06
Fri, Jun
0 New Articles

የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ (4ይ ክፋል)

Apologetics
Typography

የሱስ ክርስቶስ ጐይታ እዩ

እዚ ጐይታ ዝብል ቃል ኣብ ቡሉይ ኪዳንን ኣብ ሓድሽ ኪዳንን ንኣምላኽን ንየሱሱን ዝገልጽ ሽም እዩ፣ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ጐይታ ዝብል ቃል ብእብራይስጥ ኣዶናይ ክበሃል እንከሎ ኣብ ሰፕቱጃንትን ኣብ ሓድሽ ኪዳንን ከኣ "ጐይታ" ዝብል ቃል ኩሪኦስ ተባሂሉ ተተርጊሙ ኣሎ፣ እዞም ኣዶናይን ኩሪኦስን ዝብሉ ቓልት ክልቲኣቶም ኣይሁዳውያን ንኣምላኽ ዝጥቀሙለን ዝነበሩ ቃላት እየን፣ እዛ ኩሪኦስ ትብል ቃል ኣብ ሓድሽ ኪዳን ክልተ ትርጉም ኔርዋ፣ እቲ ቐዳማይ ሓባራዊ ክኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ከኣ ሃይማኖታዊ ወይ ንዉስን ነገር ዝዋሃብ እዩ፣ እቲ ሓባራዊ "ጐይታይ" ወይ "ኩቡር" ዝብል መጸዊዒ እዩ፣ በቲ ሃይማኖዊ መዳዩ እንተ ሪኢናዮ ኸኣ ንኣምላኽ ወይ ንመለኮታውነት ዝመልክት እዩ፣ ገለ ጽሑፋት ናይ ሓድሽ ኪዳን ብግልጺ እዚ ቃል እዚ ንኽብሪ የሱስ ተጠቂሞሙሉ ኣለዉ (ዮው 4፣11)፣  እቶም ናይ ቀደም ክርስትያናት ከም ኣይሁዳውያን ኣብ ሓደ ኣምላኽ ወይ ድማ ሞኖስቲክ ስለ ዝነበሩ እንተ ደኣ እዚ ጐይታ ዝብል ቃል ንየሱስ ተጠቂሞሙሉ ክርስቶስ ኣምላኽ ምኻኑ ካብዚ ዝዓቢ ዝበለጸ መረጋገጺ የለን ይብል ሆግን ቪይን ዝተባህለ፣


ኣቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ርክብ የሱስ ምስ ኣምላኽ በዛ ጐይታ ትብል ቃል ተገሊጻ ከምዘላን እዞም ኣካላት ድማ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ክዝከር ኣለዎ፣ ብፍላይ ኣብ ኣይሁድ እዚ ጐይታ ዝብል ንኣምላኽ ዘመልክት ስለ ዝኾነ የሱሱ ከኣ ጐይታ ተባሂሉ ስለ ዘሎ የሱስ ድማ ኣምላኽ እምበር ፉጡር ከም ዘይኮነ መረጋገጺ እዩ፣ ሮማውያን ንሓደ ናይ ንግስነት ጣኦት እዮም ዘምልኹ ኔሮም፣ ቔሳር ጐይታ እዩ እውን ይብሉ ነበሩ፣ ካብቲ ሓደ ምኽንያት እቶም ቀዳሞት ክርስትያናትን ኣይሁድን ዝስደዱ ዝነበሩ ነቲ ንጉስ ክብሪ ምሃብ ስለ ዝኣበዩ እዩ፣ እዚ ልምድ እዚ ነቶም ክርስትያናት ዝነበሮም "የሱስ ጐይታ" ዝብል ብሂል ዘራጉድ እዩ፣ ኣብዚ ጐይታ ተባሂሉ ዘሎ ንኣምላኽ እዩ ዘመልክት፣

የሱስ "ጐይታ" ተባሂሉ ዝተጸዋዓሉ ማእለያ ዘይብሎም ናይ ቁዱሳት ጹሑፋት ኣብነታት ኣለዉና፣ ጳውሎስ ክጽሕፍ ከሎ "ሓደ እኳ ብዘይ መንፈስ ኣምላኽ የሱስ ጐይታ እዩ ክብል ዝክእል የልቦን" 1ቆሮ 12፣3፣ ገለ ገለ ሰባት "እነ የሱስ ከም ጐይታይ ይኣምኖ እየ ከም ኣምላኽ ግና ኣይ ቅበሎን እየ" ኢሎም ክቋወሙ ይኽእሉ እዮም፣ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሕቶ እምበኣር እቲ ጐይታ ዝብል ቃል እንታይ ማለት እዩ? ዝኾነ ሰብ "የሱስ ጐይታ እዩ" ክብል ይኽእል እዩ ገለ ሰባት ከምዚ ክብሉ ከለዉ ኸኣ ሓለቓይ እዩ ማለቶም ይኾኑ፣ ግና ሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ ኣይኮነን ዝብል ዘሎ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ የሱሱ ኣምላኽ ምዃኑ ብዙሕ ጥቕስታት ኣርእዩና ኣሎ፣

1 ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮንጦስ ምዕራፍ 12 ኣብ ጥቕሲ ሓደ ክጅምር ከሎ ብዛዕባ ሰብ ቆሮንጦስ ዝነበሮም ናይ መንፈሳዊ ህያባት ኣጠቓቕማን ብፍላይ ድማ ነዚ ነገር ንኣምልኾ ጣኣትታት ይጥቀምሉ ስለ ዝነበሩ እዩ ጺሒፍሎም፣ ነዞም ጣኦታት ብምጽራር ድማ (ጥቕሲ 1ን2) ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ገሊጽሎም ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝዛረብ "የሱስ ሩጉም እዩ" ከም ዘይብል ሓደ ኸኣ ብዘይ መንፈስ ኣምላኽ "የሱስ ጐይታ እዩ" ክብል ኣይክእልን እዩ፣ ከምኡ እውን ብዘይ መንፈስ ቅዱስ የሱስ ጐይታ ሓቀኛ ኣምላኽ ኣምልኾ ክወስድ ብቑዕ እዩ" ከም ዘይብል ብንጹር ገሊጽሎም፣

2 ኣብ ጥቕሲ 3 ኸኣ ጳውሎስ ንመንፈስ ንየሱስ ንኣምላኽ ማዕረ ምዃኖም ጠቒሱ ኣሎ፣ ጥቕሲ 4- 6 ድማ ከምዚ ይገልጻ

ጥቕሲ 4 ዝተፈላለየ ህያባት ግና ሓደ መንፈስ

ጥቕሲ 5 ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ግና ሓደ ጐይታ እዚ ማለት ብመሰረት ጥቕሲ ሓደ ንየሱስ እዩ ዘመልክት፣

ጥቕሲ 6 ዝተፈላለየ ግብሪ ሓይሊ ግና ሓደ ኣምላኽ፣

የሱስ ኣምላኽ ኔሩ እንተ ዘይከውን ደኣ ስለምንታይ ኣብ ጥቕሲ 5 ብማዕረ ተጠቒሱ ዘሎ? ኣብ ጥቕሲ 11ን 18 ድማ መንፈስውን ኣምላኽን ብተመሳሳሊ ወይ ብማዕረ ተጠቒሶም ኣለዉ፣

እንተ ደኣ ሓደ ንኣምላኽነት የሱስ ክርስቶስ ዘይቅበል ሰብ ናብ ጐይታ እየ  ዝጽሊ ዘለኹ ዝብል እንተ ኾይኑ እንታይ ማለቱ ወይ ድማ ንመን ምዃኑ? ክሕተት ኣለዎ፣ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እዚ እዩ ኣምላኽን የሱስን ብማዕረ ጐይታ ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ፣ ምናልባት እቶም ሰባት ነዚ ሕቶ ክምልስዎ ከለዉ ኣነ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ እምበር ናብ የሱስ ምጽላይ ኣይኣምንን እየ ክብሉ ይኽእሉ እዮም፣ ነዚኣም ዝኸዉን መልሲ ግና ካብ ሓድሽ ኪዳን ሓሙሽተ ምሳሌታት ናብ የሱሱ ክርስቶስ ኣብ ሰማያት ናብቲ ወዲ ኣምላኽ ዝተጸለየ ጸሎት ክንሪኢ ኢና፣

1 ግብሪ ሃዋርያት 7፣59,60 እስቲፋኖስ ንየሱስ ጐይታይ ኢልዎ፣ ብዳርባ እምኒ እናተኸትከተ ከሎ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ጸለየ "ጐይታይ የሱስ መንፈሰይ ተቐበል" እዚ ዘመልክተና ንሱ ንየሱስ ካብ ሰብን ካልእ ሓይልን ንላዕሊ ንመንፈሱ ኽቕበል ዝኽእል ምኻኑ እዩ ዝኣምን "ተንበርኺኹ ኸኣ ብዓቢ ድምጺ ጐይታይ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም ኢሉ ጨደረ እዚ ምስ በለ እውን ዓረፈ" ከምዚ ዝብል ኣዚዩ ጹኑዕ ኣይሁዳ ካብ ኣምላኽ ንዝትሕት ብፍጹም ኣይጽልን እዩ፣

2 ኣብ 1ቆሮ 1፣2 ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጺሒፉ "ነታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱ... ኣብኦምን ኣባናን ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሰላምን ንኣካትኩም ይኹን"

3 ኣብ 2ቆሮ 12፣8-9 ብዛዕባ እቲ "ኣብ ስግኡ ዝነበሮ ግራጭ" ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ "እዚ ኻባይ ክርሕቕ ብዛዕብኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ ንሱኸኣ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ ጸጋይ ይኣኽለካ በለኒ ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ"

4 ኣብ 1ዮውሃንስ 5፣13-15 ከምዚ ይብል "ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘለኹም ናይ ዘልኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጺሒፈልኩም ዘለኹ፣ ከምቲ ፍቕዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመናዮ ይሰምዓና እዩ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ደማ እዚ እዩ፣ እቲ ዝለመናዮ ከም ዝሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ እቲ ኻብኡ ዝለመናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዘረኸብናዮ ንፈልጥ ኢና" እቲ ንሱ ወይ ንዕኡ ዝብል ክንዲ ስም ኣብ ጥቅሲ 13 ተጠቂሱ ዘሎ ንወዲ ኣምላኽ እዩ ዘመልክት፣

5 ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 8፣24 ስምኦን "ናብ ጐይታ ጸልዩለይ ....." ኣብ ጥቅሲ 16 ከኣ የሱስ ጐይታ ምዃኑ ተጠቂሱ ኣሎ፣

ጴጥሮስን ጳውሎስን "የሱስ ጐይታ ኹሉ" ምኻኑ ብርግጽነት ተዛሪቦም ኣለዉ (ግብ 10፣36, ሮሜ 10፣12)፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ደጊሙ ክዛረብ ከሎ "... እንተ ዝፈልጥዎስ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ኔይሮም" 1ቆሮ 2፣8፣ መን እዩ ጐይታ ኽብሪ? መዝሙር ዳዊት 24፣10 ከምዚ ይብል "እዚ ንጉስ ክብሪ እዚ መን እዩ? ጐይታ (ያህዌ) ሰራዊት እቲ ንጉስ ክብሪ ንሱ እዩ"፣ ( ደጊምካ መዝሙር ዳዊት 96፣7-8 ተመልከት)

ኣብ 2 ቆሮ 4፣4-5 ጳውሎስ ንየሱስ ጐይታ ኢሉ ይጽውዖ ከምዚ ኸኣ ይብል "እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይበርህሎምሲ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ፣ ማለት ክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታ ንርእስና ግና ምእንቲ የሱስ ከም ግዝኣትኩም ጌርና እምበር ርእስና ኣይኮናን ንሰብከልኩም ዘሎና " ኣብዚ እቲ ምስሊ ኣምላኽ ተባሂሉ ዘሎ ጐይታ እዩ፣

ጳውሎስ ልክዕ ከምቲ ኢሰያስ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንያህዌ ወይ ጆሆቫ ዝተጥቅመሉ ቋንቋ ንየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኢሉ ብምጽዋዕ ተጠቂሙሉ ኣሎ፣

ኣምላኽ

የሱስ

"ኣነ ኣምላኽ እየ ካልእ ኸኣ የልቦን እሞ... ኩሉ ብርኪ ክሰግደለይ ኩሉ ልሳን ከኣ ብኣይ ኪምሕል እዩ ኢለ ብርእሰይ ማሓልኩ ብዛዕባይ ከኣ ጽድቅን ስልጣንን ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ኪበሃል እዩ" ኢሰ 45፣22-24

"ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሊ ኹሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ክንብርከኽ ልሳን ዘበለውን ንክብሪ የሱስ ምእንቲ ክንብርከኽ..." ፊሊ 2፣10-11

እቲ ናይ ቡሉይ ኪዳን ምሁርን ፈርሳውን ዝኾነ ጳውሎስ ነዚ ተመሳሳሊ ቓል ስቕ ኢሉ ብኣጋጣሚ ኣይኮነን ተጠቂሙሉ፣

የሱስ እውን ንገዛእ ርእሱ "ጐይታ ሰንበት" ምኻኑ ገሊጹ ኣሎ እዚ ድማ ንሱ ፈጣር ሰንበት ምኻኑ እዩ ዝነግረና ዘሎ፣ ኣብ ዘጻኣት 31፣13,17 ኣምላኽ ከምዚ በለ "... ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ንዉሉድ ወለደኹም መፈለጥታ እየን እሞ ሰናብተይ ኣጸቢቕኩ ሓልዉ... ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ናይ ዘልኣለም መፈልጥታ እያ" ንኣይሁዳውያን ያህዌ ጐይታን ጀማርን ናይ መዓልቲ ሰንበት እዩ፣ ፈርሳውያን የሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ብመዓልቲ ሰንበት ሰዊት ክምንቁሱ ስቕ ኢሉ ብምርኣይ ምስ ገንሕዎ ዝብሎም ቃል ሲኢስ ሊዊስ ብኸምዚ ይገልጾ " ጸገም የብሉን ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ እሞ" በሎም ይብል ፣

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ከም እኒ ጾምን ካልእን ዝኣመሰሉ ዝሕለዉ ሕግታት ኣለዎ፣ ሓደ መዓለቲ ብሃንደበት እዚ ሰብ እዚ " ኣነ ከሳብ ዘለኹ ምጻዋም ኣይድልን እዩ" ምስ በለ መን እዩ እዚ ሰብ እዚ ነቲ ኹሉ ሕግታት ዝጥሕስ ዘሎ? መን እዩ እዚ ነቶም ምሁራት ፍርቂ ባዓል ክህልዎም ዝነግሮም ዘሎ? እቶም ከምዚ ኽብል ዝሰሞዕዎ ኣይሁድ ንዓኣቶም እዚ ጸርፊ እዩ፣ ሓደ መዓልቲ እውን ሰንበት መዓልቲ ናብቲ ቤተ መቕደስ ብምኻድ ንሓደ ሰብ ኣሕውይዎ እዚ ኸኣ ንዕኣቶም እምብዛ ኣቖጦዖኦም ከምይሲ በተሓሳስብኦም መዓልቲ ሰንበት እዩ ዘፍርስ ዝነበረ፣ እቲ ኣምላኽ ጥራይ ዝነበሮ ስልጣን ብምውሳዱ ኸኣ ኣዚዮም ተቖጡዑ ክቐትልዎ እውን ደለዩ (ማቴ 12፣14) ከምይሲ እቲ ሕጊ ኣብ ዘዳግም 6፣4 ከምኡ እዩ ዝብል ማርቆስ 12፣29 ኸኣ ንሱ ጐይታ ምዃኑ ይነግር፣