መርጋገጺ ኣምላኽነት የሱስ ክርስቶስ
ካልኣይ ምዕራፍ
የሱስ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ስምን ሽመት ውይ መዝነትን ኣለዎ
እቲ ኣዚዩ ሓያል መርጋገጺ ወይ መካትዒ የሱስ ኣምላኽ ምኻኑ ዘረጋግጽ ነገር እቶም ኣብ ዘመን የሱስ ዝነበሩ ጸላኣቱ እዮም፣ ንሱ ባዕሉ ናይ ቡሉይ ኪዳን ኣስማትን ሽመትን ኣምላኽ ተጠቂሙ ካልኦት ከኣ ከምኡ ኢሎም ክጽውዕዎ ፈቒዱ፣ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ምኻኑ ምስ ተዛረበ እቶም ኣሕሉቕ ኣይሁድ ጸርፊ ተጻሪፍካ ብምባል ክቐትልዎ ደለዩ፣ እቶም ናይ ኣይሁድ ሰብ ስልጣናት ጥርጥር ኣይነብሮምን፣ እዚ ገሊላዊ መምህር ኣነ ኣምላኽ እየ ኢሉ ኣውጁ፣
ገሊእቶም የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበለ ወይ ድማ ሽም ኣምላኽ ስለ ዝተጠቀመ ምስ ኣምላኽ ሓደ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ኢሎም ይካትዑ፣ ብዙሓት ሰባት ሓደ ዓይነት ሽምን ሽመትን ክህልዎም ይከኣል እዩ፣ ንኣብነት ዮውሃስ ዝበሃል ሰብ ሰብኣይ ምክትል ፕሬዝደንትን ዓርኪ ካልእን ኣብ ሓደ ጊዜ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ገለ ገለ ኣስማትን ሽመታትን ሓቂ እዩ ብውስናት ሰባት ጥራይ ክታሓዙ ይኽእሉ እዮም፣ ንኣብነት ሃገረ ኣሜሪካ ሓደ ፕሬስደንት ጥራይ እዩ ዘለዋ ክህልዋ ኸኣ ዝክእል፣ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ የሱስ ዝተጠቕመሎም ኣስማትን ሽመታትን ከኣ ንየሱሱ ክርስቶስ ንበይኑ ዝግብኦ ጥራይ እዮም፣ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ፣
ያህዌ ወይ ጆሆቫ
የሱስ ክርስቶስ እቲ ብኣይሁዳውያን ክስመ ኣዚዩ ዝፍራሕን ቁዱስ ዝኾነ ብቓሎም ፈጺሞም ከኣ ዘየውስእዎ ያህዌ ዝብል ሽም ንዕኡ ተጠቂሙሉ፣ ኣምላኽ በዚ ስም እዚ ንፈላማ ጊዜ ኣብ ዘጻኣት 3 ንህዝቡ ተገሊጽሎም፣ ሙሴ ንኣምላኽ ሽም እቲ ዝለኣኸካ ኣምላኽ መን እዩ ተበሉኒ መን ክብሎ እየ ኢሉ ንኣምላኽ ምስ ሓቶቶ ኣምላኽ ከኣ “እቲ ዘለኹ እየ ዘለኹ በሎ በለ ድማ ንደቂ እስራኤል እቲ ዘለኹ እየ ናባካትኩም ሊኢኹኒ በሎም” ዘጻ 3።13-14፣
እዛ “ዘለኹ እየ” ትብል ቃል እታ ያህዌ ትብል ቃል ኣይኮነትን እንተ ኾነ እታ ዘለኹ እየ ትብል ግሲ ካብቲ መልኮታዊ ያህዌ ትብል ቃል ዝመንጨወት እያ፣ እዛ እቲ “ዘለኹ እየ ዘለኹ” እትብል ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ሽም ምልኣት መገልጺ ናይቲ ዘልኣለዋዊ ኣካል ምኻናን ብሓጺሩ ኸኣ ኣብ ጥቅሲ 15 በቲ መሎኮታዊ ዝዀነ ያህዌ ትብል ቃል ተጠቓሊላ ትርከብ፣
እቲ ሰፕቱጃንት ዝብል ካብ ቋንቋ እብራይስጥ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተተርጎመ ናይ ቡሉይ ኪዳን መጽሓፍ ቁዱስ ነታ ኣብ ዘጻኣት 3።14 ዘላ እቲ “ዘለኹ እየ” ወይ “ኣነ” ትብል ቃል “ኢጎ ኢሚ” ብትብል ቃል ተርጊምዎ ኣሎ፣ (እዚ ግሪኽ እዚ ኣብቲ ዘመን ጎይታ የሱሱ ክርስቶስ ዝነበረሉ ዘመን ዝዝረብ ዝነበረ ቋንቃ እዩ፣ ስለዚ ኣብ ጊዜ የሱሱ ክርስቶስ እታ “ኣነ” ወይ ብቓንቃ ግሪኽ ኢጎ ኢሚ ትብል ናይ ግሪኽ ቃል ምስታ ያህዌ እትብል ናይ እብራይስጥ ቃል ሓደ እየን፣ ኣብዚ ቓል እዚ ተሞርኪስና ኸኣ እቲ “ኣነ” ዝብል ኣብ ዮውሃንስ 9።9 ዘሎ ቓል ንኣምላኽ ነቲ ዘልኣለማዊ ዘመልክት ምኻኑ ርጉጽ ነገር እዩ፣
ኣነ
ኣብ ቡዙሑ ኣጋጣሚታት የሱስ ነታ ኣነ ወይ ኢጎ ኢሚ ትብል ንኣምላኽ ጥራይ እትግባኣ ስም ንገዛእ ርእሱ ተጠቂሙላ እዩ፣ እቲ ናይዚ ንጹር ምሳሌ ኣይሁድ ንየሱስ ከምዚ ኢሎም ምስ ሓተትዎ “ኣይሁድ ከኣ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ ንኣብርሃምዶ ሪኢኻዮ ኢኻ በልዎ፣ የሱስ ከኣ ኣነ (እታ ኢጎ ኢሚ ትብል ናይ ግሪኽ እያ) ንኣብርሃም ከይተወልደ ከም ዘለኹ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ በሎም፣ ስለዚ ኺደርብዩሉ እምኒ ኣልዓሉ የሱስ ግና ተሓብኤ ካብ ቤት መቕደስውን ብማእከሎም ሓሊፉ ወጸ” ዮው 8።57-59፣ ኣብዚ ኣይሁድ የሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ስለ ዝገበራ ክቐትልዎ ደለዩ፣ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ንኣምላኽ ዝጸረፈ ብዳርባ እምኒ ክምውት ከም ዝግብኦ ንጹር ጌሩ እዩ ኣቐሚጥዎ ዘሎ (ዘለ 24።16)
የሱስ ነዚ ስም እዚ ንገዛእ ርእሱ ንምግላጽ ተጠቂምሉ፣ ኣቐዲሙ እውን ኣብዚ ሞዕራፍ እዚ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ “… ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም …”፣ ንኣይሁድ እውን ከምዚ ኢሉ ነጊርዎም “ስለዚ የሱስ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልክምዎ ሹዑ ኣነ (እታ ኢጎ ኢሚ ትብል ናይ ግሪኽ እያ) ምኻነይ ክትፈልጡ ኢኹም” ዮው 8።28፣
የሱስ ደጋጊሙ እዩ ንኣምላኽነቱ ወይ መለኮታውነቱ ኣረጋጊጹ፣ ናይ ኣይሁድ ቤተ መቕደስ ሓለውቲ ምስ ናይ ሮማውያን ወትሃደራት ተሓባቢሮም ንየሱሱ ቕድሚ ስቕለቱ ዘላ ዕለት ክሕዝዎ ምስ መጹ “ ንመን ትደልዩ ኣለኹም በሎም፣ ንሳቶም ንየሱስ ናዝሬታዊ ኢሎም መለስሉ፣ የሱስ ከኣ ኣነ (እታ ኢጎ ኢሚ ትብል ናይ ግሪኽ እያ) እየ በሎም … ሽዑ ኣነ እየ ምስ በሎም ኣድሓርሓሩ ናብ ምድሪውን ወደቑ” ዮው 18።4-6፣ ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብሉን ንሓይሊ እዚ ስም እዝን ክጻወርዎ ኣይከኣሉን፣
ናይ ሓድሽ ኪዳን ጸሓፍቲ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣርጋጊጾም እዮም ምስቲ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ያህዌ ዝብል ንኣምላኽ ዘመልክት ሓሳብ ከኣ ብፉጹም ኣይተጋጨውን፣
ማርቆስ መልእክቱ ክጅምር ከሎ ካብቲ ኢሰያስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝተዛረቦ እዩ ጠቒሱ “ድምጺ ኣዋጅ ይእውጅ መገዲ እግዝኣብሄር (ያህዌ) ኣብ በረኻ ኣዳልዉ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ” ማርቆስ እዛ ጥቅሲ እዚኣ የውሃንስ መጥመቕ ንጎይታና የሱስ መንገዲ ምስ ጽረገ ከም ዝተፈጸመት ይነግረና (ማርቆስ 1።2-4 ምስ ዮው 1።23 ኣነጻጽር)
ጳውሎስ ከኣ ካብ ዩኤል 2።32 “ ስም እግዚኣብሄር (ያህዌ) ዝጽውዕ ዘበለ ክድሕን እዩ” ብምጥቃስ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ንየሱሱ ክርስቶስ ተጠቂሙላ ኣሎ “ማለት ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዝጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ሮሜ (10።13)
ጴጥሮስ ከኣ ካብ ተመሳሳሊ ጥቅሲ ካብ ዩኤል ብምጥቃስ “ነፍሲ ወከፍ ስም ኣምላኽ ዝጽውዕ ዘበለ ክድሕን እዩ” (ግብ 2።21) ኢሉ ብድሕሪ እዚ እቶም ሰባት ክንድሕን እንታይ ክንገብር ኣሎና ኢሎም ምስ ሓተትዎ “ተንስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጥያት ይጠመቕ”፣ (ግብ 2።38) ስም ኣምላኽ (ያህዌ) ምጽዋዕ ንምድሓንካ ቕድሚ ኩነት እዩ፣ ጴጥሮስ ከኣ ንኽድሕኑ ብየሱስ ኣሚኖም ክጥመቑ ይነግሮም ኣሎ፣ ኣብዚ እምበኣር የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ብሽም ያህዌ ኸኣ ክጥመቑ ከም ዘለዉ ይነግሮም ኣሎ፣ እዚ ኣብ እምነትን ልምድን ኣይሁድ ፈጺሙ ዘይቅቡል እዩ ጴጥሮስ ከኣ ነዚ ሕጊ እዚ ይፈልጦ እዩ፣
እቲ ኻልእ ዝዓበየ መረጋገጺ ድማ ደቂ መዛሙርቲ የሱስ ንየሱስ ክርስቶስ ጸላእቱ ኣምላኽ እየ ኢሉ ብምዝራቡ ከም ዝጸልእዎ ብምስትውዓሎምን ባዕላቶም እውን እዚ ኽብሪ እዚ ብምሃቦምን እዩ፣ ንኣብነት ዳሕራይ እኳ ብዝበለጸ ከነብርሃ እንተኾና የሱስ ከምዚ በለ “ ኣነን ኣቦይን ሓደ ኢና ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ከም ብሓድሽ እምኒ ኣልዐሉ የሱስ ከኣ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኩም ስለ ኣየናይ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘለኹም ኢሉ መለሰሎም፣ ኣይሁድ ከኣ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስካ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር ስለቲ ጹቡቕ ግብርታትካስ ኣይኮናን ብእምኒ እንቐትለካ ኢሎም መለስሉ” (ዮው 10።30-33)
ኣብዚ ናይ ኣይሁዳውያን መራሕቲ የሱስ ንገዛእ ርእሱ ከም መን ጌሩ ይዛረብ ከም ዘሎ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም፣ ንየሱስ ከኣ እቲ ቐንዲ መውቀሲኦምን ምቅዋሞምን ስለቲ ዝገበሮ ግብርታት ዘይኮኑስ ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ እየ ኢሉ ብምእዋጁ እዩ፣
ኣምላኽ
ቴኦስ ትብል ናይ ግሪኽ ቃል ብኣማኢቲ ጊዜ ብኣምላኽ ትብል ቃል ተጠቂሳ ኣላ እዛ ቓል እዚኣ ምስቲ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ኤሎሂም ተባሂላ ዘላ ናይ እብራይስጥ ቃል ሓደ እየን፣ የሱስ ክርስቶስ ንገዛኣ ርእሱ ካብቶም ኣማልኽቲ ክፈሊ ነዚ ስም እዚ ቡዙሕ ጊዜ ተተቂሙሉ ኣሎ፣ እቲ መጽሓፍ ቁዱሳዊ ዝኾነ ኣይሁድዊ ክርስትያናዊ እምነት ብዛዕባ ኣምላኽ ምስቲ ሂንዱዚሙን ብዱሃን ዘለዎም ንሰብ መዓረ ኣምላኽ ወይ ድማ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝብል ኣበሃህላ ፍጹም እዩ ዘይሰማማዕ፣ ንኣብነት ብዙሓት ሂንዱ ጉሩ ዝበሃሉ “ኣነ ኣምላኽ እየ” ክብሉ ጸገም ኣይኮነን ነዚ ምህሮ እዚ ዝኽተሉ ኸኣ ማእለያ ዘይብሎም ሰዕብቲ ኣለውዎም፣ እዚ ድማ ሓደ ሰብ ብውሽጡ ኣነ ኣምላኽ እየ ዝብል እንተ ኸይኑ ብመሰረት ክርስትና እምነትን ኣረኣእያን ኣምላኽ ኣይድልዮን እዩ ማለት እዩ፣ ብኻልኣ ኣዘራርባ ኸኣ መድሓኒ ኣይድልዮን እዩ ማለት እዩ፣ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጸገም ኣይነበረን፣ ኣይሁዳውያን ሓደ ኣምላኽ እዮም ዝኣምኑ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ፍልልይ ከኣ ንጹር ዝኮነ ርዲኢት እዩ ዘለዎም፣ ብባህሊ ድማ የሱስ ኣምላኽ ምኻኑ ክሳብ ዘይሓሰብዎ ኣይሁዳውያን ኣምላኽ እዩ ኢሎም ክጽውዕዎ ኣይክእሉን እዮም ዘዳ 4።6፣ ምኽንያቱ ኣይሁድ ብጀካ ሓደ ኣምላኽ ካልእ ኣይኣምኑን እዮም፣ሲኤስ ሊዊስ ከምዚ ኢሉ ጺሒፉ
“እዚ ሰብ እዚ ከምዚ ኢሉ ኣይተዛረበን ግና እቶም ሰዕብቱ እዮም ነዚ ጉዳይ እዚ ኣጋኒኖሞ እቲ ወረ ኸኣ ኣብኩሉ ዘርጌሒሞ በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ወረ ዓብዩ፣ እዚ ኣዚዩ ኣጸጋሚ እዩ ምኽንያቱ ሰዓብቱ ኹሎም ኣይሁዳውያን እዮም፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከኣ ካብቶም ኣዚዮም ዓቓባውያን ብሓደ ኣምላኽ ጥራይ ዝኣምኑ ሰባት እዮም፣ ካልእ ኣምላኽ ኢሎም ብፍጹም ኣይቅበሉን እዮም፣ እዚ ኣዞም ናይ ሃይማኖቶ ሰባት ዘምጽዎ ሓሳብ ብፍጹም ዘይከውን እዩ፣ እዞም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕበረተሰብ ዘለዉ ሰባት ከምዚ ዓይነት ወረ ከናፍሱ ወይ ክገቡሩ ዘይከውንን ዘይሕሰብን እዩ፣ ብኣንጻሩ እቶም ቀርባ ሰዓብቱን ናይ ሓድሽ ኪዳን ጸሓፍትን ነዚ መሰረተ እምነት እዚ ብቐሊል መንገዲ ብፍጹም ኣይተቐበልዎን” ኣምላኽ ካብ ፍጥረቱ ፉሉይ እዩ፣ ደቂ ሰባት መተካእታ ናይ ኣምላኽ ኣይኮኑን፣
ካብዚ ቐጽልና የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ኢሉ ዝተጸዋዓለን ዓሰርተው ሓደ ናይ ሓድሽ ኪዳን ምሳሌታት ክንሪኢ ኢና
1 ኣብ እብራውያን 1 ክርስቶስ ካብ መልኣኽትን ነብያትን ከም ዝዓቢ ናይ እብራውያን ጸሓፍ ክገልጽ ከሎ “ብዛዕባ ወዱ ግና ኣታ ኣምላኸይ (ቴኦስ) ዝፋንካ ንዘልኣለም ኣለም ይነብር” እዛ ናይ እብራውያን 1።8 ጥቕሲ ብቐጥታ ካብ መዝ 45።6-7 ዝትወሰደት እያ ኣብኡ “ኣምላኽ” ተባሂላ ዘላን ኣብ እብ 1።8 ብቛንቛ ግሪኽ ኣምላኽ ተባሂላ ተጻሒፋ ዘላን ሓደ እየን፣
2 ጴጥሮስ ንክርስቶስ “ኣምላኽ” ቴኦስ ኢልዎ ከምዚ ኢሉ ጺሒፉ “ስምኦን ጴጥሮስ ናይ የሱሱ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን… ብጽድቂ ኣምላኽናን ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስን እተመቕሉ” (2ጲጥ 1።1)፣ ኣብዛ ሓረግ እዚኣ የሱስ ክርስቶስ ከም ኣምላኽን መድሓንን ተጠቂሳ ኣላ ብፍላይ እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ናይ ግሪኽ ቃል ከም ገልጽቲ ናይቲ ቀዳማይ ባህሪ ኮይነን እየን ተገሊጸን ዘለዋ፣
ኣብቲ ሞቦቆላዊ ናይ ሓድሽ ኪዳን ግሪኽ እዚ ግራንቪል ሻርፕ ኮንስትራክሽን ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ፣ ሓደ ጹሑፍ ንክልቲኡ ስም ማለት ንኣምላኽን መድሓንን የጠቓልል፣ እታ ናይ ግሪኽ ና ወይ ካይ ትብል መስተጻምር ንኽልተ ስም ትፈላልዮ፣ እዚ ማለት ከኣ ነቲ ቓል ዳግማይ ትሰምዮ ማለት እዩ፣ የሱስ ክርስቶስ ከም ኣምላኽን መድሓን ተገሊጹ፣ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽናን መድሓኒና እዩ፣ እቶም ግራመሪያንስ ወይ ስነ ሰዋስው ዘጽንዑ ሰብ እዚ ንሓደ እምበር ንኽልተ ከምዘየመልክት ጸቒጦም ይዛረቡ Winer Schmeidel's Grammatik (p. 158) ዝተባህለ ክዛረብ ከሎ “እዚ ስዋስው ወይ ግራመር ንሓደ እዩ ዘመልክት” ኩላቶም ከኣ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽን መድሕንን ከም ዝኮነ ይዛረቡ፣
3 ሃዋርያ ጳውሎስ ልክዕ ከምዚ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ ኣብ ቲቶስ ከምዚ ይብል “እቲ ቡሩኽ ተስፋናን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን”
