25
Thu, Apr
0 New Articles

ብሂላት ማርቲን ሉተር ኪንግ ጸሊም ኣሜሪካዊ

Poems and Poetry
Typography
1.    ንፉዕ መራሒ ዓራቒ ዘይኮነ ዝደልስ ንባዕሉ ኣርኣያ ናይ ዕርቂ እዩ፣

2.    ሓሶት ፈጺማ ብህይወት ኣይትነብርን እያ፣

3.    ሕቖኻ ክሳብ ዘየጎበጥካሉ ግዜ ሰብ መጹዩ ኣብ ዝባንካ ክስቀል ኣይክእልን እዩ፣

4.    እቲ ንሓደ ነገር ክመዉት ፍቓደኛ ዘይኮነ ሰብ ንኽነብር እውን ፍቓደኛ ኣይኮነን፣

5.    ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ሑሱር ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ተፍሪ እንተ ኾይና ኣብ ኩሉ መዳያት ዕማም መንፈሳዊ ሞት ትዕድግ ኣላ፣

6.    ሓንቲ ሃገር ካብ ሰብኣዊ ምዕባለ ንላዕሊ ገንዘባ ኣብ ምምዕባል ወተሃደራዊ ሓይሊ ተጥፍኦ እንተ ኾይና ናብ መንፈሳዊ ጥፍኣት ገጻ ቀሪበ ኣላ፣

7.    ንሓቒ ምድንጓይ ንሓቂ ምኽሓድ እዩ፣

8.    ዓመጽ ወይ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ መጨረሻ ቋንቋ ናይቶም ዘይተሰምዑ እዩ፣

9.    ኩሉ ንናይ ሰብ ክብሪ ልዕል ከብል መታን ዝግበር ጻዕሪ ኩቡርን ቡሉጽን እዩ ዝለዚ ብኽብሪ ክተሓዝ ይግባእ፣

10.    ኩሉ ምዕባለ ሓደጋ ኣለዎ፣ ምፍታሕ ናይ ሓደ ጸገም ከኣ ምስ ካልእ ጸገም እዩ ዘጋፍጠካ፣

11.    ዳራጋ ኩሉ ግዜ እቶም ኣዚዮም ተበላሓቲ ዉጽዓት እዮም ንዓለም ዘወቅብዋ፣

12.    ሓደ ሰብ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ወጺኡ ኣስፊሑ ብዝዕባ ካልኦት ዘይሓስብ እንተ ኾይኑ ብህይወት ኣይነብርን እዩ ዘሎ፣

13.    ኣብ ማእከል ህውከት ዘይብሉ ቦታ ሕጊ ፍቕሪ ኣሎ፣

14.    ጸልማት ንጸልማት ኣይሰጎን እዩ ብርሃን ጥራይ እዩ ዘባርሮ፣ ጽልኢ ኸኣ ንጽልኢ ኣይሰጎን እዩ እንትርፎ ፍቕሪ፣

15.    ዝኾነ ሰብ ካብ ስስዐ ወጽዩ ብብርሃን ክመላለስ ወይ ከኣ ብናይ ስስዐ ጸልማት ክኸይድ እቲ ውሳኔ ናቱ እዩ፣