03
Tue, Jun
0 New Articles

ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን ሰብ’ውን ኣምላኽ ኣይኮነን (ቀዳማይ ክፋል)

Apologetics
Typography

ቃል ኣምላኽ ንትምህርቲ። ንተግሳጽ። ንምቕናዕን ንጽድቂ ዝኸውን ምእዳብን ንኽጠቕመና ስለ ዝተዋህበና ክርስትያን ንቃል ኣምላኽ ብጥንቃቐ እንተ ኣጽኒዕዎ ካብ ብዙሕ ንክርስቶስ ዘየምስልን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘየለን ትምህርትታት ክሕሎ ይኽእል እዩ። ሓደ ካብቲ ቃል ኣምላኽ ዘይምህሮን ንብዙሓት ግሩሃት ክርስትያናት ዘናወጸን ትምህርቲ ‘ሰብ ኣምላኽ እዩ' ዝብል ትምህርቲ እዩ።


 

እዚ ትምህርቲ እዚ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ኮነ ንክርስቶስ ንምምሳል ዝኸውን ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ስለ ዘይብሉ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ራእይ ዮሃንስ ሰብ ኣምላኽ ወይ ንእሽቶ ኣምላኽ ብዛዕባ ምዃኑ ዋላ ሓንቲ ሓሳብ ከም ዘይዛረብ ጥራይ ምጥቃስ እኹል እዩ። ‘ሰብ ኣምላኽ እዩ' ዝብል ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱሶም ብግቡእ ዘይፈልጡ ሰበኽቲ ዝመሃርዎን ብሰባት ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኣብ ምንባብ ጊዜኦም ዘሕልፉ ምእመናን ዘቃልሕዎን ብገለ ጥቕስታት ዝተሸፈነ ናይ ምንቅስቓስ ሓድሽ ዘመን (New Age Movement) ትምህርቲ እዩ።

ብዙሕ ጊዜ ሰባት ናብ ሓደ ወገን ናይ ምዝዛውን ሚዛን ናይ ምስሓትን ዝንባለ ስለ ዘሎና ‘ሰብ ኣምላኽ እዩ' ዝብል ሓሳብ ብዘይ ምቕባልና ደሓን ዘሎና ክመስለና ይኽእል እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘይተጻሕፈ ነገር ብዘይ ምስዓብናን ካብዚ ሓሳብ እዚ ሓራ ምዃንናን እኳ ጽቡቕ እንተኾነ ብማዕረ እዚውን ነቲ ቃል ኣምላኽ ደጋጊሙ ዝመሃረሉ ‘ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን' ዝብል ሓሳብ ክንርድኦ ይግብኣና። ቃል ኣምላኽ ሰብ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘይምዃኑ እኳ ዋላ ሓንቲ እንተ ዘይተዛረበ ኣምላኽ ሰብ ዘይምዃኑ ግን ደጋጊሙ ተዛሪቡ ኣሎ። ንክልቲኦም ነወዳድሮም ክሳብ ዝሃለና ኣምላኽ ሰብ እንተ ዘይኮይኑ ሰብውን ኣምላኽ ኣይኮነን ስለዚ እቲ ኣምላኽ ሰብ ከም ዘይኮነ ዝጠቅስ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ሰብ ኣምላኽ ከም ዘይኮነውን የመልክት እዩ። ቃል ኣምላኽ። ‘ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን' ኢሉ ስለ ዝምህር እቲ ‘ሰብ ኣምላኽ እዩ' ዝብል ትምህርቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘየለ ጥራይ ዘይኮነስ ኣንጻር ቃል ኣምላኽውን እዩ። ከም ክርስትያናት ክንዓብን ክንሳገርን እንተደኣ ደሊና ካብዚ ንኣምላኽ ሰብ ዝገብርን ንሰብ ከኣ ኣምላኽ ዝገብርን ክልተ ትምህርትታት ክንሕሎ የድልየና።   

ኣብዚ ድፍረት ሰባት ኣብ ጥርዙ ዝበጽሓሉ ዘመን ‘ሰብ ኣምላኽ እዩ' ኢሎም ዝምህሩ ሰባት ሰሚዕና ተገሪምና እምበር ኣምላኽ ሰብ ከም ዝኾነ ዝምህሩስ ካብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሮም ኔሮም እዮም ሎሚውን ኣለዉ። ካብቲ ቤተክርስትያን ኣብ ናይ ጸልማት ዘመን ዝኣተወትሉ ጊዜ ጀሚሩ ‘ኣምላኽ ብኣእምሮና ክንርድኦ ዘይንኽእል ነገራት ኣይገብርን እዩ'። ‘ብዘይካ የሱስ ክርስቶስ ካልእ መንገዲ ኣሎ'። ‘ቅዱሳት ሰባትን መላእኽትን ኣብ መንጎናን መንጎ ኣምላኽን መንጎኛታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም' . . . ዝብል ናይ ሓሶት ትምህርትታት ኔሩ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ኣምላኽ ከማና ከም ዝኾነ ሓሲብና ክንመላለስ ከም እንኽእል ስለ ዝፈለጠ  ኣብ ቃሉ ‘ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን' ዝብል ሓሳብ ኣቐሚጡ። ሓንሳብ ምስ ጽሩብ ምስልታት። ሓንሳብ ምስ መላእኽቲ። ካልእ እዋን ከኣ ምስ ቅዱሳት ሰባት ከም ነመዓራርዮ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንሱ ሰብ ከም ዘይኮነ ብንጹር ተዛሪቡና። ብኣፍና ‘ሰብ ኣምላኽ እዩ' ወይ ‘ኣምላኽ ሰብ እዩ' ዝብል ሓሳባት ኣይነውጽእን ንኸውን። ከምኡ ዝዛረብ ኣነባብራ ግን ክንነብር ዝከኣል እዩ። ሓቂ ሓራ ስለ እተውጽእ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባናን ብዛዕባ ኣምላኽን ዝበሎ ሓቂ ብምፍላጥ ሓራ ክንወጽእ የድልየና።  ቀጺልና ኣምላኽ ሰብ ከም ዘይኮነን ብከምኡ ዓይነት ርድኢት ንኸይንነብር ዝጠቕመናን ገለ ሓሳባት ክንርኢ ኢና።

    

  1. ኣምላኽ ከይሕሱ። ሰብ ኣይኮነን። ከይጠዓስ ከኣ ወዲ ሰብ ኣይኮነን። ዘሁ.23።19  1ሳሙ.15።29

እዚ ኣብ ዘሁ.23።19 ዘሎ እግዚኣብሄር ብኣፍ በልዓም ጌሩ ንባላቕ ንጉስ ሞኣብ ዝተዛረቦ ዘረባ ክኸውን ከሎ እቲ ኣብ 1ሳሙ.15።29 ዘሎ ከኣ ነብይ ሳሙኤል ንሳኦል ዝተዛረቦ እዩ። እዚ ቃል ኣምላኽ። ኣምላኽ ኣይሕሱን ኣይጠዓስን ከኣ እዩ ጥራይ ኣይበለን። ኣምላኽ ሰብ ስለ ዘይኮነ ከም ዘይሕሱን ከም ዘይጠዓስን ተዛሪቡ ኣሎ። ስለዚ ኣምላኽ ኣይጠዓስን ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ሰብ ግን ይሕሱን ይጠዓስን እዩ። ምጥዓስ ማለት ካብ ጌጋኻ ምምላስን ሓሳባትካ ምቕያርን ማለት እዩ። ሰብ ውሱን ስለ ዝኾነን ኩሉ ነገራት ስለ ዘይፈልጥን ብጌጋ ሓበሬታ ዘይከውን ሓሳብ ክሓስብን ዘይቅኑዕ ውሳኔ ክውስንን ይኽእል እዩ። እናተለወጥና ንኸይድ እምበር ኣብ ምድሪ ከሎና ናብ ፍጽምና ክንበጽሕ ስለ ዘይንኽእል  ዝተሰወረና (ዘየቕለብናሉ) ሓጢኣት ክሳዕ ዝሃለወና  ክንጠዓስ ኢና። ኣምላኽ ግን ለውጢ ኮነ ምምልላስ ጽላሎት ዘይብሉ ፍጹም ብርሃን ስለ ዝኾነ ተጣዒሱ ኣይፈልጥን እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ እግዚኣብሄር ከም ዝተጣዕሰ ዘስምዕ ቃላት ንረክብ ኢና። ቃል ኣምላኽ ምስ ቃል ኣምላኽ ስለ ዘይገራጮ ግን በቲ ቅኑዕ መንፈሳዊ ትርጉሙ ክንወስዶ የድልየና። ንኣብነት እቲ ኣብ ዘፍ.6።6 ዘሎ ሰብ ክፉእ ብምግባሩ ኣምላኽ ምሕዛኑን ምጉሃዩን እምበር ንሰብ ምፍጣሩ ጌጋ ከም ዝኾነ ከም ዘየስምዕ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እቲ ሓሳብ ከምኡ ከም ዝነበረ ካብ ዘርእየና ነገር ሓደ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሻምናይ ርእሱ ካብቲ ማይ ኣይሂ ምድሓኑ እዩ (‘ሰብ ብምፍጣረይ ተጋግየ' እንተዝብል ኔሩ። ንኖህን ነታ ኩላ ዝነበረት ዓለምን መጥፍኦም ኔሩ)። ንእግዚኣብሄር ዘጉሃዮን ዘሕዘኖን እቲ ምስሉ ከንጸባርቕ ዝፈጠሮ ሰብ ብሰሪ ዘይምእዛዙ ኣንጻሩ ምኻዱ እምበር ሰብ ምፍጣሩ ኣይኮነን።

ካልእ ኣምላኽ ከም ዝተጣዕሰ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ትንቢት ዮናስ ንረክብ። እግዚኣብሄር ንሰብ ነነዌ እንተ ዘይተመሊሶም ከም ዝጠፍኡ ምስ ነገሮም ስብከት ነብይ ዮናስ ሰሚዖም ተነሲሖም። ሽዑ ኣምላኽ ነቲ ክገብሮም ሓሲቡ ዝነበረ ክፉእ ተጣዒሱሉ ይብል (ዮና.3።10)። ኣብዚ ናይ ዮናስ ትንቢት እግዚኣብሄር ብኩነታት ዝውሰን ትንቢት ተዛሪቡ። እንተ ተመሊሶም ከም ዝመሓሩ እንተ ዘይተመሊሶም ግን ከም ዝፍረዱ ነጊርዎም። መልእኽቱ ሰሚዖም ምስ ተመልሱ ከኣ ምሒርዎም። ስለዚ ኣብ ስጉምቶም ዝተመርኮሰ ውሳነ እዩ ወሲኑ እምበር ተጋግየ ኢሉ ኣይኮነን ሓሳባቱ ቀይሩ። ናትና ግን ካብ ናይ ኣምላኽ ዝተፈልየ ነቲ እንገብሮ ከምቲ ዝግብኣና ጌርና ብዘይምግባርና ንጥዓስን ሓሳባትና ንቕይርን ኢና። ንገለ ነገራትውን ‘እንተ ዘይገብሮ ክንደይ ጽቡቕ ኔሩ' ንብል ኢና። ዘይጠዓስ (ሓሳባቱ ዘይቅይር) ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዝኾነ ንሕና ከኣ ኣምላኽ ስለ ዘይኮንና ክንጋገን ክንእረምን ከም ንኽእል ፈሊጥና ኣብቲ ዘድሊ ዘበለ ክንጠዓስን ክንምለስን ይግባእ። ሓሳባትና ንምልዋጥ ዝኸውን ትብዓት እንተ ዘይብልናን ተጋግየ ምባል ዝኸብደና እንተኾይኑን በዚ ‘ሰብ ኣምላኽ እዩ' ዝብል መንፈስ ተለኺፍና ከይንህሉ ርእስና ክንምርምር ይግብኣና። ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣይጠዓስን እዩ። ሰብ ግን ይጠዓስ።

