ምህሮ "ዘይመዋትነት ስጋ" ይትረፍዶ ኣብ ክርስትና ኣብ ዝኾነ ካልእ እምነት እኳ ኣይንረኽቦን ኢና። ብዘይካ ኣብ "ራስተፈራውያን" ከምኡውን ገለገለ "ኣጉለ-ፍልጠታውያን" (ፓራ-ሳይንቲስትስ) ኣብ ዝኾነ ካልእ ኣይንረኽቦን ኢና። "Together Forever: An Invitation to be Physically Immortal" ኣብ እትብል ናይ 1990 መጽሓፍ ቻርለስ ብራውን፣ በርናዲን ከምኡውን ጄይምስ ስትሮል ዝተባህሉ ከሓድቲ ክርስትና (ኤቲይስትስ) ካብ ሞት ከምዝቦኸሩ ጽሒፎም። ዚጥቀሙሉ ቃላትን ስነመጎትን ነተን ጥቕስታት ፈሊኻ ልክዕ ነዚ ሕጂ እዞም መምህራን"ዘይመዋትነት" ዚብሉዎ ዘለዉ እዩ ዚመስል።
እዚ ንክርስትና ጋሻ እዩ። የሱስ ኮነ ሃዋርያት "ዘይመዋትነት ስጋ" ኣይመሃሩን። ዝመሃርዎ እንተነይሩ ብኣካለ-ስጋ ምማት ዘይተርፍ ግን ከኣ ናይ መወዳእታ ኸምዘይኮነ እዩ፣ (ማቴዎስ 10፣28, ዮሃንስ 21፣19, ሮሜ 14፣18, እብራውያን 9፣ 27, ራእይ ዮሃንስ 14፣13, 1ጢሞቴዎስ 6፣7, 1ጴጥሮስ 1፣24, ፊልጲ 1፣21, 2 ቈረንቶስ 5፣4, 6-8, 2ጴጥሮስ 1፣14, እብራውያን 11፣13, ግብሪ ሃዋርያት 13፣36)። ኩለን እዘን ጥቕስታት ብዛዕባ ኣካለ-ስጋ (ፊዚካል ቦዲ) እየን ዚዛረባ። ፈጺምና ምስቲ ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ሞት፣ ብዛዕባ እቲ ኻልኣይ ሞት ዚዛረብ ጥቕስታት ኽንሓዋውሰን ኣይግብኣናን። ከመይሲ ንሓድሕዱ ዘይራኸብ እዩ። ምድንጋር ዚለዓል ነዚ ኽትሓዋውሶ ከለኻ እዩ። መምህራን "ዘይመዋትነት ስጋ" ነዚ ፈላልዮም ኣይዛረቡሉን እዮም። ኩሉ "ሞት" ዚብል ከም ሓደ ኣርእስቲ እዮም ዚጠቕሱዎ። ከም ኣብነት እቲ ነቲ መልሲ ዝጸሓፈለይ ሓደ ብሓደ ንመልከቶ፣
ሕቶ - "ኩልና ሞት ምእንቲ ኽንጥዕም ክርስቶስ ሞት ከምዝጠዓመ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ኽዛረብ ዜድልየኒ ኣይኮነን። "ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ የሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኺጥዕምሲ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ አሎና" (እብራውያን 2፣9)። ስለዚ ኢና ንሕና ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዝወጻእና። እዚ ቃለይዶ እዩ? መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሮሜ ብዛዕባ ሞትዶ ኣይመሃረን? ምሂሩ እባ። ጳውሎስ ብዛዕባ ሓጢኣት ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ሞት ከኣ ይምህር እዩ። ኣዳም ብምኽንያት ሓጢኣት ከምዝሞተ ሰቢኽካ፣ ደሓር ግን ነቲ ጽድቂ ድሕሪ ምርካብ ዚመጽእ ሓርነት ካብ ሞት ሓዲግካዮ። ሞት ምስ ጽድቂ እንታይ ምትሕሓዝ ኣለዎ። ሞትዶ ምስ ጽድቂ ምትሕሓዝ ኣለዎ እዩ? ክርስቶስ ከፊሉዎ እንተኾይኑስ ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሞቱ? የሱስ ትንሳኤ ጥራይ ድዩ? ወይስ ህይወትን ትንሳኤን እዩ? ወይስ ምድሓን ኣብ መጻኢ እዩ ኢልካ ዲኻ ትሓስብ? ወይስ ሕጂ እዩ? እንታይ እዩ እቲ ምስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ንምንባር ዘለዎ ጸገም? እታ መንግስቲ ትመጽእ ድያ ወይስ ናብ ሰማይ ትኸይድ? የሱስ ድዩ ኪመጽእ ወይስ ንሕና ኢና ኽንከዶ? ሰማይ ፕላኔት ድዩ ወይስ ምድሪ? ካብ ስጋ ዲና ተወሊድና ካብ ኣምላኽ? ሰማያውያን ዲና ምድራውያን? ኣረጊት ዲና ሓድሽ ፍጥረት? ኣብ ሰማይ ዲና ዘሎና ናብ ሰማይ ኢና ኽንከይድ? ይቕሬታ! ኣምላኽ ነቲ ብርሃን የብርሃልና! መጻሕፍቲ ነጽንዕ፣ ንኣምላኽ ብህይወት ኽንነብር ድማ ነንዕለቱ ንሙት። ንዓይ ግን ንኣምላኽ ፍረ ንኽፈሪ ክርስቶስ ኣባይ ህያው እዩ። ክርስቶስ እቲ እተሰቕለ ጥራይ እየ ዝፈልጥ። ዘይመዋትነት ምርጫ እዩ። ኽትድቅስ እንተደሊኻ ኽትገብሮ ይከኣለካ እዩ። ኽትጸንሕ እንተደሊኻ ድማ ኽትገብሮ ዚከኣለካ እዩ፣ ግናኸ ንኣምላኽ እምበር ንርእስኻ ኣይኮንካን እትነብር። ኣብዛ ምድሪ ፈጺምና ንኣምላኽ ኢና ኽንነብር ዚግብኣና ከመይሲ ንሓጢኣትን ንርእስና መዊትና ኢና። ክብሪ ብየሱስ ክርስቶስን ንኣምላኽ ይኹን። ኣሜን!"
ኣብዚ ሓያለይ ሕቶታት ኣሎ፣ እቲ ቀንዲ ጸገም እቲ ሕቶታት ኣይኮነን። እቲ መሰረት (ፕረሚስ) ወይ መበገሲ (በንችማርክ) ናይቲ ሕቶታትን ስዒቡ ዘሎ ትንታነን እዩ። ብመሰረቱ ኸምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ፣ ነቲ ምህሮ "ሞት" ኣብ ሓደ እዩ ጠቕሊሉዎ፣ ኣብዚ "ብስጋ ዚምወት ሞት" (ማለት እቲ ጻድቕ ኮነ ሓጥእ ኩሉ ሰብ ዚሞቶ) ከምኡውን "እቲ ኻልኣይ ሞት ተባሂሉ ዘሎ" ተሓዋዊሱ እዩ ዘሎ። ሓታቲ ነዚ ኽልቲኡ ኣብ ሓደ ጠቕሊሉ እዩ ብዙሕ ተዛሪቡ። ብርግጽ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ፣ ተንሲኡ፣ ኣብ የማን ግርማ ድማ ተቐሚጡ ኣሎ። እታ እተጠቕሰት እብራውያን 2፣9 ጥራይ ዘይኮነት ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ተጠቒሱ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ስፍራ ምሂሩ ኣሎ (ንኣብነት 1 ቈረንቶስ 15፣3-8)። ክርስቶስ ናይ ዘለኣለም ሞት ኸይንመውት፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህበና እዩ ኣብ ክንዳና ሞይቱ። እዚ ነቲ ኣብ እምነት ኸሎ ብስጋ ዝሞተ ሰብ'ውን ሓቂ እዩ። ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ግን እዚ ኣይኮነን ብዛዕባ "ብስጋ ምማት" እዩ። ዓይንኻ ኽትደፍን፣ ኮነ ኢልካ ብድርቅና ኽትጸንዕ እንተዘይደሊኻ፣ ንጹር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ብዛዕባ ሞት ምሂሩ እዩ እናበልካ፣ ነቲ ዝመሃሮ፣ እወ ነቲ እዚ ድሕሪ ጎይታ የሱስ ካብ ዝተራእዩ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ "ኣብ ምስጢር ክርስቶስ" ንጹር ምርዳእ ዝነበሮ ጳውሎስ ዝመሃሮ ምህሮ "መዋትነት ስጋ" "ናይ ውርደት ስጋ" "ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤት" ምኽሓድ እንታይ እዩ ኺበሃል ዚከኣል? ኣብ ሮሜ 6፣12 "ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ" ኪብል ከሎ ነዚ "መዋቲ ስጋ" እዚ "ኣይመውትን" እዩ "ከም ምርጫኻ እዩ" ኽትብል እንታይ ዝበለ ኣእምሮ እዩ ዜድልየካ?
"ጽድቂ ምስ ሞት እንታይ የተሓሕዞ?" - ጽድቂ ዚብል ኣርእቲ ሰፊሕ እዩ። ምስ ምድሓን ዚተሓሓዝ እዩ። ብኽልተ መገዲ ይግለጽ፣- 1) ካብ ኩነኔ ሓራ ምስ ምዃን (ጀስቲፊኬይሽን)፣ ማለት ክርስቶስ ኣብ ክንዳኻ ዕዳ ሓጢኣካ ስለዝኸፈለ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ "ካብ ኩነኔ ፍርዲ ሓራ ኢኻ ኪብለካ" ወይ "ኖት ጊዩልቲ" ኺብለካ ከሎ፣ 2) ምስ ኣምላኽ ቅኑዕ ሕብረት ኪህልወካ ኸሎ (ራይቺየስነስ)። ቃል ኣምላኽ "ንስኻትኩምሲ ኣብኡ ኣብቲ ካብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝኾነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም" ይብለና (1ቈረንቶስ 1፣31)። እዚ እቲ ብናይ ስጋ ሞት ኪሰዓር ዘይከኣል ብእምነት ምስ ኣምላኽ ንዚህልወካ ሕብረት ዚምልከት እዩ። ናይ ስጋ ሞት ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣይፈልየካን፣ ካብ ምድሓን ኣየጒድለካን እዩ። ከመይሲ፣ "ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና፣" እዩ ኢሉ ቃል ኣምላኽ (ሮሜ 8፣37-39)። ናይ ስጋ ሞት "ሰዓሪ" "ኮንከረር" ካብ ምዃን ዚዓግት ኣይኮነን።
ብዛዕባ እቲ ናይ ትንሳኤ ህይወት፣ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዚኸውን ብዙሕ ፍረ ምፍራይ ግን ናይ መንፈስና ነገር ደኣ እምበር ናይ ስጋና ነገር ከምዘይኮነ ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቑ እዩ ዚምህረና። እዚ ድማ "ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ ምቕታል" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብ"ግብሪ ስጋ" ዘይኮነ "ፍረ መንፈስ፣" ንሱ ኸኣ፣ እምነት፣ ፍቕሪ፣ ሓጎስ፣ ዓቕሊ፣ ምግታእ ርእስኻ ብዛዕባ ምህላው እዩ። እዚ ኽንፈሪ ከለና ኢና ናይ ትንሳኤ ህይወት ንነብር ዘሎና። እዚ ምስ "ኣካለ-ስጋ" ዚተሓሓዝ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ሓያሎ ቦታታት "ፍረ መንፈስ" "ናይ ጽድቂ ፍረ" "ግብሪ ጽድቂ" "ሰናይ ግብሪ" "ሓሳብ መንፈስ"፣ ወዘተ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። እዚ፣ ናይቲ ሕጂ ዘሎና ኣካለ-ስጋ ባህርይ ወይ "ኔቸር" ዘይኮነስ ናይቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ባህርይ እዩ። ንሕና ድማ ነዚ ኽንለብስ ተጸዊዕና ኣሎና።
ብዛዕባ ናይ ሰማይ ነገር ዚምልከት ግን፣ ኣብቲ ዝተሓተተ ሓያሎ ሕቶታት ተሓናፊጹ ኣሎ። መንግስቲ ኣምላኽ፣ ብርግጽ እታ "ኣብ ውሽጥኹም ኣላ"፣ "እንሃ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣላ"፣ ወዘተ ተባሂላ ዘላ፣ ጎይታ ብሓያሎ ምስላታት ገይሩ ገሊጽዋ እዩ። "መንግስቲ ኣምላኽ፣ ካብ ዘመን ዮሃንስ ጀሚራ ብሓይሊ ትደፍእ" ምህላዋ ገሊጹ ጎይታ። ሰፊሕ ኣርእስቲ እዩ እዚ። ብሓጺሩ ግን መንግስቲ ኣምላኽ፣ ብናይ ሕጂ ዘሎ ቅዲ "መንግስታት" ወይ "ቅዲ ንግስነታት" እንትንትኖ ዘይኮነስ፣ ኣብ ዓውደ ሓሳብ "ኮንቴክስት" ናይ ኣይሁዳውያን (እስራኤላውያን) ኣእቲና ኽንምልከቶ ኣሎና። ምርዳኡ ምስ ኣይሁዳዊ ኣመለኻኽታ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ መሲሕ "መሳያኒዝም" ዝተተሓሓዘ እዩ። ኣይሁድ፣ ዚጽበይዋ ዝነበሩ መንግስቲ ብመሲሕ (ኩለንትና ናይ ንጉስ፣ መድሕን፣ ካህን፣ ነብዪ ዘጠቓለለ "ወዲ ሰብ") እትምራሕ እያ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ ነዚ ኹሉ ትሕዝቶ ዝሓዘ ምዃኑ እዩ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ዚእውጅ። መንግስቲ ኣምላኽ ክልተ ሸነኽ (ዳይመንሽን) ኣለዋ። በቲ ሓደ ኣብቶም ነቲ መሲሕ እተቐበልዎ ሕጂ እትገዝእ ዘላ፣ ግዝኣታውን መመሊሱ ዚሰፍሕ ዘሎ እያ (ረይኒን & ኮንከሪን ኪንግደም)። የሱስ ኣብ ማቴዎስ 5-7 ንመንግስቱን "ሕገ መንግስታን" እዩ ኣዊጁ። ነዚ ሕገ መንግስቲ ዝተቐበለ ድማ ኣብ መንግስቱ ይነብር። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ መጻእታዊት መንግስቲ እያ (ኢንሲፕየንት ኪንግደም)። ብግህዶ ድማ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብኽብሪ ኪምለስ ከሎ እትግለጽ እያ። እዚ እቲ ፍጻመ ዘመናት (ኮንስዩመይሽን ኦፍ ዚ ኤይጅስ) ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኮይኑ፣ ጎይታ ብዛዕብኡ መኣዝ ከምዚፍጸም "ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ" ኢሉዎ ኣሎ (ግብሪ ሃዋርያት 1፣7)። ኣብዚ ብትንሳኤ ዚርከብ " ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን" ምዃኑ ግን ቃል ኣምላኽ ይነግረና (ራእይ 20፣1-6)። ሽዑ የሱስ ክርስቶስ መንግስቱ ብግህዶ ከምዚመርሕ ቃል ኣምላኽ ይምህረና። ናይ ሽሕ ዓመት መንግስቲ ተባሂሉውን ተጠቒሱ ኣሎ።
ነዚ ምህሮ እዚ ምስ ዘይመዋትነት ናይቲ ዘሎና ኣካለ-ስጋ ኽነተሓሕዞ ኣይግብኣናን እዩ። እኳ ደኣ እዚ ናይ ሕጂ ኣካለ-ስጋ ኣብታ መጻእታዊት መንግስቲ ግደ ከምዘይብሉስ ቃል ኣምላኽ "ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርስን" እዩ ብምባል ይነግረና እዩ። ኣየናይ ስጋ ደኣ እዩ ግደ ዘለዎ፣ ንዚብል ሕቶ ድማ "እተለወጠ-ስጋ" ምዃኑ እዩ ዚምህረና።
ብዛዕባ ሰማይ ዚምልከት ግን "ፕላኔት"፣ "ምድሪ" ወዘተ ... ምባል ኣየድልየናን እዩ። ሓደ ነገር ይነግረና ቃል ኣምላኽ ንሱ ድማ "ስፍራ" ምዃኑ እዩ። ህልውና ኣምላኽን ምልኣቱን ዘለዎ ዓውደ ናብራ (ኣቦድ) ምዃኑ ድማ ንምልከት። እንተኾነ እዚ ዓውደ ናብራ እዚ ናይዚ ሕጂ ዘሎና ኣካለ-ስጋ ዘይምዃኑ ኣነጺሩ ቃል ኣምላኽ ይነግረና። ብዙሕ ከይተንተንኩ ወይስ ስፔኪዩለይት ከይገበርኩ ብዛዕባ'ዚ ዚገልጽ ጥቕስታት ጥራይ ክጠቅስ። ኣንባቢ ድማ ባዕሉ ይመርምሮ፣
ዮሃንስ 14፣3-4 – "ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገድውን ትፈልጥዎ ኢኹም።"
ፊልጲ 3፣20-21 - "ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከአሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።"
1ተሰሎንቄ 4፣16-17 – "ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።"
2ጴጥሮስ 3፣10-13 – "መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቀላጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያት ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።"
ብኣማኑኤል ኤልያስ
- ይቕጽል -
ብሓዉኹም ኣማኑኤል ኤልያስ
መልሲ ንመምህራን “ዘይመዋትነት ስጋ” (Part 2)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode