1. ኢካቦድ! ብሰንኪ ደቂ ብልያልን ብሰንኪ መንፈሳዊ ሓላፊነቶምን ግዴቶኦም ዝዘንግዑ ዑኑዳት ኣገልገልቲ!!! ﷽ደቂ ኤሊ ግና ደቂ ብልያል ነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥዎን፡፡ 1ሳሚ2፥12 ይብል፡፡ ደቂ ብልያል፡- ማለት ደቂ ኽፍኣት፥ ደቂ ሓጢያት ማለት እዩ፡፡ ኢካቦïድ፡- ማለት ድማ ኽብሪ እግዚኣብሄር ረሓቐ ማለት እዩ፡፡ እዚ ቃል ከምትቅም ገለ ገሌና ኽብሪ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዝረሓቐ ደንጉዩ ዝተረደኦና ከምኡ}ውን እታ ደንጉዩ ዝተረደኣ ሰበይቲ ፊንሃስ ዝተዛረበቶ ቃል እዩ፡፡ (1ሳሚ4፥19-22)፡፡
እዛ ሰበይቲ ደንጉዩ ምስ ተረደኣ ብምእማን ክትንሳሕ ምኽኣላ}ውን ሐደ ዓቢ ቁም ነገር እዩ፡፡ እተ ዘደንግጽ ግና በዚ ሕጂ ጊዜ ካብ ሰይቲ ፊንሃስ ዝገደዱ፥ እዞም ኣብ ዘመና ዘለው መማህራን ሖሶት ኽብሪ እግዚኣብሄር ካብኦምን ካብቶም ዝግብትወን ማሕበራትን ኣዝዩ ከም ዝረሓቐ ክሳብ ሕጂ ተረዲኦም ብንስሓ ናብቲ ዝነበሩሉ ማሕበር ክምለሱ ዘይምድላዮም እዩ፡፡ ንምዃኑ ኽብሪ እግዚኣብሄር ካብ ማሕበር እስራኤል ብሰንኪ መን}ከ ክርሕቅ ከኣለ? ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ፥ ኽብሪ ኣምላኽ ካብ ማሕበር እስራኤል ክርሕቅ ዝከኣለ ብሰንኪ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሑ ደቂ ብልያንን፥ ብሰንኪ እቲ መንፈሳዊ ሓላፍነቱን ግዴቱኡን ክፍጽም ዘይከኣለ፥ ካህን ኤሊ ምዃኑ ነንብብ፡፡ እዚ ማለት ብሰንኪ 3 (ሰለስተ) ስባት ማለት እዩ፡፡ ኢካቦድ ብሰንኪ መን፡-
ሀ. 1. ብሰንኪ ንሕብረት ኣምላኽ ብምንዓቕ ንርእሶም ዝፈለዩ፡-
ህዝቢ እግዚኣብሄር ብመስዋእቲ ንኣምላኽ ንምምላኽ ናብ ! "ሺሎ" በብእዋኑ ይመጹ ነበሩ፡፡ ካብ ቃሉ ከምእንርድኦ በዚ ጊዜ ዘቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእቲ ናይ ሕብረት መስዋእቲ ከምዝነበረ ንርዳእ፡፡ (ዘሌ10፥14-15)፡፡ በዚ እዋን እተቅም "ደቂ ብልያልን ዝኾኑ ካህናት ኦፍኒን ፊንሃስን፥ ምስ ጊልያታት ካህናት ካብቲ ናይ ሕብረት መስዋእቲ ርእሶም ብምፍላይ፥ ነቲ ናይ ሕብረት መስዋእቲ ብምስዋእ ምስ ኣምላኽ ሕብረቱ ከጽንዕ ንዝመጸ እስራኤልያዊ 3 ኣዝዮም የጨንቅዎ ነበሩ፡፡ ቐዳማይ ምስቲ ህዝቢ ኣምላኽ ናይ ሕብረት መስዋእቲ ብዘይምዕራግ፥ ነቲ ናይ ሕብረት መስዋእቲን፥ ንኣምላኽን ይንዕቑ ነበሩ፡፡ ኻልኣይ ነቲ ናይ ሕብረት መስዋእቲ ንኣምላኽ ቅድሚ ምቅጻሉ፥ ንርእሶም ቅድሚ ኣምላኽን ልዕሊ ኣምላኽን ብምስራዕ ከም ንኣሽቱ ኣማልኽቲ፥ ንጊልያታቶም ብምልኣኽ ካብቲ ንሕብረት መስዋእቲ ዝስዋእ ስጋ ፈልዮም እቲ ዝበለጸ ስጋ ማለት ብርንዶ ብሓይሊን ብኣስገዳድን ይወስድ ነበሩ፡፡ ስለዚ ንሕብረት ኣምላኽ ኒዒቆም ርኩስ ትምኒት ስጋኦም ብሓይሊ ንምፍጻም ርእሶም ካብቲ ሕብረት ምፍላዮምን፥ ነቲ ናይ ሕብረት መስዋእትን፥ ንኣምላኽ ምንዓቆምን፥ ኣዝይ ዓብይ ሓጢያት ከምዝነበረ ካብ ቃሉ ነንብብ፡፡
". . ሽዑ እቲ ሰብኣይ፡ ቅድም እቲ ስብሒ ፍጹም ይሕረር፡ ደሓር ነፍስኻ ዝደለየቶ ውሰድ እንተበሎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ኣይፈል ሕጂ ደኣ ሀበኒ እንተ ዘይኰነስ ብሓይሊ ኽወስድ እየ ይብሎ ነበሩ፡፡ እቶም ሰባት በዚ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቅዎ ነበሩ፥ እሞ ሓጢኣት እቶም መንእሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዓብይ ነበር፡፡" 1ሳሙ2፥16-17 ይብል፡፡
ልኽዕ ከምዚ ብዘመና ነቲ ኣብ ውሽጦም ኾይኑ ዝዋጎኦም ስጋዊ ትምኒት ብሓይሊ ወይ ብግዲ ንምፍጻም ክብሉ በብእዋኑ ርእሶም ካብ ማሕበር ኣምላኽ ብምፍላይ ንስጋዊ ትምኒታቶም ዘዕግባን ዘርውያን ማሕበራት ብምምስራት፥ ከም ደቂ ብልያልን ከም ሰብ ቆሮንጦስ ንኣምላኽን ንማሕበሩን ዝነዓቑ ኣገልገልቲ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፡፡"..ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኩም ነቶም ዘይብሎም ውን እተሕፍርዎም ዘሎኹም? እንታይ እሞ ኽብለኩም?" 1ቈረ11፥22 ይብል፡፡
ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ርኽብ ብዛዕባ እቶም "ንእሽቶ ኣምላኽ፥ ክርስቶሳ" ምዃኖም ክሰብኹ ንርእሶም ዝፈለዩ ደቂ ብልያል፥ ጠባቃ ኾይኖም ዝቆሙ ምርኡያት ኣገለልገልቲ፡- "እተቅም ርእሶም ዝፈለዩ ማሕበራ እታ ቤት ኣምላኽ ብዝዕባ ምፍላይ ቅዋም ከየወጸኦት ከላ፥ ዝተፈለዩ ስለዝኾኑ ከም ገበነን ዓመጸኛን ኽቅጾሩ ኣይግብኦምን፡፡" ክብሉ ተዛረበ፡፡ በዚ ዘረብኡ ነቲ ቅዋም ሰብ፡ ልዕሊ ቃል ኣምላኽ ብምስራዕ፡ ነቲ ቅዲሚ ኣሻሓት ዘመናት ኣብ ምሳሌ 18፥1 "እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒት (ስጉኡ) ይደሊ፡ ንዂሉ ጥበብ}ውን ይቃዋም፡" ዝብል ቃል ሓቂ፥ በቲ ብተደጋጋሚ ግዳይ ውርደት ዝገበሮም ቅዋም ብርእዮ ክዕምጽጽዎን ከጥፍእዎን ፈተኑ፡፡ ከምዚ ዝበሉሉ ምኽንያት ከምቲ ቃሉ "ይታኣካከቡ ግና ካባይ ኣይሠላነን" ዝብል ነቲ ካብ ኣምላኽ ዘይኾነ ሕቡእ ስጋዊ ኣ-ንደኦም ንምፍጻም እዩ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ንዓመጸኛታት ዘጽድቕ ቕዋሞምን እቲ ስጋዊ ኣ-ንደኦም ንሓዋሩ፡ ኣምላኽ ከጥፍኦን ክፈርዶን ከም ዝተንሰኦ ክሳብ ሕጂ ዘይምስትውዓሎም፥ ኢካቦድ ዘብል እዩ፡፡
2. እተቅም ደቂ ብልያል ኣመንዝራታት ነበሩ፡-
"ኤሊ ኸኣ ኣዝዩ ኣረገ፥ እቲ እቶም ደቂ ኣብ ብዘለው እስራኤል ዝገበርዎ ዂሉን ምስተን ኣብቲ እግዚኣብሄር ዚርከበሉ ድንኳን ዜገልግላ ኣንስቲ ከምዚድቅሱን ሰመዐ፡፡" 1ሳሙ2፥22 ይብል፡፡ እተቅም ደቂ ብልያል ንኣምላኽ ንማሕበሩ ብምንዓቅ ንርእሶም ካብቲ ናይ ሕብረት መስዋእቲ ዝፈለዩ ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልቦም ዝተቐብረ ትምኒታት ስገኦም ንምፍጻም እዩ፡፡ ካብ መንጎ እቲ ትምኒታቶም እቲ ሓደ ምንዝርና እዩ፡፡ በዚ ሕጂ ገለ ካብተን ብደቂ ብልያል ዝምርሓ ማሕበረት ጥቅስታት ኣሰንዮም ነዚ ዘሐፍር ናይ ምንዝርና ተግባራት ኣጸብቆም ይለማመዱ እዮም፡፡ "ቃሉ ኣቦካን ኣዴኻን ኣኽብር እዩ ዝብል፡፡ ኣነ ድማ መንፈሳዊ ኣቦኪ እየ፡፡ ንኣቦኻ ድማ ዝኸበረ ነገር እኻ ትህቦ፡፡ እቲ ናትኪ ዝኸበረ ነገር ድማ ድንግልናኺ እዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ዝከበረ ንዓይ ንመንፈሳዊ ኣቦኺ ክትህቢኒ ይግባእ፡፡ ከምዚ እንተጌርኪ እቲ ኣባይ ዘሎ ናይ ሓዋርያነት ቅብዓት ናባኪ ብርግጽ ክሰግር እዩ፡፡" ብምባል ናይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድንግልና ከምዘብረሱ ይፍለጥ፡፡ ሓዳር ንዘለወን ከይተረፍ፡፡ ከምኡ'ውን፡- "ንሕና መንፈስ ስለዝኾና ብስጋ እንሰርሖ ሓጢኣት ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ መንፈስ እምበር ስጋን ደምን መንግስተ ሰማያት ስለ ዘይወርስ፥ ብስጋ እንፍጽሞ ሓጢኣት ኣይኮነን፡፡ ብምባል ኣብ ድንዃን ዘመንዘሩ ደቂ ብልያል ክንደይ ይኾኑ? በዚ ምኽንያት ተሳናኺለን ንመድሓኒኦን ዝገደፈ ብዝሐን ክንደይ ይኾና? እዚ ኢካቦድ! ኢካቦድ!!! ዘብል}ዶ ኣይኮነን?
ለ.1 ኢካቦድ፡- ብሰንኪ ካብ ኣምላኽ ንደቂ ብልያል ዝሕለቑ ኣገልገልቲ፡-
ብኻልኣይ ኢካቦድ፡- ኽብሪ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ክርሕቅ ዝኸኣለ፥ ኤሊ ነዚ ተግባሮም ክስምዕ ከሎ፥ ነዞም ደቂ ብልያል ብጥራሽ ብምውጋድ መንፈሳዊ ሓላፈነቱን ግዴታኡ ብዘይ ምፍጻሙ እዩ፡፡ 1ሳሙ2፥29 "ካብ ኲሉ እቲ መስዋእቲ ህዝቢ እስራኤል በብሉጹ በሊዕኩም ምእንቲ ኽትሰብሑ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ?፡፡ 1ሳሙ3፥13" እቶም ደቁ ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምጹኡ እናፈለጠስ፡ ብዘይ ምኽልካሎም ስለ ዝበደለ፡ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርዳላ ኣፍሊጠዮ እየ እሞ፡ በደል ቤት ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ብልዒ ንዘለኣለም ኣይረሕቕን እዩ ኢለ ምሒለ እየ፡፡" ይብል፡፡ ኤሊ ብዝተፈላለየ ርእሱ ዝፈጦሮ ምኽንያታት ከወግዶም እንተዘየደለየ እኳ እግዚኣብሄር ግና ንፍልስጤማውያን ብምጥቃም፥ ብጥራሽ ኣወገዶም፡፡ እዚ ንደቂ ብልያል ናይ ምውጋድ መስርሕ ድማ 4+30 = ብሓፈሹኡ 34 ሺህ ሰባት ከምዝለከመ ነንብብ፡፡ 1ሳሙ4፥1-11፡፡ ኤሊ መንፈሳዊ ግዴቱኡ ፈሊጡ ነዞም 2 ሰባት እንተዘወግዶም ነይሩ፥ እተቅም ኹሎም 34 ሽህ ህዝቢ ኣምላኽ ኣይምተለከሙን ነይሮም፡፡ ልኽዕ ከምዚ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ደቂ ብልያል መንፈሳዊ ግዴቶኦም ክንፍጽሙ ዘይከኣሉ ገለ ኣገልገልቲ፡- 1ይ ኽብሪ ኣምላኽ ካባና ሪሕቁ፡፡ 2ይ እቲ ነዞም ዓመጸኛታት ኸጽርይ ዝመጸ ፍርዲ ንብዙሓት ለኪሙ ኣጨኒቁን ይርኸብ፡፡ እተቅም ገለ ኣገልገልቲ ከም ኤሊ ኣብኽንዲ ንኣምላኽ፥ ነቶም መማህራን ሓሶት ብምሕላቕ፥ ነቲ መንፈሳዊ ግዴቱኡ ተረዲእዎ ብትብዓት ንደቂ ብልያል ንዘወግድ ኣገልጋሊ ተገልቢጦም ዝቃዋሙን፡ እዱ ብምቁራጽ ብርዑ ከግድፉ ዘይሓፍሩ ኣዝዮም ደፈራት እዮም፡፡ እብኽንዲ ንኣምላኽ ምግልጋል ገዛ ገዛ እናዘሩ፡- "እዚ ኣገልጋሊ ሽግር ዘለዎ ምንቃፍ ጥራይ ዝፈልጥ ስለዝኾነ ኣብ ቤትኩም ከይትቕበልዎ" ብምባል ፈተውቲ ዝነበሩ ተገልቡጦም ነቲ ሓወይ ዝበልዎ በቲ ሰይፍ ዝኾነ ልሳናም ወጊኦም ከጥፍእዎ ዝጽዕሩ እዮም፡፡ ከምዚ ኽከውን ናይ ግድን እዩ፡፡ እተቅም ንምንታይ ሓቂ ተዛራብካን ጽሒፍካን ብምባል ከም ኤሊ ንኣምላኽ ገዲፈም፥ ንደቂ ብልያል ብምኽባር ዝጣበቑሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢልና}ዶ ምበልናዮም? ከምይ እንተበልና ኣገልጋሊ ኣምላኽ ንእግዚኣብሄር እምበር ንደቂ ኤሊ ጥብቕና ክቐውም ኣይጽዋዕን እዩ፡፡ እዞም ከምዚ ዓይነት ኣገልገልቲ ንሰባት ልዕሊ ኣምላኽ ሓለይቲ መሲሎም ኽቐርቡ ዝፍትኑ፥ ብርግጽ ባሪያ ሰባት እዮም፡፡ ማቴ 23፥29-36፡፡
ካብዚ ኲሉ መለከታዊ ሓቂ ንዓና ዝጠቅመና ሓደ ዓብይ ቁምነገር ንረክብ፡፡ ንሱ}ውን ብሰንኪ ዝሰሓቱን ብሰንኪ ነቶም ዝስሓቱ ዘየወግዝ ኣገልጋሊ ኽብሪ ኣምላኽ ካብ መላእ ማሕበር ኣምላኽ ክርሕቅ ከም ዝኽእል ኣጸቢቅና ንርዳእ፡፡
በሉ እቲ ፍረ ናይ ዞም ርእሶም ዝፈለዩን ደቂ ብልያልን ናይ ዘመና ተሓለቅቲ ኤሊታት እዚ ካብ ኮነ፥ ኽብሪ ኣምላኽ እንደገና ኣባና ምእንቲ ክግለጽን ንሕናውን እንደገና ምእንቲ ክንፍወስ እንተይ ንግበር? እቲ መልሲ ኽልተ እዩ፡፡ ንሱ ድማ እዚ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክፍወስ ናይዚ ሕማም ምንጩ ካበይ ከምዝነቐለ ታሪኹ ምምርማር፤ ብኻልኣይ ነዚ ሕማም ካብ ስሩ ንምምሓው እኩል መድሓኒት (full dose) ምሃብ እዩ፡፡ ሓደ ብሉጽ ዶክተር ሓደ ካብተን ብስጋዊ ርኽብ ዝመሓላለፈ ሕማማት ዝተበከለ ሕሙም ክመጾ ከሎ፥ ዋላ እኳ እቲ ሕሙም ከም ዘመንዘረ ነተ ዶክተር ክነግሮ እንሓፈረ፥ እቲ ዶክተር ግና ነቲ ሕማሙ ንምፍዋስ ዝተፈላለየ ናይ ደምን ካልእን ምርመራታት ብምግባር ናይቲ ሕማም ስር ወይ ምንጪ ይረኽቦ፡፡ ብምቕጻል ነቲ ሕሙም፡- ኽሓምም ዝኸኣለ ብምምንዛሩ ከም ዝኾነ ብምንጋር፥ ድሕሪ ሕጂ ክጥንቐቅ ብምምዓድ እኩል መድሓኒት (full dose) ይሕቦ፡፡ ልኽዕ ከምዚ ብዛዕባ እቶም ደቂ ብልያል ዝኾኑ ናይ ዘመና ሓዋርያት እና በሃልቲ ክንዛረብ ከለና፥ መጀመሪያ እዞም ደቂ ብልያል ካበይ ከም ዝተፈልፈሉ ስር መሰረቶምን ምንጮምን ክምርመር ኣለዋ፡፡ እሞ እዞም ኣዝዮም ሕሉፋት ሓዋርያት ምንጮምን ሱሮምን ካበይ እዮ? ካብተን ብዓመጽ ርእሰን ዝፈለያ ማሕበራት እዩ፡፡ ስለዚ ፍጹም ፈውሲ እንተተደልዩ እቲ ዘሎ ኹነታት ብዘየገድስ ንደቂ ብልያል ዘፍረያ ማሕበራት ታሪኸን ከመይ ከምዝኾነ ኽዝርዘርን ካብዚ ናይ ውደቐት ታሪኽ ክንማሃር ናይ ግድን እዩ፡፡ መጽሐፍ ቅዱስ ናይ ብዙሓት ከም ዳዊት ዝመሰሉ ኣገልገልቲ ዓወትን ውድቐትን፥ ዝፈጸምዎ ገበንን ብግልጺ ተጻሒፍ ኣሎ፡፡ ንምንታይ ኣምላኽ ነቲ ዘሕፍር ናይ ውድቐት ታሪኾም ገዲፉ፥ ጽድቂን ዓወትን ናይቶም ሰባት ጥራይ ክጻሓፍ ዘይገበረ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ እንተዝከውን ነይሩ፡- 1ይ ንሕና ካብቶም ከም ዳዊት ዝመሰሉ ብጽድቅን ዓወትን ዝተመልኡ ሰባት፥ ምንም ነገር ኣይምተማህርናን ኔርና፡፡ 2ይ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ናይ ጻድቃን እምበር ናይ ሓጥኣን መጽሓፍ ኣይምኾነን ነይሩ፡፡ ስለዚ እቲ ዝመጽእ ወለዶ ነዚ ብዘመና ዝተገብረ ብምድጋም ንኣምላኽ ከየሕዝኑ፥ ታራኽ ናይዞም ምንጪ ሓዋሪያት ሓሶት ዝኾኑ ማሕበራት ኽዝርዘርን ክጻሓፍን ናይ ግድን እዩ፡፡ ምናልባት ናይታ ዘለካያ ማሕበር ስም እንተተጻሕፈ ከም ዳዊት ክትንሳሕ እምበር ከሕምመካ ብፍጽም ኣይግባእን፡፡ ናይ ዳዊት ናይ ውድቐታት ታሪኹን መንፈሳዊ ሕማሙን ብምጽሓፎም፥ ዳዊት ኾነ ኣዝማድ፥ ነቶም ንዓና ትምህርቲ ክኾነና ኢሎም ብመንፈስ ቅድስ ተደሪኾም ዝጻሓፍዎ ናይ ኣምላኽ ሰባት ኣይተቃወውዎምን፡፡ ንስኻ ውን እንደገና ከም እተመለስካ ታሪኻ ክጻሓፍ ምእንቲ፥ ተነሳሕ እንበር ልብኻ ኣይትተርር፡፡ ኻልኣይ ካብ ሕማምካ ንኽትፈወስ ነቲ ኣምላክ በዛ ጽሕፍቲ ገይሩ ዝሃበካ መድሓኒት ውሰድ፡፡ ነቲ ኣብ ውሽጥካ ዘሎ ጓሓፍ ትምህርቲ ሓሶት ኣቃጽሎ፡፡ ሃመማ ንምጥፋእ ዝደልይ ሰብ ንርስሓት ብጥራሽ የጥፍኦ፡፡ ከምኡ}ውን ትምህርቲ ሓሶት ንምጥፈእ ነቲ ትምህርቲ ሓሶት ዘጫጫሓ ማሕበራት ጠፊኤን ናብቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ብሓደ ትምህርቲ እትምራሕ ማሕበር ክመጹ ይግባእ፡፡ እቲ እግዚኣብሄር ካብ ቀደም ጀሚሩ ብብዝሐት ነብያት ዝተዛረቦ፥ እዚ እዩ እሞ ልብና ናብቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ጹሩይ ሓድነት የንቅድ፡፡ ነቲ ንምፍልላይ ምኽንያት ዝኾነና ትምርቲ ሓሶት "ያዕ" እልና ናብቲ ብሓባር ክንዓዮ ዝግባኣና ጽሩይ ወንጌል እንተቅሊብና እንደገና ታሪኽና ብጹብቕ ቀለም ክጻሓፍ ናይ ግድን እዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ተሪፉ ዝቅጽል ጽሑፍ ከተንብብ ከለካ ንምህናጽካ ዝተጻሕፈ ስለዝኾነ፥ ብትሑት መንፈስን ብንጹህ ሕልናን ኣንብቦ፡፡ ከምቲ ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮ 11፥19 "እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግሃደêስ ኣብ ማእከልኩም ምፍልላይ ኪኸውን ግዲ እዪ።" ዝበሎ እዚ ጽሑፍ ድማ ኣብ ሞንጎና ምፍልላይ እንት ኣምጸኦ ብዙሕ ከስናብደና ኣይግባእን፡፡ ምኽንያቱ እዚ ምፍልላይ ናብ ቕኑዕ ምህሮ ክርስቶስ ዝመርሓና ሰለዝሠላነ እዩ። ጐይታ ጸጋኡ የብዛሕልካ፡፡
2. "...ሉተር ዓለም ብምልኣ ትቃወመካ ኣላ! ንስካ }ከ እንታይ ትብል ምስበልዎ È“ኣነ ድማ ንምልእቲ ዓለም ምስ ኣምላኽ ሠላይነ ይቃወማ ኣለኹ!" ክብል መለሰ ነቶም ኣንጸር ሓቂ ጠጠው ዝበሉ ሐሰውቲ መማህራንን ደገፍቶምን፡፡ ገላትያ 4፥16 ﷽እምብኣርሲ ኣበይ ደኣ ኣሎ ብጽእናኹም? እሞ\ኸ ሓቂ ስለ ዝነገርክዂêም }ዶ ጸላኢ ዀይነኩም እየ? ብምባል ይሐትት ጳውሎስ ነቶም ሓቂ ምስተነግሮም ርእሶም ዘሕመሞም መማሓራን ሐሶትን ደገፍቶምን፡፡
ንስኺ/ንስኻኸ ካበየኖት ኢኻ? ኣነን ቤተን ግና ጸላኢ ዝበለ እንተበለ ነቲ ልዕሊ ከቢብና ዘሎ ኲነታት ዝኾነ፥ መለከላታዊ ሓቂ ቃል ኣምላኽ ንህዝብና ብጊዚኡን ብዘይ ጊዚኡን ከነገልግል እና ትብል}ዶ? ወይ ህይወት ብዙሓት ብሰንኮም እናበረሰ፥ ሓቂ ከይትዛረብ ጊዜ እንከለካ ጊዜ እትጽበይ፥ ነቲ ዝመውት ዘሎ ረጊጽካዮ እታሓልፎ ጨካን ሰብ}ዶ ትኸውን? ወይ ካምቶም ንሓቂ፡ ብረብሓ ብምሻጥ ንሓሶት ዝጣበቁ}ዶ ትኸውን? ወይ ኣህዋት ብዝተባህሉ፡ ታሓለቅቲ ኣምላኽ እናመሰሉ፡ "ሓቂ እንዛረበሉ ጊዜ ኣይኮነን" ብምባል ልዕሊ ክርስቶስን ቃሉን ኣዝዮም በላሕቲ ምዃኖም ዝእመኑ ንፍሓት፥ መርገጺኦም ብኹነታት ከም ነፋሒቶ ዝለዋወጥ፥ ብዝዛረብዎ ዘርዕድ ዘረባ ሪኢድካ፥ ነቲ ተዐጢኻዮ ዝነበርካ ሓቂ ካብ ሕቜኻ ፈትሕካ እትድርብይ ምስኪን ሰብ }ዶ ትከውን? ሞት ይሓይሽ! ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፊ6፥14 ﷽ሕቜኹም ብሓቂ ተዓ ጢቕኩም ድርዒ ጽድቂ}ውን ተኸዲንኹም ቁሙ፡፡ ከም ዝበሎ፥ ነቲ ሃልሃል ዝብል ሐሶትን ዕሱባት ሓሶት ዝኾኑ ርዂሳት መናፍስቲን፥ ካብ ህዝበይ ብጥራሽ ብምጥፋእ፥ ንሰማያት ሃገረይ ብጹሩይ ወንጌል ንምሽፋን ብጾሎትን ብመንፈስ ኣምላኽን ኮይነ ብዕረይ ስሒለ ደው እባ ይብል!! እታ ብክፍኣትን ብሓሶትን ብቅድመ ኲነት ርእሳ ዝተታሕዘት ዕውርቲ ዓለም ከምቲ ኣቦ ተሓድሶ ዝኾነ ንኣቦና ሉተር ዓለም ሓሶት ሒዛ ዝገጠመቶ፥ እንተገጠመትኒ}ኳ፥ ኣነውን ነቲ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ የሱስ ሒዘ፡ ነዛ ስዕርቲ ዓለም ክገጥማ እየ፡፡ ከም ዝስዕራ}ውን ኣይጠራጠርን፡፡ እቶም ንሓቂ ከዋርዱ ምስ ሲኦል ዝተመሓሓሉ ርኹሳት መናፍስቲ ድማ፥ ምስ ሓሶትን ተጣበቕቲ መናፍስትን ንዘለኣለም ክጸንቱ እዮም፡፡ "ሓቂን ተጣበቕታን ግና ንዘለኣለም ጸኒዖም ክነብሩ እዮም፡፡ ምሳሌ 12፥19" "ሓቂ ንዘለኣለም ትነብር ሓሶት ግና ኸም ቅጽበት ዓይኒ ትጠፍእ፡፡" ምኽንያቱ እታ ንቤቱ ብምቅጻዕ ተጽሪ ዘላ ኢድ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓሶትን ተጣበቕታን ብምቕጻዕ ትዐይይ ስለ ዘላ እዩ፡፡ ኣጸቢቖም ክሳብ ዝጸርዩ}ውን ኣይትገድፎምን፡፡ ት.ኢሳ 1፥26 "ኣነ ኽቐጽዓኪ እየ፡፡ ከምቲ ንሓጺን ዜጽርይዎ ኸጽርየኪ፥ ንኹሉ ርስሓትኪ እውን ክሓጽቦ እየ፡፡" ይብል ብቃሉ፡፡ እቲ ንቤት ኣቦይ ንውርደት ምኽንያት ዝሠላነ ሖሶት}ውን ንዘለኣለም ክዋረድ እዩ፡፡ እቲ ሕዋስ ዘይብሉ ጹሩይ ወንጌል ክርስቶስ ግና ኣብ ምድርና ክዕንብብን ንብዙሓት ሃገራት ብርግጽ መጽለሊ ክኸውን እዩ፡፡
ኣሜን!! ሃሌሉያ!!
ጐይታ ንኲላትና ይደግፍ! ኣሜን!
ኣድማስ መጼሄት
_