19
Fri, Apr
0 New Articles

ዕርቃና ዝሽፍን ኣምላኽ!  "እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም።" ኣብ ዘፍጥረት ሳልሳይ ምዕራፍ እንተ ርእይና ድማ ሃደ ግሩም ዝዀነ ናይ ኣምላኽ ስራሕ ንርኢ። ከምቲ እቲ ታሪኽ ንፈልጦ ኣዳምን ሄዋንን ካብቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞም መስመር ምስ ምወጹ ኣበሳ ምስ ፈጸሙ ዕርቃኖም እዮም ወጺኦም። እቲ ቐደም ብኽብሪ ኣምላኽ ተሸፊኖም ከለዎ ዘይሓፍሩን ዘይሓንኩን ዝነበሩ ሕጂ ግና ብሰንኪ ኩፉእ ኣበሳ ጣርዮም ምኻኖም ፈሊጦም ብሕንከት ተዋሕጡ።

2 ጐደሎና ዝምልእ ኣምላኽ!  “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ንእኡ ኣትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ ኢየ በለ።” ኣምላኽ ንሰብ ከም ምስሉን መልኹዕን ጌሩ ፈጢሩ ኣብቲ ብሉጽ ኩሉ ዘለዎ ገነት ኤደን እዩ ኣቐሚጥዎ። ኣብ ልዕሊ ኹሉ ክስልጥን ድማ ምልክን

ነፍሲ አከፍ ሕጥቦ ጹሑፍ ወይ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ፍቕሪ ኣምላኽን ምሕረቱን እየን ዘርእያን ዘግህዳን። ነዚ ድማ እዩ ቃል ኣምላኽ ንምህናጽና ንምምዓድና ነቲ ሓቐኛ መንገዲ ከርእየና ዝተጻሕፈልና። ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ጋህ ኣቢሉ እዩ ዘርእየና። ማእከለያ ሕመረት መጽሓፍ ቁዱስ ኣምላኽ