26
Fri, Apr
0 New Articles

መጽሓፈ ምሳሌ መበል 31 ምዕራፍ

Marriage & Relationships
Typography
 
  •   ደገኛ ሰበይትስ መን ይረኽባ፡ ዋጋኣ ካብ

     ክቡር ዕንቝ ኣዝዩ ይኸብር።

  •   ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቓርጽን።
  •   ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮን።
  •   ጸጕርን ልሕጺ እንጣጢዕን ትደሊ፡ ተሐጕሳ ኸኣ ብኢድ ትዐዩ።

  •   ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ።
  •   ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦም፡
  •      ነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን።
  •   ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡
  •      ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል።
  •   ሕቛኣ ብሓይሊ ትዕጠቕ፡ ቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ።
  •   ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ትርኢ፡
  •      መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን።
  •   ኣእዳዋ መፍተል የልዕላ፡ ኣጻብዓውን ቁኒን ይሕዛ።
  •   ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፡ ንጽጉማት ከይ ኣእዳዋ ትሰደሎም።
  •   ኵሎም ስድራኣ ሰብ ድርብ ክዳን እዮም እሞ፡
  •      ስለ ስድራኣ ብውርጪ ኣይትፈርህን።
  •   ንርእሳ ምንጻፋት ትገብር፡ ክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ።
  •   ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ።
  •   ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥ፡ መቐነት ንነጋዳይ ትህቦ።
  •   ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ።
  •   ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ።
  • 28፡29. ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡
  •      ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡
  •      ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ።
  • •30.          ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ ኢዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡
  •      ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ።
  • 31.  ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሃብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንእዳ