እምነት ባሃኢ ኣብ ኢራን እዩ መቦቀሉ። ሰዓቢ ሺዓ ዝነበረ ሚርዛ ዓሊ መሓመድ (ባብ) ብዝበሃል ሰብ እዩ ድማ እቲ እምነት ክበጋገስ ጀሚሩ። ሚርዛ ዓሊ መሓመድ ኣብ መበል 22 ዕድሚኡ ድሕሪ ምምራዓዉ ቅሩብ ግዜ ጸኒሑ ነቢዪነት ነብሱ ብምእዋጅ ሓድሽ ትምህርቲ (እምነት) ከተኣታቱ ጀመረ። ብርክት ዝበሉ መሻይኽ ናይ ሺዓ ከይተረፉ ዝርከብዎም ሰዓብቲ ኣጥረየ። እዚ ብ ባብ ዝፍለጥ ሰብ፡ ብኣመንቲ ባሃኢ ከም ጸራግ መገዲ ናይቲ ቀንዲ ዝመጽእ ነቢ ይቁጸር (ከም የውሃንስ መጥመቕ ማለት እዩ)።
እቲ ቐንዲ ነቢ እምነት ባሃኢ፡ ሚርዛ ሑሴን ዓሊ (ባሃኡላህ) ይበሃል። ብ 1817 ኣብ ቴህራን ርእሲ ከተማ ኢራን፡ ካብ ሃብታማት ስድራ ድማ ተወልደ። ሚርዛ ሑሴን ዓሊ ኣብ መበል 27 ዕድሚኡ ነቲ ሓድሽ እምነት ናይ ሚርዛ ዓሊ መሓመድ ደገፎ፡ ውፉይ ተኸታሊ ናይቲ ሓድሽ እምነት’ውን ኮነ። ኣብዚ ግዜ ኣመንቲ ሺዓ ነቲ ሓድሽ ሃይማኖት ብምቅዋም ንኣባላቱ ይኣስርዎም ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሚርዛ ዓሊ መሓመድ (ባብ) ቐተልዎ። 13 ዓመት ድሕሪ ሞት ሚርዛ ዓሊ መሓመድ ድማ ብ 1863 እቲ ክመጽእ ዝግብኦ ነቢ ኣነ እየ ብምባል ባሃኡላህ ነቢይነት ነብሱኣወጀ። ብዙሓት ተኸተልቲ’ውን ኣጥረየ። ብሰንኪ አቲ ሓድሽ እምነቱ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ድማ መጻሕፍቲ ጸሓፈ። ሚርዛ ሑሴን ዓሊ (ባሃኡላህ) ብተኸተልቲ እምነት ባሃኢ፡ ከም ናይ’ዚ ዘመን ናይ ዓለምና ነቢ ይቁጸር፡ ኩሎም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነብያት እቲ ክመጽአ ዝግብኦ ኢሎም ከም ዝተነበይሉን እቲ ትንቢቶም ድማ ብምግላጹ ከም ዝተፈጸመን ይኣምኑ። ሚርዛ ሑሴን ዓሊ (ባሃኡላህ) ብሰንኪ ሕማም ረስኒ ብ1892 ሞተ። ስልጣን ናይቲ እምነት ድማ ንቦኽሪ ወዱ ዓባስ ኣፈንዲ (ዓብዱልባሃ) ኣረከቦ። ዓባስ ኣፈንዲ ናይ ኣቡኡ እምነት ብምኽታል ብዙሕ ምሂሩን መጻሕፍቲ’ውን ጽሒፉ። ነቲ እምነት ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ድሕሪ ምትእትታው ድማ ብ1921 ሞተ። ድሕሪ ሞት ዓባስ ኣፈንዲ ድማ ሾጊ ኣፈንዲ (ወዲ ወዱ ንዓባስ ኣፈንዲ) ከም ሓላፊ ናይቲ ሃይማኖት ኮይኑ ተሸይሙ። ሾጊ ኣፈንዲ ውን 1957 ድሕሪ ምሟቱ፡ እምነት ባሃኢ ብ Universal House of Justice ዝበሃል ብዝተመርጹ ኣባላት ዝቖመ ኣካል ይመሓደር ኣሎ።
መጽሓፍ ቁዱሳዊ መግለጺታት ዘድልዮም ነጥብታት እምነት ባሃኢ
ጉዳይ ሰለስተ ስላሴ (የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ህልውና መንፈስ ቅዱስ)
ጉዳይ ድሕነት
ጉዳይ ካልኣይ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ
ጉዳይ ካልኦት እምነታት ብዓይኒ እምነት ባሃኢ
