07
Sat, Jun
0 New Articles

የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ?

Apologetics
Typography

የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ እዩ

ሓደ ናይ ሃይማኖት ሙሁር ንዝተፈላለዩ ሰባት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እምነት፡ ንዘለዉ  ኣምላኽ እንታይ ከም ዝመስልን ንገዛእ ርእሱ ድማ ብኸመይ ከም ዝገልጽን እንተ ዝሓቶም፣ ከም ብዝሒ መጠን እቶም ተሓተቲ ዝተፈላለየ መልስታት ክረክብ ናይ ግድን እዩ። ናይ ገለ ገለ መልሲ ከኣ ምስ ናይ ገሊኣቶም ክጋጮ ናይ ግድን እዩ። ብግምት እንተ መሊስና ኸኣ እቲ ሓቂ ቁኑዕ ክከውን ኣይክእልን እዩ፣ ንኣብነት ንበል ሓደ ሰብ ኣምላኽ ሰብኣዊ እዩ እንድሕር ኢሉ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኣይፋል ኣምላኽ ኢሰብኣዊ እዩ ምስ ዝብል፡ ካብ ክልቲኣቶም ሓዲኦም ጌጋ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ።

መን እዩ ርግጸኛ ኾይኑ ኣምላኽ ከምዚ እዩ ዝመስል ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል? እቲ እንኮ ሓደ ከምዚ ኢሉ ክምልስ ዝክእል ኣምላኽ ባዕሉ ጥራይ እዩ።

ንኣብነት ሓደ ካብቶም ተዛተይቲ ደው ኢሉ  ከምዚ እንተ ዝብሎም “ኣሕዋት ንኹሉ ምድንጋርኩም መልሲ ዝከውን ተረኺቡ ኣሎ ንሱ ኸኣ ኣነ እየ ኣምላኽ ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ” እዚ ሰብ እዚ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ወይ ጹሉል እዩ ወይ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ እዩ ወይ መታለሊ እዩ ወይ ድማ ከምቲ ዝበሎ ኣምላኽ እዩ፣ የሱስ ክርስቶስ እምበኣር ከምዚ እዩ ኢሉ።

የሱስ ስቕ ኢሉ ተራ መምህርን ናይ ሞራል ሰብን እዩ ምባል ትርጉም ዘይብሉን መዓልቱ ዝሓለፈ ኣበሃህላ እዩ። እቶም ጹብቕ ሞራል ዘለዎም ሰባት ፈሊጦም ድዮም ከይፈለጡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣይሕስውን እዮም። ንገዛኣ ርእሶም ክምለኹን ሕመረት እምነት ከም ዝኾኑን ጌሮም ኣይዛረቡን እዮም። ብሰንኪ ንዓኣቶም ምእማኖም ከኣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣይሞቱን እዮም። ነዚ ነገር እዚ እናሓሰብኩ እስከ ብዛዕባ እቲ ሓቂ ኣምላኽ ክንምርምርን ክንርእን።

ኣምላኽ ተገሊጹ


እቶም ብህይወት ዘለዉ ጸሓፍቲ ኣምላኽ ንገዛኣ ርእሱ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከም ዝገለጸ ኣሚኖም ኣለዉ። ነፍሲ ወከፎ እቲ ምግላጽ ከኣ ብኽልተ መለኮታዊ ዝኾነ ምግላጽ እዩ ዝፍተን። ብቓል ኣምላኽን ብየሱስ ክርስቶስን።


ቀዳማይ ኣተክሮ መጽሓፍ ቁዱስ  


ከም ዘይካልኦት ቁዱሳት ጽሑፋት መጽሓፍ ቁዱስ ሙሉእ ብሙሉእ ቃል ኣምላኽ ምኻኑ ዘጠራጥር የብሉን። መብዛሕቶም እቶም መለኮትነት የሱስ ክርስቶስ ዝቕበሉ ሰባት ንመጽሓፍ ቁዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ። ስለዚ ነዚ መጽሓፍ እዚ ኣተኩሮ ብምግባር ንመጽሕፍ ቁዱስ ከም ሓደ ርግጹነት ታሪኽ ዘለዎ መጽሓፍ ጌርና ክንወስዶ ኢና፣ እዚ ቃል ኣምላኽ ንዓና እዩ። ንሱ ድማ ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ ኣይኮነን ንዝብል ሕቶ ክመርሓናን ክምልሰልናን እዩ።

እስከ ንሕሰብን ነስተውዕልን ስለምንታይ እዩ እዚ ፍሉይ ዝኮነ ነጥቢ ንዓና ኣገዳሲ ዝኮነ? ዳራጋ ዝበዝሓ ጉጅለ ሃይማኖታት ንኣምላኽነት ክርስቶስ ይኽሕድኦን ኣይቅበልኦንን እየን። ብኣፈን ካብ መጽሓፍ ቁዱስ እናመሃራ ክነሰን ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ንላዕሊ ግና ንቁዱሳት ሰባትን፡ መልኣኽትን ካልኣ ምግላጻት እየን ዝስረዓ። ከምዚ ብምግባረን ከኣ ኩሉ ጊዜ ኣንጻር እቲ ጹኑዕን ታሪኽ ድማ ዘለዎ ጭቡጥ ምህሮ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝሓዘ ንናይ ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ይኽሕድኦ ወይ ይጻረርኦ። ስለምናታይ ግና ክርስትያን እየ ወይ ተደናጋጺ ክርስትያናት እየ እናበልካ ክነስኻ ነቲ ጎይታን የሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ ምህሮ ዘይትቕበሎ?

ገለ ገለ ከኣ መጽሓፍ ቁዱስ ጊዚኡ ነዊሕ ዘመን ስለ ዝገበረ እሞ ድማ እቲ ጽሑፍ ብብዝሕ ምኽንያታት እናተባለሸወን እናጠፈኣን ስለ ዝመጸ ርግጽነቱ የጠራጥረካ እዩ። ሕጂ ሐድሽ ምግላጽ የድሊ ኣሎ ኢሎም ይካትዑ። እዚ እውን ስነ ሞጎታዊ ዘይኮነ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ልዕሊ 24,600 ሙሉእ ወይ ክፋል ናይ ጥንቲ መቦቆላውያን ጹሑፋት ሓድሽ ኪዳን ኣለዉ። ካብቲ ዘገርም እቲ ኣብ ዓለም ናይ ጥንቲ ጹሑፍ ተባሂሉ ብኻልኣይ ደርጃ ዝስራዕ ታሪኽ ኢልያድን ኦድይሰይን ብሆሜር ዝተጻሕፉ ጹሑፋት 643 ዝኣኽሉ ናይ ጥንቲ ጹሑፋት እዮም ዘለዉዎ። ዋላ ኩሉ ናይ ሓድሽ ኪድን ጹሑፋት እንተ ዝጠፍእ ኔሩ እንትርፎ ዓሰርትወ ኣብ 325 ዓ.ም ሓደ ብናይ ቀደም ኣቦታት ዝተጻሕፋ ንኹሉ ከም ብሓድሽ ምስ ተጻሕፈ ኔሩ። ዋል ዘይክርስትያናት ናይ ታሪኽ ሰባትን ስነ ጥንት ዘጽንዑ ሰባትን ሓድሽ ኪዳን ብሳይንሳውን ኣርኪሎጂካዊ መዓቀኒታቱ 99 ካብ ሚእቲ ቁኑዕ እዩ። ስለዚ ማንም ሰብ ብዛዕባ ታሪኽ ናይ ሓድሽ ኪዳን ክካታዕ ዝኽእል የለን።

መጽሓፍ ቁዱስ እቲ ናይ መጨረሻ ስልጣን ዘለዎ ኮይኑ ንመሰረተ እምነት ከኣ ወሳኒ መጽሓፍ እዩ (2ጢሜ 3።16-17) ። ኩሎም ክርስትያናት ማንም ሰብ ወይ መጽሓፍ ወይ ትምህርቲ ኣንጻር መጽሓፍ ቁዱስ ዝምህር እንተ ኾይኑ ክንጽግዎ ኣለዎም።

ዩሁዳ ክጽሕፍ ከሎ “ኣቱም ፉቑራተይ። ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብኹል ቅንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ድሌኹ በታ ሓንሳእ ንቑዱሳት እተዋህበ እምነት ክትጋደሉ ጺሒፈ ኽመክረኩም ናይ ግዲ ኾነኒ” ዩሁዳ፡3። ቁዱሳት ጹሑፋት ንመጽሓፍ ቁዱስ ዝቕይር ትምህርቲ ኮነ ካልእ ብፍጹም ኣይፈቅድን እዩ። ጳውሎስ ክዛረብ እንከሎ “… ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ኼንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኹምልኩምሲ ንሱ ዉጉዝ ይኹን” ገላትያ 1፡8 ምስ ራኣይ ዮውሃንስ 22፡19ን ምስ ዘዳግም 4፡2 ኣነጻጽርዎ።

እንተ ደኣ ካልኦት መጽሓፍቲ ከም መጽሓፍ ቁዱስ ካብ ኣምላኽ ዝመጹ እዮም ንብል ኮይና ነፍስ ወከፍ እዚ መጽሓፍ እዚ ብመጽሓፍ ቁዱስ ጥራይ እዩ ክፍተሽን ክምርመርን ዘለዎ። ኣምላኽ ምስ ገዛእ ርእሱ ኣይጻረርን እዩ። ዝኾነ ጸሕፊ ኮነ ሰባኺ እቲ ንሱ ቁኑዕ እዩ እሊ ንዝኣምኖ ነገር ምስቲ ንሕና ሓቂ ምኻኑ እንኣምኖ መጽሓፍ ቁዱስ ክጻረር የብሉን። ከምኡ እንተ ኾይኑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ጹሑፎም ኮነ ዘረብኦም ኩሉ ካብ ድርኺት ኣምላኽ ኣይኮነን ማለት እዩ።

ብዛዕባ ኣምላኽነት ወይ መልኮታውነት ክርስቶስ ክንሓስብ ከሎና ኸኣ ኣምላኽነት ወይ መለኮታውነት ናይ ክርስቶስ ንኽትኣምኖ ቀሊልዶ ወይ ርድኡ ድዩ? ዝብል ኣይኮነን እቲ ሕቶ እንታይ ደኣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ እንታይ እዩ ዝብል እዩ። ንኣእምሮና ክንቅበሎ ስለ ዝኸበደና ጥራይ ወይ ከኣ ንኽትቅበሎ ዘሸግር ጥራይ ስለ ዝኾነ ናይዚ ሓቅነት ብፍጹም ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ። እዚ ዘሎናዮ ጠፈር ማእለያ ዘይብሉ ነገራት ሒዙ ኣሎ ከምእኒ ስሕበት መሬት ተፍጥሮ ናይ ብርሃንን ካልእን። እዚ ነገር እዚ ልዕሊ ኣእምሮ ደቂ ሰባት እዩ ይኹን እምበር ሓቂ እዩ። መጽሓፍ ቁዱስ ከኣ ኣምላኽ ብኣእምሮ ሰባት ክልካዕን ክዕቀንን ከም ዘይክእል ይነግረና፣ (እዮብ 11፡7, 42፡2-5, መዝ 145፡3 ኢሰ 40፡13, 55፡8-9) ። ስለዚ ንሕና ብምልኣት ይረደኣና ኣይረዳኣና ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝብሎ ናይ መወዳእታ ቓል ኣለዎ። ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣብቲ ስብኣና ዘለዎ የሱስ ክርስቶስ ብምግላጽ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል።

“ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሑ መንገድን ቀደም ንቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ንኣና በቲ ወራስ ኩሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠር ወዱ ጌይሩ ተዛረበና። ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕ ቅርጺ ባህርዩን ከሎ ኩሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ ምንጻህ ሓጥያትና ምስ ገበረ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ” እብ 1፡1-3።

የሱስ ክርስቶስ እቲ ህያው ቃል እዩ። ንኣቦ ድማ ገለጾ። ካብቶም ሓኣደ ሰዓብቱ “ንኣቦ ኣርእየና ኢሉ” ምስ ሓተቶ ዮው 14፡8 የሱስ ከምዚ ክብል መሊስሉ “እዚ ክሳብ ክንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኻትኩም ክነብር ከሎኹስ ኣይትፈልጠንን ኢኻ? እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ ከምይ ኢልካ ኸ ንኣቦ ኣርእየና ትብል ኣለኻ?”። ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሱስ ክርስቶስ “ንሱ መልኽዕ እቲ ዘይረኣ ኣምላኽ” ኢሉ ይጽዎዖ፣ ብመሰረት ኣብዛ መጽሓፍ እንርእዮምን እንዛተየሎምን ነገራት ንየሱስ ክርስቶስ ምርኣይን ምስማዕን ልኽዕ ንኣምላኽ ምርኣይን ምስማዕን እዩ።

ይቕጽል

ብጃሽ ማክዶናልድ
ትርጉም
ብሃኒባል ዳኒኤል