4 ቶማስ እቲ ንትንሳኤ ዝተጠራጠረ ሰብ ከምዚ ይብል “… ንሱ ግና ኣሰር እቲ ሽንካሩ ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእተኹ ኣብ ጎድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ ኣይኣምንን እየ በሎም” (ዮው 20።25) የሱስ ንቶማስ ምስ ተገልጸሉ ከኣ ከምዚ በሎ “ ንቶማስ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዎ ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን በሎ፣ ቶማስ መሊሱ ጎይታይን ኣምላኸይን በሎ” (ጥቕሲ 28) ኣብዚ ቃላት ቶማስ ንየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ ብፍጹም ዘጠራጥሮ የብሉን፣ ቶማስ ኣብዚ ክርስቶስ የሱስ ኣምላኽን ጎይታን ምኻኑ እዩ ርዲኢቱ ዝገልጽ ዘሎ፣ የሱስ ኣብዚ ንቶማስ ከምኡ ስለ ዝበለ ኣይገንሖን ብኣንጻሩ ነዚ ናይ ኣምላኽነት ሽመት ተቐቢልዎ፣
5 ግብር ሃዋርያት 2።36 ከምዚ ይብል “ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልክምዎ ጎይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ” ኣብ ጥቅሲ 39 ብዛዕባ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ “እግዚኣብሄር ኣምላኽና” ኣብ ጥቅሲ 36 ከኣ ክርስቶስ ጎይታ ምኻኑ ይዛረብ ኣብ 39 ከኣ ኣምላኽ እዘን ጎይታን ኣምላኽን ዝብላ ቃላት ቴኦስ ዝብላ ናይ ግሪኽ ቃላት እየን ትርጉመን ከኣ ሓደ እዩ፣ ግብሪ ሃዋርያት 10 36 ብዛዕባ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ ከኣ ነዚ ኣጸቢቓ ተራጉዶ “… የሱስ ክርስቶስ ንሱ ኽኣ ጎይታ ኹሉ”
6 ግብሪ ሃዋርያት 16። 31ን 34 ብጎይታ የሱስ ምእማን ብኣምላኽ ምእማን ምኻኑ ይገልጽ፣
7 ራእይ ዮውሃንስ 7።10-12, 17 ከምዚ ይንበብ “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፣ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ፣ እቶም መልኣኽትን ኩላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዐተ እንስሳን ቆሙ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ ኣሜን ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘልኣለም ኣለም ንኣምላኽናን ይኹን ኣሜን እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ፣ እስከ ጥቅሲ 17 ንቐጽል “እቲ ኣማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዝጓስዮም ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዝመርሖም ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበል ኺደርዘሎም እዩ እሞ” ሕጂ ነስትወዕል ኣብ ጥቕሲ 10 ዘሎ እቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ኣምላኽን ኣብ ጥቕሲ 17 እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዝተቐመጠ ገንሸልን፣ መን እዩ ኣብ ማእከል እቲ ዝፋን ዘሎ? የሱስ እዩ ኣብቲ ማእከል ዘሎ ስለዚ ንኣምላኽነት የሱስ ምኽሓድ ንናይ ኣምላኽ ቦታ ኢና ንሰርቕ ዘሎና፣
8 ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18 ኣብ ጥቅሲ 25 ብዛዕባ መንገዲ የሱስ ተጠቒሱ ዘሎን ኣብ ጥቕሲ 26 ብዛዕባ “መንገዲ ኣምላኽ” ተጠቂሰን ዘለዋ ሓደ እየን፣
9 ካልእ ሽም ናይቲ መሲሕ ኣማኒኤል እዩ (ኢሰ 7።14) ከም ዘለዎ ቃል ብቓል ክትርጎም ከሎ ኣምላኽ ምሳና እዩ ማለት እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ማቴዎስ 1።23 ንየሱስ ተዋሂብዎ ኣሎ፣ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ እውን ክትወልድ እያ ስሙ ኸኣ ኣማኒኤል ክሰምዮ እያ ትርጉሙ ኸኣ ኣምላኽ ምሳና እዩ”
