ሓደ ካብቶም “ዘይመዋትነት ስጋ ሰብ” ዚብል ሓድሽ ምህሮ ዚምህሩ ዘለዉ ሰባት፣ “ዘይመዋትነት ስጋ ሓቂ ድዩ?” ንእትብል ዘቕረብኩዋ ጽሕፍቲ ኣመልኪቱ ኣንዊሑ ምላሽ ሂቡ ኣሎ (ድሮ ኣብ ናተይ ናይ ፌይስቡክ ገጽ ስለዘሎ ምንባቡ ዚከኣል እዩ)። ንገለ ካብቲ ሕቶታት እናመለሽኩ ገለጻ ክህብ ክፍትን እየ።
ፈለማ፣ እቲ እቲ ዝቐረበ ሕቶታት ኮነ ግብረ-መልስታት መሊሱ ነቲ “ዘይመዋትነት ስጋ” ቅሉዕ ምጥሓስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ እዩ ዚብል እምንቶይ ኣጽኒዕለይ እምበር ኣይተነቓነቖን። እቲ ወሃብ መልሲ ግን ከምዚ ኢሉ ሓያሎ ሕቶታት ሓቲቱ፣-ሕቶ - (ብዛዕባ ምህሮ “ዘይመዋትነት ስጋ”)“… ካበይ ኢኻ ረኺብካዮ? ካብቲ ምንጪዶ ካብቶም ነቐፍቲ? ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣጽኒዕካዮ ዲኻ ወይስ ናትካ ፍርዲ እዩ? ብዛዕብኡ ሕሰብ። ብዛዕባ እተን ኣርባዕተ ነጥብታካ ግን፣ ኣጽኒዐ ክብሎ ዝደሊ፣ ተጋጊኻ ኢኻ። እዚ ምህሮ እዚ ብንጹር መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ። መናፍቕነት (ካልት) ወይስ ንስጋ ዜኽብር ዘይኮነ ነቲ ውዱእ ዕዮ የሱስ ክርስቶስ ምኽባር እዩ። ንምልኣት ሰብን ትንሳኤን ወይውን ህይወት ዘለኣለም ምኽሓድ ኣይኮነን። ምናልባሽ ትሓዋውስ ከይትህሉ። ከምቲ እትኣምኖ ኢና እንኣምን። ካብ ህይወት ኣምላኽ ወጻኢ ዘሎና ኣይምሰልካ። ካብ ቃል ኣምላኽ ወጻኢ እንተተዛረብና ኣምላኽ ባዕሉ ይዛረብ። ኩልና፣ ሰብ መንፈስ፣ ነፍስን ስጋን ከምዘለዎ ኢና እናኣምን። ኩልና ክርስቶስ ኬጽድቐናን ሓድሽ ልደት ኪህበና ካብ ምዉታት ምትንስኡ ንኣምን። ከምቲ መጻሕፍቲ ዚብሎ፣ ትንሳኤኡ ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያ 13፣26-41 ተጽሒፉ ዘሎ ናይ መወዳእታ ፍጻመ ኩሉ እቲ ተስፋ እዩ (ሮሜ 10፣4, ቈረንቶስ 2:2)። እቲ ጸገም ግን ሓያሎ ኣመንቲ ክርስቶስ ንዕኦም ኩሉ ምዃኑ ዘይምእማኖም እዩ።”ብርግጽ ሰዓብቲ “ዘይመዋትነት ስጋ” ንምህሮኦም ንሓያሎ እዋን ኣብ ፌይስቡክ ኬወዓውዑን ብዛዕብኡ ኪካትዑን ከለዉ ኣንቢበ ተዓዚበ፣ ከምኡውን ከም ንኹሉ ዚመጽእ ሓድሽ ምህሮታት ሕመረት ናይቲ ትምህርቲ ክፈልጥ ዳህሲሰ እየ እሞ ናይ ነቐፍቲ ሓሳብ ጥራይ ኣይኮነን ዘሎኒ። ቃል ብቓሉ እቲ “ዘይመዋትነት ስጋ” ዚብል ቃልውን ባዕሉ ንባዕሉ ምሉስ ኣርእስቲ እዩ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ስጋ ዚህቦ ምህሮ ንጹር ስለዝኾነ ምጽናዑውን ካብ ካልእ ኣርእስታት ዚኸብድ ኣይኮነን፣ ንነዊሕ እዋን ዘጽናዕኩዎ እዩ፣ ሓደ ካብቲ ዝበርሃለይ ነገር ድማ ሓቅነት ናይቲ “ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሐልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም ኣሎኹ፣” ዚብል ሓቂ እዩ (1ቈረንቶስ 15፣50)። ከመይ ኢሉ ሰብ ነዛ 100% ንጽርቲ ጥቕሲ ምቕባላ ተሸግሮ ድማ ኣዝዩ እዩ ዚገርመኒ። ድርቅና እንተዘይሃልዩና፣ ካብዚ ንላዕሊ ምንጻር ኽንሓትት እኳ ዜድልየና ኣይመስለንን። ነዚ ሓቂ ሕስብ ውዒለ ሕስብ እንተሓደርኩ ኽልውጦ ኣይከኣለንን እዩ። ነዚ መሰረታዊ ብድሆ ኪሰግር ካብ ዘይክእል፣ ምህሮ “ዘይመዋትነት ስጋ” በተን ኣርባዕተ ነጥብታት ከምዝገለጽኩዎ ብንጹር “ምህሮ ስሕተት” እዩ።እዚ ምህሮ እዚ መናፍቓዊ “ካልቲክ”ዶ ኣይኮነን? ብሓቂ እዩ እባ። ገለ ካብቲ መምዘኒ መናፍቓዊ ምህሮ ከምዚ ዚስዕብ እዩ፣- “ሓድሽ ምግላጽ” ኣብ ዚብል “ጋሻ ትርጓሜ ቅዱሳት መጻሕፍቲ” እተመስረተ እዩ። ዚበዝሕ እዋን ድማ እቲ መምህር/መምህራን “ብዘይክኡ/ብዘይክኦም” ካልእ ቅኑዕ ሰብ ከምዘሎ ኣይኣምንን። ኪጋገ ኸምዚኽእል ቅንጣብ ሓሳብ የብሉን። እዚ ብምንታይ ካብ ድርቅና ይፍለይ ኣይርድኣንን። ብተወሳኺ ትምህርቲ ካልት “ዋላ ነቲ ግሉጽ ቃል እዩ ‘ሕቡእ ትርጓሜ’ ወይ ‘ውስጠዘ’” ኬውጽኣሉ ዚፍትን። እቶም መምህራን ፍሉይ ሕቡእ “ፍልጠት” ከምዝተዋህቦም እዮም ዚምህሩ። ተጋግየ ኸይህሉ ዚብል ኣተሓሳስባ ኣብ መምህራን “ካልት” የልቦን። ካብ ተጋግየ እየ ምባል፣ ዋላ ካብቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዚብሎ ወጻኢ እናሃለዉ፣ ቀደም ዘይተገልጸ እዩ ተገሊጽለይ ምባል እዩ ዚቐሎም። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበለ ሓቂ ወንጌል ዝሓዘ ሰብ ግን ርእሱ ይፍትሽ ይግምግም እዩ፣- “ምናልባሽ ንኸንቱ ኸይጐዪ ወይስ ጐይየ ኸይህሉ ኢለ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ወንጌል ነቶም ምርኡያት ኣብ በይኖም ገይረ ተዛረብክዎም” (ገላትያ 2፣2)። ኣብዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ምህሮ “ዘይመዋትነት ስጋ” እዚ ትሕትና ክርስቶስ ዝሰረቱ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣይረኣኽዎን።ካልእ ባህርይ ናይ ካልት ንኹሉ እቲ መሰረታዊ እምንቶ ሃዋርያትን ኣማናዊ ምህሮን (ኦርቶዶክሲ) ዳግም ይትርጉም (ሪቫይዝ/ሪ-ኢንተርፕረት ይገብር)። እዚ ኸመይ ኣቢሉ ይፍጸም እንተበልና ድማ ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣዝዩ ጋሻ መገዲ ብምትርጓሙ ንዝተፈላለየ ክፍልታት ድማ ብምሕውዋስ እዩ። ካብ ከምዚ ዝበለ ነገር ኽንሕሎ ከምዚግበኣና ሃዋርያ ጴጥሮስ ምዒዱ፣ ከምዚ ኢሉ፣- “ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርክቡ ተጋደሉ። ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሐፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ። ንሱ ኣብ ኵላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓያሎ ነገር አሎ። እቶም ደናቝርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ አለዉ። ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ፡ ብስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ከይትወድቁ ተሐለዉ” (2 ጴጥሮስ 3፣14-17)።
ነዚ ምህሮ “ዘይመዋትነት ስጋ” እናሓዝካ፣ ምናልባሽ፣ ንሕና ኸም ኩሉ ካልእ፣ ከማኻ ኢና እንኣምን ይበሃል ይኸውን። ግናኸ፣ እዚ ሓደ ኻብቲ መሰረታዊ እምንቶታት፣ እምንቶ “ስጋ ሰብን ፍጻመኡን” ከምኡውን እምንቶ “ትንሳኤ ምዉታት” ዝተመልከተ እዩ እሞ፣ ኣብዚ ጋሻ ኣመለኻኽታ ምህላው ማለት ፈጺምካ ካብቲ ኣማናዊ ምህሮ ምርሓቕ ማለት እዩ። ካብ ህይወት ኣምላኽ ኣይረሓቕናን ኽትብል ኣብቲ ክርስቶስ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ምጽናዕ ኣገዳሲ እዩ። ኽትስሕት ኣዝዩ ቀሊል እዩ፣ ስሕተት ዓዳሚ እዩ፣ ጋሻ ትምህርቲ መሳጢ እዩ። ሓንቲ ስሕተት እንተሒዝካ ድማ ንኹሉ እቲ ናይ እምነትካ ስእሊ ናይ ምልዋጥ ኽእለት ኣለዋ። ከምኡ ኢሉ እዩ ናይ ሓያሎ ሃይማኖታት ኮነ ካልትስ ምህሮታት ማዕቢሉ፣ ናይ ካቶሊክ፣ ናይ ምብራቓዊ ኦርቶዶክስ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፣ ዋን’ነስ (ኦንሊ ጂሰስ)፣ ወዘተ… እታ ንኹሉ እትጠምሮ መገዲ ስሕተት “ስፔኪዩለይሽን” ትበሃል። ኩሉ እቲ ዚስሕት ስፔኪዩለይት እገብር ኣለኹ ዘይኮነ ሓድሽ ምግላጽ “ተገሊጹለይ” እዩ ዚብል። ንክርስትያን ግና ድሮ እቲ ሕቡእ ተገሊጹሉ እዩ። ዝተሓብአ ነገር ብሕጂ ዚግለጽ የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ንባዕሉ ግሉጽ እዩ። ሰብ ካብቲ ግሉጽ ኪርሕቕ ከሎ እዩ ንዕኡ ዚኽወሎ። ማርቲን ሉተር ንኣብነት ነቲ ግሉጽ “ጽድቂ ብእምነት ብጸጋ” ዚብል ሓቂ ከምዘለዎ እዩ ሒዙዎ። ሓድሽ ምግላጽ ኣይነበረን፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እያ ባዕላ ብመገዲ “ስፔኪዩለይሽን” ናብ ስሕተት ኣትያ ነይራ። ማርቲን ሉተር ድማ ንቤተክርስትያን ብጸጋ ኣምላኽ ናብቲ መሰረታዊ ምህሮ ሃዋርያት መሊሱዋ።•ይቕጽል
መልሲ ንመምህራን “ዘይመዋትነት ስጋ” - 1ይ ክፋል
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode