05
Thu, Jun
0 New Articles

የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ? (6ይ ክፋል)

Apologetics
Typography
ኣምላኽ ጽድቅና

ሰባት ጽድቂ ይደልዩ እዮም ግና እቲ ኣምላኽ ዝሓቶ ጽድቂ ግና ከማልኡ ኣይክእሉን እዮም። (ሮሜ3፣23) ግና ሓንቲ መዓልቲ ኣምላኽ ካብ ጉንዲ እሰይ ዘርኢ " ጨንፈር ጽድቂ" ከም ዘልዕል ንሱ ኸኣ "እግዝኣብሄር ጽድቅና እዩ" (ኤር 23፣6, 33፣15, 16) ዝብል ስም ከም ዝዋሃቦ ናይ ብሉይ ኪዳን ትንቢታት ይዛረቡ። ብመሰረት ቡሉይ ኪዳን እቲ ጨንፈር እቲ መሲሕ ወይ ክርስቶስ እዩ (ምስ ሉቃስ 1፣32 ኣነጻጽር) ካብቲ ሓደ ሽም ናይ የሱስ " ያህዌ ጽድቅና እዩ" ዝብል እዩ። ኢሰ 45፣24 ከምዚ ይብለና "ብዛዕባይ ከኣ ጽድቅን ስልታንን ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ክበሃል እዩ"።


  ሰብኣይ

ካብቲ ሓደ ጉሩም ባህሪ ናይ ሰብኣይ ብፍላይ ከኣ እዚ ሽም እዚ ንኣምላኽ ክዋሃብ ከሎ ሓደ ዘዘክረና ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ከምቲ ሰብኣይ ንሰበቱ ወይ ከኣ ሰበይቲ ንሰብኣያ ድሌቶም ዝመላልኡ  ልክዕ ከምኡ ኸኣ ኣምላኽ ብፍቕሩ ጌሩ ንናይ ሰብ ባዶነትን በይንነትን ከም ዝመልእ ንምዝኽካር እዩ። ኢሰያስ ነዚ ሓቂ እዚ ንእስራኤል ብምዝኽካር ከምዚ ኢልዎም ኣሎ "ሰብኣይኪ ፈጣሪኺ ክበሃል እዩ" (ኢሰ 45፣5)።

ኣብ ትንቢት ሆሴኤ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣስራኤል ምስ እሙን ሰብኣይ ንኣምንዝራ ብምፍቃር ኣወዳዲርዎ ኣሎ። ምንም እኳ ኣምላኽ ንእስራኤል ክፈርዳ ምኻኑ እንተ ተዛረባ ሓንቲ መዓልቲ ግና እስራኤል ንኣምላኽ ከም እንደገና ሰብኣየይ ኢላ ከም እትጽውዖ ተስፋ ኣትዩላ ኣሎ (ሆሴ 2፣16)።

ከምቲ ኣምላኽ "ሰብኣይ" እስራኤል ዝኾነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እውን የሱሱ ናይ ማሕበሩ ወይ ቤተክርስትያን "ሰብኣይ" ምካኑ እዩ ዝዛረብ።

የሱስ ክርስቶስ ንሱ "መርዓዊ" ክሳብ ዘሎ ደቂ መዛሙርቱ ክጸሙ ግቡእ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ። (ማር 2፣18, 19)፣ ኣብ ማቲ 25፣1 እተን ደናግል (ቤተክርስትያን) ነቲ "መርዓዊ" ክጽበይኦ ተነጊርዎን፣ ኣብ 2ቆሮ 11፣12 ጳውሎስ ነታ ቤተክርስትያን ምስ ሓደ "ሰብኣይ" ከም ዘሕጸያ ይዛረብ፣ ኣብ ራእ 21፣2, 9 የሱስ ናይታ "መርዓቱ" "ኣብ ሰማይ ዘላ ሓዳስ ዮርሳሌም" "ሰብኣይ" ምዃኑ ይዛረብ። ከም ኣምላኽ እምበኣር የሱስ ክርስቶስ እውን መለኮታዊ ሰብኣይ እዩ። 

ጓሳ

እቲ ጉሩም ዝኾነ ንኣምላኽን ንሓልዮቱን ዝገልጽ ስም ጓሳ ዝብል እዩ። ""እግዚኣብሄር ጓሳይ እዩ ዝጐድለኒ የብለይን" እዚ ዳዊት ኣብ መዝሙር 23፣1 ዝዘመሮ መዝሙር እዩ። ""ዎ ጓሳ እስራኤል ጽን በል፣ ንዮሴፍ  ከም መጓሰ እትመርሖ"" ይብል ወሲኩ ዳዊት ኣብ መዝሙር 80፣1 ንኣምላኽ ""...በቲ ሓላውን ከውሒ እስራኤልን" ኢሉ ይገልጾ፣ ህዝቄል ከኣ ምዕራፍ ምልእቲ ኣምላኽ ጓሳ ምኻኑ ገሊጹ ኣሎ ""ንቤት እስራኤል ንመብልዕ መጓሰኡ"" ይብል ህዝቄል 34፣

ሽሕ እኳ ጓሳ ዝብል ቃል ጥራይ መልኮትነትን ኣምላኽነትን ክርስቶስ ዘረጋግጽ እንት ዘይኮነ ጴጥሮስን ጸሓፊ ናይ እብራውያንን ግና ንየሱስ ""ሓለቓ ጓሶት"" ""ዓቢይ ጓሳ ኣባጊዕ"" ከምኡ ድማ "" እቲ ሓላውን ጓሳ ነፍስናን"" ኢሎም ጸዊዖምዎ ኣለዉ (እብ 13፣20, 1ጴጥ 5፣4) ከምኡ ኣውን የሱስ ባዕሉ ንገዛኣ ርእሱ "" ጓሳ"" ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ ""ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ"" ዮው 10፣11 ወሲኹ እውን  ""... ጓሰኣን እውን ሓደ እዩ" ዮው 10፣16።

ፈጣሪ

ኣታ ጀማሪት ጥቕሲ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ "ኣምላኽ ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ" ትብል። ዘፍ 1፣1 ኣምላኽ ፈጣሪ ምኻኑ ብግልጺ ይዛረብ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ፈጣሪ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ንኣይሁዳውያን ዓቢ ጸርፊ እዩ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ኸኣ ኣምላኽ ንዓለም ከም ዝፈጠራ ተዛሪቡ ኣሎ (እዮ 33፣4, መዝ 95፣5, 6, 102፣25, 26, መክ 12፣1, ኢሰ 40፣28)

ሓድሽ ኪዳን ክርስቶስ ፈጣሪ እዩ ብምባሉ ኣምላኽነትን መለኮትነትን የሱስ ክርስቶስ ኣጽኒዕዎ ኣሎ። "ቃል ብመጀመርያ ነበረ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ፣ እዚ መጀመርያ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፣ ብእኡ ኹሉ ኾነ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን... ኣብ ዓለም ነበረ ዓለምውን ብእኡ ኾነት ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን" ዮው 1፣2, 3, 10።

ኣዚ ኣብዚ ክንዲ ስም ተጠቂሙሉ ዘሎ ቃል ብዘየደናግርን ብንጹር መንገድን ንየሱስ እዩ ዘመልክት። ጳውሎስ እውን ነዚ ዝምልከት ተመሳሳሊ ሓሳባት ገሊጹ ኣሎ። ""ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፣ ዚርኤን ዘይርኤን፣ ዝፋናት ኰነ ወይስ ጉይትነት ወይስ ስልጣናት፣ ኩሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎ እሞ ኩሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ፣ ንሱ ኽኣ ቕድሚ ኹሉ እዩ፣ ኩሉውን ብእኡ ቖይሙ ኣሎ፣ ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፣ ማለት ንማሕበር፣ ብኩሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክከውንሲ ንሱ መጀመርያ እዩ፣ ካብ ምውታት እውን በኹሪ እዩ"። ቆሎ 1፣16-18

እዚ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ዝጸሓፎ ሕጥቦ ጹሑፍ እዩ። እቲ ኣብዚ ንመተሓሓዚ ክንዲ ስም ተጠቂምሉ ዘሎ ንሓዳ ኣካል ጥራይ እዩ ዘመልክት። ብዛዕባ እቲ ""ኩሉ ነገር ብእኡ ዝተፈጥረ" እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ። ብዛዕባ እቲ "ርእሲ ማሕበርን ""ቦኽሪ ፍጥረትን ምውታትን" ብመሰረት ኤፌሶን 5፣23ን ዮውሃንስ 1፣1ን 1ቆሮ 15፣20 የሱስ ክርስቶስ ወናኒ እዚ ኹሉ ነገር እዩ። ጸሓፊ ናይ እብራውያን እውን እንተ ዀነ ነዚ ነገር እዚ ከምዚ ብምባል ኣስሚሩሉ ኣሎ "ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መንገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ንኣና በቲ ወራሲ ኩሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና" እብ 1፣1-2፣ ኣብ ተመሳሳሊ ምዕራፍ ኣብ ጥቅሲ 8 ድማ ወዱ ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ፣ ቐጺሉ ኸኣ "ድማ ጐይታይ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም"። ይብል ኣብ እብ 1፣10

ልውሲ ስፔርይ ቻፈር ክገልጽ ከሎ "ፍጥረት ንባዕሉ ካብቲ ሓደ መዘና ዘይብሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ግብሪ ኣእዳዉ እዩ። ኣምላኽ ካብ ዘየለ እዩ ህልዊ ጌርዎ፣ እዚ ድማ ነቲ ካብ ዘየለ ህልው ነገር ክመጽኣ ኣይክእልን እዩ ዝብል ዘረባ ውዱቕ ጌርዎ እዩ። ኣብዚ ንጹር ዝኾነ ነገር እንተሃልዩ ካብ ዘየለ እወን ዘይምህላው ክመጽእ ከም ዝኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቁዱስ ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ኣምላኽ ምልኣት ነዚ ሎሚ ዘሎ ኩሉ ነገር ናብ ህላውነት ከም ዘምጾኦ ንጹር ጌርሉና ኣሎ። ኣምላኽ ምንጪ ናይ ኩሉ ነገር እዩ። ከምቲ ኣብ ሮሜ 11፣36 ተጠቒሱ ዘሎ "ኩሉ ኻብእ እዩ ብእኡ ንእኡን ድማ እዩ እሞ ንእኡ ንዘልኣለም ክብሪ ይኹኖ ኣሜን" ዝብሎ እቲ ሓጋዚ ዘይብሉ ኣምላኽ ከኣ ብፍቓዱ ንኹሉ ከም ዝፈጠሮ የረጋግጸልና። እዚ ጥቕሲ እዚ ፍጥረት ኩሉ ከይኮነ ኸሎ ኣብ ኣምላኽ ፍሉጡ ምንባሩ ዘረጋግጽ እዩ። ኣብ ቆሎሴ 1፣6-7 ግና እዚ ንኣምላኽ ዝተዋህበ መገልጺ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ እውን ኩሉ ብእኡ ንእኡ ከም ዝተፈጥረ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ ፈጣሪ ምካኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

ወሃቢ ህይወት

ክብሪ ናይ ኩሉ ፍጥረት ዝተረጋገጸ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ኮነ ዝብል ኣብ ዘፍጥረት 2፣7 ዘሎ ቓል ምስ ተፈጸመ እዩ። ኣብ ዘዳግም 32፣39 "... ድሕሪ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ" የለን ምስ በለ ቐጺሉ "ኣነ እቐተል ህያው ከኣ ይገብር" ኢሉ እዚ ምስቲ ኣብ መዝሙር 36፣9 ዘሎ ነነጻጽሮ።

የሱስ እውን ከምዚ በለ "ኣቦ ንምውታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ክም ዚገብሮም ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለይም ህያዋን ይገብሮም እዩ" (ዮው 5፣21)። ኣብቲ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ዘተንሳኣሉ ጊዚያት ከኣ የሱስ "ኣነ ትንሳኤን ህይወትን እየ" በለ። ቀጺሉ ኸኣ ንሱ ናይ ዘልኣለም ህይወት ዝህብ ምዃኑ ተዛሪቡ። "ኣነ ኸኣ ህይወት ዘልኣለም እህብን ንዘልኣለም ድማ ኣይጠፍኣን  እየን ካብ ኢደይ ከኣ ዝምንዝዓን የልቦን... ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና" ዮው 10፣28, 30። የሱስ ክርስቶስ ናይ ብሉይ ኪዳን ጽሑፋት መረጋገጺ ብምምጻእ ኣብ ዮውሃንስ 5፣39-40 ከምዚ በለ "ናይ ዘልኣለም ህይወት በተን ጹሑፋት እትረኽቡ እናመሲልኩምሲ ትምርምርዎን ኣለኹም ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ"።

ሓጥያት ዝሓድግ

ኣምላኽ በይኑ ጥራይ እዩ "ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጥያትን" ይቕረ ክብል ዝኽእል። (ዘጸ 43፣7 ብተወሳኺ እውን ኣብ ነህ 9፣17-, መዝ 86፣5, 130፣4, ኢሰ 55፣7, ኤር 31፣34, ዳን 9፣9, ዮው 4፣2)። እቲ ኣምላኽ ዝኾነ ወልድ ማለት የሱስ ከኣ ሓጥያት ይቕረ ክብል ይኽእል። ኣብ ቆሎሴ 2፣13ን ኣብ 3፣13ን የሱስ ንዓመጽ ይቕረ ዝብል ምኻኑ ይዛረብ። የሱስ ንጳውሎስ ክዛረቦ ኸሎ "ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጥኣትን ርስቲ ምስ ቁዱሳንን ኺረኽቡ" ይብል ኣብ ግብ 26፣18።

ገለ ሰባት ንሓደ መጻጉዕ ሰባኣይ ሒዞም ንኽሓውየሎም ናብ የሱስ መጹ (ማር 2፣1-12) የሱስ እናማሃር ከሎ ድማ ብልዕሊ ናሕሲ ኣውሪዶም ንኽሓዊ ኣብ እግሪ የሱስ ክርስቶስ ኣንበርዎ። የሱስ ከኣ ብእምነቶም ኣዚዩ ብምግራም ነቲ መጻጉዕ ሰብኣይ "ወደይ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ" በሎ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ንኣበሃህላ የሱስ ስለ ዘይተቕበልዎ እንታይ ዓይነት ትዕቢትን ድፍረትን ጸርፍን እዩ እዚ ኢሎም ኣጉረምረሙ። የሱስ ግና ከመይ ጌሩ እዩ ሓጥያት ናይቲ ሰብኣይ ፈሊጡስ ከምቲ ንኣምላኽ ዝበደሎ ንዕኡ ከኣ ከም ዝበደሎ ጌሩ ልክዕ ከም ኣምላኽ ኾይኑ ዶ ኣይኮነን ይቕረ ዝብለሉ ዘሎ? ነዚ ክገብር ከ ሓይሊ ኣለዎ ድዩ? ኣብዚ ግና መልሲ የሱስ ንጹር እዩ ኔሩ። ንሱ ናይ ትዕቢት ቃል ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ፣ ሓቂ እዩ ዝተዛረበ፣ እቲ መረጋገጺ ከኣ እዚ እዩ "ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሓድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ክትፈልጡ ነቲ መዛጉዕ ንኣኻ እብለካ ኣለኹ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ በሎ ብእብኡ ተንሲኡ ዓራቱ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ኹሎም ወጸ ኩሎም ተደነቑ እሞ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ"።

ብዛዕባ እዚ ጹሑፍ እዚ ብፍላይ ከኣ እታ ኣብ ማርቆስ 2፣7 ዘላ ጥቕሲ ሓደ አይቲ ሮበርትሶን ዝተባህለ ሰዋስው ናይ ግሪኽ ዘጽንዕ ሰብ ብከምዚ ይትንትና

እዚ ነገር እዚ ንየሱስ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዓቢ ጸርፊ ከም ዝጸረፈ ጌሮም እዮም ወሲዶሞ፣ እቲ ስነ መጎቶም ቁኑዕ እዩ። ኣብዚ የሱስ ከምዚ ምባሉ ንባዕሉ የሱስ ምስ ኣምላኽ ሓደ ኣገራሚ ርክብ ከም ዘለዎ እሞ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ ሉዑላን ሓይልታት ባእሲ ከም ዘሎ ይመልስ ግና የሱስ ክርስቶስ ነቲ መጻጉዕ ሰብኣይ ሓጥያትካ ተሓዲጉልካ ዝበሎ ቓል ንዕኡ ብምፍዋሱ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ"

ሓደ ሮበርት ኣለን ኮል ዝተባህለ ሰብ ከኣ ብዛዕባ እዚ ኣብ ማርቆስ የሱስ ዝበሎ ክዛረብ እንከሎ " እዚ ሕጥቦ ጹሑፍ እዚ ብዝተፈላለየ ዓይነት ኣመለካኽታ ክንርእዮ ይከኣል እዩ ግና ኩሉ ኣብ ጥቕሲ 10, 11 እዩ ዝጠቓለል የሱስ ከኣ ብካልኣ ኣዘራርባ ከምዚ እዩ ዝብሎም ዘሎ "ንስኻትኩም ኣምላኽ ጥራይ እዩ ሓጢኣት ዝሓድግ ዶ ትብሉ የለኹምን ኣነ ኸኣ ልኽዕ ከምኡ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ወይ ሰብ ከርእየኩም እየ። እዚ ድማ ነቶም ጸሓፍቲ ክርስቶስ የሱስ ንገዛኣ ርእሱ ምስ ኣምላኽ የማዓራሪ ከም ዘሎ ክሓስቡ ቐሲብዎም እዩ፣

ብዛዕባ እዚ ናይ ይቕሬታ ሓሳብ እዚ ንዓይ ብዙሕ ይርድኣኒ ብዘይምንባሩ ብዙሕ የጨንቐኒ ኔሩ እዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ክላስ ፍልስፍና እናተመሃርና ከሎና ብዛዕባ ኣምላኽነት የሱስ ንዝተሓተ ሕቶ ንምምላስ ካብ ማርቆስ 2 ጥቅሲ ብምምጻእ መለስኩ። ሓደ ተሓጋጋዚ መምህር ግና ነቲ እዚ ኣምላኽነት ወይ መለኮታውነት የሱስ ዘረጋግጽ እዩ ዝብል ንዝሃብክዎ መልሰይ ከምዚ ብምባል በዳሃኒ ንገለ ሰብ ይቕረ ክብል ይኽእል እዩ እዚ ግና ኣምላኽ ምኻኑ ብፍጹም ኣየረጋግጽን እዩ።

እቲ ተሓጋጋዚ መምህር ከምዚ ምስ በለ ኸኣ ስለምንታይ እቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ኣንጻር የሱስ ከምዝተላዕሉ ተረዳኣንን በረሃለይን እሞ፣ እወ ልክዕ እዩ ሓደ ሰብ "ይቕረ ኢለልካ" እየ ክብል ይኽእል እይ እዚ ግና በቲ ተበዳሊ ጥራይ እዩ ዝበሃል ብኻልእ ኣዘራርባ ንስኻ ንዓይ እንተ በዲልካኒ ደሓን ይቕረ ኢለልካ ኣለኹ ክብለካ ይክእል እየ። ኣብዚ የሱስ ዝገብሮ ዘሎ ግና ኣዚዩ ፉሉይ እዩ። እቲ መጻጉዕ ሰብኣይ ኣንጻር እግዚኣብሄር ኣቦ እዩ ዓሚጹን በዲሉን የሱስ ከኣ በቲ ዝነበሮ ስልጣን "ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ" ዝብሎ ዘሎ፣

ርግጽ እዩ ንሕና ነቶም ዝበደሉና ይቕሬታ ክንገብረሎም ይከኣል እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዝበደሉ ሰባት ግና ይቕረ ክንብለሎም ኣይንኽእልን ኢና ከምኡ ክገብር ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። የሱስ እምበኣር ከምዚ እዩ ጌሩ። የሱስ ክርስቶስ እምበኣር ንሓጢኣት ይቕረ ንምባል ዝነበሮ ስልጣን እቲ ኣምላኽ ጥራይ ክህልዎ ዝኽእል ክእለት ከምዘለዎ መረጋገጺ እዩ።

ኣምላኽ ፈዋሲና እዩ

ኣብ ዘጻኣት 15፣26 ያህዌ ከምዚ በለ "ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ" ሽሕ እኳ ኣምላኽ ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ዘመንን ንዝተፈላለዩ ሰባት ናይ ፈዉሲ ህያብ እንተሃቦም እንትርፎ የሱስ ክርስቶስ ብናቱ ስልጣን ይፍውሱ ከም ዘለዉ ዝተዛረበ ሓደ እኳ የልቦን። እቶም ቀዳሞት ደቂ መዛሙርቲ ኣብ ስልጣኑ ብምእማን ብስም የሱስ ሕሙማት የሕውዩን ኣጋንንቲ የውጹን ነበሩ። (ማቴ 10፣1, ማር 9፣38, ሉቃ 10፣17) ጸላእቲ የሱስ ኩሎም ሪዒዶም (ዮው 9፣24) እንታዋይ ጡዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ እዩ ብስመይ ክፍውስን ኣጋንንቲ እውን ከውጽእ ይኽእል እየ ዝብል? ከምዚ እንተ ኾይኑ እሞ እቲ ንኣምላኽ ጥራይ ዝግባኣ ክብሪ ይወስዶ ኣሎ ማለት እዩ።

የሱስ ክርስቶስ ሕሙማት ከሕዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ስልጣን ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ ኣሎ (ማቴ 12፣22-29)። እቶም ዝወደቑን ዝተሳዕሩን ኣጋንንቲ  ከይተረፉ " ቕዱስ ኣምላኽን" ከምኡ ኸኣ "ወዲ ኣምላኽ" ምኻኑ ኣሚኖም ይንቅጥቀጡን ይኣምኑን ነበሩ። እታ ቐድማይቲ ቤተ ክርስትያን ኩሎም መልኣኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ኣብ ትሕቲኡ ምዃኑ ትሰማማዕን ትምህርን ነበረት። (1ጴጥሮስ 3፣22) ኣብ ግብ 9፣34 ጴጥሮስ ንሓደ ኤንያ ዝተባህለ መጻጉዕ ሰብኣይ ምስ ረከቦ "ኤንያ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ ተንስእ ባዕልኻ ኣንጽፍ በሎ ብኡብኡ ኸኣ ተንሴኤ።" ኣብዚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የሱስ ንምሕዋይ ልኽዕ ከም ናይ ኣምላኽ ዝብለ ስልጣን ኣለዎ፣

እዞም ኩሎም ዝረኣናዮም ብዛዕባ የሱስ ዓው ኢሎም ዝዛረቡ ጥቕስታት እምበኣር ኣምላኽነት የሱስ ዘረጋግጹ እዮም፣ የሱስ ባዕሉ ንገዛእ ርእሱን ካልኦትን እቲ ኣምላኽ ጥራይ ዘለዎ መዝነትን ሽምን ተዋሂብዎ ኣሎ። ያህዌ, ኣምላኽ, ኣልፋን ኦሜጋን፣ ጐይታ, መድሓኒ, ንጉስ, ፈራዲ, ተበጃዊ, ኣምላኽ ጽድቅና, ካልእ ምስ ኣምላኽ ዘመሳስልዎ ኣስማት ከኣ ብርሃን ከውሒ ሰብኣይ ጓሳ ፈጣሪ ወሃቢ ህይወት ሓጥኢት ዝሓድግን ፈዋስን። ሰለዚ የሱስ ኣምላኽ እዩ።