07
Sat, Jun
0 New Articles

የሱስ ኣምላኽ ድዩ? (ካልኣይ ክፋል)

Apologetics
Typography
ትርጉም ባህርያት

ኣቐዲምካ ብዛዕባ ባህሪ ኣምላኽ ባህሪ ስላሴ ከምኡ ድማ ብዝዕባ ስብእነትን ባህሪ የሱስ ክርስቶስን ዕሙቕ ዝበለ ትርጉሙ ምፍላጥ ነቲ ኣብ ቁዱሳት ጹሑፋት ብዛዕባ ኣምላኽነት የሱስ ክርስቶስ ተጻሒፎም ዘለዉ ጥቕስታት ክትርድኦ ክሕጉዙካ እዮም፣


1 ኣምላኽ።- ቁዱሳት ጹሑፋት ኣምላኽ ኣካላዊ መስተውዓሊ መፍቀሪ ጻድቕ እሙን ዘልኣለማዊ ፈጣሪ ምስ ፍጥረቱ ብንጥፈት ዝዋሳእን ምኻኑ እዩ ዝምህረና፣ ባህሪ ኣምላኽ ኣብ ክልተ ክጠቓለል ይኽእል እዩ፣ ሓፈሻዊ ባህሪን ሞራላዊ ባህርን፣ ሮበርት ፓሳንቲኖ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ “ኣምላኽ (ብመሰረት እቲ ሓፈሻዊ ባህሪኡ) ፉሉይ ዘልኣለማዊ ዘይቅየር ኩሉ ዝኽእል ኩሉ ዝፈልጥ ኣብ ኩሉ ዝርከብ ስሉስ መንፈስን ኣካላዊ እዩ ይብል ቀጺሉ “ሞራላዊ ባህሪ ኣምላኽ ቅድስና ጽድቂ ፍቕሪ ሓቂ የጠቓልል” ክርስትና ብዛዕባ ኣምላኽ ክምህር ከሎ ኣምላኽ ልዑላዊ ንብዘሎ ጠፈር ዝገዝኣ እዩ እሉ ይምህር፣ ብዛዕባ ኣብ የሱስ ናዝራዊ ከምይ ጌሩ ብተምሳል ሰብ ከም ዝተገልጸ ኸኣ ክንርኢ ክንፍትን ኢና፣

2 ስላሴ።- ካብ ፍጥረት ኩሉ ወጻኢ ኣምላኽ ስሉስ ኣምላኽ እዩ፣ ኣምላኽ ስሉስ ኣምላኽ እዩ ክንብል እንከሎና ካብቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝገልጽ ጹሑፋት ተሞርኪስና ኢና እንዛረብ ዘሎና፣ ካብ ሱሉስ ዝብል ቃል ስላሴ ዝብል ቃል ወጺኡ እዚ ማለት ድማ ኣምላኽ ብምልኣትን ብዘልኣለማውነትን ኣካል ብኣቦ ብወልድ ብመንፈስ ቁዱስ ዝግለጽ እዩ፣ እዞም ሰለተ ኣካላት ከኣ ኣምላኽ ይኾኑ ግና ሓደ ኣምላኽ እዮ፣