10 ኢሰያስ 9።6 ከምዚ ይንበብ “ሕጻን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና እዩ እሞ እቲ ግዝኣቱ ኣብ መንኩቡ እዩ ስሙውን ጉሩም መካር ብርቱዕ ኣምላኽ ኣቦ ዘልኣለም መስፍን ሰላም ክስመ እዩ” እዚ ኣብ ኢሰያስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበ ትንቢት ሓደ ካብቲ ስሙ “ብርቱዕ ኣምላኽ” ምዃኑ እዩ ዝሕብር፣ እዚ ሽም ብእብራይስጥ ኤል ጊቦር ይበሃል እዚ ሽም ድማ ኢሰያስ ያህዌ ኢሉ ኣብ ኢሰያስ 10።21 ተጠቂሙሉ ኣሎ፣ ኣብዚ መንፈስ ቁዱስ የሱስ እቲ ሕጻን ዘለዎ ሽም እዩ ዝሕብር ዘሎ፣
{mospagebreak}
እንተ ደኣ እዚ ስም እዚ ባህሪ ናይቲ ቖልዓ ዘየመልክት ኮይኑ ምትላል ጥራይ እዩ ክኸውን ዝክእል፣ “ ስሙ እውን ከምዚ ክበሃል እዩ” ማለት እዚ ማለት ከምዚ ክኸውን እዩ ማለት እዩ እምበር ሽሙ እዚ እዩ ማለት ኣይኮነን፣ ሂብረት ሲ ሌፖልድ ክዛረብ ከሎ “ እዚ ዓይነት እዚ ናቱ ክኸውን እዩ… በዚ ሽም እዚ ኸኣ ክጽዋዕ እዩ ምኽንያቱ ንሱ ድሮ ከምቲ ዝተባህሎ መጸዊዒኡ እዩ፣ የሱስ ብርቱዕ ኣምላኽ እንተ ዘይኮይኑ ወይ ብርቱዕ መካር እንተ ዘይኮይኑ ወይ መስፍን ሰላም እንተ ዘይኮይኑ እንተ ደኣ ከምዚ ኹሉ ዝተባህለና ዘይኮይኑ ስለምንታይ እዚ ኹሉ መግለጺታት ተዋሂቡና? ስለምንታይ ከኣ ምስቲ ስሙ ዘይከይድ ብህሪ ዝንገረና? እንተኾነ ከምቲ ኢሰያስን ብሉይ ኪዳንን ዘመልኩቱና እቲ መሲሕ ጉሩም መካር መስፈን ሰላም እዩ፣ (ኢሰያስ 42ን 49 ምስ ዘካርያስ 9።9, 10ን ምስ ሚክያስ 5።4 ኣነጻጽርዎ) ሓድሽ ኪዳን ከኣ ንሱ ሓያል ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጹዎ እዩ (ዮው 1።1, ቲቶ2።13)
11 ዮውሃ 1።1,14 ከምዚ ይንበብ “ብመጀምርያ ቃል ነበረ እቲ ቓል ኣብ ኣምላኽ ነበረ እቲ ቓል ከኣ ኣምላኽ (ቴኦስ) ነበረ፣ እቲ ቓል ስጋ ኾነ ሓቅን ጸጋን መሊኢዎ ኣባና ሓደረ” እዚ ቓል እዚ ብዙሕ ጊዜ ኣይንጥቀመሉን ኢና እምበር ከም ዮው 1።1 ጌራ ብዝቐለለ መንገዲ ብዘየደናግር መንገድን ብዛዕባ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዝገልጽ ክፍሊ ጹሑፍ እዩ፣ ኣብዚ ሓንቲ ንእሽቶ ሕቶ ኣላ “ቃል” ንየሱሱ ክርስቶስ እዩ ዝገልጽ፣ ምኽንያቱ ኣብ ጥቅሲ 14 “እቲ ቓል ስጋ ኾነ ሓቅን ጸጋንም መሊኢዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ” ስለ ዝብል፣ እቲ ናይዚ ሕመረት እንተ ወሲድናዮ ጥቕሲ 1ን 14ን ብዛዕባ ሞሎከትነት ወይ ኣምላኽነት ክርስቶስ እየን ዝዛረባ ወይ ዝምህራ ከምዚ ኸኣ ይብል እቲ ቓል “ ምስ ኣምላኽ” ነበር “ኣምላኽ ነበረ” “ስጋ ድማ ኾነ” ነዘን ጥቅስታት ምስ ኣንበብና ኣምላኽነት የሱሱ ክርስቶስ ንኽሕድ ወይ ድማ ንዮውሃንስ 1።1 ዘይከውን ትርጉም ንህቦ እንተ ኾይና ንየውሃንስ 1።1 ከምዚ ኢሎም ተርጊሞማ ኣለው “ቃል ብመጀመርያ ነበር እቲ ቓል ኣብ ኣምላኽ ነበረ እቲ ቃል ኣምላኽ(god) ንቲ ኣምላኽ ዝብል ናብ ጦእት ዝብል ቀይሮሞ ማለት እዩ እዚ ኣብቲ መቦቆላዊ ቓንቓ ግሪኽ ፍጹም እዩ ዘይለ፣
ሓደ ኤፍ ኢፈ ቡሩች ዝተባህሉ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ቋንቋ ዘጽንዑ ሊቕ ከኣ ብዛዕባ ኣታ ኣምላኽ ክነሳ ናብ ኣማልኽቲ ኢሎም ዝለወጥዎ ሰባት ክዛረቡ ኸለዉ፣ ኣታ ቓል እቲኣ ሕጊ ቋንቋ ግሪኽ ዘይሓለወት ብኣዚዩ ጉጉይ ኣተረጋጉማ ዝተተርጎመት እያ፣ ብዛዕባ እዛ ትርጉም እዚኣ ብዙሓት ፈላጣን ሊቃውንትን ሙሁራት ናይ ቃንቃ ግሪኽ ተዘራሪቦሙላ እዮም፣ ብመሰረት እቲ መበቆላዊ ትርጉማ ኸኣ በከምዚ ዝስዕብ ጌርና ክንገልጻ ይካኣል እዩ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ምፍጣሩ እቲ ቓል ኔሩ፣ ምስ ኣምላኽ ከኣ ጥቡቕ ርክብ ኔርዎ ከምቲ ኣምላኽ ዝኾኖ እቲ ቓል እውን ከምኡ እዩ፣
ኤፍ ኤፍ ቡሩሱ ብዛዕባ ጥቅሲ ሓደ ክዛረቡ ከለዉ “ እቲ ሓይሊ ነበረ እቲ ቓል ከኣ ኣምላኽ ነበረ”
ገለ ገለ ሰባት ከመይ ጌሩ እዩ የሱስ ኣምላኽ ዝኸውንን ምስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ሓደ ጊዜ ኣምላኽ ዝኾነ፣ ናይዚ መልሲ ኣብ ናይ ስላሴ ባህሪ እዩ ዝግለጽ፣ ሓደ ኣምላኽ ሰለተ ኣካላት ወይ ስብእና ዘለዎ፣ እቲ ኣብ ዮውሃንስ 1።1 ተጠቂሱ ዘሎ ሓደ ኣካል ስላሴ እዩ፣ ብባህሪኡ ድማ ኣምላኽ እዩ፣
ሓደ ዓለም ለኻዊ መንገዲ ዝበሃል ነቲ ቃል ዝብል ንየሱስ ዘመልክት ቃል ክትርጉምዎ ኸለዉ “ የሱስ ቃል እዩ ክንብል እንከሎና ልክዕ ከምቲ ቃልና ንዓና ዝገልጸና ንሱ ድማ ብቓሉ ጌሩ ንኣምላኽ ይገልጽ ኣሎ ማለት እዩ” ኢሎም ይትርጉምዎ፣ እዚ መገዲ ዝተባህለ ጉጅለ ንየሱስ ኣምላኽ ከም ዘይኮነ ንምባል ዘቕርብዎ ስነ ሞጎት እዩ፣
ነቲ ናቶም ትርጉም መርትዖ ከቕርቡ ከለዉ ኸኣ ኣብ ዮውሃንስ 1።1-18 ዝተጻሕፈ ብዛዕባ ኣምላኽ እምበር ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ኣይዛረብን እዩ ይብሉ፣ እንተ ደኣ እዞም ጥቕስታት እዚእቶም ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዝዛረቡ ኾይኖም ንየሱስ ክርስቶስ ዝሃብዎ ባህርያት ኩል እቲ ናይ ኣምላኽ ባህሪ እዩ፣ ነዚ ድማ እዮም ብዝከኣሎም ኩሉ ነዘን ጥቕስታት ንኣምላኽ እምበር ንየሱሱ ክርስቶስ ኣይኮናን ኢሎም ስነ ሞጎት ዘቕርቡ፣
ኣብዚ ዝህብዎ ትርጉም ዓቢ ጸገም ኣለዎ፣ ቀዳማይ ኣብቲ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ንሱን ንዕኡን ዝብል ንኣምላኽ ዘይኮነስ ንየሱስ እዩ ዘመልክት ከመይ እንተ በልና ብምሉኡ ዕላማ ናይ ወንጌል የውሃንስ ብየሱስ ምእማን ዝብል ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ዮውሃንስ እቲ ሕመርታዊ ጥቕሲ የውሃንስ ክዛረብ ከሎ “ ግናኸ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ክትኣምኑ ኣሚንኩም ብስሙ ህይወት ምእንቲ ክትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ” ዮው 20።31 ዝብል እዩ፣ እዚ ርዱእ እዩ እቲ ዮውሃንስ ኣብ መእተዊ ወንጌሉ ዝጸሓፎ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ክብል ዝደለየ ዝድግፍ ሓሳብ ወይ ዓላማ እዩ፣
ካልኣይ ከኣ እተን ኣብ ዚኣተን ይውሃንስ ዝጸሓፈን 18 ንየሱሱ ዝምልከታ ጥቅስታት ኣብ ኩለን ወንጌላትን ኣብ ካልእ መልእኽታትን ተደጊመን ኣለዋ፣ ገለ ምሳሌታት ንምሃብ ከኣ፣
ቀዳማይ ምዕራፍ ደጋፊ ወይ ተመሳሳሊ ክፍሊ ጹሑፍ ወይ ጥቕሲ
ጥቅሲ 3ን 10 ንዓለም ፈጢርዋ
ጥቕሲ 4 “ኣብኡ ህይወት ነበረ”
ጥቅሲ 4ን 9 ከኣ “ንሱ ብርሃን ሰብን” “እቲ ሓቀኛ ብርሃንን” ይዛረባ
ጥቅሲ 10 “ኣብ ዓለም ነበረ”
ጥቕሲ 11 “ናብቶም ናቱ መጸ እቶም ናቱ ኣይተቐበልዎን”
ጥቅሲ 12 “እቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብሱሙ ዝኣመኑ ግና ዉሉድ ኣምላኽ ክኾኑ መሰል ሃቦም” የሱስ ዓለም ኣብ ምፍጣር ብንጥፈት ይዋሳእ ነበረ (እብ 1።1, 8።13, ቆሎ 1።16-18)
የሱስ በለ “ኣነ እንጌራ ህይወት እየ” ኣነ ትንሳኤን ህይወትን እየ” ኣነ መንገድን ሓቕን እየ” (ዮው 6።35, 48,
51, 11።25። 14።6) ዮው 20።31 ከምዚ ይብል ሰባት ብየሱስ እንተ ኣሚኖም ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረክቡ ይገልጽ
የሱስ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” በለ
መን? ብጉቡእ እዛ ጥቕሲ ንየሱስ እያ ተመልክት፣ ብሙሉኡ ጥቕስታት ወንጌል ዮውሃንስ ንምምጻኣ የሱስ
ናብዛ ዓለም እዩ ዘመልክት፣ (ዮው 3።17, 6።33 ወዘት… )
ኣይሁድ ንየሱስ ከምቲ ንኣምላኽ ዝተረድእዎ ስለ ዘይፈለጥዎ ነጺጎምዎ፣ (ዮው 3።32 ተመልከት) ንየሱስ ብምንጻጎም ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ ዘለዉ መሰሎም
ኣብ ብዘላ ወንጌል ዮውሃንስ ሰባት ብየሱስ ክኣምኑ ከም ዘለዎም ኣነጽር ኣቢሉ ተዛሪቡ ኣሎ (ዮው 3።16-18, 5።24, 12።44, 20።31 ወዘተ.. ) የሱስ ዘልኣለማዊ ህይወት ዝህብ እዩ፣ (ዮው 10።28)
ኣልፋን ኦሜጋን እቲ መጀመርያን መወዳእታን
እዚ ኣልፋን ኦሜጋን ዝብል ቃል ሓደ ጉሩም ዝኾነ ናይ ኣምላኽ መግለጺ እዩ፣ ቅድሚ ኮዋኽብቲ ንሰማያት ምምልአንን ቅድሚ ጠፈርን ሰማያትን ኣምላኽ ኔሩ፣ ንሱ ካብ ዘልኣለም ንዘልኣለም እዩ ኣብ ዘፍጥረት 1።1”ብመጀምርያ ኣምላኽ …” ኣምላኽ በዩኑ ጥራይ እዩ ኣልፋ (እቲ ቐዳማይ) ከምኡ እውን ኦሜጋ (መጨረሻ)፣ እዞም ኣስማት እዚኣቶም ባህሪ ናይቲ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ እየን ዝገልጻ፣ ንሱ ምንጪን ሕመረት ኹሉ ፍጥረትን እዩ፣ ዝኾነ ፉጡር ኣነ ቐዳማይን ዳሕራዋይን ናይ ኩሉ እየ ክብል ኣይክእልን እዩ፣ የሱስን ኣምላኽን ክልቲኣቶም ኣልፋን ኦሜጋን ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ፣
ኣምላኽ የሱስ
ኢሰያስ 41።4 “… ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን ምስቶም ዳህሕሮት ዘሎን እየ”
ኢሰያስ 48።12- “… ኣነ እየ ቀዳማይ ኣነ እየ ዳሕራዋይ ኣነ እየ”
ራእይ ዮውሃንስ 1።8 “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ ይብል እቲ ዘሎን ዝነብረን ዚመጽእን ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ”
ራእይ ዮውሃንስ 21።6-7 “ቐጺሉ ኸኣ እዚ ኽውን እዩ ኣልፋን ኦሜጋን መጀመርያን መወዳእታን ኣነ እየ፣ ኣነ ንዝጸምኤ ኻብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ፣ እቲ ዝስዕር ነዚ ከውርሶ እየ ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ ንሱውን ዉሉደይ ኪኾነኒ እዩ”፣ ራእይ ዮውሃንስ 1።17,18 “… ኣነ እቲ ቐዳማይን(ፕሮቶስ) ዳሕራይን(ኢስካቶስ) እቲ ህያውን እየ እሞ ኣይትፍራህ ሞይተውን ነበርኩ እንሆ ኸኣ ንዘልኣለም ኣለም ህያው እየ”
ራእይ ይውሃንስ 2።8 “ናብ መልኣኽ ማሕበር ሰሚርናውን ጸሓፍ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝኾነን ከምዚ ይብል ኣሎ”
ራእይ ዮውሃንስ 22።12-16 “እንሆ ቐልጢፈ እመጽእ ኣለኹ… ኣልፋን ኦሜጋን ቀዳማይን ዳሕራይን መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ … ኣነ የሱስ ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣሎኹ”፣
ኣገዳስንት ኣዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ናይ ራእይ ዮውሃንስ መጽሓፍቲ ፈጺምካ ኣነኣኢስካ ዘይረኣ እዩ፣ ካብዚ ንላዕሊ ንጹር ዝኾነ መረድእን ምሳሌን ብዛዕባ ኣምላኽነት የሱስ ክርስቶስ ከኣ የለን፣ ክልተ ናይ መጀመርያን ክልተ ናይ መጨረሻን ክህልዉ ኣይክእሉን እዮም፣