ምዕራፍ ሰለስተ
የሱስ ክርስቶስ እቲ ኣምላኽ ዘለዎ ባህሪ ይውንን
ኣምላኽ ፉሉይ እዩ። ንሱ ጥራይ እዩ ፉጡር ዘይኮነ። ንሱ ፈጣርን ንብዘሎ ኣድማስ ድማ ጸይሩ ዘሎን መሰረት ኩሉ ፍጥረት ዝኾነ ኣምላኽ እዩ። ናይ ኣምላኽ ኢድ ኣብ ፍጥረት ኩሉ ንርእዮ ኢና። ግና እቲ ናቱ ስርሓት ወይ ፍጥረት ሓደ ክፋል ኣምላኽ ወይ ከኣ ንባዕሉ ልክዕ ከም ኣምላኽ ኣይኮነን። ንኣብነት ሰባት ሰብኣውያን እዮም ማለት ንሓስብ፣ ንውስን፣ ነፍቅር። ንሕና ብመልኽዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ኢና።
ኣምላኽ ሰብነት ወይ ፐርሰናሊቲይ ኣለዎ። ይኹን እምበር ንሕና ኣምላኽ ኣይኮናን። እንተደኣ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ኮይኑ ናይ ግድን እቲ ኣምላኽ ዘለዎ ባህርያት ክህልዎ ኣለዎ። ኣብዚ ምዕራፍ እዚ እምበኣር እተን ኣዝየን ኣገደስቲ ሓሙሸተ ባህሪ ኣምላኽ ክንፍትሽ ኢና ብኡ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ነዘን ሓሙሽተ ባህርያት ከም ዘለወኦ ክንምልከት ኢና።
ኣብ ኩሉ ዝርከብ ወይ ኦምኒ ፕረሰንት
ኣምላኽ ኣብ ኩል ነገርን ኣብ ኩሉ ቦታን ኣብ ብዘላ ኣድማስ ብሓደ ጊዜ ይርከብ። እዚ ድማ ኣዩ ኣብ ኩሉ ዝርከብ ወይ ኦምኒ ፕረሰንት ዘብሎ። ግና ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ነገር ኣሎ ማለት ኣምላኽ ኩሉ ነገር እዩ ማለት ኣይኮነን። ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣሎ ማለት ከኣ ከም ኣበኣህህላ ሂንዱ ኩሉ ፍጥረት ኣካል ኣምላኽ እዩ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣምላኽ ኣግራብ እኳ እንተፈጠረ ገረብ ግና ኣካል ወይ ክፋል ኣምላኽ ኣይኮነን።
ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣሎ ክንብል እንከሎና ካብ ሰብኣውነት መንገዲ ተላዒልና ኢና (መዝ 139፣7, ምሳ 3) እዚ ማለት ከኣ ንኽሕግዘና ይኽእል። ከድሕነና ከፍቅረና ክሕልወናን ክከላኸለንላን ናይ ህዝቡ እቲ ዓሚቕ ድሌት ከኣ ክምልኣ ይኽእል ማለት እዩ። ሓድሽ ኪዳን ከኣ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ስፍራ ከም ዝርከብ ይነግረና። ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ "እቲ ዝወረደ ንኹሉ ምእንቲ ክመልእ ልዕሊ ኹሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ" ኤፍ 4፣10። የሱስ ክርስቶስ ከኣ ንደቂ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም "ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ እትኣከብሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣማእከሎም እየ" ማቴ 18፣20። ወሲኺ ከኣ "ኣነ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም እየ" ማቴ 28፣20። ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ዝኣመነ ሰብ ከም ዝሓድር ተዛሪቡ ኣሎ (ሮሜ 8፣9, ገላ 2፣20, ኤፍ 3፣17, ቆሎ 1፣27, ራእ 3፣20)። "ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣካኻትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም? 2ቆሮ 13።5 እንታዋይ ኮን እዩ ብድፍረት ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣመንቲ ይነብር እየ ዝብል?
ኩሉ ዝፈልጥ ወይ ኦምኒ ሸንት
ኣምላኽ ኩሉ ይፈልጥ እዩ ክንብል እንከሎና ኣምላኽ ንኩሉ ዝተፈልጠ ብሕጂ ዝፍለጥ ወይ ነቲ ገና ዘይተፈልጠ ዘሎ ኮታ ናይ ዘልኣለም ፍልጠት ዘለዎ እዩ ማለትና እዩ። ኣምላኽ ናይ ኩሉ ነገር ፍጹምን ዘልኣለማውን ፍልጠት ኣለዎ። ኣምላኽ ዘሎ ኩሉ ናይ ምፍላጥ ሓይሊ ከምቲ ንሕና ዘሎና ፍልጠት ኣይኮአነን። ንሕና ተማሂርና ኢና እንፈልጥ ናይ ኣምላኽ ፍልጠት ግና በዚ ናይ ምምሃር መንገዲ ኣይኮነን ዝመጽእ። እቲ ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ፍልጠት ኣብ ስነ ሓሳብ ወይ ኣብ ግምት ወይ ኣብ ምኽንያት ዝተሞርኮሰ ኣይኮነ። ናቱ ፍልጠት ቐጥታዊ ቕጽበታዊ ንጹር ሓቀኛ እዩ። ኩሉ ዝፍለጥ ነገር ብኣምላኽ ፉሉጥ እዩ።
ሓድሽ ኪዳን ከኣ ክርስቶስ ኩሉ ነገር ከም ዝፈልጥ ናይ ዝሓለፈ ናይ ሕጂ ናይ መጻኢ ከኣ ከም ዝፈልጥ ይነግረና። ኣብ ዮው 2፣24-25 ከምዚ ይብለና "የሱስ ግና ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ" እንደገና ደቂ መዛሙርቱ ብዛዕብኡ ክምስክሩ ከለዉ "ኹሉ ከም እትፈልጥ... " ዮው 16፣30። ጴጥሮስ እውን ክዛረብ ከሎ "... ጐይታይ ንስኻ ኩሉ ትፈልጥ ኣሎኻ" ኢሉ ይምስክር ዮው 21፣17። የሱስ ኩሉ ስለ ዝፈልጥ ኣቀዲሙ መን ከም ዘትሕዞ ይፈልጥ ነበረ (ዮው 6፣64)
ብዛዕባ ኩሉ ፈላጥነት ክርስቶስ ዶክተር ጆን ዋልቮድ ክዛረቡ ከለዉ
"ብተመሳሳሊ መንገዲ ክርስቶስ ቅድሚ ነገራት ምኻኖም ንዝነበሮ ፍልጠጥ ዘረጋግጹ ጹሑፋት ኣለዉ (ዮው 13፣1, 11, 18፣4, 19፣28) ምስቲ ዝነበሮ ኩሉ ናይ ምፍላጥ ክእለት ከኣ ጥበብ ኣምላኽ ከም ዝነበረ ይዛረብ (1ቆሮ 1፣30) እዚ ሓይነት ጥበብ እዚ ንቶም ኣዚዮም ጥበበኛታት ነብያት ከይተረፈ ኣይነበሮምን ንሱ እዚ መለኮታዊ ዝኾነ ባህሪ ኣምላኽ ኔርዎ እዩ"
ቶማስ ሹልትዝ ከኣ ከምዚ ክብል ትዕዝብቱ ገሊጹ እቲ ክርስቶሳዊ ፍልጠት ካብ ሰብኣዊ ፍልጠት ኣዚዩ ፉሉይ እዩ። ንሱ ኣዚዩ ፈላጥ ወይ ካብ ኩሎም ደቂ ሰባት ንላዕሊ ጥበበኛ ጥራይ ኣይነበረን ናቱ ጥበብ ካብ ናይ ደቂ ሰባት ውስንነት ዝሓለፈን ፉጹም ዝኾነ ፍልጠትን እዩ። ቀዳማይ ከምቲ ኣምላኽ ዘለዎ ልክዕ ናይ ደቂ ሰባት ውሽጣዊ ሓሳባትን ዝኽርታትን ሃቐናታትን ንምፍላጥ ክእለት ኔርዎ (1ነገ 8፣39, ኤር 17፣9-16)። ንሱ ኣብ ልቢ እቶም ጸሓፍቲ ዝነበረ ክፍኣት ኩሉ ርእይዎ (ማቴ 9።4) ብዛዕባ እቶም ዝኽሕድዎ ኣቀዲሙ ይፈልጥ ነበረ (ዮው 10፣64) በዓል መን ከም ዝሶብዎ ኸኣ ይፈልጥ ኔሩ (ዮው 10፣14) ናይ ነፍስወከፍ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ልቢ የንብብ ነበረ (ማር 2።8, ዮው 1፣48, 2፣24-25, ግብ 1።24, 1ቆሮ 4፣5, ራእ 2፣18-23)።
ዝኾነ ሰብ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ዝፈልጥ ብግምት ወይ ብዝመስሎ ጥራይ እዩ። ካልኣይ ክርስቶስ ዘለዎ ሓቀኛ ፍልጠት ኮይኑ ካብቲ ደቂ ሰባት ዝፈልጥዎን ዝርድእዎን ንላዕሊ እዩ። ንሱ እቲ ዓሳ ኣበየናይ ክፍሊ ማይ ከም ዘሎ ይፈልጥ እዩ ብኻልእ ኣዘራርባ ካብ ቅድሚ ዓይኑ ዝክወል ነገር የለን (ሉቃ 5፣-4-6, ዮው 21።6፣21) ኣየናይ ዓሳ ሰልዲ ሒዙ ከም ዘሎ ይፈልጥ (ማቴ 17፣27) ብዛዕባ መጻኢ ኩነት ይፈልጥ (ዮው 11፣14)
ሳልሳይ ከኣ ንሱ ውሽጣዊ ዝኾነ ኣምላኽዊ ፍልጠት ኣሎዎ። እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ጡቡቕ ዝምድናን ከምኡ ከኣ ፍጹም ፍልጠት ከምዘለዎ የርኢ። ከምቲ ኣቦ ንዕኡ ዝፈለጦ ንሱ እውን ነቦ ይፈልጦ (ማቴ 11፣27, ዮው 7፣29, 8፣55, 10፣15, 17፣25)። እቲ ራብዓይ ከኣ ቁዱሳት ጽሑፋት ከኣ ዝምህርዎ ክርስቶስ ኩሉ ነገር ይፈልጥ እዩ (ዮው 16፣30, 21፣17) ከምኡ ድማ ኩሉ መዝገብ ጥበብ ፍልጠት ኣብኡ ተሰዊሩ ኣሎ። "(ቆሎ 2፣3)
ኩሉ ዝኽእል ወይ ኦምኒፐተንት
እታ ኤልሻዳይ እትብል ናይ እብራይስጥ ቓል ኣምላኽ ኩሉ ዝኽእል ሓያል ኣምላኽ እዩ ተባሂላ እያ እትትርጎም። ኣምላኽ ኩሉ ዝክእል ወይ ከኣ ምሉእ ሓይሊ ዘለዎ እዩ። እቲ ናይ ክርስቶስ ተኣምራታት ኣብ ልዕሊ ዓለም ዝነበሮ ስልጣን እዩ ዘርኢ። ቃልቱን ትንሳኤኡን ከኣ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ፍጥረት ንዘለዎ ሓይልን ስልጣናትን እዩ ዘመልክት።
ዶክትር ጆን ዋልቮኦርድ ከምዚ ኢሎም ጺሒፎም "ኩሉ ከኣልነት ናይ ክርስቶስ ዘረጋግጹ ብዙሕ ዝዓይነተኦም ባህርያት ከምዘለዉ ዘየካትዑ ጭብጥታት ኣለዉ እዮም። ገለ ገለ እዋናት ብኣካላዊ ሓይሊ ተገሊጾም ኣለዉ ግና መብዛሕቱኡ ግዜ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ከመይ ከም ዝነበረ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ክርስቶስ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ኔርዎ (ማቴ 9፣6) ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ስልጣን ኣለዎ (ማቴ 298፣18) ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ስልጣን ኣለዎ (ሉቓስ 8።25) ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ስልጣን ኔርዎ (ዮው 10፣18) ንኻልኦት ናይ ዘልኣለም ህይወት ክህብ ስልጣን ኣለዎ (ዮው 17፣2) ከምቲ ብዙሓት ብዒንቶም ዝረኣይዎን ዝመስከርዎን ንሕሙማት ከሕውን ንኣጋንንቲ ከኣ ከውጽእ ምሉእ ስልጣን ኔርዎ (ማር 1፣29-34) ንስጋና ክልውጥ ስልጣን ኣለዎ (ፊሊ 3፣21)። ብሓይሊ ትንሳኤኡ ድማ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ብፍጹም ከድሕኖም ይኽእል እዩ። (እብ 7፣25)። "ነቲ ዝሃበካ ገንዘብ ሕድሪ ክሳብዕ እታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ ክሕልወልካ ስልጣን ኣለዎ 2ጢሞ 1፣12። ካልእውን ካብ ውድቀት ዘበል ክሕልወካ ብሓጎስ ብዘይ ነውሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ክብሩ ከቑመካ ይኽእል እዩ (ዩዳ 1፣24 ኤፍ 5፣27)። ኣብ ይሁዳ 25 ተጠቒሳ ዘላ ቓል ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ እያ ተመልክት ልኽዕ ከምቲ ሓይሊ ናይ ኣቦ ናይ የሱስ ሓይሊ ከኣ ከምኡ የድሌና። እቲ ክርስቶስ ንምድሓና ንሓጥያትናን ኢሉ ሰብ ምዃኑን ሞትን ትንሳኤን ከኣ ከኣልነቱ ዘረጋግጽ መርትዖ እዩ።
ኣቐዲሙ ዝነበረ
ካልእ ካብቲ ኣምላኽን የሱሱን ዘለዎም ሓባራዊ ነገር ቅድሚ ኩሉ ዝነበሩ ዘልኣለማውያን ምኻኖም እዩ። ብዙሓት ጥቕስታት ናይ መጽሓፍ ቁዱስ የሱስ ቅድሚ ምውላዱ ኣብዛ ምድሪ ከም ዝነበረ የረጋግጹልና እዮም። እዚ ኣብ ሓሳብ ኣምላኽ ዝነበረ ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ዝተረጋገጸ ነገር እዩ። የሱስ ክዛረብ ከሎ "ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩ ንዓለም ሓዲገ ድማ ናብ ኣቦ እከይድ ኣለኹ" (የው 16፣28) ይብል። ብዙሕ ጊዜ የሱስ ናብዛ ዓለም ከም "ዝተላእከ" ተዛሪቡ ኣሎ። የሱስ ናቱ ሕመረት ካብዛ ምድሪ ወጻኢ ምኻኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ። (ዮው 3፣32-34, 4፣34, 5፣23, 24፣36-38, 6፣29, 33,38, 7፣16, 18, 28, 29, 38, 42, 13፣20, 16፣30, 17፣8, ወዘተ ... ) ንኒቖዲሞስ ክዛረቦ ኸሎ ኸኣ "በጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎወዲ ሰብ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን" ዮው 3፣13። ወሲኹ ከኣ "እቲ ካብ ሰማይ ዝወረድኩ እንጌራ ህይወት ኣነ (ኢጎ ኢሚ) እየ" የው 6።51, 58). ኣብ ካልእ እውን የሱስ "ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ ከመይ እዩ?" ይብል ኣብ ዮው 6።62። የውሃንስ መጥመቕ ከኣ ብዛዕባ የሱስ ክዛረብ ከሎ "እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመጸ ዘሎ ንሱ Lኦሊ ኹሉ እዩ... ነታ ምስክሩ ደኣ ዝቕበላ የልቦን እምበር ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰሞዖን እዩ ዝምስክር" ዮው 3፣31-32።
ሓደ ጊዜ የሱስ ክጽሊ ከሎ "ዎ ኣቦይ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣክብረኒ" የው 17፣5። እቲ ናይ እብራውያን ጸሓፍ ብዛዕባ የሱስ ኣቀዲሙ ከም ዝነበረ ክዛረብ ከሎ "ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዚዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቖጸሮ" ይብል ኣብ እብ 11፣26። የሱስ ክርስቶስ እቲ መጽሓፍ ህይወት ቅድሚ ምስራት ዓለም ምስኡ ከም ዝነበረ ኣብ ራእ 13፣8 ይዛረብ።
እቲ ንየሱስ ክርስቶስ ብናይ ሹዱሽተ ወርሒ ዕድመ ዝዓብዮ ዮውሃንስ መጥመቕ ክዛረብ ከሎ " ዮውሃንስ ብዛዕብኡ መስከረ እቲ ድሕረይ ዝመጽእ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ ንሱ ቕድመይ ነበረ እቲ ብዛዕብኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ ኢሉ ጨደረ" ዮው 1፣15, 30 ብፍላይ ጥቕሲ 30 ዮውሃንስ ንየሱስ እምበኣር ንኣምላኽ ኣመልኪቱ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ። ከምቲ ኻልኦት ዝብልዎን ዝኣምንዎን ኣምላኽ ኩሉ ስለ ዝፈልጥ ንዮውሃንስ እውን ስለ ዝፈልጦ ዮውሃንስ እውን ብተወስኺ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ብዛዕባ የሱስ ስለ ዝገለጸሉ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ።
እዞም ጽሑፋት ብዘየዋላውል መንገዲ ብዛዕባ የሱስ ቅድሚ ምውላዱ ከም ዝነበሩ ዘረጋግጹ ጥቕስታት እዮም። ኣብ ብሉይ ኪዳን ከኣ ብመልክዕ ኣካላዊ ስጋ ይግለጽ ኔሩ እዩ እዚ ቴኦፓሃንስ ተባሂሉ ይጽዋዕ ንኣብነት ኣብ (ዘፍ 18፣1-19፣1, 16፣7-13, 22፣15, 16, 31፣11-13, 32፣30, 48፣15, 16 ዘጻ 4፣2-4 1ዜና 21፣15-19, መዝ 34፣ 6-7 ዘካ 12፣10 ምስ ዮው 19፣37 ኣነጻጽር እዚኣቶም ካብቶም ብዙሓት ገለ ዉሑዳት ኣምላኽ ብመልኽዕ ስጋ ዝተገልጸለን ኣጋጣሚታት እየን
ዘልኣለማዊ
እቲ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ኣምላኽ ዘልኣለማዊ እዩ። ንሱ ካብ ጊዜን ካብ ምንጪ ጊዜን ንላዕሊ እዩ። ንሱ ጊዜን ሰዓትን የብሉን። (ዘጻ 3፣14, እም 3፣6, ዛዳ 33፣26-27) ኣምላኽ በይኑ ጥራይ እዩ ዘልኣለማዊ። የሱስ ክርስቶስ እውን ዘልኣለማዊ እዩ። ከምቲ ናይ የሀዋ መሰኻኽርን ዓለምለኻዊ መንገድን ዝብሀሉ እምነታት ዝብልዎ የሱስ መጀመርያ የብሉን።
ቅድሚ ምውላድ እቲ መሲሕ የሱስ ክርስቶስ ምክያስ ክንበ ከሎ ከምዚ ይብል "እቲ ምውጽኡ ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘልኣለም ዝዀነ" ሚክ 5፣2 ኢሰያስ እውን ብዛዕባ ክርስቶስ ክንበ እንከሎ ሓደ ካብ ባህርያቱ እቲ ሕጻን "ኣቦ ዘልኣለም" ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ይዛረብ። ኢሰ 9፣6። የሱስ ክዛረብ ከሎ እውን "ኣነ ኣብርሃም ከይተወልደ ከም ዘለኹ ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ" ይብል ኣብ ዮው 8፣58። እቲ ናይ ግሪኽ ጹሑፍ ናይ ሕጂ እምበር ብዛዕባ ሑሉፍ ኣይዛረብን እዩ።
ኤፍ ኢፍ ቡሩስ ዝተባህለ ክዛረብ እንከሎ " የሱስ ክርስቶስ ዘልኣለማዊ እንተ ዘይነብር ኔሩ ኣነ ቅድሚ ኣብርሃም ነበርኩ ዝብል ሑሉፍ ኣይኮነን ተጠቂሙ ብኣንጻሩ ኣነ ቅድሚ ኣብርሃም ከም ዘለኹ ዝብል ብዛዕባ ሕጂ እዩ ዝዛረብ ዘሎ"።
ጂ ካምፕቤል ዝተባህለ ኸኣ "ኣነ ዝብል ቃል ንዘልኣለማውነትን ንዘልኣለማዊ ኣካል ዘመልክትን እዩ" ይብል ሓደ ዊሊያም ባርክለይ ዝተባህለ ኸኣ "የሱስ ውስንነት ጊዜ ዘይብሉ ጊዜ ኣልቦ እዩ። ንሱ ዝተፈጥረሉ ጊዜ የለን ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ ኸኣ የለን። ንየሱስ ንሱ ዝነበረ ጥራይ እዩ ኢልና ክንዛረብ ብፍጹም ኣይንኽእል ኢና። ንሱ ዘሎ እዩ ኢና ክንብል ዘሎና። ኣብ የሱስ ነቲ ጊዜ ዘይድረቶ ኣምላኽ ኣብራሃምን ኢሳቕን ያእቆብን ኢና እንርእዮ። ንሱ ቅድሚ ጊዜ ኔሩ ድሕሪ ጊዜ እውን ኣሎ ንዘልኣለም ከኣ ክነበር እዩ"።
ዘይቅየር ወይ ዘይልወጥ
ኣምላኽ ብፍጹም ዘይልወጥ ኣምላኽ እዩ። ሽሕ እኳ ኣምላኽ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ዝተፈላለየ ዓይነት ርክብ እንተ መስረተን እንተ ሃለዎን ባህሪኡ ግትና ብፍጹም ኣይቅየርን እዩ። (ሚል 3፣6, ያቆ 1፣17, መዝ 33፣11 ኢሰ 46፣9-10 )።
ንዘልኣለም ከፍቅረናን ተስፍኡ ኸኣ ክፍጽመልና እንተ ደሊና ኣብኡ ክንውከል ኣሎና። የሱስ ልክዕ ከምቲ ሰባት ዝሓልፍዎ ናይ ዕቤት መስርዕ ሓሊፉ እዩ። እንተ ኾነ ብመሎኮታውነቱ እንተ መጺና ግና ቕዱስ ጹሑፍ ከም ዘረጋግጸልና "የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለም ንሱ እዩ" እብ 13፣8። የሱስን ኣቦን ብፍጹም ዘይልወጡን ዘይቅየሩን እዮም። ኣዚዮም ብዙሓት ጥቕስታት ናይ መጽሓፍ ቁዱስን እዞም ዝረኣናዮም ጥቕስታትን የሱስ ክርስቶስ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋገጹልና እዮም።
የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ? (7ይ ክፋል)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode