24
Wed, Apr
0 New Articles

ንጉሰይ

Poems and Poetry
Typography

ኣብ ምድሪ ዝተራኣየ ንግስነታት ዓለም ገሊኡ የደንቕ ገሊኡ የሕዝን። ዓለም ዝረኣየቶም ነገስታት ገሊኦም ጨካናት ገሊኦም ድኹማት፣ ገሊኦም ሕሱማት ገሊኦም ጥዑማት፣ ገሊኦም ርኹሳት ገሊኦም ልምሉማት፣ ገሊኦም ዕቡዳት ገሊኦም እሩማት እዮም…

 

ንዓለም ገሊኦም መርገም፣ ገሊኦም ጊዜያዊ ሰላም፣ ገለ ድኽነት ገለ ኸኣ ርኽበት ኣምጺኦሙላ …

 

ኣበሳኦም ከይኣክል ድኻሞም፣ ውድቀቶም ከይኣክል ምልካሞም ንብዙሓት የሳቒ ኣሎ። እዚ ሕጂ ካብ ስብከት ዶ/ር ኤስ. ኤም ሎክሪጅ ተርጒመ ዘቕርበልኩም ንጉስ ግን ካልእ እዩ።

 

እዚ ንጉሰይ ኢለ ዘላልየኩም፣ ንገለ ድማ ዘዘክረኩም፣ እዚ ንጉሰይ ምዃኑ ዝእውጅ ዝገልጸልኩም፣ እዚ ንጉሰይ ክብሎ ዝምከሓሉ ዝንየተሉ፣ እዚ ንጉሰይ ዓሌቱ ሰማይ፣ መንግስቱ ፍሉይ፣ ክብሩ ልዕሊ ምንጽብራቕ ጸሓይ እዩ።

 

ሓዙ በሉ ክጅምር እሞ ክጭድር፣ ክነግር እሞ ክኽበር፣ ክእውጅ እሞ ከዝምር። ምስሊ ንጉሰይ፣ ዓሌት መንግስቱ፣ ግርማ ክብረቱ ሓዙ ክእምጅ ከለኹ ኣቕልቡ፣ ጽን በሉ ምሳይ ናብ ክብረት ግርማኡ እተዉ። እምበር ….

 

 እዚ’ዩ ንጉሰይ!

 

 ንጉሰይ ብንግስነቱ ተወልደ፣

 

መጽሓፍ ቅዱስ፣ ንጉሰይ ሸውዓተ መዓርግ ንግስነት ኣለዎ ይብል…

 

ንጉስ ኣይሁድ እዩ፣… እዚ ንጉሳዊ ዓሌቱ እዩ…

 

ንጉስ እስራኤል እዩ፣… እዚ ሃገራዊ ንግስነት እዩ…

 

ንጉስ ጽድቂ እዩ…ናይ ዘመናት ንጉስ እዩ…

 

ንጉስ ሰማይ እዩ…ንጉስ ክብሪ እዩ…

 

ንጉስ ነገስታት እዩ…ጎይታ ጎይተትውን እዩ።

 

 

 

እምበኣር፣ እዚ’ዩ ንጉሰይ!

 

ኣቤ…ት፣

 

ዜገርመኒ እዚ’ዩ…ትፈልጡዎዶ? … ንጉሰይ ትፈልጡዎዶ?

 

 

 

ዳዊት “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንቱ …

 

ጠፈር ድማ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ” ኢሉ።

 

ንጉሰይ፣

 

እቲ እንኮ ንደረት ኣልቦ ፍቕሩ ኪገልጾ ዚኽእል ሚዛን ዘይብሉ

 

ኣዝዩ ልዑል ንጉስ እዩ፣

 

ነቲ ወሰን ደረት ኣልቦ ሓልዮቱ ኬርኢ ዚኽእል

 

ኣርሒቑ ዚርኢ ቴሌስኮፕ እኳ የልቦን (ኣይተማህዘን)። 

በረኸቱ ከየፍስስ ከየውሕዝ ዚኽልክሎ ዓጋቲ የልቦን። 
 

ኣቤ…ት፣ ኣቤት 

ዘይሕለል ብረቱዕ እዩ… 

ፈጺሙ ሕያዋይ እዩ… 

ንዘለኣለም ጽኑዕ እዩ…ዘይመውት ጸጋዊ እዩ… 

ብመንግስቱ ሓያል እዩ…ሻራ ዘይገብር ርሕሩሕ እዩ…ትፈልጥዎዶ?  

 

እዚ’ዩ ንጉሰይ! 

ንጥርዚ እዛ ዓለም እዚኣ ካብ ዝሰገረ ዘበለ ኹሉ እቲ ዝዓበየ ክስተት እዩ።

 

ንሱ ወዲ ኣምላኽ እዩ…ንሱ ናይ ሓጥእ መድሓኒ እዩ…

 

ንሱ ናይ ስልጣነ ዓንዲ ማእከል እዩ…

 

ንሱ በይኑ ደው ኢሉ ጸኒዑ ኣሎ…

 

ንሱ ማራኺ እዩ…ንሱ ፍሉይ እዩ…ንሱ መመዓራርይቲ የብሉን…

 

ከምኡ ተራእዩ ኣይፈልጥን…

 

ንሱ ፍጹም ልዑል’ዩ፣ ንሱ ቀዳማይ እዩ!

 

 

 

ኣብ ስነ-ጽሑፍ እቲ ዝኸብረ ሓሳብ እዩ…

 

ኣብ ፍልስፍና እቲ ዝለዓለ ሰብ እዩ…

 

ኣብቲ ዝለዓለ ነቐፌታ እኳ እቲ ዝለዓለ ግድል እዩ…

 

ኣብ ሓቀኛ ስነ-መለኮት መሰረታዊ እምንቶ እዩ…

 

መንፈሳዊ ንዝኾነ ሃይማኖት ኣገዳሲ ዓንዲ እዩ…

 

እዚ እዩ ንጉሰይ፣

 

 

 

ናይ ዘመን ተኣምራት እዩ…

 

ንሱ ናይ ኩሉ ሰናይ ኢልና እንጽውዖ ብሉጽ እዩ።

 

 

 

ኣቤት …ንሱ እቲ እንኮ በይኑ ፍጹም ዜድልየና ንዘበለ ብሓደ እዋን ኪመልኣልና ዚኽእል እዩ።

 

 

 

ንሱ ብቑዕ መድሓኒ እዩ…ትፈልጥዎዶ ትኾኑ?

 

ንድኹም ሓይሊ ይህብ… ነቲ ዚፍተንን ዚሙከርን ቀረባ እዩ…

 

ንሱ ይድንግጽን የድሕንን...የበርትዕን የጽንዕን…

 

ይሕሉን ይመርሕን…ሕሙም የሕዊ…ነቲ ለምጻም የንጽህ…ንሓጥኣን ይምሕር…

 

ንሰብ ዕዳ ይፈትሕ…ንምሩኻት የናግፍ…

 

ነቲ ድኹም ይከላኸለሉ…ነቲ ንእሽቶ ይባርኽ…

 

ንመስኪን የገልግል…ንሽማግለ ይሓሊ…ነቲ ትጉህ ይሽልም…

 

ነቲ ትሑት ድማ የጸብቕ…..

 

 

 

ትፈልጥዎዶ ትኾኑ?

 

 

 

ኣቤ…ት፣

 

ንጉሰይ…መፍትሕ እዩ…መፍትሕ ፍልጠት እዩ…

 

ፈልፋሊ ጥበብ እዩ…ማዕጾ ምንጋፍ እዩ…

 

መገዲ ሰላም እዩ…ጽርግያ ጽድቂ እዩ…ጎደና ቅድስና እዩ…

 

ደገ ክብሪ እዩ

 

ናይ ሓያላት ጎይታ እዩ

 

ናይ ሰዓርቲ ቀላሲ’ዩ

 

ናይ ጀጋኑ ርእሲ’ዩ

 

መራሒ ናይ ሓገግቲ

 

ናይ ሰዓርቲ ጠርናፊ’ዩ

 

ናይ ኣመሓደርቲ ኣመሓዳሪ’ዩ

 

ናይ ልዑላት ልዑል’ዩ

 

ናይ ነገስታት ንጉስ’ዩ

 

ናይ ጎይተት ድማ ጎይታ እዩ

 

 

 

እዚ’ዩ ንጉሰይ!!!!

 

 

 

ኣቤ…ት…ኣቤት…ትፈልጥዎ ዲኹም?

 

 

 

ዕዮኡ ብዙሕ ዝዓይነቱ’ዩ…

 

ተስፋኡ ርግጽ እዩ…ብርሃኑ መዳርግቲ የብሉን…

 

ሰናዩ ደረት ኣልቦ’ዩ…ምሕረቱ ዘለኣለማዊ እዩ…ፍቕሩ ፈጺሙ ኣይልወጥን…

 

ቃሉ እኹል እዩ…ጸግኡ ‘ዕጋቢ’ዩ…

 

ግዝኣቱ ቅኑዕ’ዩ…ኣርዑቱ ድማ ቀሊል’ዩ፣ ጾሩ’ውን ፈኲስ’ዩ።

 

 

 

ኣቤ….ት…..

 

ክገልጸልኩም እንተዝኽእል መን ምሃበኒ!…

 

ግናኸ ኪግለጽ ኣይከኣልን…

 

 

 

እወ!…እወ!...መግለጺ ኣልቦ’ዩ…ብሓቂ ከምኡ’ዩ!!! ዎ ብሩኽ ኣምላኽ!

 

ኪግለጽ ኣይከኣልን…እወ ኪግለጽ ኣይከኣልን…በእምሮ ‘ይግመትን…

 

ዘይጸዓድ’ዩ…ክትጾሮ ኣይከኣልን።

 

 

 

ምስናይዚውን ሰማየ ሰማያት ኪሕዙዎ ኣይክእሉን

 

ኣይኮነንዶ ሰብ ኪገልጾ

 

ካብ ኣፍካ ከተውጽኦ

 

ካብ ርእስኻውን ክትኣልዮ ኣይትኽእልን!!!

 

 

 

እወ፣ ካብ ኣእምሮኻ ከተውጽኦ ኣይትኽእልን…

 

ካብ ኢድካ ከተርሕቖ ኣይከኣልን…

 

ልዕሊኡ ክትነብር ኣይትኽእልን፣ ብዘይብእኡ ድማ ክትነብር ኣይትኽእልን…

 

 

 

ፈሪሳውያን ኪጾሩዎ ‘ይከኣሉን፣ እኳ ደኣ ዝበጽሑዎ ነገር እንተነበረ

 

ኪዓግትዎ ከምዘይክእሉ ተረዲኦም…

 

ጲላጦስ ኣብኡ መንቅብ ኪረክብ ኣይከኣለን…

 

እቶም መሰኻኽር ምስክሮም ኪሰምረሎም ኣይከኣለን…

 

ሄሮድስ ኪቐትሎ ኣይከኣለን…

 

ሞት ኣጽኒዑ ኪሕዞ ኣይከኣለን፣ መቓብር’ውን ኪሕዞ ኣይከኣለን።

 

እዚ’ዩ ንጉሰይ።

 

 

 

ኣቤ….ት!!!

 

 

 

ካብ ቀደም ነይሩ፣ ኩሉ ጊዜ ድማ ኪህሉ እዩ

 

ቀዳሚ የብሉን፣ ተካኢ ድማ የብሉን

 

ቅድሚኡ ኣይነበረን ድሕሪኡውን ኣይኪህሉን እዩ…

 

ክትሰጎ ኣይከኣልን፣ ስልጣኑ ድማ ኣይኪሓድግን’ዩ

 

 

 

እዚ’ዩ ንጉሰይ ...

 

 

 

ኣቤት ….

 

 

 

እዚ’ዩ ንጉሰይ

 

 

 

“መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ’ዩ!”

 

ኣቤት…

 

ኩሉ ሓይሊ ናይ ንጉሰይ’ዩ

 

ኣብዚ እንዛረበሉ ዘሎና

 

ኩሉ ሓይሊ፣ ጸሊም ኮነ፣ ጻዕዳ ኮነ፣ ቀጠልየ ኮነ፣…. ግናኸ ኣምላኽ እዩ እዚ ኩሉ ሓይሊ

 

ክብሪውን፣ ከምዚ ዝበለ ክብሪ ንደሊ ንኸውን ግናኸ ኩሉ ክብሪ ናቱ እዩ፣

 

ኣቤት…ናትካ’ዩ ኩሉ መንግስቲ ሓይሊ ከምኡውን ክብሪ

 

ንዘለኣለመ…ኣለም…እወ ንዘለኣለመ…ኣለመ…ኣለመ…ኣለም። ክሳዕ መዓስ ኮን’ዩ እዚ?

 

ዘለኣለም…ኣለም፣ ነዚ ኹሉ ዘለኣለመ ኣለም ምስወዳእካ ሽዑ ይመጽእ … ኣ…ሜን!…

 

ዎ ብሩኽ ኩሉ ትኽእል ኣምላኽ…(ኣማን ብኣማን) ኣ..ሜን!