን ነቒጻ። እታ ሃገር ድማ ካብ ገጽ ምድሪ ተሓኺኻ።
ድሓር ምስዚ ድሕረ-ባይታ እዚ ኣተሓሒዙ፡ ጐይታና ብግብሪ ዘይኰነስ ብቓላት ትንቢት ሂቡ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምዚ ኢሉዎም፡
﷽ምስላኡ ካብ ኦም በለስ ተምሃሩ፡ ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቆጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም"
እዚ ትንቢታዊ ቃላት ክርስቶስ ኣዝዩ ዘገርም ተኣምራት እዩ። ክርስቶስ ብቐንዱ ከምዚ እዩ ዚብል ዘሎ። እዛ ካብ ሱራ ዝነቐጸት ኦም በለስ፡ ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቆጽላውን ምስ ጠጠዐ፡ ክረምቲ ከም ዝቐረበ ፍለጡ። እዛ ብኦም በለስ ተመሲላ ዘላ እስራኤል፡ ካብ ሱራ ነቒጻ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ተደምሲሳ ከተብቅዕ፡ ብ 1948 ዳግም ተወሊዳ ክትጥጥዕ ከላ ከም ዝጀመረት ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ጉዳይ እዩ።
ማቴዎስ 24፡33 ከምዚ ይብል ﷽እዚ ምስ ረኤኹም ኣብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ" ብመሰረት መበቆላዊ ቋንቋ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማለት ግሪኽ፡ እቲ ﷽ኣፍ ቤት" ዝብል ቃል ሌጣ ትርጉሙ፡ ﷽ኣፍ ደጌታት" እዩ ዝብሎ። ስለዚ ሓንቲ ኣፍ ደገ ዘይኰነትስ ብዙሓት ኣፍ ደጌታት እዩ ኣብዚ ዝዛረብ ዘሎ። ኣብ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ገዛውቲ ፍሉይ ኣሰራርሓ እዩ ዘለዎም። ናብቲ መንበሪ ክፍሊ ቅድሚ ምብጻሕካ ብኽልተ ሰለስተ ኣፍ-ደጌታት ክትሓልፍ ኣሎካ።
ስለዚ ጐይታና ኣብ ኣፍ ደጌታት ክብለና ከሎ ከምኡ ማለቱ እዩ። ስለዚ ድሕሪ 1948 ጐይታና ኣበይ ኣሎ? ኣብ ኣፍ ደጌታት! እንተኾነ ግና ኣብቲ ቀዳማይ ማዕጾ ድዩ ኣብቲ ካልኣይ ማዕጾ ወይስ ኣብቲ ሳልሳይ፡ ንፈልጦ የብልናን። መን ይፈልጥ፡ ምናልባት ኣብታ ጥቓ መንበሪና ዝኾነት፡ ናይ መወዳእታ ማዕጾና ተጸጊዑ ይህሉ!
ስለዚ ኣሕዋት ትንቢታዊ ቃል ክርስቶስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ድሕሪ 1948 ክንበራበር እዩ ዘሎና። ከመይሲ ጐይታና ኣብ ኣፍ ደጌታትና ተጸጊዑ ስለ ዘሎ። ንሱ ካብቲ ንሕና ዝገመትናዮን ዝሓሰብናዮን ንላዕሊ እምብዛ ቐረባና እዩ ዘሎ። ስለዚ መኣስ ጕይታ ናብ መንበሪ ገዛና ደበኽ ይብል፡ ስለ ዘይንፈልጥ ክንነቅሕ ይግባኣና።
ብዙሓት ሰባት የሱስ ዝመጸሉ ግዜ ኪፈልጡ ሓርኮት ይብሉ እዮም። ገለ ገለ ሰባት ነቲ ጐይታና፡
﷽እዚ ኹሉ ክሳዕ ዝኸውን እዚ ወለዶ እዚ ከም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ"
ኢሉ ዝተዛረቦ ዘረባ ምርኩስ ብምግባር፡ ሓደ ወለዶ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንዲ 40 ዓመት እዩ ስለዚ ሃገር እስራኤል ብ 1948 ካብ ተመስረተት፡ ነዚ ኣርባዓ ዓመት እንተ ወሲኽናሉ 1988 እዩ ዝመጽእ። ስለዚ የሱስ ብ 1988 ከመጽእ እዩ ዝብል መደምደምታ ሂቦም። ይዝከረኒ ቅድሚ 1988፡ ሓንቲ ህብብቲ መጽሓፍ ነይራ፡ እታ መጽሓፍ ﷽የሱስ ብ1988 ከም ዝመጽእ ዘረጋግጽ 88 መርትዖታት" ትብል እያ ነይራ። ቅድሚ 1988 ድማ ህብብቲ ነይራ። ጐይታ ግና ብ1988 ኣይመጸን።
ስለዚ ኸኣ ሰባት መሊሶም ካልእ መዓልቲ መዲቦም። እቲ 40 ዓመት ዝበልናዮ ተጋጊና ኔርና ክንከውን ኣሎና፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ወለዶ ክንዲ 40 ዓመት ዘይኰነስ ክንዲ 70 ዓመት እዩ። ስለዚ መዓልቲ ምምላስ ናይ ጐይታና ዳግመ ምትዕርራይ ክንገብረሉ ኣሎና ብምባል መሊሶም ካልእ መዓልቲ መዲቦም ኣለዉ። እዚ ይኹን እቲ ግና፡ ቃላት ጐይታና ንጹር እዩ። ብ1948 ጐይታና ኣብ ኣፍ ደጌታት ተጸጊዑ ኣሎ። እዚ እዩ ድማ ንዓና ዘገድስ። ቃላት ጐይታና ኣዝዩ ግብራዊን ኣዝዩ ኣገዳሲን እዩ። ንሕና ድማ ጥበበኛታት እንተደኣ ኮይንና ምእዛዙ እዩ ዝግበኣና።
ከም ኣብነት ዝኾነና እሞ ንውሰድ፡ ማቴዎስ 24፡15-18, 20, 25
﷽እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ እንተ ረኤኹም፡ - እቲ ዘንብብ የስተውዕል - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኪማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ፡ ክዳኑ ኪወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። .......... ሽዑ መከራ ክኸውን እዩ ከምኡ ዝበለ ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ ...... እንሆ ኣቐዲመ ነገርክኹም"
ነቲ ﷽እንሆ ኣቐዲመ ነገርክኹም" ዝብል ሓረግ ነስተብህለሉ። ስለምንታይ እዩ ኣብዚ ጐይታ ﷽ህደሙ" ﷽ኣብ ናሕሲ ዘሎ ገለ ክማላእ ናብ ቤት ኣይውረድ" ዝብል ዘሎ? ኣብዚ ጐይታና ህይወትኩም ኣድሕኑ እዩ ዝብል ዘሎ። መሊሱ ድማ ﷽እንሆ ኣቐዲመ ነገርክኹም" ብምባል ረዚን መጠንቀቕታ የመሓላልፍ። ኣይተነገርናን ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም ማለቱ እዩ። ቃላት ጐይታ እምበኣር ንኸንቱ ኣይኮኑን ተዘሪቦም። ግብራውነት ዘለዎም ኣዝዮም ኣገደስቲ ቃላት እዮም።
ብ 70 ዓ.ም ሮማውያን ወተሃደራት ንኸተማ የሩሳሌም ምስ ከበብዋ፡ በዓል ምሕላፍ ኣብ ምቕራቡ እዩ ነይሩ። ወተሃደራት ሮማ ክርድእዎ ዘጸገሞም ገለ ነገር ግና ነይሩ። የሩሳሌም ኣብ ከበባ ኣትያ ክነሳ ብዙሓት ኣይሁዳውያን ካብየ ቦታኡ ናብታ ከተማ ይውሕዙ ነይሮም። ኣብ ክንዲ ካብታ ከተማ ዝሃድሙ ናብኣ ጃርጃር ይብሉ ነይሮም። የሩሳሌም ዘልኣለማዊት ከተማ ስለ ዝኾነት፡ ኣምላኽ ኣሕሊፉ ኣይህበናን እዩ ብምባል ኣይሁዳውያን በዓል ምሕላፍ ንምጽንባል ካብ ኩሉ ኩርንዓት ይውሕዙ ነይሮም።
ኣብቲ እዋን እቲ ከተማ የሩሳሌም ﷽ዓውደ ኩናት" እያ ነይራ። ሓደ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ድማ ኩናት ናብ ዝግበረሉ ዘሎ ስፍራ ጠኒኑ ኣይኣቱን እዩ። እዞም ኣይሁዳውያን ግና ነዚ ሓበራዊ መረዳእታ ጥሒሶም ናብታ ኣብ ፍጹም ከበባ ዝኣተወት ከተማ የሩሳሌም ይውሕዙ ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ እቲ ሮማዊ ጀነራል ደጌታት እታ ከተማ ክርሓዉ ኣዚዙ። ደጌታት እታ ከተማ ምስ ተራሕዉ ድማ፡ እልቢ ዘይብሎም ኣይሁድ ናብታ ከተማ ኣትዮም። ድሓር ድማ እቲ ሮማዊ በዓል ስልጣን፡ ደጌታት እታ ከተማ ክዕጸዉ ኣዚዙ። እቶም ኣብኣ ዝኣተዉ ኣይሁድ ድማ ናይ መወዳእታ ﷽በዓል ምሕላፍ" ጸንቢሎም። ድሓር ሮማውያን ወተሃደራት ናብኣ ደፊኦም ኣትዮም ታእላው ዘይብሎም ሰባት ብኻራ ቆራሪጾሞም። ልዕሊ 100,000 ኣይሁዳውያን መናእሰይ ድማ ተማሪኾም። ናብ ከተማ ሮማ ድማ ተወሲዶም።
ሎሚ ናብ ከተማ ሮማ ናይ ኢጣልያ እንተ ኬድኩም ኣብኡ ብዙሓት በጻሕቲ ዝስሕብ ገዚፍ ውቁብ ስታድዩም ኣሎ። እዚ ዓቢ መኣከቢ ስታድዩም በቶም ካብ የሩሳሌም ዝተማረኹ 100,000 ኣይሁዳውያን ባሮት ዝተሰርሐ እዩ። ናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ ከም ዝገልጽዎ ኣብ እዋን ምዕናው የሩሳሌም ብ70 ዓ.ም፡ ዝሞተ እንኮ ክርስትያን ኣይነበረን። ስለምንታይ ግና ክርስትያናት ዘይሞቱ? ምኽንያቱ እቶም ክርስትያናት ነቲ ﷽ህይወትኩም ኣድሕኑ" ዝብል ምዕዶ ጐይታ ስለ ዝዘከሩ እዩም። ንእኡ ዘኪሮም ካብታ ከተማ ሃዲሞም።
ክርስትያናት ነቲ ትንቢታዊ ቃላት ክርስቶስ ዘኪሮም ተኣዚዞሞ፡ ህይወቶምውን ኣድሒኖም። ማዓጹ ናይ የሩሳሌም ምስ ተራሕዉ ኩሎም ኣይሁድ ናብታ ከተማ ክውሕዙ ከለዉ፡ ኩሎም ክርስትያናት ድማ ካብታ ከተማ ለቒቖም ይወጹ ነይሮም። ታሪኽ ከም ዘዘንትዎ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ንማርያም ኣደ የሱስ ሒዙ ካብታ ከተማ ለቒቑ ወጺኡ፡ ናብ ፔትራ መጺኡ። (ፔትራ ሎሚ ኣብ ዮርዳኖስ እትርከብ ኣዝያ ኣገዳሲት ከተማ እያ) ጸኒሑ ናብ ኤፌሶን መጺኡ ኣብኣ ኸኣ ተቐሚጦም። ሎሚ ኣብ ኤፌሶን መቓብር ማርያምን ዮሃንስን ዝበሃል ስፍራ ኣሎ። ኤፌሶን ሎሚ ኣብ ቱርኪ እትርከብ ከተማ እያ።
ስለዚ ትንቢታዊ ቓላት ክርስቶስ ኣዝዩ ግብራዊ እዩ። ሎሚውን ከምኡ እዩ፡ መጥቓዕቲ መስከረም 11 ንኹሎም ክርስትያናት ናይ ተበራበሩ ደወል እያ። እቲ እዋን ብርቱዕ ጸበባ (ብርቱዕ መከራ) ኪንዮ ናትና ገምጋም ኣዝዩ ኣዝዩ ቀረባ እዩ።
ዮሃንስን ማርያምን፡ ካልኦት ክርስትያናትን ብዘመን ቀደም፡ ነቲ ትንቢታዊ ቃላት ክርስቶስ ተጠንቒቖም ብምሕላው ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ካብ ደሓኑ፡ ንሕናውን ካብቲ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ዝመጽእ ብርቱዕ መከራ ክንድሕን ይከኣል እዩ። ስለዚ ድሕሪ 1948 ጐይታና ኣብ ﷽ኣፍ ደጌታት" ከም ዘሎ ፈሊጥና ክንነቅሕን ክንበራበርን ይግበኣና። ቃላት ጐይታና ብጥንቃቐ እንተ ደኣ ኣጽኒዕናዮ፡ ቃላቱ ኩሉ ሳዕ ብዘደንቕ ነገር ኣዝዩ ትኽክለኛ ኰይኑ ኢና ንረኽቦ።
ሕጂ ናብ ሉቃስ 21፡29-30 ተመሊስና ነንብብ።
﷽ሓደ ምስላ ኸኣ ነገሮም፡ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኩሉ ኦምን ርኣዩ። ምጥጣዑ ክትርእዩ ከለኹም ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ፍለጡ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ኰይኑ ክትርእዩ ከለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ"
ንገለ ገሌና እዚ ዘረባ እዚ ነቲ ኣብ ማቴዎስ ዘሎ ቓል ምድጋም ኰይኑ እዩ ዝስምዓና። ግን ኣይኮነን፡ ፍልልይ ኣለዎ። ማቴዎስ 24 ብዛዕባ ﷽ኦም በለስ" ጥራይ እያ እትዛረብ፡ ሉቃስ 21 ግና ﷽ካልኦት ኣእዋም" ይጠቕስ እዩ። ስለዚ ብመሰረት ወንጌል ናይ ሉቃስ ኦም በለስ ጥራይ ዘይኰነት እትጥጥዕሲ ካልኦት ኣእዋምውን ክጥጥዑ እዮም። ﷽ኦም በለስን ኣብ ኩሉ ኦምን ርኣዩ። ምጥጣዑ ክትርእዩ ከለኹም ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ፍለጡ"።
ኣብ ሞንጎ ወንጌላት ማቴዎስን ሉቃስን ዘሎ ፍልልይ ክንፈልጦ ኣገዳሲ እዩ። ወንጌል ማቴዎስ ብቐንዱ ናብ ኣይሁድ ዘቕነዐ እዩ። ሉቃስ ድማ እቲ እንኮ ካብ ወገን ኣህዛብ ክነሱ ቅዱስ ጽሑፍ ክጽሕፍ ዝበቕዐ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጸሓፊ እዩ ስለዚ ወንጌሉ ብቐንዱ ናብ ኣህዛብ ዘቕነዐ እዩ። ስለዚ እዩ ማቴዎስ መንግስተ ሰማያት ክብል ከሎ ሉቃስ ግና መንግስቲ ኣምላኽ ዝብል ሓረግ ዝጥቀም።
ብኻልእ ወገን ጐይታና ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ን 12 ደቀ መዛሙርቱ ናብ እስራኤል ልኢኹዎም። ኣብ ወንጌል ሉቃስ ግና ጐይታና 70 ደቀ መዛሙርቲ ክልእኽ ከሎ ኢና እንምልከት። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ወንጌል ሉቃስ ምላድ ናይ ጐይታና ንኹሉ ዓለም ብስራት ምኻኑ መታን ከመልክት እዩ ተጻሒፉ። ወንጌል ማቴዎስ ግና ናብቶም ምሩጻት ህዝቢ ኣይሁድ ዘቕነዐት ስለ ዝኾነት ልደት ጐይታ ምስ ህዝቢ ኣይሁድ ዝተኣሳሰር ምዃኑ እያ እተዘንቱ። ብኣንጻሩ ወንጌል ሉቃስ ምላድ ናይ ጐይታና ናይ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ኩሉ ዓለም ብስራት ምኻኑ እያ እትነግር።
ስለምንታይ ግና ኣብ ወንጌል ሉቃስ 70 ደቀ መዛሙርቲ ተላኢኾም? ምኽንያቱ ብመሰረት ዘፍጥረት 10ይ ምዕራፍ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሉእ ህዝቢ ዓለም ኪገልጽ ከሎ፡ ኣብኡ 70 ህዝብታት እዩ ጠቒሱ ዘሎ። ስለዚ ከምቲ እቶም 12 ነገደ እስራኤል ንምሉእ ህዝቢ እስራኤል ዝውክሉ፡ እዞም 70 ህዝብታት ድማ ንምሉእ ህዝቢ ዓለም እዮም ዝውክሉ። ስለዚ ብመሰረት ወንጌል ማቴዎስ፡ ጐይታና 12 ደቀመዛሙርተ ልኢኹ እዚ ናብታ ኦም በለስ ዘቕነዐ እዩ። ብመሰረት ወንጌል ሉቃስ ግና ጐይታና 70 ደቀመዛሙርቲ እዩ ልኢኹ እዚ ናብ ኩሉ ኦም ዘቕነዐ እዩ። ስለዚ ወንጌል ማቴዎስ ናብ ህዝቢ እስራኤል ዘቕነዐት ክትከውን ከላ፡ ወንጌል ሉቃስ ግና ናብ ኩሉ ህዝብታት ዓለም ዘቕነዐት እያ። ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ ኦም በለስ ኣተኲራ ክትዛረብ ከላ፡ ወንጌል ሉቃስ ግና ናብ ኩሉ ኣእዋም ኣተኲራ እያ እትዛረብ። ተስፋ ይገብር፡ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ወንጌላት ዘሎ ፍልልይ ተረዲኢኩም ክኸውን።
ስለዚ እምበኣር ብመሰረት ትንቢት ናይ ጐይታና ኦም በለስ ጥራይ ዘይኰነትስ ካልኦት ኣእዋምውን ክጥጥዓ እየን። እዚ እንታይ ማለት እዩ? ምጥጣዕ ኦም በለስ ዳግመ ምላድ ናይ ሃገረ እስራኤል ካብ ኮነ ምጥጣዕ ናይ ካልኦት ኣእዋም ድማ ዳግመ ምብርባር ናይ ካልኦት ሃገራት ማለት እምበር ካልእ እንታይ ከይከውን ኢሉ። ስለዚ ብዘይካ ህዝቢ እስራኤል ካልኦት ዳግም ዝበራበሩ ህዝብታት ኣለዉ ማለት እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሃገረ እስራኤል ዳግም ክትውለድ እያ እዩ ዝበለ እምበር፡ ብሰላማዊ መገዲ ክትውለድ እያ ኢሉ ተስፋ ኣይሃበናን። ብመሰረት ሉቃስ 21 ኣብ እዋን ዳግመ-ልደት ሃገር እስራኤል ብዙሕ ውግእን ዕግርግርን ኪኸውን እዩ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ካልኦት ኣእዋምውን ክጥጥዓ ስለ ዝጅምራ። እዚ ኸኣ ኣብ ዘመንና ዝረኣናዮ ነገር እዩ። ምምስራት ሃገር እስራኤል ከቢድ ቅልስን ዕግርግርን ዝሓተተ መስርሕ እዩ ነይሩ።
ስለዚ ብኻልእ ኣዘራርባ ታሪኽ ርእሱ ይደግም ኣሎ ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስኩም ብግቡእ ትፈልጡ እንተደኣ ኴንኩም እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ንሓድሕደን ብዙሕ ግጥምን ቅልስን ኣካይደን እየን። ኦም በለስ ምስ ብዙሓት ኣእዋም ኣብ ግርጭት ብዙሕ ሳዕ ኣትያ እያ። እዚ ሕጅውን ኣብ ዳሕሮት ግዝያት ኪድገም እዩ።
እሞ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሱ ካልኦት ኣእዋም ኣለዉዶ?
ዳሕሮት ግዝያት (ካልኣይ ክፋል)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode