ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ፌይስቡክ ሓደ “ዘይመዋትነት” (Immortality) ዚብል ምህሮ ይዝርጋሕ ኣሎ። ርግጸኛ እየ፣ ብዙሓት ካባታትና ንነዊሕ እዋን ሰሚዕናዮ ኣሎና። ገለ ኣሕዋትውን ኪቃወምዎ ጸኒሖም፣ ግናኸ መመሊሱ ይቀላቐል ኣሎ። መን ይምህሮ ኣሎ ብዘየገድስ፣ ዋላኳ ሒደት ሰዓብቲ እንተሃለውዎ፣ ኽንቃወሞ ዘሎና ነገር እዩ፣ ብቐጥታን ብቕሉዕን ንምሉእ መልእኽቲ ክርስቶስ (ወንጌል) ከምኡውን ነቲ ቀዳሞት ሃዋርያት ዝመሃርዎ መሰረታዊ ትሕዝቶ ኣማናዊ ክርስትያናዊ ምህሮ ስለዚጻረር ድማ ጋሻ ትምህርቲ እዩ ኢለ እኣምን። ንገለ ኻብቲ መሰረታዊ ስሕተታት ናይዚ ምህሮ እዚ ስዒበ ኽገልጽ እየ፣-
1. እዚ ምህሮ እዚ፣ “ዘይመዋትነት ስጋ” ኢሉ ብምምሃር ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ምህሮ “መንነት ሰብ” ይጻረር - ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፣ ሰብ “ህያው ነፍሲ” እዩ (ዘፍጥረት 2፣7)። ብተወሳኺ፣ ሰብ ግኡዛዊ (ግዙፍ፣ ነገራዊ) ከምኡውን ረቂቕ (ዘይግዙፍ፣ ዘይግኡዝ) ትሕዝቶ ሰብነት ኣለዎ (1ተሰሎንቄ 5፣23)። እቲ ግኡዝ “ስጋ” (ኣካለ-ስጋ) ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ እቲ ረቂቕ ድማ መንፈስ ተባሂሉ ይፍለጥ። ብባህርዩ ኣካል ሰብ “ኒውትራል” እዩ (ቅንዕቲ ትግርኛ ኣይረኸብኩላን)። ግናኸ፣ ብመንፈስ (በቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ፣ ሓድሽ ፍጥረት) እንተዘይተገዚኡ ሓጣኢ እዩ። ብመንፈስ እንተተገዚኡ ግን “ቤተ መቕደስ መንፈስ ኣምላኽ” እዩ ዚበሃል። ክሳዕ እታ መዓልቲ ምጽኣት ጎይታ ድማ ብዘይ መንቅብ ኪኸውን ኪሕሎ ይግባእ። ጎይታ ምስመጸ ድማ “እቲ ጠፋኢ ዘይጠፍእ ይለብስ”፣ ማለት “ብሰማያዊ ‘ስጋ’ ይልወጥ”። እንተዘየሎ ግን ከምቲ ዘለዎ ብመገዲ “እዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም” እንተተመርሐ፣ ንመላእ ሰብነት እቲ ሰብ ናብ ጥፍኣት እዩ ዚወስዶ። ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ “ከም ስጋ እንተነበርኩም ክትሞቱ ኢኹም” እዩ ዚብለና፣ ስጋን ደምን ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርስን እዩ (ሮሜ 8፣13)። ስጋ ዓለማዊ ትምኒት እዩ ዘለዎ፣ ብመገዲ “ፍትወት ስጋ” ከምኡውን ንዕኡ ዚመስሉ “ፍትወት ኣዒንቲ”፣ “ንብረት ትዕቢት” ድማ እዩ ዚግለጽ (1 ዮሃንስ 2፣16)። እምበኣርሲ፣ ሰብ ምሉእ ኣካል እዩ። ህያው ነፍሲ ተባሂሉ ድማ ይልለ፣ ግናኸ ስጋ ከምኡውን መንፈስ ድማ ይውንን። እዚ ናትና ኣካለ-ስጋ፣ ጥዕና ዝመልኦ ይኹን ድኹም ምስቲ ዚመጽእ (ማለት ምስ መንግስቲ ኣምላኽ) ሓንት’ኳ ግደ የብሉን። ግናኸ፣ ክሳዕ እተን ኣምላኽ ዝሰርዓልና ዓመታት እዩ ዚጸንሕ። ልዕሊ ኹሉ ድማ፣ እቲ ሕጂ ዘሎና ሰብነት ስጋ ካብቲ ድሕሪ ትንሳኤ ምዉታት ዚህልወና ፈጺሙ ዝተፈልየ እዩ። ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ሰማያዊ ስጋ ድማ ኣሎ፣ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ፣ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ፣ ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ፣” እዩ ዚብለና (1ቈረንቶስ 15፣40
2. ምህሮ “ዘይመዋትነት ስጋ” ምስ “ምህሮ ትንሳኤ ምዉታት” ዚጻረር እዩ - ምህሮ “ትንሳኤ ምዉታት” ዓንዲ ማእከል ክርስትና እዩ። ብዘይ እዚ ተስፋ እዚ፣ ክርስትና ከንቱ እዩ ዚኸውን (1ቈረንቶስ 15 ርአ)። መምህራን “ዘይመዋትነት ስጋ” ኣጽኒዖም ዚብሉዎ ነገር ድማ “ሰባት ዚሞቱ ብምኽንያት ጉድለት እምነት እዮም” ዚብል ባህለት እዩ። እዚ፣ ትዕቢት ዝመልኦ ምጥምዛዝ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር እዩ “እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና” ይብል (2 ቈረንቶስ 5፣1)። እዚ እቲ ዝዓበየ ንክርስትያን ዝተዋህቦ ተስፋ እዩ! ምስ ዝኾነ ካልእ ነገር ኪወዳደር የብሉን! እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱ ድማ ብሰላምን ምስ ርግጽና ዝሓሸ ተስፋን እዮም ደቂሶም ዘለዉ። ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡” ኢሉ ዝጸሓፈ (1ጴጥሮስ 1፣3-4
3. ምህሮ “ዘይመዋትነት ስጋ” ብምምሃር፣ እዚ ጋሻ ትምህርቲ እዚ (ከም ሓያሎ ‘ስሕተታዊ’ ወይ ‘ካልቲክ’ ምህሮታት) ንምድራዊ ነገራት ብምድማቕ፣ ንመንፈሳዊ ጽምኣት የነኣእስ። ኣብ ክንዲ እቲ ንክርስትያን ዚጽበዮ ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ኣብ በራሲ ዝኾነ ምድራዊ “ተረፍ” ስለዜድህብ፣ እዚ ምህሮ እዚ ካብቲ “ወንጌለ-‘ጥዕናን ሃብትን’” ኣይፍለን እዩ። ኣድህቦኡ ብዋጋ መንፈሳዊ ጽምኣት ንምድራዊ ነገራዊ ሓጎስ ኣብ ምህጣር እዩ። ነገራዊ ሓጎስ ንባዕሉ እኩይ ኣይኮነን፣ ግናኸ ንመንፈሳዊ ነገርን ነታ ንክርስትያን ዘላቶ ተስፋ ዘለኣለማዊ ቤት ኪዘምት ኸሎ እኩይ እዩ። ክርስትያን ንሰማይ ዝቐንዐ ኣንፈት እዩ ዘለዎ፣ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከአሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።” (ነስተብህል - እዚ ሕጂ ዘሎና ስጋ “ናይ ውርደት ስጋ” ተባሂሉ ኣሎ።) እቲ ዝተዋህበና ተስፋ፣ ነዚ ሕጂ ዘሎካ ኣካለ-ስጋ ሒዝካ ነተን ኣብዛ ምድሪ እትነብረን መዓልታትካ ብዛዕባ ምንዋሕ ኣይኮነን። ፈጺሙ ዝተፈልየ፣ ፍሉይ ዓይነት ስጋን ፍጹም ዝተፈልየ ኩነተ-ህይወትን እዩ። ስለዚ ድማ ንኽንደይ ዓመታት ኣብዚ ትጸንሕ፣ ብስጋ ከመይ ዝበለ ጥዑይ ሰብ ወይውን ሃብታም ኢኻ ምስዚ ዚኸይድ ኣይኮነን። ምሉእ ብምሉእ ብዛዕባ ሰማያዊ ህይወት እዩ።
4. “ዘይመዋትነት ስጋ” ካብ ንክርስትና ዝያዳ ንኣረማውነት እዩ ዚቐርብ - ካብ ጊዜ ኣዳም፣ ብድሕሪኡ ድማ ዘመን ፈርኦናትን ባቢሎናውያንን ጀሚሩ፣ ምህሮ “ዘይመዋትነት ስጋ”፣ ሰብ ነቲ ብዛዕባ ርግጽና ሞት ዘለዎ ፍርሂ ንምዕባስ ኢሉ ከንቱ ፈተነ ሰብ ኮይኑ ይመሃርን ይእመንን ነይሩ። ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብምጥሓስ ንኣምላኽ ኪመስሉ ፈቲኖም። ግብጻውያን፣ ኣማልኽቲ ኢና ኢሎም ኣዊጆም፣ መወዳእትኡ ድማ ምዉታቶም ንትንሳኤ ንምዕቃብ ኪብሉ ሓወልትታት (ፒራሚዳት) ሃኒጾም። ባቢሎናውያንን ሱመራውያንን ከምኡውም ካልኦት ስልጣነታት ሰብ መፍትሕ ናይ ዘመዋትነት ንምንዳይ ናብ ኣንጠረኝነትን ቅመማን ኣድሂቦም። ግናኸ - ንዕኦምሲ ያኢ ሕማቕ ዕድል - ዕጻ ሰብ መዋትነት እምበር ዘይመዋትነት ኮይኑ ኣይተረኽበን። የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ እቲ ህያው ኮይኑ ንሞት ዝሰዓረ “ሰብ”። እንኮ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ድማ ብእኡ ምእማን ጥራይ እያ። እዛ ህይወት ዘለኣለም ድማ ብ“ዘይመዋትነት ስጋ” ዘይኮነት ብትንሳኤ ኣቢላ እያ እትእቶ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር “እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣሎና። ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዂሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር” (ሮሜ 6፣8-10)። እቲ ነዚ “ብክርስቶስ ምንባር” ዚብል ምህሮ ዝመሃረ መምህር ጳውሎስ እዩ፣ ንሱ ከኣ ብኣካለ-ስጋ ክርስትናኡ ዓቂቡ ብዓወት ሞይቱ እዩ። ሞቱ ድማ ብዓወት ተፈጸመ! እወ፣ እቲ ሓደ ክርስትያን ምእንቲ ጎይታኡ ኢሉ ኪኸፍሎ ዚኽእል መስዋእትነት ከፊሉ። ምህሮኡ ድማ ብዛዕባ “ንሓጢኣት ምማት” እንተዘይኮነ ዝኾነ ካልእ ትርጓሜ ኪወሃቦ ዚኽእል ኣይኮነን። ክርስትያን ንሓጢኣት መዊቱ ንኣምላኽ ኪነብር እዩ ተጸዊዑ። እዚ ምስ “ዘይመዋትነት ስጋ” ፈጺሙ ዘይተሓሓዝ
ኩሉ ብኹሉ፣ እዚ ብኻባ “ዘይመዋትነት” ኣቢሉ ከም “ሓድሽ” ትምህርቲ ዚቕልቀል ዘሎ ምህሮ እዚ ቅሉዕ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትናን ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስን እዩ። ነዚ ምህሮ ስሕተት እዚ ፈጺምና ኽንኩንኖ ይግብኣና። ገለ ኻብቶም ነዚ ምህሮ ዚምህሩ መሓዙትና ምንባሮም እፈልጥ እየ። ግናኸ፣ ወንጌል ክርስቶስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኺኣቱ የብሉን እሞ፣ ንዕኦም እናፍቀርና ነቲ ዚምህርዎ ምህሮ ስሕተት ኽንኩንኖ ይግብኣና።
ኣምላኽ ይባርኽኩም!
ኣማኑኤል ኤልያስ