መድሓኒኣምላኽ ብሉይ ኪዳን ብዘይ ገለ ተቕናቓኒ በይኑ መድሓኒ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። "ኣነ ኣነ እየ እግዚኣብሄር ብጀካይ መድሓኒ የልቦን" ኢሰያስ 43፣11። ብተውሳኺ ድማ መጽሓፍ ቁዱስ የሱስ መድሓኒ ምኻኑ ብግልጺ ይዛረባ።
ኣምላኽ
የሱስ
ኢሰያስ 43፣3 "ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ (ያህዌ) ... መድሓኒኻ እየ"
1ጢሜ 4፣10 "በቲ ንኹሉ ሰብ ምናዳ ንኣመንቲ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና.... "
ሉቃስ 1፣47 "መንፈስይ በቲ መድሓኒየይ ባህ ይብሎ"
ማቲዎስ 1፣21 "... ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ"
ዮውሃንስ 1፣29 "ንጽባሒቱ ዮውሃንስ ንየሱስ ናብኡ ክመጽእ ረኣዮ እሞ እንሆ ሓጥያት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል በለ"
ዮውሃንስ 4፣42 "... ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም..."
እብ 5፣9 "... ነቶም ዝእዘዝዎ ዘበሉ ኹላቶም ንናይ ዘልኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኮኖም"
ሉቃስ 2፣11 "እንሆ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ትወሊድልኩም ስለዘሎ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ"
ጳውሎስ ንቲቶስ ብዛዕባ እቲ ናይ ተስፋ ምድሓን ክጽበ ከም ዘለዎ ክነግሮ ኸሎ "እቲ ቡሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና....." ቲቶስ 2፣13፣ ሕመረት ናይዛ ጥቕሲ ኣብ ውሽጢ እተን ተጠቂሰን ዘለዋ 12 ጥቕስታት ኣዚያ ኣገዳሲት እያ፣ ጳውሎስ "ኣምላኽ መድሓኒናን" "የሱስ መድሓኒና" ዝብል ሓረግ እዩ ተጠቂሙ ዘሎ፣ እናለወወጠ ኽኣ ኣርባዕተ ጊዜ ተጠቂሙለን።
ንጉስ
ንጉስ መገለጺ ሽመት ወይ ክብሪ ናይቲ ንጉስ ነገስታት ኣምላኽ እዩ።
መዝሙረና ዳዊት ክጽሕፍ ከሎ ""እግዚኣብሄር ዓቢይ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኹሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓቢይ ንጉስ እዩ እሞ" ይብል መዝ 95፣3።
ኣምላኽ በለ "እግዚኣብሄር እቲ ቑዱስኩም ፈጣር እስራኤል እቲ ንጉስኩም ኣነ እየ" ኢሰ 43፣15፣ ካብ ሰላሳ ንላዕሊ ኣብ መዝሙር ዳዊት ትንቢት ኢሰያስ፣ ኤርሚያስ፣ ዳኒኤል፣ ዘካርያስን ሚልክያስ ኣምላኽ " ንጉስ" "ንጉስ እስራኤል" ከምኡ እውን "ዓቢ ንጉስ" ብምባል ንኣምላኽ ጠቂሶሞ ኣለዉ፣
ንጉስ ዝብል ቃል ንደቂ ሰባት ዝወሃብ ሽመት ምዃኑ እኳ ሓቂ እንት ኾነ ሓድሽ ኪዳን ግና ንክርስቶስ ከምቲ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ንኣምላኽ ዝበሎ ንጉስ ጥራይ ኢሉ ዘይኮነ ጠቒስዎስ " ንጉስ ነገስታት" እዩ ኢልዎ፣ "...እቲ ገንሸል (የሱስ) ግና ጐይታ ጎይቶት ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ" ራእ 17፣14፣
ኣብ ካልኣይ ምጻት የሱስ ክርስቶስ ንጉስ ነገስታት ጐይታ ጎይቶት ዝብል ጹሑፍ ኣብ ክዳኑ ኽጻሓፍ እዩ። ኣብ ቡሉይ ኪዳን ንያህዌ (ጆሆቫ) ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ጎይቶትን ዝብል ስም ተዋሂብዎ ኣሎ (ዘድ 10፣17)።
1ጢሞ 6፣14-16 ኣዚያ ኣገዳሲት ጥቅሲ እያ። ከምዚ ድማ ትብል "ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ.... እቲ ብግዚያቱ ዝግለጽ እቲ ብጹእ በይኑ ኸእ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ነገስታት ጐይታ ጎይቶትውን ንሱ በይኑ ዘይመዉት ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይክኣል ኣብ ዘይቀርበ ብርሃን ዚነብር" ይብል እቲ ንጉስ ነገስታት ጐይታ ጎይቶት ተባሂሉ ተጠቂሱ ዘሎ ወይ ንክርስቶስ እዩ ወይ ከኣ ንኣምላኽ እዩ፣ እዚ ብዛዕባ ክርስቶስ ምኻባር ይዛረብ እንተ ሃልዩ (ራእይ 1፣12-18) ንሱ "በይኑ ሉዑል" "ንጉስ ነገስታት" "ጐይታ ጎይቶት" "ዘይመዉት" ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር" እዩ። እዚ ኹሉ ሽመትን ስልጣንን ናይ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ብኻልእ መንገዲ ብዛዕባ ኣምላኽ ትዛረብ እንድሕር ሃልያ ድማ ክርስቶስን ኣምላኽን ሓደ ዓይነት መዝነትን ሽመትን ኣለዎም ንሱ ኸኣ " ንጉስ ነገስታት ጐይታ ጎይቶት" ዝብል እዩ፣ ከምቲ ኣቐዲምና ኣብ ራእይ የውሃንስ 17፣14 ዝረኣናዮ ካብ ክልቲኡ ብሓዲኡ መንገዲ መለኮትነት የሱሱ ዘካትዕ የብሉን።
ፈራዲ
ብሉይ ኪዳን ኣምላኽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፈራዲ ምኻኑ ብንጹር ኣቐሚጡልና ኣሎ፣ "ንሱ ንህዝቡ ምእንቲ ክፈርድሲ ... ንሰማያት ኣብ ላዕልን ንምድርን ይጽውዕ ኣሎ፣ ኣምላኽሲ ፈራዲ እዩ እሞ ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ" መዝ 50፣4-6፣ ያህዊ ወይ ጆሆቫ ወይ ኣምላኽ ፈራዲ ምኻኑ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎና፣ ንምሳሌ (ዘፍ 18፣25, መዝ 96፣13, እብ 12፣23-24, 1ጴጥ 1፣17)፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና እግዚኣብሄር ኣቦ ኩሉ ፍርዲ ንወዱ ሂብዎ ዮው 5፣22፣ እቲ ምኽንያት ስለምንታይ እቲ ፍርዲ ንየሱስ ከም ዝሃቦ ድማ ኣብዛ ትስዕብ ጥቕሲ ተገሊጻ ኣላ "ኩሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዘኽበሮ ገይሩ ንወዱ ምእንቲ ከኽብሮ" ኣብ ከም ኣምላኽ ከቢሩ ድዩ? ብርግጽ እምበር ስለዚ ወዱ ኸኣ ልኽዕ ከምኡ ክኸብር ኣለዎ፣
ኣብ ዮውሃንስ 5፣17-30 ዘላ እታ ኣዚያ ካብ ብምሉእ መጽሓፍ ቁዱስ ሓያል ዝኾነት ብዛዕባ ኣምላኽነት የሱስ ክርስቶስ ብግልጺ እትዛረብ ሞራፍ እያ፣ የሱስ ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ "ንህያዋንን ምውታትን ዝፈርድ" 2ጢሜ 4፣1 " ... ኩላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንጋሃድ ኢና..." 2ቖሮ 5፣10፣ ኣብ ሮሜ 14፣10 ኸኣ "መንበር ፍርዲ ኣምላኽ" ብማለት ልኽዕ ምስቲ ናይ ክርስቶስ ፍርዲ ብምምስሳል ይገልጽ፣ ኣምላኽን ክርስቶስን ክልቲኣቶም ንልቢ ኣመንቲ ክፍትሹ እዮም ራእ 2፣23, ኤር 17፣10፣ እዚ ኸኣ የሱስን ያህዌን ኣብ ፍርዲ ከም ሓደ እዮም ደው ዝብሉ።
ብርሃን
ብርሃን ብዙሕ ጊዘ ከም ስኣላዊ መግለጺ ህላውንትን ምግላጽን ኣምላኽ እዩ ዝግለጽ፣ ኣምላኽ "ብርሃን እዩ" "ዘልኣለማዊ ብርሃን" "ብርሃን ኣህዛብ" "እቲ ንመገድና ብርሃንን ንጸልማትና ዘብርሆን" መዝ 27፣1, እሰ 42፣6, 60፣19-20, 2ሳሜ 22፣29)፣
የሱስ ክርስቶስ ብዘይካ ብእኡ ናብ ብርሃን ዝመርሕ ካልእ ከም ዜልቦ ብጹኑዕ ተዛሪቡ ኣሎ፣ ንሱ ከምዝ በለ " ኣነ (ኢጎ ኢሚ) ብርሃን ዓለም እየ፣ እቲ ዝሶበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፣ ኢሉ ከም ብሓድሽ ተዛረቦም" ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣምልኪቱ ኸኣ የሱስ ከምዚ በለ "ኣቲ ፍርዲ እዚ እዩ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ ሰብ ግና ግብሮም ክፉኡ እዩ እሞ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ" የው 3፣19፣ ወሲኺ ኸኣ ከምዚ በለ "ኣነ ኣብ ዓለም ከለኩ ብርሃን ዓለም እየ" ሃዋርያ የውሃንስ እውን ብዛዕባ የሱስ ክዛረብ ከሎ "ብርሃን ሰብ" እቲ ሓቐኛ ብርሃን" " እቲ ንሰብ ብርሃን ዝህብ" (ዮው 1፣4, 9) ይብል፣ ከምቲ ኣምላኽ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ እውን ከምኡ ብርሃን እዩ፣ (ኢሰ 60፣19, 20, ራእ 21፣23, 22፣5)
ከውሒ
ከውሒ ማለት ብዙሕ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል እዩ። ሽም ኣምላኽ እንተ ኾይኑ ግና ምሳሌ ናይ ምጽንንዑ ሓይሉን ሕብረቱን እዩ ዘመልክት። ሙሴ ኣብ ኣጋ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ንኣምላኽን እቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም መታን ክዝክሩ ኢሉ መዝሙር ምስ ኣዳለወሎም ንኣምላኽ ክልተ ኣስማት እዩ ኣብኡ ሂብዋ ያህዊን ከውሕን "ስም እግዚኣብሄር ይነግር ኣለኹ እሞ ንኣምላኽና ኣዕብይዎ... እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ" (ዘዳ 32፣3-4 ብተወሳኺ ዘዳግም 32፣15, 18, 30-31 ተመልከት፣ እቲ መዝሙረኛ ንኣምላኽ ከውሂ ምድሓነይ ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ (መዝ 89፣26፣ 95፣1) ዳዊት ንኣምላኽ ከም "ከውሕን" "ከውሒ እስራኤልን" ኣምሊኽዎ ኣሎ፣ (2ሳሜ 22፣2, 3, 47, 23፣30)፣ ኣብ 2ሳሚ 22፣32 ከኣ ከምዚ ኢሉ ይሓትት "ብዘይ ኣምላኽ መን እዩ ኣምላኽ? ብዘይ ኣግዚኣብሄር ከ መን እዩ ከውሒ?"
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንየሱስ ከውሒ ዝብል ሽም ተዋሂብዎ ኣሎ። ጳውሎስ ብዛዕባ ደቂ እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ምስ ሙሴ ንዝነገሮም ክገልጽ ከሎ "ኩላቶም እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ከውሒ ሰትዮም እዮም እዮም እሞ እቲ ኸውሒ እቲ ኸኣ ክርስቶስ እዩ" 1ቆሮ 10፣3-3 ኣብ ዘጻ 17፣6 ነህሚያ 9፣15 ተመልከት። ጳውሎስ ኣብዚ ደቂ እስራኤን ብኣምላኽ ከም እተመገቡ ብስእላዊ መግለጺ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ማና ካብ ኣምላኽ ከም ዝበልዑ (ጥቕሲ 3)፣ መስተ ድማ ካብ ክርስቶስ ከም ዝሰተዪ (ጥቕሲ 4)፣ ኣብዚ እምብኣር ብናይ ጳውሎስ ኣተሓሳስባ የሱስ ያህዌ ወይ ኣምላኽ እዩ፣
ብተወስኺ ጳውሎስ የሱስ "ከውሒ መሳተቲ" ምኻኑ ገሊጹ ኣሎ ሮሜ 9፣33፣ ጴጥሮስ እውን ኣብ 1ጲጥሮስ 2፣4-8 ንየሱስ ከም "ህያው እምኒ" "ከውሒ መሳተቲ" "ስለዚ ንኣኻትኩም ንትኣምኑ ኩቡር እምኒ እዩ" እናበለ ገሊጽዎ ኣሎ፣
ተበጃዊ
ተበጃዊ ማለት ሓደ ተመሊሱ ክብጀወካ ወይ ክዕድገካ ከሎ ማለት እዩ። ወዲ ሰብ ብመንፈሳዊ ነገር ጥርሑ ኾይኑ ንገዛእ ርእሱ ምድሓን ምስ ተሳእኖ እግዚኣብሄር ኣቦ ብፍታዉን ብውዱእ ምኹሩን (ግብ 2፣23) ንወዱ የሱስ ክርስቶስ መስዋእቲ ብምግባር ንኹሉ ወዲ ኣዳም ብምብጃው ምስ ኣምላኽ ክዓርቀና ፍቓደኛ ኾነ ነቲ ማዕጾ ኩፉት ጌርዎ። ቁዱሳት ጹሑፋት ኣምላኽ ኣምላኽ "ብዙሑ ምድሓን" ምዃኑ ይዛረብ (መዝ 130፣7-8)። እቲ ምሉእ ዝኾነ ካብ ሓጢኣት ምብጃው ወይ ምድሓን ዝርከብ ብኣምላኽ ጥራይ እዩ፣
የሱስ ክርስቶስ ከኣ ካብ ሓጥያት ይብጆ። "ብእኡ ብደሙ ምድሓን ማለት ከምቲ ሃብቱ ጸግኡ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና" ኤፍ 1፣7፣ የሱስ እቲ በይኑ "ናይ ዘልኣለም ምድሓን" ዝሃበና እዩ፣ (እብ 9፣12)፣ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፈሶን ዝነበሩ ሽማግሌታት ከምዚ ይብሎም "ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ወይ ዝተበጀዋ ማሕበር ጐይታ ክትጓስዩን..."፣ ግብ 20፣28፣ እዚ ነቲ እንኮ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝሞቶ ሞት እዩ ዘመልክት። የሱስ ክርስቶስ ዝተበጀወና ወልድ ኣምላኽ እዩ፣
የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ? (5ይ ክፋል)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode