07
Sat, Jun
0 New Articles

ዳሕሮት ግዝያት (ቀዳማይ ክፋል)

Apologetics
Typography
ዶ/ር ክርስትያን ቸን፡ ቻይና ዝመበቆሉ ኣብ ኒውዮርክ ዝቕመጥ ክርስትያን ኣገልጋሊ እዩ። ብ1937 ዝተወልደ ሓውና ክርስትያን ቸን፡ ወዲ 14 ዓመት ከሎ፡ ብ1951 እዩ ኣብ ታይዋን ጐይታ ተቐቢሉ። ካብኡ ንደሓር ምሉእ ህይወቱ ኣብ ማሕበር ክርስቶስ ብንጥፈት ይዓዪ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ኒውዮርክ ምስ መገላግልቲ ዎችማን ኒይ ዝነበረ ስቴፈን ካውን ዚበሃል ኣገልጋሊን፡ ከምኡውን ምስ ኦስቲን ስፓርክስ ዚበሃል ካልእ ዓቢ ባርያ ኣምላኽን ተላልዩ። ካባታቶም ድማ ማእለያ ዘይብሉ ሰናይ ናይ እምነት ውርሻ ተቐቢሉ። ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዚጠቅም ክቡር ትምህርትታት ድማ ቀሲሙ።

ን15 ዓመት ኣብ ብራዚል (ደቡብ ኣሜሪካ) ብምቕማጥ ድማ "ብጽሕና" ትበሃል ዓቢ ዝርገሐን ጽልዋን ዘለዋ መጽሄት የዳሉ ነይሩ። ከም ፕሮፈሶር ናይ ንኩልየር ፍዚክስ (Nuclear Physics) መጠንውን፡ ኣብ ዓበይቲ ዩኒቨርስቲታት ኣሜሪካ፡ ታይዋንን ብራዚልን ምሂሩ፡  ዓበይቲ ምሁራዊ ምርምራትን ዓውደ መጽናዕትታትን ድማ መሪሑን ኣካይዱን እዩ። ቀንዲ ዕዮኡ ግና - ንሱ ከም ዝብሎ - ኣገልግሎት ጐይታ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣብ ብዙሓት ክፍላተ-ዓለም ከም በዓል ኤስያን ኣሜሪካን ኮንፈረንሳት ገይሩን እንዳ ገበረን ይርከብ። ካብ መንጎኦም "ቁጽርታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ" "ዓበይቲ ትንቢታት" (ሰለስተ ቅጺ)፡ ዚብሃላ መጻሕፍቲ ዚርከብወን፡ ብቛንቋታት ቻይና፡ ኢንግሊሽ፡ ፖርቱጋልን ስፓኒሽን ዝተጻሕፉ ልዕሊ 50 መጻሕፍቲ ኣለውዎ። ፕሮፌሶር ክርስትያን ቸን ሓደ ካብቶም ሎሚ ኣብ ዘመንና ዘለዉ  ዓበይቲ ተመሃሮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ምስ በዓል ስቴፈን ካውን፡ ላንስ ላምበርትን ካልኦት ዓየይቲን ሓቢሩ ንጐይታ እንዳ ኣገልገለ ይርከብ።


መእተዊ

"..... መወዳእታ ኩሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ፡ ንጸሎትውን ንቕሑ" (1 ጴጥ 4፡7)


 

"ኩሉ ነገር"! በቃ ኩሉ ኩሉ ነገር! ታሪኽ፡ ስነ-ፍልጠት፡ ግዜ፡ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ንግድ፡ ስልጣኔ፡ ቴክኖሎጂ፡ ሃብቲ፡ ዝና፡ ኰታ ኩሉ ናይዛ ዓለም እዚኣ ነገር፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ከብቅዕ እዩ። ዓለም ክትሓልፍ እያ፡ ኩሉ ክብረታ ድማ ምሳኣ!!! መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ቃል እዩ። ስለዚ ኸኣ ምስጢር ልቢ ኣምላኽ ዝሓዘለ ክቡር መጽሓፍ እዩ። ሓደ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስና ዝፍለጠሉ ዓቢ ስም "መጽሓፍ ትንቢት" ዚብል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ትንቢት ክንሱ፡ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትንቢት ዝፈልጡዎን ዝርድኡዎን ግና፡ ኣዝዮም ሒደት እዮም። ከመይሲ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ትንቢት እዩ ክንብል ከሎና፡  ብዛዕባ እንታይ እዩኸ ዝንበ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ቀንዲ ኣተኩሮ ናይ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስቶስ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ እዩ ማእከል ኩሉ ምኽሪ ኣምላኽ። እዛ ሎሚ ንሕና ደቂ ሰባት ናትና መሲላትና ከም ድላይና ፊዕ ንብለላ ዘሎና ዓለም፡ ዋና ኣለዋ። ኣብቲ ንሱ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን ግዜን ድማ ሓደ ግዜ ከተብቅዕ እያ። እሞ እቲ  ዓለም እተብቅዓሉ ግዜ መኣስ እዩ ንዚብል ሕቶ ኸኣ፡ እቲ በዓል ስልጣን ብዝተዛረቦ ትንቢታዊ ቃላት ጌርና ጥራይ ኢና ክንምልሶ እንኽእል። ንሱ ኸኣ ብሕያውነቱ፡ ነቲ ብሉጽ ምኽሩ ምእንቲ ኬግህድ፡ ኣብ ኣጋ እቲ ዓለም እተብቅዓሉ ዳሕራይ ግዝያት፡ ዝቕልቀሉ ተርእዮታት ገሊጹልና ኣሎ። እታ ዝዓበየት ምልክትን ምሳሌን እትኾነና ተርእዮ፡ እታ ብኦም በለስ ተመሲላ ዘላ "ሃገር እስራኤል" እያ። እስራኤል ናይ ዳሕራይ ግዜ ምልክት እያ። ናይ ምኽሪ ኣምላኽ ምሳሌ ኸኣ እያ። መጽሓፍ ቅዱስና ግና፡ ንኦም በለስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ - ምስክር ብኸልተ ወይ ብሰለስተ ስለ ዚጸንዕ - ካልኦት ምልክታት እውን ሂቡና እዩ። እዞም ምልክታት እዚኣቶም ድማ፡ ተስፋና ከሐድሱ፡ ራእይና ከድምቑ፡ ሃንቀውታና ከዕብዩ፡ ምስቁርቋርናውን ከጉድሉ መታን ኢሉ ኣምላኽ ዝሃበና ኣገደስቲ ምልክታት እዮም። ሎሚ ፖለቲካ ዓለም ብፍጻሜታት ማእከላይ ምብራቕ እዩ ዝዝወር እንተ በልና ካብ ሓቂ ዝረሓቕና ኣይኮንና። ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዓለም ምብራቓውን ምዕራባውን ደምበ ተባሂላ ናብ ክልተ ደምበ ተኸፊላ ነይራ፡ ኣብ ጥቓ ምዝዛም ናይ ዓመተ 1990፡ ዝሑል ኩናት ድሕሪ ምብቓዑ ግና ሎሚ፡ ኣቓልቦ ዓለም ብሓንቲ ጉዳይ እዩ ተባሒቱ ዘሎ። ኩለን መንግስታት ዓለም ድማ ነዛ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ እየን ሓይለን፡ ገንዘበንን ግዜአንን ዘጥፍኣ ዘለዋ፡ እዚ ድማ ንግብረ ሽበራ ዚምልከት ጉዳይ እዩ። ግብረ ሽበራ ድማ ዘይሩ ዘይሩ ምስ ማእከላይ ምብራቕ፡ ዝተኣሳሰር፡ ብፍላይ ድማ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ንእስራኤል ንምጥፋእ ዝዓለመ ኰይኑ ኢና  ንረኽቦ። በዚ ይኹን በቲ ግና ክንግረም ኣይግባእን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማእከላይ ምብራቕ ብሓፈሻ፡ እስራኤል፡ ዒራቕ፡ ኢራን፡ ሶርያ፡ ኤውሮጳዊ-ሕብረት፡ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ዳሕሮት ግዝያት ቀንዲ ዛዕባ ዓለም ከም ዝኾኑ እዩ ዝነግረና። ኪንዮኡ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማሕበር ኣምላኽውን ይዛረብ እዩ። ግደ ሓቂ፡ ማሕበር ክርስቶስ ማእከል ምስጢር ኣምላኽ እያ። ስለዚ ኩሉ ነገር ምስ ማሕበር ክርስቶስ እዩ ዝተኣሳሰር። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንልቢ ዝኸውን መልእኽቲ እምበር፡ ንህንጡይነት ተመራመርቲ ዘዕግብ፡ ሓበሬታዊ ጽሑፍ ኣይኮነን። ነዝን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራትን ንምምርማር እምበኣር፡ ሓውና ዶ/ር ክርስትያን ቸን ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ብምሃብ ዓሚቕ መግለጺ የቕርበልና።   ኣምላኽ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ስለ ዝሃበና ንእኡ ስብሓት ይኹኖ። ጐይታ ኰታ ንልባትና እንተ ዚዛረብ!

ተርጓሚ፡ ኤል ምሳይ ምሳና


 


 

"ትንቢታውያን ቃላት ክርስቶስ"

"ምስላኡ ካብ ኦም በለስ ተምሃሩ፡ ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቆጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ምስ ረኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። እዚ ኩሉ ክሳዕ ዚኸውን እዚ ወለዶ እዚ ከም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሰማን ምድርን ኪሓልፍ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን እዩ" ማቴዎስ 24፡32-35

"ሓደ ምስላ ኸኣ ነገሮም፡ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኩሉ ኦምን ርኣዩ። ምጥጣዑ ክትርእዩ ከለኹም ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ፍለጡ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ኰይኑ ክትርእዩ ከለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ" ሉቃ 21፡29-31

ንግዜኡ ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን ክንወስድ ኢና። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ገለ ክፋል ቃላት ናይ ጐይታ ጠቒስና ኣሎና። የሱስ ዝተዛረቦ ቃላትን ዝመሃሮ ትምህርትን ክንፈልጥ እንተደሊና ናብ ወንጌል ማቴዎስ ምኻድ እዩ ዘድልየና። የሱስ ኣብዚ ምድሪ ዝገበሮ ግብርታት ክንፈልጥ እንተ ደሊና ወንጌል ማርቆስ ምንባብ እዩ ዘድልየና። መንፈሳዊ ትርጉም ናይ ህይወት ገይታና የሱስ እንተደኣ ደሊና ድማ ወንጌል ዮሃንስ ከንጽንዕ ይግበኣና።

ስለዚ ቃላት ክርስቶስ ክንፈልጥ እንተደኣ ደሊና ናብ ወንጌል ማቴዎስ ኢና ክንከይድ ዘሎና። ልዕሊ 60% ቃላት ናይ ወንጌል ማቴዎስ ክርስቶስ ባዕሉ ብኣፉ ብቐጥታ ዝተዛረቦም ቃላት ክርስቶስ እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ 3 ካብ 5 ቃላት ናይ ወንጌል ማቴዎስ፡ ናይ ክርስቶስ ናይ ባዕሉ ቃላት እዮም። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ጐይታና ክልተ ኣገደስት ሓረጋት ተዛሪቡ ኣሎ። ንሳተን ከምዚ ይብላ። "እንሆ ካብ ሰሎሞን  ዝዓቢ ኣብዚ ኣሎ" "እንሆ ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዚ ኣሎ"። እዘን ክልተ ሓረጋት እዚኣተን ክልተ መፋትሕ ናይ ወንጌል ማቴዎስ እየን።

ምዕራፍ ሓደ ክሳብ 25 ምስቲ "እንሆ ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ" ዚብል ሓረግ ዝተኣሳሰር እዩ። ስለምንታይ ግን ሰሎሞን? ምኽንያቱ ሰሎሞን፡ ቃላት ጥበብ ስለ ዝተዛረበ እዩ። ንግስቲ ሳባ ከይተረፈት ካብ ወሰን ደቡብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ መጺኣ እያ። ንሕና ኩላትና ድማ ነቲ ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ዝተዛረቦ ቃላት ጥበብ ክንሰምዕ ካብ ርሑቕ ዝመጻእና ኢና። ስለዚ ምዕራፋት ሓደ ክሳብ 25 ክነጽንዕ ከሎና ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢ ንጉስ ሰሎሞንና - ማለት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ - ተቐሚጥና ኣሎና ማለት እዩ።

ኣብዘን ቀዳሞን 25 ምዕራፋት ሓንቲ ኣገዳሲት ሓረግ ሓሙሽተ ሳዕ ተደጋጊማ ንረኽባ። ንሳ ድማ "የሱስ እዚ ነገር እዚ ምስ ወደኤ" ትብል እያ። ኣብ ምሉእ ወንጌል ናይ ማቴዎስ እዛ ብሂል እዚኣ ሓሙሽተ ሳዕ ተጠቒሳ ኣላ። እታ ናይ መወዳእታ ኣብ ምዕራፍ 26 ጥቕሲ 1 እያ ተጠቒሳ ዘላ። እዘን ሓሙሽተ ብሂላት ድማ ነተን ቀዳሞት 25 ምዕራፋት ናይ ወንጌል ማቴዎስ ናብ ሓሙሽተ ክፋል ይመቕለአን። ስለዚ ድማ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 5 ክፋላት ቃላት ክርስቶስ ንረክብ። ነዘን ሓሙሽተ ክፋላት ተጠንቂቕና እንተደኣ ኣጽኒዕናየን ንሳተን ምስተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ዝተሓሓዛ ኮይነን ክንረኽበን ኢና። ስለዚ እተን ቀዳሞት 25 ምዕራፋት ምስቲ "እንሆ ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዚ ኣሎ" ዚብል ሓረግ ዝተኣሳሰር ኰይኑ ኢና ንረኽቦ። ናብተን ዝተረፋ ሰለስተ ምዕራፋት ናይ ወንጌል ማቴዎስ እንተደኣ መጺእና ግና "እንሆ ካብ ዮናስ ዚዓብï ኣብዚ ኣሎ" ምስ ዚብል ሓረግ ዝተኣሳሰራ ኮይነን ኢና ንረኽበን። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ከምቲ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ ለይትን ሰለስተ መዓልትን ዝገበረ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ከብዲ ምድሪ ሰለስተ ለይትን ሰለስተ    መዓልትን ኪገብር ስለ ዘለዎ።  ህይወት ዮናስ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን እዩ ዚዛረብ። እተን ዳሕሮት ሰለስተ ምዕራፋት ናይ ወንጌል ማቴዎስ ድማ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤልን ናይ ጐይታና እየን ዘዘንትዋ።

ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ቀጥታዊ ቃላት ክርስቶስ ኢና ንረክብ። ንኣብነት ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳብ 7 ዘሎ ቃላት ምስ እነንብብ ንሳተን ቃል ናይ ህይወት ኮይነን ኢና ንረኽበን። ማለት ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወት ብዛዕባ ክርስትያናዊ ህይወት ኣመልኪተን እየን ዝዛረባ። እወ እዘን ቃላት እዚኣተን ናይ ህይወት ቃላት እየን።

ኣብ ምዕራፍ 23 ክሳብ ምዕራፍ 25 ግና ትንቢታዊያን ቃላት ክርስቶስ ኢና ንረክብ። ስለዚ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘሎ ስርዓት ኣዘራርባ ቃላት ክርስቶስ ብጥንቃቔ ክነንብቦ ይግባእ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ክርስቶስ ምግላጽ ስለ ዝህበና። ቃላት የሱስ ንልቢ ኣምላኽ እዩ ዝቐልዓልና። ክርስቶስ ኪዛረብ ክንሰምዖ ከሎና ልቢ ኣምላኽ ክነንብብ ንኽእል ኢና። ስለዚ ድማ ኢና ነቲ ናይ ህይወት ቃላቱ ክንሰምዕ ባህ ዝብለና።

ነቲ ናይ ከረን ስብከት ብምንባብ (ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳብ ምዕራፍ 7) ኣብዚ ምድሪ ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዚግበኣና ንፈልጥ። እዚ ኸኣ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ይኹን እምበር ክርስቶስ ናይ ህይወት ቃል ጥራይ ኣይኮነን ተዛሪቡ፡ ትንቢታዊ ቃልውን ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ ነቲ ናይ ህይወት ቃልን ነቲ ትንቢታዊ ቃልን ማዕረ ክብሪ ክንህቦ ይግባእ።

ስለምንታይ እዩ እቲ ትንቢታዊ ቃል ዘድልየና? ምኽንያቱ ሳላ እዘን ቃላት እዚኣተን ኢና ዕዮ ኣምላኽ ኣበየናይ መድረኹ ከም ዝበጽሐ ክንፈልጥ እንኽእል። ኣምላኽ ክዓይዮ ዝደለየ ሓደ ግሩም ዕዮ ኣለዎ። ኣምላኽ ከም ፍታው ፍቓዱ እዩ ዚዓዪ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዘልኣለም እዋን፡ ማለት፡ ግዜ ናብ ህላዌ ቅድሚ ምምጻኡ ኣምላኽ ሓደ ምኽሪ መኺሩ። ነቲ ዝመኸሮ ምኽሪ፡ ክውን ንምግባር ድማ ክዓዪ ጀሚሩ። ክዓዪ ምስ ጀመረ ድማ ኣድማስ ናብ ህላውነት መጺኡ። ሕጂ ኩሉ ኣድማስ ኣብ ምንቅስቓስ ኣሎ። ኣድማስ ይንቀሳቔስ ስለ ዘሎ ድማ ሎሚ "ግዜ" ዝበሃል ኣምር ኣሎና። ምንቅስቓስ ስለ ዘሎ እዩ "ግዜ" ዚበሃል ዘሎና። ምንቅስቓስ እንተ ዘየሎ "ግዜ" ዚበሃል የሎን።

ኣምላኽ ንዕዮኡ ብግዜ እንተ ደኣ ዘተግብሮ ኰይኑ፡ ኣምላኽ ዕዮኡ ምስ ዛዘመ ግዜውን ሽዑ ከብቕዕ እዩ። ግዜ ኣብ ዘብቃዓሉ ኣብ "ዳሕሮት ግዝያት" ከም ዘሎና ብኸመይ ንፈልጥ? ነዚ ንምፍላጥ ዕዮ ኣምላኽ ኣበየናይ ገጽ በጸሑ ከም ዘሎ ምሕታት ከድልየና እዩ።

ስለዚ ቅድም ቀዳድም ናይ ኣምላኽ ፕሮግራም ምፍላጥ ከድልየና እዩ። ድሕሬኡ ድማ ናይ ኣምላኽ ናይ ግዜ ሰሌዳ (ታይም ቴብል) ምፍላጥ ኬድልየና እዩ። ስለዚ እዩ ድማ እኮ "መጽሓፍ ቅዱስ" ዘሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ፕሮግራምን ናይ ኣፈጻጽማኡ ሰሌዳ ግዜን ዝሕብር ሓባሪ መጽሓፍ እዩ። ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ናብ ልቢ ኣምላኽ ዝቐረበ እዩ። ክርስቶስ ጥራይ ድማ እዩ ምስጢር ኣምላኽ ኪቐልዓልና ዚኽእል።

ብሓደ መገዲ፡ ጐይታ ናይ ህይወት ቃል ነጊሩና እዩ። ሳላኡ ድማ ልቢ ኣምላኽን ምኽሪ ኣምላኽን ክንፈልጥ ክኢልና ኢና። ጐይታና "ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ክሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ" ብምባል ነጊሩና። ሳላ እዘን ቃላት ክርስቶስ እዚአን ድማ "ልቢ ኣምላኽን" "ምኽሪ ኣምላኽን" ክንፈልጥ ክኢልና። ልቢ ኣምላኽ "ፍቕሪ" ምዃኑ፡ ምኽሪ ኣምላኽ ድማ "መስቀል" ምኻኑ፡ ብቃል ክርስቶስ ጌርና ፈሊጥናዮ። ስለዚ ጐይታና ልቢ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነ መደባት ኣምላኽን ናይ ግዜ ኣሰራርዓኦምን እውን ነጊሩና እዩ። ስለዚ ኢና ወንጌል ማቴዎስ ብጥንቃቔ ከነንብቦ ዚግባእ። ወንጌል ማቴዎስ ብጥንቃቔ እንተደኣ ኣጽኒዕናዮ፡ ክልተ መስመር ዝሓዘ ኰይኑ ኢና ንረኽቦ። ንሳቶም ድማ ናይ ህይወት ቃልን ናይ ትንቢት ቃልን እዮም። ሳላ እዞም ቃላት እዚኣቶም ድማ መደብ ኣምላኽ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና።

ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እንተደኣ ኣጽኒዕኩምዎ፡ ኣብኡ ኣስታት 1800 ትንቢታት ክትረኽቡ ኢኹም። ካብዞም 1800 ትንቢታት ገሊኣቶም ስለ ዝደጋገሙ፡ ናብ 737 ክንጸምቖም ንኽእል ኢና። ካብዞም 737 በበይኖም ትንቢታት እዚኣቶም 590 ኣዝዮም ኣገደስቲ ፍጻሜታት እዮም። ስለዚ ናይዞም ክንዲዚ ዝቑጽሮም ትንቢታት ናይ ምፍጻም ደረጃኦም ክንደይ እዩ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ካብ ሞንጎ እዞም 590 ትንቢታት እቶም 570 ትንቢታት ድሮ ተፈጺሞም እዮም። ስለዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ናይ ምፍጻም ተኽኡሎኦም   ልዕሊ 97% እዩ። እዚ እንታይ ይሕብረና? እዚ ኣሃዝ እዚ ክልተ ነገር እዩ ዘመልክተና። ቅድም ቀዳድም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ቃል ምዃኑ። ካልኣይ ድማ ኣምላኽ ኣብ መወዳኣታ ገጽ ናይ ዕዮኡ ከም ዝበጽሐ። ኣብተን ናይ መወዳኣታ "ዳሕሮት ግዝያት" ከም ዘለና እዩ እዚ ዝሕብረና። ኣምላኽ ዕዮኡ ምስ ዛዘመ ግዜውን ብኡንብኡ ከብቕዕ እዩ።

ኣቐዲምናውን ከም ዝተዛረብናዮ፡ "ግዜ" ምስ ምንቅስቓስ ናይ ኣድማስ ዝተኣሳሰር እዩ። ኣድማስ ክንቀሳቐስ ክትርእይዎ ከለኹም ድማ ኣምላኽ ይዓዪ ከም ዘሎ ክትግንዘቡ ይግባእ። ስለዚ መደባት ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርዚሮምልና ኣለዉ። አረ ናይ ግዜ ሰሌዳውን ማለት ታይም ቴብል ኣለዎም። እንታይ፡ መኣስ ከም ዚግበር ተነጊሩና ኣሎ። ስለዚ ኢና ድማ፡ ሎሚ ንሕና፡ ብዛዕባ ዕዮ ኣምላኽን ናይ ኣፈጻጽማ ግዜኡን ክንፈልጥ ክኢልና ዘሎና።

ኣብነት ክህበኩም ኣብ ገዛና ሓንቲ ጓል ጥራይ እያ ዘላትና። ክትምርዖ ከላ፡ መደባት መርዓኣ ብግቡእ መታን ክትሕዞም፡ ቅድሚ ዓመት ሓንቲ ኣገዳሲት ህያብ ሂበያ። እቲ ዝሃብኩዋ ህያብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ኮምፒተር ሶፍትዌር እዩ ነይሩ። ሳላ እዚ ሶፍትዌር እዚ ድማ ጓለይ መደባት መርዓኣ ብግቡእ ክትሕዞም ክኢላ። ነፍሲ ወከፍ ነታ ኮምፒተር ዝኸፈተትላ መዓልቲ እታ ኮምፒተር "ንመዓልቲ መርዓኺ ዝተረፋ መዓልታት ክንድዚ እየን" ኢላ ዝተረፋኣ መዓልታት ትነግራ ነይራ። እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን፡ እታ ኮምፒተር ዝርዝር ናይቶም ጓለይ ቅድሚ መዓልቲ መርዓኣ ክትገብሮምን ከተዳልዎምን ዘለዋ ነገራት እውን ዝሓቖፈት ነይራ። ንኣብነት እዞም ጓለይ ቅድሚ መዓልቲ መርዓኣ ክትገብሮም ዘለዋ ነገራት ማለት ከም  ምዕዳል ናይ  ዕድመ ወረቐት... ዝኣመሰሉ ብዙሓት ነገራት ኣስታት 200 ነገራት ኣለዉ ንበል። እዞም ኣስታት 200 ዝኾኑ ነገራት እዚኣቶም እንታይ፡ መኣስ ኪግበር ከም ዘለዎውን እታ ኮምፒተር ትነግራ። ጓለይ ነቶም ነገራት ኣብ ዝተፈጸሙሉ ግዜ እቲ ነገር ከም ዝተገብረ ዝሕብር ምልክት ትግብረሎም። ሕጂ ንበል ንኣብነት ካብቶም ዝተዘርዘሩ 200 ነገራት እቶም 10 ጥራይ እንተደኣ ምልክት ተገይሩዎም፡ እቲ መዓልቲ መርዓ ገና ምዃኑ ክንግምት ኣየሸግረናን እዩ። ነገር ግን ካብቶም 200 እቶም 190 ከም ዝተፈጸሙ ዝሕብሩ ምልክት እንተደኣ ኣለዎም፡ እቲ መዓልቲ መርዓ ኣዝዩ ኣዝዩ ቀረባ ምዃኑ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና።

ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስኩም ከተጽንዑ ከሎኹም ካብ 590 ኣገደስቲ ፍጻሜታት 20 ጥራይ ዘይተፈጸማ ነገራት እንተደኣ ኣልየን ኮይነን፡ እቶን 570 ግና ከም ዝተፈጸማ ምልክት እንተደኣ ኣለዎን ኰይኑ፡ ናይ ታሪኽ ናይ መወዳእታ ገጹ ከም ዝበጻሕኩም ብምትእምማን ክትዛረቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንጐይታ ነፍቅሮ እንተደኣ ኮይንና ፍቁራት ኣሕዋት፡  ዕዮ ኣምላኽ ኣበየናይ መድረኹ በጺሑ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ኣብ ዳሕሮት ግዝያት ንነብር ከም ዘሎና መጠን ናትና ኣበርክቶ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ? ኣበርክቶና ክንፈልጥ ክንክእል እንተ ደኣ ኮይንና ቅድም፡ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ማለት ዘልኣለማዊ ፍኽሪ ኣምላኽ ክንፈልጦ ይግበኣና። ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ይዓዪ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ናብ ምስሊ ክርስቶስ ከም ንልወጥ ንፈልጥ ኢና።

ቅድሚ ምምላሱ ጐይታና ሓንቲ ክብርቲ ማሕበር ንርእሱ ኬቕውም ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ግና ናብ ርእስና እሞ ንጠምት፡ ከባቢና ድማ ንተዓዘብ፡ እንታይ ኣስተብሂልና? ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት! ይኹን እምበር ኣንጻር እዚ ንምልከቶ ዘሎና ክውንነት፡ ጐይታ ንርእሱ ሓንቲ ክብርቲ ማሕበር ኬቕውም እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዓለም ክብርን ጽባቐን ጐይታ ኣብ ህይወትና ክትርኢ እያ። ስለዚ ጐይታና ቅድሚ ምምላሱ ሓንቲ ክብርቲ ማሕበር ክትቀውም እንተ ደኣ ኰይና ክንፈላለ የብልናን። ንሓድሕድና ክንፋቐር እዩ ዘሎና።

ቅድሚ 2000 ዓመታት ኣምላኽ ዕዮኡ ኣብ መስቀል ወዲኡዎ። እዚ ዕዮ እዚ "እቲ ውዱእ ናይ በጃነት ዕዮ" ይበሃል። ሳላ እዚ ውዱእ ዕዮ መስቀል ድማ ንሕና ጸዲቕና። ደጊም ኣብ ትሕቲ ኩነኔ የሎናን። ካብ ፍርዲ እቲ ዓቢ ጻዕዳ ዙፋን ድማ ክንድሕን ክኢልና። ክርስቶስ ንሓጢኣትና ካባና ኣርሒቑዎ። ኣብ ክንዳና ንሱ ተፈሪዱ። ስለ እቲ ውዱእ ዕዮ ናይ በጃነት ኣምላኽ ዝተመስገነ ይኹን!

ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒና ምስ ተቐበልናዮ ድሕሬኡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ኣትዩ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ መንፈስና ኰይኑ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ። በዚ ዕዮ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድማ ፍቓድ ኣምላ ኽ ክንፈልጥን ክንገብርን ንኽእል።

ናይ መንፈስ ቅዱስ ዕዮ ዕላማኡ እንታይ እዩ? ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ንዓና ፍረ መንፈስ ቅዱስ ከም እንፈሪ መታን ኪገብረና እዩ። መንፈስ ቅዱስ ግና ዕዮኡ ብውልቂ ብግልና ጥራይ ኣይኮነን ዝሰርሕ። እንኮላይ ኣብ ማሕበር ዕዮ ኣሎዎ። መንፈስ ቅዱስ ነታ መርዓት ምስ  ኣወቀባ፡ ኣበር ዘይብላ ክብርቲ ማሕበር ገይሩ ምስ ኣቘማ፡ ሽዑ ኢና ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ እንበጽሕ። ስለዚ ክርስቶስ ናይ በጃነት ዕዮኡ ፈጺሙዎ እዩ። ይኹን እምበር መንፈስ ቅዱስውን ገና ዕዮኡ ይገብር ኣሎ። ስለዚ ኣሕዋትን ኣሓትን መንፈስ ቅዱስ ዕዮኡ ምስ ዛዘመ፡ ማሕበር ናብ ብጽሕና ምስ በጽሐት፡ ወንጌል መንግስቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ምስ ተሰብከ፡ ኣምላኽ ምኽሩ ምስ ወደአ ጥራይ እዩ ኣምላኽ ዕዮኡ ዛዚሙ ክንብል እንኽእል።

ስለዚ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትንቢት፡ ዘይተፈጸማ 20 ትንቢታት ጥራይ እየን ተሪፈን ዘለዋ። ግደ ሓቂ፡ ኣብ ማእከል ናይተን 20 ትንቢታት ኢና ዘሎና፡፡ ኣብ ዘመንና ገሊአን ብኸፊል እንዳ ተፈጸማ እየን፡ ካልኦት ድማ ናይ ምፍጻመን ፍልማዊ ስራሕ ንዕዘብ ኣሎና። ስለዚ ታሪኽ ናይዛ ምድሪ እዚኣ ከብቅዕ፡ ሓንቲ ፍልዮ ምግንጻል ጥራይ እያ ተሪፋትና። መወዳእታ ገጽ ዕዮ ኣምላኽ እንታይ እዩ? ስለምንታይ ኢናኸ ንሕና መወድእታ ገጽ ዕዮ ኣምላኽ ክንፈልጥ ፋሕተርተር ንብል? ገለ ክንፈልጥ ህንጡይነት ስለ ዘሎና ድዩ? ኣይፋሉን! ህንጡይነትና ንምዕጋብ ዘይኰነስ መወዳእታ ገጽ ዕዮ ኣምላኽ እንታይ ምኻኑ ፈሊጥና መተዓየይቲ ክርስቶስ መታን ክንከውን ኢና ንትንቢታዊ ቃላት ክርስቶስ ብጥንቃቐ እነንብቦ።

መብዛሕትኦም ሰባት ትንቢት ከጽንዑ ከለዉ ሃቐናኦም ጥዑይ ኣይኮነን። በቃ "እንታይ ኪኸውን እዩ" ካብ ዚብል ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ህንጡይነት ተበጊሶም መጻሕፍቲ ትንቢት ይመራምሩ። ሎሚ ናብ ቤት መኽዘን መጻሕፍቲ ኬድኩም እንተ ፈቲሽኹም፡ ብዛዕባ መጻኢ ነገራት ዝዛረቡ ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ፡ እቶም ኣዝዮም ህቡባትን ብዙሕ ተጠላብነት ዘለዎምን ኮይኖም ክትረኽቡዎም ኢኹም። ስለምንታይ? ብዙሓት ሰባት በቃ ንመጻእቲ ነገራት ናይ ምፍላጥ ዝንባሌኦም ልዑል ስለ ዝኾነ ጥራይ! ይኹን እምበር እቶም ብሩኻት ቃላት ትንቢት ክርስቶስ፡ ዕዮ ኣምላኽ ኣበየናይ መድረኽ ከም ዝበጽሐ ኪሕብሩና እምበር ህንጡይነትና ንምርዋይ ኣይኮኑን ተዘሪቦም።

ስለዚ ትንቢታውያን ቃላት ክርስቶስ በዘይ መጠን ኣገደስቲ እዮም። ዋላ ራእይ ዮሃንስ ከነጽንዕ ከሎና፡ ብብርሃን ናይቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ኣብ ካልኦት ወንጌላትን ዘሎ ቃላት ትንቢት ክርስቶስ ኢና ክነጽንዖ ዘሎና።