ኣብ 1994 ናብ ሳዋ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ወሪደ፣ ድሕሪ ናይ 6ወርሒ ታዕሊም ኣብ ከረን ኣገልሎተይ ወዲኤ ማለት እዩ. ብድሕሪኡ ብ1996 ኣብ ሙሉ ወንጌል ቤተክርስትያን ምድሓን ብጎይታ የሱስ ምኻኑ ኣሚነ፣ ድሕሪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ምስ ተላዕለ ግና ደጊመ ናብ ኣገልግሎት ተመሊሰ ማለት እዩ፣ ኣብ 1999 ኣብ ከረን ከም እንደገና ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሙሉኡ ብሙሉእ ከገልግሎን ክስዕቦን ወሲነ፣
ልክዕ ኣብቲ ንጎይታ ብሙሉእ ልበይ ከገልግሎን ክስዕቦን ዝወሰንኩሉን እዋን ካብቲ ዝነበርክዎ ናይ ሰራዊት ማዓስከር ከባቢ ከረን ስለ ዝነበርኩ ኣፍቂደ ናብ ከረን ምስ ዓርከይ ኣብቲ ናይ ቃለ ህይወት ከረን ቤተክርስትያን መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ክሳተፍ ኢለ መጺኤ፣ ብድሕሪኡ እንዳ ጸለና ከሎና፣ ጠያይት ብዝጥዕም ድምጺ ነቲ ዝነበርናዮ ቤት ጸሎት ብበትሪ እዝንና ክሳብ ዝድንቁር ነቲ ማዕጹ ክድብድብዎ ጀሚሮም፣
ሃንደበት ምስተሳእና በቲ ኩነታት ስምቢድና እንታይ እዩ ወሪድና እንዳበልና ከሎና ክንወጽእ ምስ ፈተና ብፖሊስ እቲ ቦታ ተኸቢቡ ብምፍርራሕን ብምጉብዕባዕን ኸኣ ኣብ ዘለናዮ ደው ክንብል ተኣዘዛና፣ እቲ ኩነታት ኣዚዩ ዘሰንብድ እዩ ኔሩ፣ እቲ ኩነት ክትርእዮ ከለኻ ሓደ ዓቢ ፖሎቲካዊ ወይ ካልእ ግፍዓዊ ገበን ዝተፈጸመ እዩ ዝመስል ኔሩ፣
ብድሕሪ እዚ ብብረት ጌርሞ እናፈራርሑ ናብ መኪና ክንድይብ ብሓይሊ ኣዚዞምና፣ እቲ ኩነታት ንዓይ ኣዚዩ ኣስንቢዱኒ፣ ምናልባት ተጋግዮም ከይኮኑ ጥርጡራት ዝደልይዎም መሲልዎም ዝሕዙና ዘለዉ ከይከውን ኢለ ጠርጢረ፣ ንምንታይ ትኸይድ ኣለኻ እንታይ ጌርካ ንማንም ክትሓትት መሰል የብልካን ኣይትኽእልን ድማ ኢኻ፣ ክትሓትት ኣፍካ እንተ ኸፊትካ በትርን ዱላን ጥራይ እዩ ዝጽበየካ፣ ከም ኣማራጺ ዝወሰድናዮ ነገር እንተ ሃልዩ ስቕ ኢልካ ናብቲ ዝኣዘዙኻ ምኻድ ጥራይ እዩ፣
ብድሕሪኡ መኪና ጌሮም ኣብ ከረን ዝርከብ ናብ ሓደ ገፊሕ ቦታ ኣብጼሖምና፣ ብድሕሪ እዚ ኣብቲ ዝበጻሕናዮ ቦታ ካብ ካልኦት ቤተ ክርስትያናት ከምዚ ናትና ዕጫ ዝበጽሖም ተገፊፎም ኣብኡ ጸንሑና፣ በቲ ኩነታት ሰንቢድና፣ ንዓይ ብሕልፊ ንመጀመርታይ ግዜ ስለ ዝኾነ እብ ውሽጠይ ይርበሽ ኔረ፣ ብድሕሪኡ ተሓተትኩ እዚ ነገር እዚ ቕድሚ ሕጂ እውን ኣብ ስርዓት ደርጊ ጀሚሩ ብዙሓት ክርስትያናት በዚ ነገር እዚ ይሓልፉ ከም ዝነበሩ ገለ ብመከራ ዝሓለፉ ኣሕዋት ኣብ መንጎና ዝነበሩ ኣጸናንዑናን ኣህድኡናን፣
ብድሕሪ እዚ ኣዛዚ ናይቲ ፖሊስ መጺኡ ኣወዳትን ኣዋልድን ክንፍለ ኣዚዙና፣ ብድሕሪ እዚ ንሕና እቶም ኣወዳት ኣብ ቤት ዱጋና ክንእሰር ተእዘዝና፣ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ግዜ ትሕት ዕድመ ዝኾኑ ተማሃሮ ሰራዊት ፓስተራት ኣገልገልቲ ብዙሓት ሰባት ኢና ኔርና፣ ኣብ ቤት ዱጋና ወይ ማእሰርቲ ብዘይ ሓደ ነገር ብዘይ ኮፖርታ ብዘይቅያር ክዳን ብዘይ ምግቢ ክንሓድር ተገዲድና፣
ንጽባሒቱ ንግሆ መእሰሪና እንተ ሓተትና መልሲ ኣይተዋህበናን ምግብን ክዳንን ክኣትወና ጥራይ ተፈቒዱልና፣ ድሕሪ 24 ሰዓታት ንሓደ ኣዛዚ ክንሓትት ብመንገዲ ዋርድያ ጌርና ለኣኽናሉ እቲ ኣዛዚ ምስ መጻና በመሰረት ናይታ ሃገር ሕጊ ሓደ ሰብ ገበኑ ከየፍለጥካ ልዕሊ 24 ሰዓታታት ክእሰር መሰል ዜጋን ኣንጻር ሕግን ስለ ዝኾነ ወይ ብዋሕስ ክንወጽእ ወይ ገበና ከፍሉጡና ወይ ኣብ ቤት ፍርዲ ከቕሩቡና ሓተትና፣ መልሲ ናይቲ ኣዛዚ ግና ብላዕላዋይ ኣካል እሰርዎም ስለ ዝተባህለ እዚ ናትኩም ጉዳይ ኣነ ኣይፈልጦን እየ እሰር ተባሂለ እሲረኩም ኣለኹ ኢሉ ከልከለና፣
ብድሕሪ እዚ ኣብቲ እስር ቤት እናመጹ ብዙሓት ወለዲ ይሽገሩን ይጭነቑን ነበሩ፣ ኣነ ግና ወተሃደር ስለ ዝነበርኩ ናተይ ኩነታትን ናይ ዓርከይን ክፈልጥ ዝኽእል ሰብ የለን፣ ድሕሪ ክንደይ በቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት መልእኽቲ በጺሒዎም፣ ተኣሲር ከምዘለኹ ፈሊጦም፣ ብሰንኪ ናተይን ናይቲ ዓርከይን ከኣ ኣኼባ ተጌሩ፣ እቲ እዛዚ ድማ ኣብቲ ኣኼባ “እዚ ነገር እዚ ከምቲ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ናይ ኣሜርካ ሲኣይኤ እምነት ኣብዚ ሃገርና እውን ከምኡ ከይሰፋሕፈሐ ከሎ መዕለቢ ክግበሮ ኣለዎ ዝኾነ ሰራዊት ድማ መጽሓፍ ቁዱስ ከንብብ ክሰብኽ መንፈሳዊ መጺሄታት ከይሕዝ ኢሉ ዝተዛረበ” ብድሕሪኡ ኸኣ ተኸልከል ንዘለዉ ክርስስትያናት ድማ ሰሲሒቦም ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰቲ ኣእተውዎም፣
ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ እቶም ሰራዊት ዘበልና ብብረት ተዓጂብና ናብ ቦታና ኸድና፣ ኣብቲ ቦታና ምስ ኣተና ብኹፉእ ገጽን ብምፍርራህን መሊስና ኣብቲ ናይ ወተሃደራዊ ማእሰርቲ ክንእሰር ተኣዚዝና፣ ክእሰር ከለኹ ኣነ ነቲ ኣዛዚ ሓቲተዮ ብኸመይ ምኽንያት ተኣስረኒ ኣሎኻ? ጥፍኣተይ እንታይ እዩ? ጥራይ ስቕ ኢልካ ኺድ ኣብኡ ምስ ኣተኻ ክንገረካ እዩ ኢሉኒ፣ ቅድሚ ሕጂ ኣነ ተኣሲረ ኣይፈልጥን እየ፣ ብሕማም ጨጎራ ይሳቐ ስለ ዝነበርኩ ብሕማም ኩሊት እውን ይሳቐ ስለ ዝነበርኩ ኣዚዩ ከቢዱኒ፣ ኣብቲ ስቪላዊ ማእሰርቲ ቀሊል እዩ ምግቢ ተላእኹልካ ትበልዕ ርእስኻ ኣዲንካ ክትጽሊ ትኽእል፣ ስራሕ እውን ከቢድ ኣይነበረን ኣብቲ ሹዑ ጊዜ ማለት እዩሕጂ ኩሉ ሓደ ኮይኑ እዩ፣
ኣብቲ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ቦታ ኣዚዩ ከቢድ እዩ፣ ቅድሚ ምእሳረይ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብወረ ይሰምዖ ስለ ዝነበርኩ ናብኡ ምስ ተባህለኒ ብዙሕ ነገር ተጨኒቐ፣ ነገር ግና እግዚኣብሄር ረዲኡኒ ኩሉ ኺእለዮ፣ እትው ክንብል ናብቲ ቤት ማእሰርቲ እቶም ፖላይስ ብምውጥዋጥ በትሪ ተቐቢሎምና ብድሕሪ እዚ ካብቲ ዘለናዮ ሹዑ ንሹዕን ንስራሕ ዉጹ ኢሎምና፣ ዓበይቲ መካይን ጺዒኖም ድማ ወሰዱና፣
ብድሕሪ እዚ ነተን መካይን ዑጻ ክንመልእ ኣመስይና፣ ብድሕሪ እዚ ናብቲ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ተመሊስና፣ ኣብ ሓንቲ ጸባብ ገዛ 45 ሰባት ተኣሲርና ኔርና፣ ንሓደ ሰብ ቁርሱ ሓንቲ ባኒ ምስሑ ሓንቲ ባኒ ድራሩ ሓንቲ ባኒ እሰን ከኣ 60ግራም ንኣርበዓን ሓሙሽተን ሰባት ሓንቲ ኺሎ ዓደስ ክልተ ናኣሽቱ ሳልሳ ሓንቲ ሳልሳ በርበረ ንምሳሕን ድራርን ይዋሀበካ፣ ከይሕሱ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ፣ እቶም እሱራት እውን ምስክር እዮም፣ እዚ ነገር እዚ ኣዚዩ ንዓይ ኣሰንበደኒ ሹዑ ሹዑ ምሸት እቲ ዓደስ ስለ ዘይኣክል ኣብ ምሳሕ ተወዲኡ እዩ፣ እቲ ድራር ግና ማይ መሊእካ እተን ክልተ ናእሽቱ ሳልሳን እታ ሓንቲ ንእሽቶይ ሳልሳ በርበር ኣብኡ ተእትዎ በትን ዝተዋህባና ሓንቲ ባኒ ፈትፊትና ንድረር፣ ሰለስተ ኩላሶ ምስ ኮለስካ ብድሕሪኡ ኣይትበልዕን ኢኻ፣
ኩቡራት ኣሕዋተይ እዚ ነገር እዚ ኣጋንኖ ይመስል ይኸውን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ኣርባዕተ ወርሒ ንላዕሊ ሰብ ክእሰር ኣይክእልን እዩ፣ እቲ ናይ ሰብ ሄሞግሎቢ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሰለተ እዩ ዝበጽሕ ብድሕሪ እዚ ሰብ ክኸይድ ኣይክእልን እዩ፣ ኩሉ ኣርባዕተ ወርሒ ዝገበረ ሆስፒታል ክበጽሕ ኣለዎ፣ ብዛዕባ ክንድቅስ ተመጻኻ እውን መደቀሲ ተበልክ ሰብ ኣብ ርእሲ ሰብ ስለ ዝኾነ መደቀሲ ኣይትረክብን ኢኻ ግና ተጨፋሊቕካ ትድቕስ፣ ክንድቅስ ምስ ጀመረና እውን ወራር ቁማል እዮም ጀሚሮምና ኮታ እቲ ቦታ ኣሽንካይዶ ንፉጡር ወዲ ኣዳም ንእንስሳ ኸማ ፈጺምካ ኣይትምነየሉን ኢኻ፣
ኩሉ ግዜ ንጉሁ ምስ ተንሳእና ካብ ሰዓት ሹዱሽተ ክሳብ ሹዱሽተን ርብዕን ንሸነሉን ደገ ንወጸሉን ግዜ እዩ፣ ካብኡ ተሰሪዕና ማሳ እምኒ ዝሰብሩን ብሉኬቲ ዝሰርሑን ተባሂልና ኣብ ክልተ ንኽፈል፣ ኣብኡ ዝነበርና ክርስትያናት ኣዚዮም ይጸልኡና ስለ ዝነበሩ ናብቲ እምኒ ምስባር ይምድቡና፣ እቲ እምኒ ካብ ሹዱሽተን ፈረቃን ወጋሕታ ጀሚርካ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተው ሓደ ከይበላዕካ ከይሰተኻ እምኒ ትሰብር ተመሊስካ ሓንቲ ኩባያ ሻሂን ሓንቲ ባንን በሊዕካ ክሳብ ፋዱስ ተዕርፍ እታ ንእሽቶይ ምሳሕ በሊዕካ ከኣ ሰዓት ክልተ ምስ ኮን ስራሕ ትወፍር ነቲ ስብር ዝወዓልካዮ እምኒ ካብ ፈቐዶ ስንጭሮ ጎቦ ኣኪብካ ናብ ማካይን ትጽዕኖ ሰዕት ሱዱሸት ይኸውን፣
ብድሕሪ እዚ ማይ ንኽትሕጸብ ኣይፍቀድን እዩ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ኣካላትካን ካናቴራኻን ጥራይ ኢኻ ትሓጽብ ክዳንካ ምሕጻብ ኩልኩል እዩ፣ ብኸምዚ እዮ ከኣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ማእለያ ዘይብሊ ቁማልን ኣናጹን ክበዝሕ ዝኸኣለ፣
ብሕልፊ እቲ ናትና ኣሃዱ ቅያር ክዳን ኮቦርታ ኣንሶላ ንኸይኣትወና ከልኪሉና ምኽንያቱ ክርስትያናት ኣመነቲ ስለ ዝኾና፣ እግዚኣብሄር ግና ናይ ተኣምራት ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ብዝተፈላለየ መገዲ ክዳንን ኮበርታን ረኺብና፣
ብድሕሪ እዚ 2000 ዓመተ ምህረት ኣትዩ ኩሎም እሱራት ናይ መበል 21 ክፍለዘመን ሓድሽ ዓመትን ተባሂሉ ምሕረት ሓቲቶም ብድሕሪኡ ናይ እሱራት ኣኬባ ተጌሩ ድሕሪ ደጊም ኣይንብድልን ካብ ጌጋይ ተኣሪመ ዝብል ሰብ ነጻ ንኽብሃል እቲ ኣዛዚ መደረ ኣስሚዑ ኩሎም እቶም እሱራት ጌግኦም ተኣሚኖም ነጻ ወጺኦም ንዓና ነቶም ብሰንኪ እምነትና ዝተኣሰርና ዝቐረበልና ሕቶ ጌጋኹምን ምስባኽን ትሓድግዎ ዲኹም ዝብል እዩ ኔሩ፣ ናትና መልሲ ድማ ኣይዓመጽናን ኣይሰረቕናን ኣብ ስራሕ እምቢታ ኣይረኣናን ስለዚ ጌጋ የብልናን እምነትና ኸኣ ኣይንኽሕድን ኢና ኢለና መልስናሎም፣
እቲ ኣዛዚ ድማ ብነድርን ብቑጠዓን ከም እንደገና ክንእሰር ኣዚዙና፣ ብድሕሪ እዚ እቶም ኣዘዝቲ ፖላይስ ብብርቱዕ ስራሕን ብጥሜትን ከስርሑና ከዕዩዩናን ጀሚሮም፣ እቲ ምስባር እምኒ ኣባና ጥራሕ ስለ ዝወደቐ እቲ ስራሕ ኣዚዩ ከቢዱና፣
ሓደ ለይቲ ንጽሊ ነበርና፣ መጽሓፍ ቁዱስ እውን ኣብታ ዝነበረትና ናይ ምሳሕ ሰዓት ተሓቢእና ነንብ ኔርና፣ ነቲ መጽሓፍ ቁዱስ በብምዕራፉ ቀዲድካ ኢኻ ተንብቦ እዚ ነገር እዚ ግና ቅድሚ ሕጂ ተሓቢሮም ስለ ዝነበሩ ንኽፍትሹና ሃንደበታዊ ግዜ ይደልዩ ኔሮም እዚ ኩሉ ስለ ዝፈለጡን ስለ ዝረኸቡናን ከኣ ካናቴርን ኮስትሞን ጌርና ኣብ ደገ ኣብ ቁሪ ክንሓድር ኣዚዞምና እቲ ወርሓት ጥሪ ስለ ዝነበረ እቲ ቁሪ ኣዚዩ ቡርቱዕ እዩ ኔሩ፣ ከም ዘይወግሕ ግና የለን፣
ኣነ ኣብቲ ሰዓት እቲ ብብርቱዕ ጋስትራይት ይሳቐ ስለ ዝነበርኩ ኣዚዩ ንዓይ ከቢዱኒ ግና መጽሓፍ ቁዱስ ከምዚ ይብለና “ኣነ ስቓይ ክርስቶስ ምእንቲ ክመልእ ኣብ ስጋይ ስቅያት ክርስቶስ ይጸውር ኣለኹ” ዝብል ኣብ ህይወትና መታን ክፍጽመ ብብዙሕ ነገር ስቓይ ሓሊፍና፣
ሓደ ግዜ ኩሎም እቶም እሱራት ወጽዮም ዓሰርተው ሓደ ኣመንቲ ተሪፍና ኔርና እቲ ስራሕ ናይ ቡዙሓት ኩሉ ኣባና እዩ ወዲቑ ኔሩ፣ ሓንቲ መዓልቲ ናብቲ መኪና እምኒ ጸሪብና እንዳ ጸዓና ኸሎና ኣነ እምኒ እንዳ ሰቐልኩ ከለኹ እቲ እምኒ ተመሊሱ ኣብ ኣብ ነፍሰይ ክወድቕ ናባይ ኣንከራረወ፣ ኣነ ኸኣ ብኢደይ ምስ ተኸላኸልክዎ ሕቖይ ተገሚየ፣ ካብኡ ተሸኪሞም ወሲዶምኒ፣ ምንም ዝወሰድክዎ ሕክምና ኸኣ ኣይነበረን፣ እቲ ቓንዛ ኣዚዩ በርትዓኒ፣
ንጽባዒቱ መዓልታዊ ስራሕ ክሰርሑ እቶም ብጾተይ ምስ ከዱ ኣነ ግና ክኸይድ ኣይከኣለኩን፣ ሓደ ወታሃደር መጽዩ ግና ተሰእ ስራሕ ኢሉኒ ኣነ ግና ዋላ ቕተሉኒ ኣይከይድን እየ እለዮ ከመይሲ ክኸይድ እውን ዓቕሚ የብለይን፣ኣብዚ እስርቤት ከኣ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ገበርኩ፣ እቲ መቕጻዕትን መከራን ግና ኣየብቀዐን፣
ይቅጽል !