25
Thu, Apr
0 New Articles

ኣድያም !

Literature
Typography

ሰማይ ብሙሉኡ ብጸሊም ደበና ተሸፊኑ ማይ ሃይሂ ክዘንብ ዝደለየ እዩ ዝመስል፣  ብፍላይ መብራህቲ ጠፊኡ ስለ ዝነበረ። ምስቲ ጸሊም ደበና ተደሚርዎ ምድሪ ብጸላማት ተኸቢባ ገሃንም እያ መሲላ፣ ሰዓት 7 ናይ ኣጋ ምሸት እኳ እንተ ነበረ እቲ ዝነበረ ኩነታት ግና ነቲ ምሸት ፍርቂ ለይቲ እዩ ኣምሲልዎ፣ ብፍላይ ምሉእ መዓልቲ ማይ ክሃርም ስለ ዝወዓለ ኣብ መንገዲ ጥር ዝብል ሰብ ኣይትርእይን ኢኻ፣ ኣድያም ነዚ ምስ ርኣየት እያ ነቲ ካብ ዝነበሮም ጸሎት ናብ ገዝኣ ዘፋንዋ ዝነበረ ያቆብ “ኣንታ ያቆብ ሓወይ እዚ ጸልማትሲ ትርእዮ ዘሎኻ ገሃንም እሳት ከኣ ደኣ ጸልማቱ ክሳብ ክንደይ ይኸውን” ክትብል ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ጸጥታ ብሕቶ ዝኸፈተቶ፣ 

 ያቆብ ትቕብል ኣቢሉ “ይገርመኪ እዩ ኣድያም ሓፍተይ ኣነስ ነዚ ጸልማት ምስ ረኣኹ ብዛዕባ ሲኦል ኣይኮንኩን ክሓስብ ጸኒሔ ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸ ነገር ብዛዕባ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ዘሎ ፍልልይ ከመይ ዓቢ ምዃኑ እዩ ክገርመኒ ጸኒሑ” በላ፣ ኣድያም እወ ሓቅኻ ክትብል መለሰትሉ፣

ኣድያም ኣብ ልባ ዝነዳ ፉሉይ ፍርሒ ነበራ፣ ብፍላይ ኣብኦ ሎሚ ቐልጢፉ ካብ ስራሕ ከም ዝኣቱ ኣይሰሓተቶን፣ ንሳ እውን ካብ ናይ ቀደም ደንጉያ ከም ዘላ ፈሊጣ ኣላ፣ ኣብ ኩቱር ሓሳብ ከኣ ወደቐት፣ ብፍላይ ኣቡኣ ብምዱንጓያ ዘውርዱላ ጸርፍን ካልእን ኣብ ቅድሚ የዒንታ ቕጅል በላ፣ ያቆብ በለቶ “ኣዚየ ፈሪሒ ኣለኹ ብጣዕሚ ኣምስየ ኣለኹ በጃኻ ልበይ ኣዚዩ ይርበሽ ኣሎ” ያቆብ ከኣ “ኣድያም ሓፍተይ ኣነ እውን ፈሪሔ እኮ እየ ቁሩብ ኣምሲኺ ኣለኺ ግና ደሓን ኣምላኽ ኣሎ” ኢሉ ከጸናንዓ ፈተነ፣

ኣድያም ኣብቲ ዝነበረ ናይ ሮቡዕ ጸሎት ኣብኪራ ኣይትፈልጥን እያ ግና ሎሚ ሮቡዕ ካብ ናaይ ቀደም ንላዕሊ ብጣዕሚ እዮም ደንግዮም ወዲኦም፣ ኣብ መንጎ እኳ ክትወጽእ እንተ ሓሰበት ግና ነቶም ሰባት ከይትርብሽ ኢላ ዝወረደ ይውረደኒ ኣምላኽ ይፈልጥ ኢላ እያ ክሳብ ዝውዳእ እቲ መደብ ጸኒሓ፣

ኣንታ ያቆብ ሓወይ “ቁሩብ ኢንዲና ደንጉይና ድሕር ሕጂስ ብሰዓት ጀመሪና ብሰዓት ተንውድእ ሰናይ ኔሩ ንዓና እቶም ስድራና ዝቃወሙና ኸኣ እባ ኣብ ግምት የእትውና” ኢላ ብህድኡ መንፈስ ምኽራ ወስ ኣበለትሉ፣ ያቆብ ከኣ “እወ ሓቕኺ ግና እቲ ዝነበረ መንፈስ እኮ እዩ ክሰደና ዘይከኣለ ምሓደርና እኳ” ኢሉ መለሰላ፣ ኣድያም ትቕብል ኣቢላ “እወ ሓቕካ እሱስ ግና መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣእምሮ ሂብና እንድዩ ቃል ኣምላኽ እውን ብኣእምሮ ሰብኡት ኩኑ እዩ ዝብለና ስለዚ ሓንሳብ ሓንሳብ ባዕልና ፈተና ከይነምጽእ ክንጥንቀቕ ይግባኣና እዩ” ኢላ ሓሳባ ገለጸትሉ፣

ያቆብ ምስ ሓሳባ ብምስምማዕ “ልክዕ ኣለኺ ደሓን ካልእ መዓልቲ ከምዚ ኣይከውንን እዩ” ኢሉ ንዘለዋ ናይ ሰዓታት ስክፍታ ኣፍኮሰላ፣ ደጊሙ ኸኣ “ኣቦኺ ቀዲሞምኽ ዶ ይኾኑ” በላ ሓውሲ ፍርሒ ወሲኹ፣ “ኣንታ ያቆባ ሓወይ እሱ እንድዩ ዘፍርሓኒ ዘሎ ብፍላይ ማማን ሳሚኤል ሓወይን ከኣ ነዛ ክርኢኒ እንድዮም ጸሊኦምኒ ዘለዎ ይኽደነኒ ውሕጥ ከየቡሉኒ እየ ፈሪሔ ዘለኹ” ኢላ የዒንታ ቕጽርጽር እናበለት መለሰትሉ፣ “ደሓን ኣጆኺ ኣምላኽ ኣሎ ካብቶ ምስኦም ዘሎ እኳ ምሳና ይብርትዕ”፣ ኢሉ ኣበራታዐ “ኣንቲ ሸያጢት ሃይማኖታ ርግምቲ እናበሉ በቃ ምእታው ምውጻእ እዮም ከሊኦምኒ ብፍላይ ብቕድሚ ትማሊ ሳሚ ሓወየ በቃ ዝሓደገለይ የብሉን እንዲዒ ከምዚ ኢለ ክሳብ ኣበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እየ በቃ ዓቕለይ ጸቢቡኒ ኣሎ” ኢላ ኣብ ቅድሚ ያቆብ ፊቒ ኢላ በኸየት፣ ያቆብ ልቡ ሓቦጭቦጭ እናበሎ ከጸናንዓ ፈተነ “ኣዱ ሓፍተይ ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ ኣምላኽ ግና ካብ ኩሉ የናግፎ እዩ ዝበለ ዳዊት እሞ ሰይጣን ከኣ እዚ ሕዚክዮ ዘለኺ መንገዲ ኣንፈቱ ናበይ ከም ዝኾነ ይፈልጥ እዩ ካብኡ ክመልሰኪ ኸኣ እዚ ኣይኮነን ካልእ እውን ክፍትን እዩ፣ ስድራኺ ኸኣ ጸሊኦምኺ ደይኮኑስ እቲ እኩይ ኣዒንቶም ስለ ዝሸፈኖ ጥራይ እዩ ስለዚ ኣጆኪ ንኹሉ ግዚ ኣለዎ” በላ

ኣድያም ትቕብል ኣቢላ “ስማዕ እንዶ ሰብ ነናቱ ምርጫ የብሉን ድዩ? ድላዩ ክገብር መሰል የብሉን ድዩ? ሰትየ ዓዊለ ተትመጽእ ኸ? ቀደም ኣምስየ ክመጽእ ፈቐዶ ዲስኮ ክሓድር ከለኹ ምንም ዘይበሉኒ ሕጂ ግና..” ዘረበኣ ከይወደኣት ኣብ ጥቓ ገዝኦም በጽሓት፣ ያቆባ በል ጸልየለየ በጃኻ ንዓ ኪድ ኣምላኽ ይባርኽካ ኢላ ተፋነወቶ፣ ያቆብ ብዛዕባ እቲ ዘልዋ መከራን ገዛእ ምስ ኣተወት ዝጽበያ ኣደራሕ እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ስለ ዝተቐጀሎ ኣብ ከቢድ ሓሳብ ወዲቑ ስለ ዝነበረ ኣብ ጥቓ ገዝኣ ከም ዝበጸሓት ኣይፈለጠን፣ ኣዱ በጺሒና ዲና በቃ ቻው ኢልዋ ብቕጽበት ዝባኑ ሂብዋ ተዓዝረ፣

ኣቦይ ዓንደ “ኣበይ ኣላ ኣድያም’ ኢሎም ብነድሪ ንሳሚኤልን ንባዕልቲ ቤቶም ወይዘሮ ጎዖይ ሓተትዎን፣ ክልቲእቶም ብውሽጦም ንኣድያም እናረገሙ ኣኣፎም ሒዞም ትም በሉ “ንዓኻትኩም እኮ እየ ኣበይ ኣላ ኣያኣተወትን ድያ” በሉ ካብቲ ቐዳማይ ነድሮም ዝገደደ ነድሪ ወሲኾም፣ “ኣያኣተወትን” በላ ኣደይ ጎዖይ እናፈርሓ፣ “ኣንታይ እሞ ክንገብራ ኢና ጓል እኮ ተጸሊላ እያ ጸሎት ዶ መዝሙር ዶ እንደበለት እኰ መስሓቕ ሸራፋት ጌራትና” በለ ሳሚኤል፣ ኣቦይ ዓንደ ደሞም ፈልሖም “ወይዛ ስዲ ጓል ሰበይቲ ሎሚ ኣይ ኣነን እየ” እንዳበሉ ፈከሩ፣ ኣደይ ጎዖይ ሰብኣየን እንተ ዓሪቖም ከም ዘይምለሱ ስለ ዝፍልጣ እምብዛ ፈርሓን ተሸበራን፣ “ደሓን ከኣ ኣኮ እዩ ዘሎ እዚ ግዜ ምስቲ መብራህቲ ዘይምህላዉ እዩ ቑሩብ ጸልሚቱ እኮ” ኢለን ከማኻንያ ፈትና “ሱቕ በሊ ብጀካኺ ደኣ መን ስዲ ሰዲድዋ ደሓን ኣየ ኣነንየ” እናበሉ ኣብቲ ኻንሰሎ ብሕርቃን ክዛወሩ ጀመሩ፣

“ወይ ኣነ ጓለይ ገል ኣብሊዖም ዶ ለኪሞምለይ ሰይጣን ይለክሞም፣ ደሓን ሎሚ ምሸት ወይ ኣነ ወይ ንሳ እዛ ገዛ ክትሰፍራ እያ፣ እዚኣስ ንኣምላኽ ካብና ንልዕሊ ፈሊጣቶ ማለት ድዩ? ቅድሚ ሕጂ ዘሕረረትኒ ከይኣክልሲ ሕጂ ኸኣ ዝግደደ፣ ኣብ ዓሌተይ ዘይነበር ሃይማኖት ከተምጻለይ? እንታይ ዘመኑ ዲና በጺሕና? ከርኣያ እየ ደሓን” እናበሉ በይኖም እናተዛረቡ ኣብቲ ካንሸሎ ይዛወሩ ነበሩ፣ “ኣቦ ቁሪ ከይትወስድ እንዶ እቶ” በሎም ሳምኤል ወደም “ከመይ ኢለ ክኣቱ ንዓኹም ወሊደ ንስኻኸ ስቕ ዲኻ ትብል ያዕ ኣይትብልን ዲኻ” በልዎ ነዲሮም “ክንደይ ሻዕ እሞ ብቐዳምይ ዝሓደኩላ የብልይን ግና ሓንጎላ ዘዊሮም እዮም” ኢሉ መለሰሎም “ደሓን ደሓን ኣብ ዘይሸይጣነይ ደኣ ከትእትወኒ እምበር” ኢሎም ንወዶም መንበር ከምጻሎም ነገርዎ ኣብቲ ካንሸሎ ኸኣ ጋቢ ተኸድኖም ኮፍ በሉ፣

ኣድያም ካብ ያቆብ ምስ ተፈልየት ናብ ገዝኦም ክትኣቱ ትብዓት ሰኣነት “ዎ ኣምላኸይ በጃኻ” ኢላ ጸሎታ ከይወድኣት ገፍ ንጎፍ ምስ ኣቦኣ ተራኸበት ኣቡኣ ኣቦይ ዓንደ “ኣንቲ ከልቢ ኣበይ ኣምሲኺ ክንደይ ሳዕ ድየ ክንግረኪ በቃ ጸጊብኪ ሓቅኺ ኣበይ ጸኒሕኪ” ኢሎም ከም ዝጋዝም ኣንበሳ ጊዒሮም ኣንጎድጎድላ” ኣድያም ምንም ኣይምለሰትን ብልባ እናጸለየት ምድሪ ምድሪ እናረኣየት ንብዓታ ተፍስስ ነበረት፣

ኣቦይ ዓንደ ካብቲ ዝነበሮም ነድሪ ወሲኾም “ንዓኺ እንድየ ኣበይ ጸኒሕኪ እኮ እየ ዝብለኪ ዘለኹ” ኢሎም ሓሙሽተ ኢደሞ ኣብ ገጻ ኣውደቕዎ፣ ንኣድያም በቲ ሓጺን ዝኣመሰለ ኢድሞ ጌሮም ምስ ዘበጥዎ ንድሕሪ ገጻ ክምብል ኢላ ወደቐት እሞ እብቲ ጥቓ ማዕጾኦም ዝነበረት ንኻንሸለኦም መዕጸዊ ዝጥቆምላ እምኒ ብርእሳ ወደቐት ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን ከኣ ብደም ጠልቀየ፣ ኣደይ ሂወት ጎርቤት እንዳቦይ ዓንደ እንተ ዘይረድኣ ኔረን ኣቦይ ዓንደ ካብ ነድሮም ኣይምስተመልሱን፣ ኣዲኣን ሳሚኤል ሓዋን ከኣ ዋዕ ዋዕ ምስ ሰምዑ ቀልጢፎም ብምውጻእ ነቲ ኩነታት ከተሃዳድእዎ ፈተኑ፣ ኣድያም ርእሳ ደም ንደም ኮይኑ ኣእምርኦ ስሒታ ኣብ ሕቅፊ ኣደይ ሂወት ርኹምሽ በለት፣

ኣዲኣ ወይዘሮ ጎዖይ ንጓለን ምስ ረኣያ ነታ ካንሸሎ ብኣውያት በጽበጽኣ፣ ጎረባብቲ ከኣ ተኣከብ፣ ኣቦይ ሰንጋል ሰብኣይ ኣደይ ሂወት ከኣ “ኣንታ ታኽሲ ዘምጽእ የለን ድዩ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም ቐልጥፉ እባ” ኢሎም ንሳሚኤል ተዛረብዎ ሳሚኤል ከኣ ትቕብል ኣቢሉ “ኣንቡላንስ ጸዊዒና ኣሎና ኣቦይ ሰንጋል” ኢሉ መለሰሎም፣ ኣደይ ጎዖይ ከኣ እናበኸያን እናነብዓን “ወይ ኣነ ቕርስስቲ በቃ ንጓሂ ተፈጢረ በዛ ርግምቲ ቖልዓ ቕሳነት ሲኢነ ከመይ ደም ኮይና ዘይትኸይድ ነበረት” እናበላ ክራገማ ጀመራ፣ “ከምኡ ኣይትበላ ጎዖየይ ሕጂ መድሃኒ ኣለም ኣገባጊብልክን ኣሎ ደሓራይ ከኣ ቐስ ኢልካ እዩ እምበር መዓስ ብኸምዚ ኮይኑ ዝቕጻዕ ብሓደ ኣፊቱ ኣብ ዘይ ጓሂኹም ክትኣትዉ ሕጂ በቃ ቁሪ ከይትወስዱ ኣብ ዘይሕማምኩም ከይትወድቁ ገዛ እተዉ” ኢለን ኣደይ ሂወት እንዳ ገንሓ ናብ ውሻጠ ኣእተውኦም፣

ብኡኡ ኸኣ ኣናነቀወት ኣንብላንስ መጸት እሞ ንኣድያም ተሸኪሞም ኣብታ መኪና ኣእተውዋ፣ ኣደይ ጎዖይ ከኣ ጋለን ሒዘን ናብ ሆሲፒታል ኣምርሓ፣ ኣቦይ ዓንደ ካብ ቑጥዕኦም ፈጺሞም ኣይተመልሱን “ወይ ኣነ ሎሚ ዓንቲ ሓዲኡ ክገብራ ኔሩኒ” እናበሉ ኣንጸርጸሩ፣ ኣቶ ሰንጋል ።እንታይ ድዩ ወሪድካ ኣንታ ዓርከይ ዝሓደጋላ እኳ የብልካን” “ክላ ስቕ በለና ሰንጋል ትንፋሳ ክትሓልፍ ኔርዋ እዛ መዋረዲት ዓሌታ” ኢሎም ብነድሪ መለስሎም፣

ኣቶ ሰንጋል ትቕብል ኣቢሎም “ኣንታ ዓንደ እንታይ ወሪድካ እዩ ካን ከም ቖልዓ እንበር ኮይንካ ኣይ ንእሽተይ እንድያ ኣድያም ተምሰየት ምስ መሓዙታ ትኸውን እምበር ስቅ ኢልካ ዝገደደ ሽግር ከይተምጽእ” “ኣየ ሰንጋል ምምሳይ ኣይኮንክን ጸልኤዮ እሱ ደኣ ኣመላ እንድዩ ቕድሚ ሕጂስ ግና ዘይፈልጥካዮ ሚስጥር ኣሎ” እንታይ እዩ ንሱ ኢሎም ብህንጥዩነት ካብ ቃል ኣቶ ዓንደ ክሰምዑ ደለዩ፣ “ኣንታ ዘይ ሃይማኖታ ዘይእንዳ ኣብኦ ወይ ኣነ ሸ” እንዳበሉ ሰራውር ገጾም ክሳብ ዝግተር ነደሩ፣

 

ኣቶ ሰንጋል ከኣ ትቕብል ኣብሊም “እምበኣር ጓልካ እውን ምስኦም ምዞም ግናያት ጸረ ማርያም እያ” እናበሉ ኣብቲ ዘለውሞ ጉሁር ቁጠዐ ላንባ ነስነስሎም፣ “ኤእ ጽሑፍ እንድዩ ዓንደ ዓርከይ በቲ ደሓርያ ዘመን ክርስቶስ እየ እናበሉ ከስሕትኹም እዮም ዝብል ክፍጽመ ንርእዮ ኣሎና” ኣቶ ዓንደ ዘረብኦም ቁርጽ ቁርጽ እናበለ “ኣይናየቦና ኣየናይ ኣዴና በቃ ወረግ እንታይ ድዩ ወረዱና ኣይምሰልካ ሰንጋለይ መረገም እዩ እዚ መርገም” ክብሉ ኣቶ ዓንደ ምረቶም ከዓውሎም፣

ኣቶ ሰንጋል ትቕብል ኣቢሎም “ሃሲኻያ እምበር እዚ እኳ ክውሕዳ እቲ ንእሽቶይ ወደይ ናብኣቶም ክቀላቐል ምስ ጀመረ እሞ ኸኣ ኣዲኡ ምስ ነገረትኒ ኣላትና የብላን ጌረ ሓመድ ድፋጩኡ ምስ ኣስተኽዎ ድሕሪኣ ሰተት ኢሉ ኣይከደን እግሩን ኢድን ኣጣሚሩ ኮፍ ኣብ ዛ ገዛ” ኢሎም ኣብ ቤቶም ዘጋጠሞም ተመክሮ ኣዘንተውሎም “ኣየ ሰንጋል ኣይትዓሹ ማዮም ዝጠዓመ ተኣዲቡ ኣይእደብን እዩ” ጥራይ የጸብቐልና መስዩ ኣሎ ኪድ ገዛኻ እቶ ለኪምናኩም መስኪኖት ጽባሕ እንዳ ብሪ ንራኸብ” ኢሎም ንኣቶ ሰንጋል ኣፋነውዎ፣

ኣቶ ሰንጋል ከኣ “ኣንታ ዓርከይ ዓንደ እዛ ጓልካ ኣይተስፍረካን እያ ስለዚ ዝዓበየት ጋልካ ንዝብኢ ሃባ ይብሉ ወለዲ ኣመርዕዋ” ኢሎም ኣብ ልቦም ዘሎ ሓሳብ ደርጉሕሎም፣ “ሓሲበሉ ኣለኹ ጽባሕ ተራኺብና ነዕልል ደኺመ ኣለኹ ከኣ” ቢሎም ኣቶ ዓንደ መለስሎም፣ ደሓን ሕደሩ ተባሃሂሎም ከኣ ነናብ ገዝኦም ከዱ፣

ኣቶ ዓንደ ብልቦም “እዛ ሰንጋል ዝበላ ሓሳብ እንተ ዘይኮይና ካልእ ዘዋጽእ ምንም የለን፣ ጓልዛ ቕርስስቲ ኣብ ዘይሰይጣነይ እባ ኣእትያትኒ ኔረ ካብ ሎሚ ከርኣያ እንድየ ኣይ ወዲ ገብረ እየ” እናበሉ በይኖም እናተዛረቡ ናብ መደቀሲኦም ኣምርሑ፣ ሳሚኤል ከኣ “ኣቦ ተደረር እባ ቐሪበልካ እኮ እየ” በሎም ንኣብኡ፣ ኣቦይ ዓንደ ገና ካብ ሓርቖት ስለ ዘይወጹ “ርሓቐለይ ከኣ ንስኻ ንዓኻ ብልዓዮ” ኢሎም ብምንጽርጻር ኣብ ትሕቲ ኮቦርትኦም ኣትዮም ተጠቕለሉ፣

ሓኪም ንኣድያም ምስ ረኣያ ኣዚዩ ሰንበደ “መን እዩ ከምዚ ጌሩ ሃሪምዋ” ክብል ብነድሪ ንደይ ጎዖይ ሓተትን “መድሂነ ኣለም ከዊሉላ እምበር ተዓንቂፋ ወዲቓ” ክብላ ንሕትኡ ብሓሶት መለሳሉ፣ እቲ ሓኪም ትቕብል ኣቢሉ “እዚ ትብልኦ ዘለኽን ሓቂ ከም ዘይኮነ ገጻ ይምስክር ኣሎ ዝኾነ ኾይኑ ማህርምታ ጹኑዕ ስለ ዝኾነ ንሳ ክትጸንሕ እያ ንስኽን ግና ኪዳ ገዛ ደሓን” በለን ኣደይ ጎዖይ ናይ ነገር ወላዲት ኮይንወን “ኣይከይድን በልኦ” ግዲ ምስ በለንን ወይዘሮ ሂወት ከኣ ከሰንይእን ምስኣን ከይደን ስለ ዝነበራ ንስን እውን ናይቲ ሓኪም ዘረባ ክሰምዓ ስለ ዝገደድእን ከይፈተዋ ናብ ገዛ ኩንትራት ታክሲ ጌረን ንኣድያም ኣብ ሆስፒታል ገዲፈን ናብ ቤተን ተመልሳ፣
ይቕጽል…..