ኣምላኽን ሰብን ዝፈላለዩሉ ካልኣይ ነገር ሓሶት እዩ። ኣምላኽ ኣይሕሱን እዩ ሰብ ግን ይሕሱ። ሓሶት ማለት ዘይኮነ ነገር (ዘይሓቂ) ምዝራብ ጥራይ ይመስለና እንተኾይኑ ሓሶት ካብ ምዝራብ ሓራ ምውጻእ ክብጻሕ ዝኽእል ደረጃ እዩ። ቃል ኣምላኽ ግን ምስ ጎይታ ሕብረት ኣሎኒ እናበልካ ኣብ ጸልማት ምምልላስ (1ዮሃ.1።6)። ዘይኮንካዮ መሲልካ ምቕራብ (ግብ.5።3)። ንሓውካ ከየፍቀርካ ንኣምላኽ የፍቅሮ እየ ምባል (1ዮሃ.4።20) . . . ሓሶት ከም ዝኾነ ይምህር። የሱስ መንገድን ሓቅን ህይወትን ስለ ዝኾነ ንእኡ ብምልኣት ኣብ ህይወትና ከነርእዮ ክሳብ ዘይከኣልና ካብ ሓሶት ብምልኣት ነጻ ወጺእና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ብጸጋ ኣምላኽ ካብ ኩሉ እንፈልጦ ሓጢኣት ሓራ ክንወጽእ ንኽእል ኢና (ሮሜ.6።14)

ብዛዕባ ሓጢኣት ዝነበረና ፍልጠት ነንመዓልቱ እናወሰኸ ስለ ዝኸይድ ግን ብመጠን እቲ ዝበርሃልና ብርሃን መንቅብ ዘይብሎም እምበር ሓጢኣት ዘይብሎም ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ሓጢኣት የብለይን ምባል ከኣ ርእስኻ ምጥባር እዩ (1ዮሃ.1።8)። ብደጌኻ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ዘሎካ እናመሰልካ ኣብ ጸልማት (ሓቀኛ ኩነታትካ ሓቢእካ) ምምልላስ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ሕብረት ዘበላሹን ኣብ ፍርዲ ዘውድቕን እዩ። ኣብ ግብ.5 ሃናንያ ብኸመይ እዩ ንመንፈስ ቅዱስ ሓስይዎ?  መሬትካ ሽጥ ዝበሎ ኣይነበሮን። ካብቲ ሽያጥ ምቃል ወይ ብምሉኡ ኣምጽኣዮ ዝበሎውን ኣይነበሮን። ናይ ሃናንያ ሓሶት ምቃል እናቐመጠ ንብምሉኡ ሽያጥ ናይ መሬቱ የቐምጦ ከም ዘሎ ኮይኑ ምቕራቡ እዩ። ሓጢኣቱ ዘይኮኖ መሲሉ ምቕራቡ እዩ። ሰበይቱውን ንኣምላኽ ንምሕሳው ምስኡ ስለ ዝተሰማምዐት ‘እወ ብክንድኡ ኢና ሼጥናዮ' ብምባላ ብሞት ተቐጺዓ።  ዘይኮንናዮ መሲልና ምቕራብ ንሰባት ከደናግሮም ይኽእል ይኸውን። ገሊኦምውን ፈሊጦም ሸለል ይብሉና ይኾኑ። መንፈስ ቅዱስ ግን ኣምላኽ ሰብ ከም ዘይኮነ ምእንቲ ከፍልጠና እቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን መቕጻዕቲ ዘምጽአ ናይ መጀመርያ ሓጢኣት ዝሙት። ስርቂ ወይ ቅትለት ዘይኮነስ ሓሶት ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

ዮሃንስ ኣብ መልእኽቱ ንሓውካ ከየፍቀርካ ንኣምላኽ የፍቅሮ እየ ምባል ሓሶት ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ። ንሓውና ከየፍቀርና መንፈሳዊ ንጥፈታት ብምግባርና ጥራይ ንዓግብ እንተሎና ኣምላኽ ከማና ስለ ዘይኮነ ‘ሓሰውቲ' እምበር ‘ኣመንቲ' ከም ዘይብለና ቃሉ ኣነጺሩ ይነግረና። ሃዋርያት ንሓድሕዶም ብግብርን ብሓቅን ይፋቐሩ ኔሮም። ብከምኡ ክንፋቐር ከኣ ጽሒፎም (1ዮሃ.3።18)። ንዝተሸገረ ሓውካ ክትሕግዞ እናኸኣልካ ዘይትሕግዝ እንተኾንካ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣባኻ ኣይትነብርን እያ። ንስኻ ከኣ ሓሳዊ ኢኻ። ኣብዚ ንዓይ እምበር ንሓወይ ዘይበሃለሉ ዘመን በቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጠን ነሕዋትና ነማቕልን ንሕግዝንዶ? ነሕዋትና ብግብሪ ከነፍቅሮምን ብዝኸኣልናዮ መጠን ብዘሎና ክንሕግዞምን ይግብኣና። ሃዋርያት ብግብሪ (ንጽጉም ብተግባር ምሕጋዝ) ጥራይ ዘይኮነ ብሓቂ ከኣ ይፋቐሩ ኔሮም። ካብ ገዛእ ርእሱ ኮነ ካብ ሓዉ ንላዕሊ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ዘየፍቅር ሰብ ሰዓቢ ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሃዋርያት ነዚ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ሓዎም ካብቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ክጎድልን ካብ ሓቂ ክዘብልን ከሎ ሸለል ይብሉ ኣይነበሩን።

ሎሚ ዘሎና ኣመንቲ ‘ኣሕዋትና ከይጉድኡና ስለ እንጥንቀቕ' ክጸድፉን ክወድቁን እናረኣናዮም ተመለሱ ኣይንብሎምን ኢና። እዚ ግን ንኣምላኽ ከም ዘይነፍቅሮን ብዛዕባ ኣሕዋትና ከም ዘይግድሰናን ዘርኢ እዩ። ንስኻ ንሓውኻ ሰኣን ምግሳጽካ ኣብ ሓጢኣት እንተ ወዲቑ ብኡ ጌሩ ከም ዝጠፍእ ክትርስዕ የብልካን። ምኽንያቱ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ። ሃዋርያት ሓጢኣት ብዝኾነ ዋጋ ካብ ህይወቶም ክርሕቕ ከም ዘለዎ ይርድኦም ስለ ዝነበረ ተግሳጽ ዝቕበልን ዝእረምን ልቢ ኔርዎም። እቲ ንኣምላኽን ነሕዋቱን ዘፍቅር ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጴጥሮስ ብሓቀኛ ፍቕሪ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ ተገቢዙ ምስ ረኣዮ ገጽ ንገጽ ተቓዊምዎ (ገላ.2።11)

እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነበሮ ሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ ‘ኣነ ኣምላኽ እየ' ዝብል ርድኢት ስለ ዘይነበሮ እቲ ካብ ኩሎም ሃዋርያት ዝነኣሰ ጳውሎስ ገጽ ንገጽ ምስ ተቓወሞ ንተግባራቱ መርትዖ ክረኽበሉ ወይ ከመሳምስ ጊዜ ኣይወሰደን። ‘ጽቡቕ እኳ ኣሎኻ ግን ብኸምዚ ኣገባብ ክትገብሮ ኔሩካ' እውን ኣይበሎን። እኳ ደኣ ተኣሪሙስ ኣብ መልእኽቱ "እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ" ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (2ጴጥ.3።15)ኣብ ተግሳጽ ብዘሎና ርድኢት ብመንፈስ ናይዚ ‘ሰብ ኣምላኽ እዩ' ዝብል ማይ ብሑቕ ተተንኪፍናዶ ወይስ ኣይተተንከፍናን ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ንዝተዋህበና ተግሳጽ ዋላ እቲ ኣገባብ ከምቲ ክኾኖ ዝግብኦ ኣይኹን (ጸኒሑ ክእረም ስለ ዝኽእል) ካብ ነዊሕ ዘረባውን እታ ትጠቕመና ሓንቲ ቃል ጥራይ ንምውሳድ ዝተዳለወ ልቢ ይሃልወና። ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ሰባት እምበር ኣምላኽ ዘይምዃንና እንተ ፈሊጥና ሓራ ክንወጽእ ኢና። ኣምላኽ ሰብ ኣይኮነን። ሰብ ከኣ ኣምላኽ ኣይኮነን። ቃል ኣምላኽ ሓቂ እዩ። ሓቂ ከኣ ሓራ ተውጽእ እያ።

                           ይቕጽል . .