24
Wed, Apr
0 New Articles

ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድናታት (Part 2)

Marriage & Relationships
Typography

3.3 ድምጺ እግዚኣብሄር ምስማዕ

እግዚኣብሄር ነቶም ብቅንዕናን ብምሉእ ልቦምን ዝደልይዎን ዝጽውዕዎን ይርከበሎም እዩ። "ክትጽውዑኒ መጺኹም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ። ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም።﻾" ኤር29፡11። እግዚኣብሄር ፍቓዱ ክገልጸልና በቲ ዘለማመደና መገዲ ንድምጹ ክንሰምዕ ይግብኣና። ﷽ክቐንዓካ ነፍስኻውን ብህይወት ክትነብርሲ ኣብዛ ኣነ ዝብለካ ዘለኹ ቃል ንድምጺ እግዝኣብሄር ደኣ ስማዕ።﻾ ኤር 37፡20


ብዙሕ ግዜ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞና ዘይተለማመድናዮ፡ ኣብ ዝምድና ክንገብር ከሎና ወይ ድማ ኣብ ምርጫ፡ እግዚኣብሄር ብፍሉይ ክዛረበና ንጽበ ኢና። ከምዚ ዓይነት ትጽቢት ንብዙሕ ሰብ፡ ብቐሊሉ ፍቓድ ኣምላኽ ከላልየሉ(ክፍለጠሉ) ካብ ዝኽእል መገዲ(ኣገባብ) ኣውጺኡ፡ ናብ ዘይተደለየ መንፈሳዊ ምድንጋር የእትዎ እዩ። ብኸምዚ ድማ ንብዙሓት ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ፡ ከቢድን ኣሸጋርን ጌሮም ክርድእዎ ጌርዎም። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክልእ መዳይ ናይ ህይወትካ ውሳኔ ወይ ምርጫ ክትገብር ከሎኻ፡ እግዚኣብሄር ብምንታይ ተዛርቡካ? ብኸመይ እቲ ውሳኔ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጥካ? ብቓል ኣምላኽ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ውሽጥኻ ብዘቐመጦ ዕረፍቲ ወይ ሰላም፡ ብሕልሚ ወይ ራኢ፡ ብትንቢት ብኹነታት፡ ወዘተ። እግዚኣብሄር ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን እዩ ዝዛረብ እሞ፡ ከም ዳዊት ንድምጹ ጽን በል። እግዚኣብሄር ድማ ብእትርድኦ ቋንቋ ክዛረበካ እዩ።
3.4 ናይ ኣሕዋት ደገፍን ምስክርነትን
ካብቶም ኣብ ጉዕዞ ናይ ህይወትና ንገብሮም ምርጫታት፡ ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድና ጌርካ ናይ ህይወት ብጸይቲñ(ብጻይ) ክትመርጽ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ከበድቲ ውሳኔታት እዩ። ኣብ ከቢድ ዝኾነ፡ ምርጫታት ክትፈርሕ ወይ ክትጠራጠር ባህርያዊ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ናይ ምግጋይ ተኽእሎ ድማ ኣሎ። ብባህሪና ብዙሕ ድኻም ስለዘሎና፡ ኣብ ድኻምና ዝሕግዙና ኣሕዋት ወይ ኣሓት ክህልውና ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። መንፈስ እግዚኣብሄር ዘለዎም ዓርኪ(መሓዛ)፡ ከጻልዩና፡ ምኽሪ ክህቡና፡ ካብ እግዚኣብሄርውን መልሲ ተቐቢሎም ኣብ ውሳኔናን ምርጫናን ደገፍን ምስክርነትን ክኾኑና ይኽእሉ እዮም። ገለገለ ግዜያት፡ ስምዒታዊ ስለዝኾንካ፡ ወይ ብገለልተኛ ኣእምሮ ኬንካ ንድምጺ ኣምላኽ ስለዘይትጽበ ነቲ እግዚኣብሄር ዝህበካ መልሲ ከይትሰምዖ ወይ ውን ሰሚዕካ ከይትቕበሎ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እግዚኣብሄር ብኣሕዋት ጌሩ እዩ ዝዛረበካ።
ቃል እግዚኣብሄር ኣገዳስነት ምኽሪ ኣጉሊሑ እዩ ዘርእየና። ﷽እቲ ዓሻ፡ መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቅንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ﻾ ምሳ.12፡15። ኣብ ዓበይቲ ውሳኔታት ናይ ህይወትካ ምኽሪ ዘይምሕታት ዕሽነት እዩ። ካባና ንላዕሊ ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ንባህርያት ሰብ፡ ንናትና ውህበትን ድኻምን ዝፈልጡ ኣለው። ዋላኳ ንምኽሮም ብምሉኡ እንተ ዘይተቐበልናዮ፡ ነቲ ዝህቡና ሓሳባት ተጠንቂቕና ብምርኣይ ብዙሕ ረብሓ ክንረክብ ንኽእል ኢና። እቲ ንኻልኦት ጽቡቕ ምኽሪ ዝህብ ከይተረፈ ምኽሪ የድልዮ እዩ።
መዘራረቢ ነጥብታት
-እግዚኣብሄር ዝድልየና ዘበለ ይፈልጥ እንከሎ፡ ስለምንታይ እዩ ጸሎት ዝምህረና?
- ብዘይካ ንዘድልየና ነገር ምሕታት፡ ናይ ጸሎት ካልእ ዕላማ (ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ) እንታይ እዩ?
- ዝኾነ ነገር ክትገብር ክትሓስብ ዘሎካ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ዶ ዝድግፈካ ቃል ትደሊ?
- ካብ ተመክሮኻ፡ ንድሌትካ መሰረት ክኾነካ፡ ዝተጠቀምካሉ ቃል ኣካፍል? ብኸመይ መሪጽካዮ ወይ ተዋሂቡካ?
- ኣብ ህይወትካ ድምጺ ኣምላኽ ብኸመይ መገዲ ትሰምዕ?
- ብፍላይ ኣብ ውሳኔታት፡ ስለምንታይ እዩ ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ ቀሊል ዘይኮነ?
- ምርጫ ወይ ውሳኔ ክትገብር ከሎኻ፡ ናይ ኣሕዋት ደገፍ ወይ ምኽሪ ትሓትት ዶ? እቲ ምኽሪ ክሳዕ ክንደይ ጠቒሙካ?
- ኣብ ምኽሪ ወይ ሓገዝ ዘድልየካ ግዜ፡ ተማኽሮ ሰብ ብኸመይ ትመርጽ?
- ዉሳኔ ወይ ምርጫ ክትገብር ከሎኻ፡ እግዚኣብሄር ብኣሕዋት ጌሩ ዝተዛረበካ እዋን ኣሎ ዶ? ነቲ መልእኽቲ ተቀቢልካዮ ዶ?
4. ንቕኑዕ ምርጫ ዝሕግዙ ረቛሒታት
እግዚኣብሄር ኣብ ዘበናት ኩሉ ንሰብ ዘረጋግጸሉ ነገር፡ ካብ ሰብ ድማ ዘይወሰዳ ህያብ፡ ﷽ነጻ ፍቓድ﻾ እያ። ካብ መመርታ ካብ ኣዳም፡ ሓጢኣት ናብ ዓለም ምስ ኣተወ፡ ክርስቶስ ከም መድሓኒ ምስ መጸ ስለ ሓጢኣት ሰብ ድማ ኣብ መስቀል ውዒሉ ናይ ምድሓን ኣፍደገ ምስከፈተ፡ እግዚኣብሄር ንምርጫ ሰብ ጓዕጺጽዎ ኣይፈልጥን። ኩሉ ግዜ ግና ሰብ ነቲ ቅኑዕ ምርጫ ክመርጽ እዩ ዝምዕድ። ንኣብነት ካብ ሞትን ህይወትን፡ ህይወት ሕረ። ካብ መርገምን በረኸትን፡ በረኸት ሕረ። ካብ ዘልኣለማዊ ምድሓንን ጥፍኣትን፡ ምድሓን ሕረ። ካብ ጽድቅን፡ ረሲእነትን፡ ጽድቂ ሕረ ወዘተ። ቃል ኣምላኽ ደጋጊሙ ዘነጽሮ ካልእ ሓቂ ግን፡ ሰብ ነቲ ዝገብሮ ምርጫ ብውልቂ ተሓታቲ እዩ። ምኽሪ ወይ ሓሳብ ዝለገሰልካ፡ ንምርጫኻ ይሕተተልካ ማለት ኣይኮነን።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንዝበሰሉ ሰባት ዘጋጥሞም ብድሆ ኣብ ሞንጎ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ምርጫታት ምፍላይ ኣይኮነን። እቲ ምርጫታት ቅኑዕ ከሎውን ኣብ መንጎ ዝሓሸን ዝበለጸን ፈላሊኻ ከተለሊ እዩ እቲ ዝኸበደ። ነቲ ምርጫ ዝያዳ ዘኽብዶ፡ ናይ ሂወት ብጸይቲ(ብጻይ)፡ ኣብ ዕድሜኻ ሓደ ግዜ ጥራይ ትመርጾ ምርጫ ስለዝኾነ እዩ።
ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድና ኣብ እንገብረሉ ግዜ ንዝጋጥመና ምርጫታት ብጥንቃቐ ክንሓሰበሉ ይግበኣና። ከም ሰብ ብዙሕ ምርጫ ከጋጥመና ይኽእል እዩ፡ ከም ብመንፈስ ኣምላኽ ንምራሕ ሰባት ግን፡ ብኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ መገድታት (ጸሎት፡ ቃል ኣምላኽ፡ ድምጺ ኣምላኽ ብምስማዕን፡ ምኽሪን ደገፍን ኣሕዋት) ጌርና፡ ንኣምላኽ ባህ ዘብል ንዓና ድማ ናብ ዕረፍትን በረኸትን ዘእቱ ምርጫ ክንመርጽ ኣሎና። ነዚ ንምግባር ኣብ ግምት ከነእትዎም ዘሎና ረቛሒታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
4.1 ኣማኒ/ኣማኒት
እቲ ቀዳማይ ኣብ ምርጫና ብዘይውልውል ኣነጺርና ክንርእዮ ዘሎና፡ እምነት ናይቲ(ናይታ) ክንመርጾ(ጻ) ንሓስብ ዘሎና ሰብ እዩ። ኣብዚ ብዝኾነ ካልእ ብልጫታት ናይቲ(ታ) ሰብ ተደሪኽና ግድድፍ(ቀተmታቶተmቕዘቅ) ከይንገብር ቃል ኣምላኽ ኣትሪቱ የጠንቅቐና። ﷽ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ፡ ማለት ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፡ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፡ ክርስቶስ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ፡ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒት እንታይ ግደ ኣለዎ?... ንሕና ቤት መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።﻾ 2ቆረ.6፡14-16። ስለዚ ኣማኒ/ኣማኒት ምዃኑ(ምዃና) ጥራይ ዘይኮነ፡ ብስለት መንፈሳውነት ክንርኢውን ጽቡቕ እዩ።
ብዙሓት ሰባት ብጉልባብ ቀረባ ኣምላኽ እዩ(ያ) ኣብ መስርሕ ጎይታ ምቕባሉ(ላ) ኣይትርፍን እዩ ብዝብል ምስ ዘይኣመንቲ ናብ መርዓ ወይ ሕጸ ዝኣትው ኣለው። እዚ ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዙሓት ካብቶም ከምኡ ጌሮም ናብ ውሳኔ ዝኣትው፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ኣርሒቅዎም እዩ። እምበኣር ብእንገብሮ ምርጫ፡ ነዛ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓቢ ዓስቢ እተምጽኣልና፡ ዘልኣለማዊ መንግስቲ ድማ ተውርሰና እምነትና ከይነጥፍእ ንጠንቀቕ። ብኣንጻሩ መዋርስቲ ንጸጋ ህይወት ዝኾነና ሓዊ(ሓፍቲ) ክንመርጽ ኣሎና፡ (1ጴጥ.3፡7)።
4.2 ባህርያት
ንሰብ መንነቱ ባህርያቱ እዩ። ባህርያት ድማ ብቐሊሉ ዝልወጥ ኣይኮነን። ከምዚ ሓደ ጸሓፋይ ዝበሎ “ጽባቐ ሓላፊ እዩ፡ ባህርያት ግና ነባሪ እዩ”። ምስ ሰብ ክትነብር ከሎኻ፡ ቀንዲ ዘገድሰካ ባህርያቱ እዩ። ምስ ዘይተፈታዊን ሓማቕን ባህርያት ዘለዎ ሰብ ምንባር ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ፡ ዝኾነ ሰብ ብቐሊሉ እዩ ዘስተውዕሎ። ምስ ሕማቕ ባህርያት ዘለዋ ሰበይቲ ምንባር ከመይ ከም ዝመስል ንጉስ ሰለሞን ብኸምዚ ገሊጽዎ፡ ﷽ካብ ምስ ነግራምን መሰቀቒትን ሰበይቲስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሓይሽ(ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሓይሽ)﻾ ምሳ.21፡9-19። ከምኡውን ምስ ከም በዓል ናባል ዝኣመሰሉ ሕማቕ ባህርያት ዘለዎም ሰብኡት ምንባርከ ብኸመይ ምስተገልጸ?( 1ሳሚ.25፡3)።
ብኣንጻሩ ድማ ምስ ጥዑምን ተፈታውን ባህርያት ዘለዎ ሰብ ክነብር ዘይብህግ ሰብ የሎን። ከም ኣብ ምሳ.31 ዘላ ደገኛ ሰበይቲ ጽቡቕ ባህርያት ዝመልአት ሓብቲ፡ ናብራ ከመይ ይጥዕም? ኩሉ ዘበን ህይወትካ ንዓኣ እናነኣድካ ዓሪፍካ ተሕልፎ። ከምኡውን ብባህርያቱ ነቲ ኣብ 1ጢሞ.3፡2-5 ተጠቒሱ ዘሎ ኤጲስቆጶስ ዝመስል ሰብኣይከ? ኤልሳቤጥ ወይ ሩት እንተዝምልሳ!
ስለዚ ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድና ኣብ እንገብረሉ ግዜ፡ ናይቲ(ታ) ንመርጾ(ጻ) ሰብ ባህርያት ኣብ ግምት ከነእትዎ ይግበኣና። ልቦና፡ ዓቕሊ፡ ትሕትና፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ ደግነት፡ ርእስኻ ምግታእ፡ ፍቕሪ፡ ምስትውዓል፡ ገለ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም መግለጺ ጽቡቕ ባህርያት ተጠቒሶም ዘለው እዮም። ምንጪ ናይዚ ኩሉ ጽቡቕ ባህርያት ድማ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ።
4.3 ምግጣም
ምግጣም ብዝተፈላለየ ነገራት ክግለጽ ይከኣል እዩ። ኣብ ግዜ ምርጫ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዝግብኣና፡ ምስቲ(ታ) ሰብ ክሳዕ ክንደይ ክንጋጠም ንኽእል ዝብል እዩ። ኣብዚ ከም ናትካ ናይ ግሊ ኩነታት፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ዝንባሌ፡ ናይ መጻኢ መደብ፡ ናይ ምርድዳእ ክእለትካ፡ ድሕረ ባይታን ካልእን ኣብ ግምት ከተእትው ትኽእል ኢኻ። ዕላማ ናይዚ ረቛሒ እዚ ተመሳሳልነት ምዕባይ ዘይኮነስ፡ ሓባራዊ(mችtችሽባ) ምግጣም ምህላው ምርግጋጽ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ገለገለ ነገራት ፍልልያት ምህላው ንዝያዳ ምግጣም ስለዝድግፍ። ምግጣም እንተሎ ኩሉ ግዜ ምርድዳእ፡ ምስምማዕ፡ ምድግጋፍን፡ ምፍታውን ኣሎ። ﷽ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ﻾ ማቴ.19፡6።
4.4 ምፍታው (ምቅብባል)
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሰለስተ ረቛሒታት ምስ ሓለፍናዮ፡ ብድሕሪኡ ዝመጽእ፡ እቲ(ታ) ሰብ ክሳዕ ክንደይ ደስ የብለና(ተብለና) ወይ ንቕበሎ(ንቕበላ) እዩ። ኣብዚ ፈላሊና ክንርእዮ ዝግበኣና፡ ምፍታውና(ምቅባልና) ስምዒታዊ ድዩ ወይስ ምኽኑይ። ከም ናይ ኣምላኽ ሰባት ኣእምሮና(ሓሳብና) ንስምዒትና ክገዝኦ፡ እቲ ንመርጾ ድማ ሕልናናን ሓሳባትናን ዝድግፎ ክኸውን ይግባእ። ስምዒታዊ ዝኾነ ምፍታው፡ ምኽንያት ዘይብሉ ምስ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሮቓሒታት ዘየማልእ ሰብውን ከጋጥመና ዝኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ምኽኑይ ምፍታው(ምቅባል) ካብቲ ዘሎና መንፈሳዊ መንነት ዝብገስ ኮይኑ፡ ነቲ(ታ) ሰብ ካብ ዘሎና ኩለንተናዊ ምድናቕ እዩ ዝመጽእ።
እምበኣር፡ ኣብ እንገብሮ ምርጫታት ብመንጽር እዚ ዝተገልጸ ምኽኑይ ምፍታው(ምቅባል) ናብቲ ሰብ ዘሎና ስሕበት ክንርእይ ጽቡቕ እዩ። ነቶም ኣሕዋት ﷽ምንጭኻ ይባረኽ፡ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ﻾ ምሳ.5፡18። ከምኡውን ነተን ኣሓት። ﷽ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ። ኣብ ጽላሉ ባህ ኢሉኒ ተቐመጥኩ...﻾ መሃ.2፡3
መዘራረቢ ነጥብታት
- እግዚኣብሄር ንሰብ ናጻ ፍቓድ/ምርጫ ብምሃቡ ተድንቆ ዶ?
- ህይወት ድምር ናይ ምርጫታት ምኻና፡ ንትመርጾ ምርጫ ድማ ብግሊ ተሓታቲ ምኻንካ ይርድኣካ ዶ?
- ጳውሎስ ነዚ ኣማኒ ምስ ኣማኒ ዝብል ሓሳብ ኣትርር ኣቢሉ ገሊጽዎ፡ ስለምንታይ ይመስለካ? እስኻኸ (ኺ) እንታይ ትብል?
-ሳዕቤን ናይ ምስ ዘይኣማኒ ምቑራን እንታይ እዩ፡ ዘርዚርካ ግለጾ?
- ንሰብ መልክዑ ባህርያቱ እዩ፡ ዝብል ኣዘራርባ ቅኑዕ ድዩ? ብኸመይ?
- ኣብ ብጻይካ (ብጻይኪ) ክትርእዮ እትደሊ ባህርያት ዘርዝር?
- ካብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ(ዋ) ቅዱሳን፡ ዝንኣድ ባህርይ ዘለዎም(ወን) ጥቀስ?
- ምግጣም ከም ሮቓሒ ምቅማጥ ኣገዳሲ ድዩ? ስለምንታይ?
- ስምዒታዊ ምፍታውን ምኽኑይ ምፍታውን ፈላሊኻ ግለጸን?
- ምፍታው (ምቅባል) ከም ሮቓሒ ምቅማጥ ኣገዳሲ ድዩ? ስለምንታይ?

 

ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድናታት (part 1)

 

ይቅጽል