ኣምላኽ ማለትና ከምዚ እዩ ማለትና ኣይኮነን

1 ሓደ ኣምላኽን ከምኡ ድማ ሰለስተ ኣማልኽቲ

2 ሓደ ኣምላኽን ከምኡ ድማ ሓደ ኣካል ሰለተ ሽም መግለጺ ወይ መልክዕ ዘለዎ፣

3 ሓደ ኣምላኽን ሓደ ኣካልን ከይኑ ብሰለስት ዝተፈላለየን ተኻታታሊ ዝግለጽ፣

4 ኣብ ሓደ “ቢተሰብ” ሰለሰተ ኣማልኽቲ፣

5 እቲ ሓደ ኣምላኽ ካብ ንቡር ወጻኢ እዩ፣

እቲ መጽሓፍ ቁዱሳዊ ዝኮነ መሰረተ እምነት ናይ ስላሴ ብኸምዚ ክግለጽ ይከኣል እዩ፣

እቲ ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ ህያው ዝኾነ (ኢሰ 43።10, ዘዳ 6።4) ብኣብ ብወልድ ብመንፈስ ቁዱስ ዝቖመ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣምላኽ ከኣ “ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ. ኣቦ ናይ ኣምላኽ ሽም ኣለዎ (ገላ 1።1, ቲቶ 1።4 ወዘተ..) ወልዲ ወይ እቲ ቃል ብተደጋግሚ ኣምላኽ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ ኣብ ዮው 1።1,14 ግብ 20።28, ዮው 20።28, ቲቶ 2።13, እብ 1።8 ወዘተ… መንፈስ ቁዱስ ከኣ ኣምላኽ ምኻኑ ኣብ ዝትፈላለየ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ጥቕስታት ንረኽቦ (ግብ 5።3-5,1ዮው 4።2,3, እብ 10።15-16)፣ ብዛዕባ ሓድነት ስላሴ ኸኣ ኣብ ማቴዎስ 28።19 ኣቦ ወልድ መንፈስ ቁዱስ ከም ሓደ ሰብ ተገሊጾም ኣለዉ፣ ኣብ ናይ ግሪኽ ቃል ብንጽል እዩ ተገሊጹ ዘሎ፣

ዕላማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ መሰረተ እምነት ናይ ስላሴ ንምግላጽን ንምብራህን ኣይኮነን፣ ሓደ ሰብ ብኣምላኽነት የሱስ ክርስቶስን ብህላውነት ኣምላኽን ብኣቦን ወድን መንፈስ ቁዱስ እንተ ኣሚኑ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ንስላሴ ዝምልከት ጥቕስታት ንኽረክብን ከጽንዕን ኣይጽግሞን እዩ፣ ( ማቲ 3።16, ማር 1።9-11, ሉቃ 1።35, 3።21-22, ዮው 3።3።34-36, 14።26, 16።13-15 ግብ 2።32,33,38,39, ሮሜ 15።16,30, 1ቆሮ 12።4-6, 2ቆሮ 3።4-6, 13።14, ኤፍ 1።3-14, 2።18።22, 3።14-17, 4።4-6, 2ተስ 2።13,14, 1ጤሞ 3።15,16, እብ 9።14, 10።7, 10-15, 1ጴጥ 1።2) ካብቶም ቡዙሓት ገለ ገለ ጥቅስታት እዮም፣

3 የሱስ ክርስቶስ።- የሱስ ክርስቶስ ሽምን መዝነትን እዩ፣ እቲ የሱስ ዝብል ቃል ካብ ጀሹዋ ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸ ኾይኑ ትርጉም ከኣ ኣምላኽ መድሓኒ እዩ ወይ ከኣ ኣምላኽ የድሕን እዩ ማለት እዩ፣ እቲ ክርስቶስ ዝብል መዝነት ወይ ሽመት ከኣ ካብ መሲሕ ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ወይ ድማ (ካብ ማሺያክ ዝብል ካብ ናይ እብራይስጥ ቃል ዳኒ 29።26) ዝመጸ እዩ፣ ትርጉሙ ኸኣ “ቁቡእ” ማለት እዩ፣  ኣብዚ ክርስቶስ ዝብል መዝነት ወይ ሽመት ካህንን ንጉስን ዝብል ክልተ ሓላፍነት ዘጠቓለለ እዩ፣ እዚ ሽመት እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ብዛዕባ የሱስ  ካህንን ንጉስን ምኻኑ ዝተነግረ ናይ ትንቢት ፍጻሜ እዩ፣

ሓለፋ እዚ ግና የሱስ ክርስቶስ ክልተ ብህሪ ከም ዝጾረ ንኣምን፣ ንሱ ድማ ኣምላኻውን ሰብኣውን ባህሪ፣ እዚ ከኣ የሱስ ፍጹም ሰብን ፍጹም ከኣ ኣምላኽን ምዃኑ ዝሕብር እዩ፣ ኣምላኽ ብመልክዕ ሰብ ተገሊጹ፣ መጽሓፍ ቁዱስ ንየሱስ ከም ኣምላኽን ሰብን ከም ዝኾነ ይገልጽ፣ ከምዚ ኸኣ ይብል

“እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩም ይሀሉኹም፣ ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ (እዚ ኣምላኽነቱ የርኢ) ነቲ ማዕረ ኣምላኽ (ከም ኣቦ ማለቱ እዩ) ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን፣ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ ሰብውን መሰለ ብንብረቱ ከም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ (እዚ ኸኣ ሰብኣውነቱ ዝምልከት እዩ)፣ ርእሱ ክሳዕ ሞት ኣትሓተ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል ደኣ እኳ ተኣዘዘ፣ ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ክንብርከኽ ልሳን ዘበል ውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱሱ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ክእምነ እዩ፣ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ኹሉ ልዕል ዘበሎ ካብ ኩሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ” ፊሊ 2።5-11

ብመሰረት እዚ ዝረኣናዮ ትርጉም ብዛዕባ ኣምላኽ ስላሴ ከም እውን የሱስ ቅድሚ ነቶም ብዛዕባ ኣምላኽነት ዝገልጹ ጭብጥታት መጽሓፍ ቁዱስ ምርኣያና ሓንቲ ሕቶ ክልምልስ ክንፍትን ኢና፣
 
ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ?

እዚ ከማና ዉሱን ሰብ ከመይ ጌሩ እዩ ነቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኣምላኽ ክርድኦ ዝኽእል? ንነገራት ከም ዘለውዎ ምርዳእ ንዓና እምብዛ ከቢድ እዩ፣ ንኣብነት ንሓቂ ንጹቡቕ ብዘይ ኣብነታት ክንርድኦም ኣጸገምቲ እዮም፣ ጽባቐ ንርእይ ኣብቲ ብየዒንትና ዝርኣ ጹቡቕ ነገር እዩ፣ ሰናይ ነገር ንዕዘብ ከኣ ኣብቲ ሰናይ ዝኾነ ሰብ እዩ፣ ወዘተ… ግና ንኣምላኽከ ብኸመይ ክንርድኦ ንኽእል?  ብኸመይ እዩ ሰብ ኣምላኽ ከምዚ ይመስል ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል?

ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ብመልክዕ ሰብ ጌሩ እንተ ተገሊጹ ግና ብውሑዱ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንርዳእ ንኽእል ኢና፣ ምንም እኳ ሰብ ንዘልኣለማውነትን ነቲ ኣብ ኩሉ ዝግለጽ መጀምርያን ዓቐንን ዘይብሉ ህላውነቱ ክገልጽ ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ በቲ ዝርኣዮ ግና ባህሪ ኣምላኽ ክገልጽ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ እዩ መልእኽቲ ሓደሽ ኪዳን፣ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ “ኣብኡ ምልኣት መልኮት ብስጋ ሓዲርዎ እዩ እሞ” ይብል ኣብ ቆሎሴ 2።19፣ የሱስ ሰብ ዝኾነ ሰባት ነቲ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ክርድኡ ኢሉ እዩ፣

እቲ ካልኣይ ምኽንያት ኣምላኽ ሰብ ዝኮነ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ድልድል ክኸውን መታን እዩ፣ እንተ ደኣ የሱስ ሰብ ወይ ፍጡር ጥራይ ኮይኑ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን እቲ ኣብ መንጎ ቑዱስ ኣምላኽን ርኹስ ሰብን ዘሎ ጋግ ብምንም ተኣምር ዘይራኸብ ክኸውን እዩ ማለት እዩ፣ ንሕና ንኣምላኽ ክንፈልጦ እንድሕር ኮይና ናይ ግድን እዩ ኣምላኽ ናባና ክመጽእ ዘለዎ፣ ዝኾነ ፍጡር ኣካል ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ኣዚዩ ገፊሕ ጋግ መራኸቢ ድልድል ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ግና ኣምላኽ ናባና ክወርድ ስጉምቲ ወሲዱ ኩሉ ፍጥረት ናብኡ መጺኡ ንዕኡ ክፈልጦ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ከፊትዎ፣