ህልውና ሰይጣንን ኣጋንንትን
ህልውና ገሃነም እሳት
ጉዳይ ሰለስተ ስላሴ (የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ህልውና መንፈስ ቁዱስ)
ኣመንቲ ባሃኢ ኣብ ሰለስተ ስላሴ ማለት፡ እግዚኣብሄር ኣቦን ፡ ወድን፡ መንፈስ ቁዱስን ከመኡ’ውን ሓደ ኣምላኽ ከምዝኾነን ኣይኣምኑን እዮም። እዚ ዝተፈላለየ ናቶም መግለጺታት ክህቡሉ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቁዱስ ግን ንሰለስተ ስላሴ ብንጹር ይድግፍን ይምህርን እዩ።
ብቐዳምነት እግዚኣብሄር ንነብሱ ከም ብዙሓት ገይሩ “ብመልክዕና ከምምስልና ሰብ ንግበር” ብምባል ኣብ ዘፍ 1፡26 ተዛሪቡ ኣሎ (ተመሳሳሊ ጥቕሲ ዘፍ 3፡22)። ኣብ ማቴዎስ 3፡16-17 ውን ኣብን ወድን መንፈስ ቁዱስን ኣብ ሓደ ግዜ ብሓንሳብ ከምዝተገልጹ ነንብብ። የሱስ ክርስቶስ’ውን ባዕሉ ብስም ኣብን ወድን መንፈስ ቁዱስን ክንጥመቕን ብምእዛዙ (ማቴ 28፡19) ንህልውና ሰለስተ ኣካል ኣምላኽ የረጋግጸልና። እግዚኣብሄር እምበኣር ሓደ ኮይኑ (ዘዳ 6፡4) ብሰለስተ ብሓሳብን፡ ብፍቓድን ዕላማን ዘይፈላለዩ ኣካላት ዝቖመ እዩ። እቲ ሓደ ኣካል ድማ ኣብቶም ካልኦት ከም ዘሎ እዩ። ሰለስቲኦም ኣብ ኩሉ ብሓንሳብ ይዓዩ፡ ንኣብነት ኣብ ድሕነት ደቂ ሰባት እግዚኣብሄር ኣቦ ኣዝዩ ስለ ዘፍቅረና እቲ ሓደ ወዱ በጃና ንኽስዋእ ፈቐደ (የው 3፡16)። ድሕሪ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤን ዕርገትን ከኣ፡ ኣቦ ነቲ መጸናንዒን መምህርን መንፈስ ቅዱስ ለኣኸልና (የው 14፡16)። ኣብ ፍጥረት እንተኾነ’ውን እቲ ሓደ እግዚኣብሄር ፈጣሪ ናይ ኩሉ ነገር ምዃኑ መጽሓፍ ቁዱስ ይነግረና (ዘፍ 1፡1)። እንተኾነ ግን ኩሉ ብየሱስ ከምዝተዓየየ ቆሎሴ 1፡15-16 ይዛረብ። ኣብ ዘፍ 1፡2 ከኣ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብቲ ናይ ፍጥረት ግዜ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ከምዝነበረ ንርኢ። ካብዚ ተበጊስና እምበኣር ሰለስተኦም ኣካላት በቲ ዘይፈላለ ሕብረቶም ሓደ ኣምላኽ ምዃኖም ከነረጋግጽ ንኽእል።
እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ኣምላኽ ናይ ኩሉ ፍጥረት ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን (2ቆሮ 1፡3 ፣ መዝ 146፡6)፡ እምነት ባሃኢ ግን ንየሱስ ክርስቶስ ከም ካልኣይ ኣካል ናይ ስላሴ ማለት ከም ኣምላኽ ኣይርእዮን እዩ። ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዘመልክት ጽሑፋት መጽሓፍ ቁዱስ ውን ብጉጉይ የተርጉሞ። እስከ መጽሓፍ ቁዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል።
“ቃል መጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቃል ውን ኣምላኽ ነበረ” (ዮው 1፡1)፡ “እቲ ቃል ስጋ ኮነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኣባና ሓደረ…..” (ዮው 1፡14)፡ እቲ ስጋ ኣባና ዝሓደረ ቃል እምበኣር ኣምላኽ ምዃኑ ዮውሃንስ ብጋህዲ ነጊሩና ኣሎ። እግዚኣብሄር ባዕሉ ብዛዕባ ወዱ ክምስክር ከሎ “… ኣታ ኣምላኸይ፡ ዝፋንካ ንዘልኣለም ኣለም ይነብር…” (እብ 1፡8) ብምባል ንየሱስ ኣምላኽ ኢሉ ሰሚይዎ። ኣብ ኢሰያስ 9፡6 ውን የሱስ ክርስቶስ “ብርቱዕ ኣምላኽ ኣቦ ዘልኣለም” ተባሂሉ ኣሎ። እግዚኣብሄር ክብሩ ንወላሓደ ኣይህብን እዩ (ዘጸ 20፡3-5)፡ ንበይኑ ክምለኽን ክስገደሉን እዩ ዝደሊ። የሱስ ግን ልክዕ ከም እግዚኣብሄር ክስገደሉን ክምለኽን ክብሪ ክወሃቦ ኣብ ራእይ 5፡8 ፣ 12 –14 ንርኢ። ኣብ ራእይ 1፡17-18 ውን የሱስ ባዕሉ “ኣነ እቲ ቀዳማይ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ” ኢሉ ኣሎ።
ንኣምላኽነት የሱስ ክርስቶስ ዘግህዱ ካልኦት ጥቕስታት፡ ዮው 10፡33 ፣ 20፡ 28 ፣ ቲቶ 2፡13 ፣ ፊል 2፡6። ስለዚ የሱስ ካልኣይ ኣካል ናይ ሰለስተ ስላሴ ኣይኮነን (ኣምላኽ ኣይኮነን) ዝብል ዘረባ ብመሰረቱ ጉጉይን ዘይክርስትያናውን እዩ።
እምነት ባሃኢ ንመንፈስ ቁዱስ’ውን ከም ኣካል ኣይርእዮን እዩ፡ ኣብ ዮሃንስ 14፡16-17 የሱስ ንሱ ከምዝኸይድ ኣቦ ኸኣ ኣብ ክንድኡ ካልእ መጸናንዒ ከምዝልእኽን ይዛረብ። እዚ ዝልኣኽ መንፈስ ሓቂ፡ የፍቅር (ሮሜ 15፡30)፡ ይመርሕ (ሮሜ 8፡14)፡ ይምህርን የዘክርን (ዮው 14፡26)፡ ይሽይም (ግብ 20፡28) ከምኡውን ይጉሂ (ኤፌ 4፡30)፡ እዚ ኩሉ እምበኣር መንፈስ ቁዱስ ባህርያትን ስምዒትን ዘለዎ ኣካል ምዃኑ የረጋግጽ ኣሎ። ኣብ ግብረ ሃዋርያት 5፡3-4 ጴጥሮስ ንሃናንያ፡ ንመንፈስ ቁዱስ ከምዝሓሰወሉ ኣብ ፍቕዲ 3 ይነግሮ፡ ኣብ ፍቕዲ 4 በቲ ዝገበሮ ንኣምላኽ እምበር ንሰብ ከምዘይሓሰወ ብምንጋሩ፡ ንኣምላኽነት መንፈስ ቁዱስ የረጋግጸልና። ስለዚ ነቲ መንፈስ ቁዱስ ከም ኣካል የለን ወይ ሳልሳይ ኣካል ናይ ስላሴ ኣይኮነን ዝብል ትምህርቲ እምነት ባሃኢ ድማ ጉጉይ ምዃኑ የረጋግጸልና።
ጉዳይ ድሕነት
እምነት ባሃኢ ነቲ ናይ ክርስትና ትምህርቲ ድሕነት ማለት ድሕነት ብበጃ ምሕላፍ ናይ የሱስ ክርስቶስ እዩ ዝብል ትምህርቲ ብምሉኡ ቀይርዎ እዮ። እምነት ባሃኢ፡ ድሕነት ብጽሑፋት ናይ ባሃኡላህን ዓብዱልባሃን ብምእማንን ምትግባርን፡ ንቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣመንቲ ባሃኢ (Universal house of justice) ብምእዛዝን ይርከብ ይብል። ብኻልእ ኣዘራርባ ጽድቂ ብግብሪ እዩ ይብል ማለት እዩ። እስከ ንመጽሓፍ ቁዱስ ንወከስ፡ ኣብዚ ግዜ ኩሉ ሰብ ሓጥያተኛ እዩ (ሮሜ 3፡23፣ 1ዮው 1፡8-10)፡ እቲ ሓጥያት ድማ ካብ ኣዳም እዩ ናባና እና ተወራረሰ መጽዩ (ሮሜ 5፡ 12)። እግዚኣብሄር እምበኣር እዚ ካብ ኣዳም ናባና ተወራሪሱ ዝመጸ ሓጥያት ንኸጥፍእ ሓደ ነገር ክገብር ነይርዎ፡ ንሱ ድማ፡ ነቲ ኩሉ ንሕና ዝበደልናዮ ሓጥያት ኣብ እንግድዓ የሱስ ሰቒሉ ኣብ ክንዳና ንዕኡ ክቐጽዖ ፈተወ (ኢሰ 53፡ 5-6)። ብኻልእ ኣዘራርባ ስለ እቲ ንሕና ዝገበርናዮ ሓጥያት ኣብ ክንዲ ባዕልና ንቕጽዓሉ፡ የሱስ ተቐጺዑልና ማለት እዩ። ስለዚ፡ እቲ ናብ መንግስቲ ሰማያት ዜእትወና እቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ውዕለት እዩ ደኣ እምበር፡ ናይ ባዕልና ግብሪ (ምኡዙዝነት ጥራይ) ኣይኮነን። ናትና ግደ ነቲ የሱስ ዝገበረልና ምእማንን ምቕባልን ጠራይ እዩ (ዮው 1፡11)። እዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ብንጹር ድሕነት ብምእማን እምበር ብግብሪ ከምዘይኮነ ይሕብሩ፡ ሮሜ 3፡21-26፣ ገላ 2፡16፣ ኤፌ 2፡8-9፣ 2ጢሜ 1፡9። ብዘይካ እዚ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ምኻድ፡ ብመገዲ የሱስ እምበር ብባሃኡላህ ወይ ካልኦት ከምዘይኮነ የሱስ “መገዲ ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ ብዘይብኣይ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የለን” (ዮው 14፡6) ብምባል ኣረጋጊጽዎ እዩ።
ጉዳይ ካልኣይ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ
የሱስ ክርስቶስ ከም እንደገና ናብ ዓለም ክመጽእ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ተጠቒሱ ኣሎ (ማቴ 16፡27፣ 24፡30፣ ግብ 1፡11፣ ዳኒ 7፡13)። ኩሉ ኣማኒ ክርስትና ድማ ነዚ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ ብተስፋ ይጽበ ኣሎ። እቲ ዘገርምን ዘሕዝንን ግን እምነት ባሃኢ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ ተፈጺሙ ብምባሉ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኩሉ ክርስትያን ዝጽበዮ ዘሎ ምጽኣት ክርስቶስ ተፈጺሙ እዩ፡ ብሕጂ ካልኣይ ምጽኣት የሱስ ዝበሃል ነገር የለን እዩ ዝብል እቲ ናይ ባሃኢ እምነት። ብኸመይ ተፈጺሙ ዝብል ሕቶ ምስዝቐርብ ድማ፡ “ብምግሃድ ምርዛ ሑሴን ዓሊ (ባሃኡላህ) ዝብል መልሲ እዩ ዝወሃበካ። ስለዚ ሚርዛ ሑሴን ዓሊ (ባሃኡላህ) የሱስ ክርስቶስ ማለት እዩ (ብእምነት ባሃኢ)። ምስ ሓንቲ ኣማኒት ባሃኢ ኣብ ዘዕለልኩሉ እዋን፡ ነዚ ሕቶ ምስኣቕረብኩላ፡ “እወ ባሃኡላህ ናትና የሱስ ክርስቶስ እዩ” ኢላትኒ። እንተ ሓሰብናዮ’ውን ሚርዛ ሑሴን ዓሊ “ኣነ እቲ ክመጽእ ዝግብኦ ቅቡእ እየ እንተ ኢሉ፡ “ኣነ የሱስ ክርስቶስ እየ” ይብል ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ዘሕዝን ኣመንቲ ባሃኢ ነዚ ነገር ብምእማኖምን ብምቕባሎምን እዩ። የሱስ ክርስቶስ፡ ከምዚ ዓይነት ስሕተት ሰይጣን ከምዘለዓዕል ኣቐዲሙ ነጊሩ እዩ “ብዙሓት ብስመይ፡ ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ፡ ክመጹ እዮም ንብዙሓት’ውን ከስሕቱ እዮም” (ማቴ 24፡4-5)። ካልኣይ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ግን ኣይተፈጸመን። የሱስ ንኽመጽእ ግን፡ ብቐዳምነት ኩሉ እቲ ምልክታት ናይ ምጽኣቱ ክፍጸም ኣለዎ። እቲ ብቐሊሉ ክንፈልጦ እንኽእል ዘይተፈጸመ ትንቢት እምበኣር እቲ ብስራት ናይ ወንጌል ናብ ኩሉ ሰብ (ብዘላ ዓለም) ጌና ዘይምብጽሑ እዩ (ማቴ 24፡ 14)። እቶም ወንጌል ዘይሰምዑ ኣብ ጫፋት ዓለም ዝርከቡ ኣህዛብ መጀመርታ ክብጽሑ ኣለዎም። ብድሕርዚ’ዩ ጎይታ ዝመጽእን መወዳእታ ዓለም ዝኸውንን። ስለዚ ባሃኡላህ የሱስ ክርስቶስ ኣይኮነን፡ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ’ውን ጌና ኣይተፈጸመን።
ካልኦት እምነታት ብዓይኒ እምንነት ባሃኢ
እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ እቲ ሕጋጋት ንህዝቢ እስራኤል ምስሃቦም፡ ኣብ ዘዳግም 18፡15፡ ካልእ ነቢ ድማ ክሰደሎም ምዃኑ፡ ንዕኡ ድማ ክሰምዕዎን ክእዘዝዎን ከምዘለዎም ነገሮም። ነዚ ትንቢት ዝፈጸመ የሱስ ክርስቶስ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ዕርገት ጎይታና የሱስ ዝመጽእ ድማ፡ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምበር፡ ብፉሉይ ዝተቐብአ ካልእ ሰብ ከምዘይኮነ መጽሓፍ ቁዱስ ይነግረና (ግብ 1፡11፣ ማቴ 16፡27፣ 24፡30)። እምነት ባሃኢ ግን ካብዚ ኣዝዩ ዝተፈልየ ነገር እዩ ዝምህር። ንሱ ድማ፡ ኩሉ እምነታት ብፍላይ ከኣ እተን ቀንዲ 9 እምነታት (ኣይሁድ፡ ሂንዱ፡ እምነት ዞራስተር፡ እምነት ቡድሃ፡ እምነት ኮንፉሽየስ፡ ምስልምና፡ ክርስትና፡ እምነት ባሃኢ) ካብ እግዚኣብሄር ንህዝቢ ዓለም ዝተዋህባ እምነታት እየን ይብል። እቶም ነብያት ናይዘን እምነታት ወይ ሃይማኖታት ድማ (ሙሴ፡ ክሪሽና፡ ዞራስተር፡ ቡድሃ፡ ኮንፉሽየስ፡ መሓመድ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ባሃኡላህ) ናይ እግዚኣብሄር ቅቡኣት፡ እግዚኣብሄር ብመገዶም ገይሩ ዝተገልጸ ሰባት እዮም። እቲ ዘምጽእዎ ሃይማኖት ድማ ምስቲ ዘመን (ምዕባለ) እንዳተማሓየሸ ዝመጸ እዩ፡ ይብል ናይ ባሃኢ እምነት።
እቲ ዘገርም ግን፡ የሱስ ባዕሉ “መገዲን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ ብዘይ ብኣይ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የለን” (የው 14፡6) እንተ ኢሉ፡ ከመይ ኢሎም ደኣ እቶም ካልኦት (ብእምነት ባሃኢ ነብያት ዝበሃሉ) መገዲ ወይ ሓቂ ወይ ሂወት ክኾኑ ዝኽእሉ፧ እታ ናብ ኣቦ እንመጸላ መገዲ በታ ናይ የሱስ ጥራይ ካብ ኮነት’ከ፡ ከመይ ኢልና በቲ ናይቶም ካልኦት መገዲ ናብ ኣቦ ክንበጽሕ ንኽእል፧ ብዘይካ እዚ፡ ኩሉ ካልእ እምነታት ቁኑዕ ነይሩ እንተዝኸውን ስለምንታይ የሱስ “ናብ ብዘላ ዓለም ኪዱ ንኹሉ ፍጥረት’ውን ወንጌል ስበኹ” (ማር 16፡15) ዝበለ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ “እቲ መድሓኒ ኣነ ምዃነይ ካልኦት ከምዘይኮኑ ንኹሉ ሰብ ንገርዎ” ኢሉ ማለት እዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ካልእ እምነታት ካብ እግዚኣብሄር በብግዚኡ ንህዝቢ ዓለም ዝተዋህበ እምነታት እዩ ዝብል ሓሳብ፡ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ብዘይካ እዚ፡ ዋላ’ኳ ኣመንቲ ባሃኢ ኣይእመንሉ ኣብ ኩለን ዘለዋ ሃይማኖታት ዓቢይ ፍልልይ ወይ ጋግ ናይ እምነትን ስርዓታትን ከምዘሎ ኩላትና እንርእዮን እንፈልጦን ጉዳይ እዩ። እግዚኣብሄር ግን ናይ ሕንፍሽፍሽ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ ሕግታቱን ቃላቱን ዘልኣለማዊ እዩ (ማቴ 5፡18)። ስቕ ኢሉ ካብ እምነት ናብ እምነት እንዳ ነጠረ ሓሳባቱ ዝለዋውጥ ኣምላኽ ኣይኮነን።
ህልውና ሰይጣንን ኣጋንንትን
ክርስትና፡ ሰይጣንን ኣጋንንትን ብኣካል ከምዘለዉ እዩ ዝምህር። እምነት ባሃኢ “ሰይጣን ዝበሃል የለን፡ ኣጋንንቲ’ውን የለዉን፡ ሰባት ግን ኣብ ውሽጥና ሕማቕ ባህርያት ጥራይ ኣለና” እዩ ዝብል። እዚ ኣንጻር መጽሓፍ ቁዱሳዊ እዩ። ሰይጣን ዘየለ እንተኾይኑ ደኣ፡ እቲ ንእዮብ ዝተጻረሮ መን እዩ (እዮ 1፡6-12፣ 2፡1-7)፧ ባህርያት ጥራይ ድዩ ነይሩ ወይስ ኣካል፧ እቶም ካብቲ ኣብ ሃገር ገርጌሴኖስ ኣብ መቓብር ዝነብር ዝነበረ ሰብኣይ ዝወጹ እሞ ናብቶም ሓሰማታት ዝኣተዉ’ኸ (ማር 5፡2-13) እንታይ ንበሎም፧ ባህርያት (ጠባይ) ወይስ ኣጋንንቲ፧ ባህርያት’ዶ ናብ ሓሰማታት ክኣቱ ይኽእል እዩ፧ እቲ ኣብ ማርቆስ 1፡23-27 ካብቲ ሰብኣይ እናገዓረ ዝወጸ መንፈስ’ከ፧ ብዘይካ’ዚ ሃዋርያ ጳውሎስ “ቅልስና ምስ ደምን ስጋን ከምዘይኮነ፡ ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ከምዝኾነ ብምዝራቡ (ኤፌ 6፡11-12)፡ መናፍስቲ እከይ (ኣጋንንቲ) ብጋህዲ ከምዘልዉ ዘረድእ ‘ዶ ኣይኮነን፧ እቲ መልሲ ናባኹም እገድፎ። ………………….
እቲ ዘሕዝን ኣብ እምነት ባሃኢ፡ ንሰይጣንን ኣጋንንትን ከምዘየለዉ ስለ ዝቑጸሩ፡ ኩሉ ሓጥያትን ናይ እከይ ግብርን መሰረቱ ሰብ እዩ ኢሎም ብምእማኖም እዩ። መሰረት ኩሉ ሓጥያት ግን ሰይጣን እዩ።
ተወሳኺ ጥቕስታት ማቴ 4፡1-11፣ 12፡43-45፣ ማር 3፡11፣ 9፡17-29፣ 2ቆሮ 2፡11፣ ራእ 12፡7-12፣ 20፡1-3።
ህልውና ገሃነም እሳት
መጽሓፍ ቁዱስ፡ ገሃነም እሳት (ቀላይ ሓዊ) ከምዘሎ፡ ንሰይጣንን ኣጋንንትን ተባሂሉ ድማ ከም ዝተዳለወ ይምህር (ማቴ 25፡41፣ ራእ 20፡10)። እምነት ባሃኢ ግን ገሃነም እሳት ወይ ቀላይ ሓዊ ዝበሃል ነገር የለን እዩ ዝብል። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ሓዊ ዝብል ቃል ልክዕ ከምቲ ንሕና እንፈልጦ ዘሳቒ ወይ ዘቐንዙ ሓዊ ማለት ኣይኮነን እዩ ዝብል ናይ ባሃኢ እምነት። ኣብ ሉቃስ 16፡19-31 ምስ እንርኢ፡ ዛንታ ናይ ኣልኣዛርን እቲ ሃብታም ሰብኣይን ንረክብ። ኣብዚ፡ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ ህይወት ናብ ሲኦል ይድርበ እሞ ብሃልሃልታ ድማ ይሳቐ፡ ንኣልኣዛር ድማ ብማይ ገይሩ ንልሳኑ ከዝሕለሉ ይሓትት። ጸኒሑ ድማ እቲ ንዕኡ ዝወረዶ ስቓይ ናብቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ከይበጽሕ ብምስጋእ ንኣልኣዛር ናብ ምድሪ ክለኣኽ ይሓትት። ኣወንታዊ መልሲ ግን ኣይረክብን። እምበኣር ሲኦል እንተዘይህሉ እዚ ናይ ኣልኣዛርን ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን ታሪኽ ግጉይ ወይ ሓሶት ማለት እዩ። ኣነ ግን ከም ክርስትያን፡ እቲ ነዚ ታሪኽ ዝተረኸ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ይጋገ ወይ ይሕሱ ኢለ ኣይኣምንን እየ። ብዘይካ’ዚ ናብ ዘልኣለም ስቓይ ዝኸዱ ሰባት ከምዘለዉ ማቴዎስ 25፡46 ይነግረና። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ድማ፡ እቲ ኣራዊትን ናይ ሓሶት ነብይን ሰይጣንን (ራኢ 19፡20፣ 20፡10)፡ ከምኡ’ውን ኩሎም ኣብ መጽሓፍ ሂወት ኣስማቶም ዘይተጻሕፈ (ራኢ 20፡15)፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ክድርበዩ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይነግር። እምነት ባሃኢ ግን ካልእ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፡ ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንሰባት ናብ ቀላይ ሓዊ ዝድርቢ እንተደኣ ኮይኑ ጨካን ማለት እዩ፡ እግዚኣብሄር ግን ክሳብ ክንድኡ ንሰባት ኣይጭክነሎምን እዩ፡ ይብል። እግዚኣብሄር ግን ጻድቅ ፈራዲ እዩ (ኢሰ 45፡21፤ ዘዳ 32፡4)። ሰብ ናብ ናይ ዘልኣለም ስቓይ ከይወድቕ ኢሉ ድማ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣዳልዩልና ኣሎ (የው 3፡18)። እቲ ውሳኔ እምበኣር ናትና እዩ፡ ንየሱስ ምስ እንሓሪ ናይ ዘልኣለም ሂወት ንረክብ። ዝኾነ ይኹን ካብዚ ወጻኢ ግን መወዳእታና የኽፍእ።
ገሃነም እሳት የለን ምባል ግን፡ ሰባት ነቲ ናይ ዘልኣለም ፍርዲ ሸለል ንኽብሉ ይገብር እሞ፡ ንሂወቶም ከይሰርዑን፡ ነቲ መድሓኒ ድማ ንኸይቅበሉ ዝምህርን ዘተባብ ዕን ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል።
ተወሳኺ ጥቕስታት፡ መዝ 16፡10፣ 55፡15፣ ዳኒ 12፡2
መደምደምታ
ዕላማ እምነት ባሃኢ እንታይ እዩ ኢልና ክንሓትት ኣገዳሲ ይመስለኒ። ሕጽር ብዝበለ እምበኣር፡ እምነት ባሃኢ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ናብ ሓደ እምነትን ትምህርትን (ባሃኢ) ንምምጻእ እዩ። ኩሉ ሰብ ዓለም ኣማኒ ባሃኢ ኮይኑ ብሓደ ዓይነት ኣካይዳ ቁጠባ (ሓደ ገንዘብ)፡ ብሓደ ቋንቋ፡ ብዘይኣፈላላይ ሃይማኖትን ባህልን፡ ሃገረይ ሃገርካ ዘይብሉ፡ ኮታስ ዓለም ብምልእታ ናብ ሓንቲ ቁሸት ተቐይራ ብሓደ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ክትምራሕን ክትቅየድን እሞ፡ ሰላም ክትረክብ እዩ እቲ ዕላማ ባሃኢ። ነዚ ብኣንጻሩ ክርስትና፡ ኩሉ ሰብ ድሕነት ብክርስቶስ ረኺቡ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክጎናጸፍ እዩ ዕላምኡን ጻዕሩን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እምነት ባሃኢ፡ ነቲ ቀንዲ ዕላማ ክርስትና ዝኾነ “ድሕነት ብወንጌል” ዝብል ኣርእስቲ ጎስዩ ዕላምኡ ናብ ምቕያር ዓለማዊ ስርዓት ገይርዎ ኣሎ። እዚ ግን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን ዝግበር ዘሎ፡ ኩሉ ዕላማን ኣካይዳን እቲ እምነት ምስ እንርኢ፡ ነቲ ጸረ ክርስቶስ ተባሂሉ ዘሎ፡ ወይ እቲ የውሃንስ፡ ኣራዊት ኢሉ ሰምዩዎ ዘሎ መራሒ (ራእይ 13)፡ ባይታ ዘጣጥሕ ሃይማኖታዊ ስርዓት እዩ። እቲ ጸረ ክርስቶስ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ክግዝኦን ክሰግደሉን ብትእዛዛቱን እምነቱን ክኸይድ ጥራይ እዩ ዝደሊ። ነቲ ዘይእዘዞን ዘይሰግደሉን ድማ ይቐትል(ራኢ 20፡4)። እምነት ባሃኢ ኣምበ ኣር ነዚ ኣብ ዳኒኤልን (ምዕራፍ 2 ን 7ን) ራእይ ዮውሃንስን (ምዕራፍ 13) ከምዝመጽእ ተነብዩሉ ዘሎ ሰብኣይ፡ እንቛዕ ብድሓን መጻኻ ኢሉ፡ ንህዝቢ ዓለም ጠርኒፉ እንካ ተረከቦም ንኽብሎ ተዳልዩ ዘሎ እምነት እዩ።
ሓጺር መግለጺ እምነት ባሃኢ
ዕላማ እምነት ባሃኢ እንታይ እዩ ኢልና ክንሓትት ኣገዳሲ ይመስለኒ። ሕጽር ብዝበለ እምበኣር፡ እምነት ባሃኢ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ናብ ሓደ እምነትን ትምህርትን (ባሃኢ) ንምምጻእ እዩ። ኩሉ ሰብ ዓለም ኣማኒ ባሃኢ ኮይኑ ብሓደ ዓይነት ኣካይዳ ቁጠባ (ሓደ ገንዘብ)፡ ብሓደ ቋንቋ፡ ብዘይኣፈላላይ ሃይማኖትን ባህልን፡ ሃገረይ ሃገርካ ዘይብሉ፡ ኮታስ ዓለም ብምልእታ ናብ ሓንቲ ቁሸት ተቐይራ ብሓደ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ክትምራሕን ክትቅየድን እሞ፡ ሰላም ክትረክብ እዩ እቲ ዕላማ ባሃኢ። ነዚ ብኣንጻሩ ክርስትና፡ ኩሉ ሰብ ድሕነት ብክርስቶስ ረኺቡ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክጎናጸፍ እዩ ዕላምኡን ጻዕሩን።..........
ሓጺር መግለጺ እምነት ባሃኢ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode