24
Tue, Jun
0 New Articles

ካብ ገዝኣ ምስ ወጸት ዘይተመልሰት መንእሰይ

News
Typography
ሓቐኛ ዛንታ ሓፍትና ጓል ኤርትራ

ኩብራት ተኸታተልቲ ኤሪ ወንጌል ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝወረደን ዝወርድ ዘሎ መከራን ነቕርበልኩም ኣሎና፣ ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ስለቲ ዘፍቅርዎ ኣምላኾምን መድሓኒኦምን የሱስ ክርስቶስ ዝኸፍልዎ ዘለዉ መስዋእትን ኣደራዕን ዓቢ እኳ እንተ ኾነ እቲ ከሓሲ ኣምላኽ ግና ዓስቦም ዝኸፍለሉ እዋን ግና ሩሑቕ ኣይኮነን፣

 


እዚ ነቕርቦ ዘሎና ጽውጽዋይ ወይ ከኣ ንመንግስቲ ንምኽፋእ ኣይኮነን፣ እቲ ሓቂ ግና እዚ እዩ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ብሰንኪ ኣብ እምነቶም ደው ምባሎም መሰሎም ዝተገፉ ካብ ስራሕ ዝተባረሩ ዝግብኦም ዝሰኣኑ ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ ዝተዳገኑ፣ ኣብ ባዕትታትን ስንጭሮታትን ዝተደርበዩ፣ ኣብ ኮንቴነራት ዝተሓየሩ፣ ኣብ ቤት ማእሰረቲ ኣጻውእን ኣብ ሃልሃልታ ሓዊ ሃሩሩ ዘለዎ ዊዓን ናኩራን ዳህላክን ዝሳቐየ ዘለዉን ህይዎአቶም ዝሓለፈን ቡዙሓት እዮም፣ ነየናይ ሓዲግና ብዛዕባ ምንታይ ከም እንዛረብ ከማን ይጨንቀና፣ ግናኸ ስለ ጽንዓቶምን ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ክብሪ ዓቢ እዩ፣ ኣብ ልብና ዘለዎም ስፍራ ኸኣ ቡሉጽ እዩ፣ መከራኹም ንኽብሪ እዩ፣ ስቓይኩም ንብርሃን እዩ፣ እዚ ሎሚ ናትኩም ወጽዓ እዚ ትሓልፍዎ ዘለኹም ስቓይ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ ዝውልዖ ሽግ ወንጌል ኩቡር እዩ፣ ኣጆኹም ብጎይታ ጽንዑ፣
በሉ ናብቲ ሓቐኛ ታሪኽ ናይ ጓል ኤርትራ ክወስደኩም
ታሕሳስ 2005 ብስራሕ ናብ ሓደ ቦታ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ተንቀሳቒሰ ኔረ፣ እቲ ዝነበረኒ ስልጠና ወዲኤ ኸኣ ንኣስመራ ተመለስኩ፣ ገዛ ምስ ኣተኹ ግና ሓደ ዘሕዝን ታሪኽ ሰሚዔ ንሱ ኸኣ “ጓል ኤርትራ ተኣሲራ(ሓቀኛ ስማ ኣይኮነን)”
ጓል ኤርትራ ንኣምላኽ ትፈቱ ኣማኒት ክርስቶስ ጓል 25 መንእሰይ ጓል እያ፣ ምስ ጓል ኤርትራ ጹቡቕ ጌርና ኢና እንፋለጥ፣ ኣነ ካብ ንእስነታ ጅሚረ እየ ዝፈልጣ፣ ኣብዚ ንእሱ ዕድሜኣ ናይ ወለዲ ሓላፍነት ዝተሰከመት መስተውዓሊት መንእሰይ እያ፣
ጓል ኤርትራ ካብ ገዝኣ ክትወጽእ ከላ ነቶም ካብ ዝምርዓዉ ወርሖም ዘይገበሩ ሓደስቲ መርዓውቲ መሓዙታ እያ ክትበጽሕ ከይዳ፣
ኣብቲ ገዛ ኸኣ ምስ መሓዝኣ በጽሐት፣ ከምቲ ንቡር ከኣ ቡን ሻሂ ተቐሪቡ፣ መርዓት ውራይ ምቑናና ክትገብር ውጽእ ኢላ ነበረት፣ ጓል ኤርትራ ግና ምስቶም ኣብቲ ገዛ ዝነበሩ መርዓውን ካልኦትን ቡኖም እናሰተዩ የዕልሉ ኔሮም፣ ኣብዚ ኸምዚ እንከለዉ እዩ ሃንደበት ዘይሓሰብዎ ፖሊስ መንግስቲ ኤርትራ ናብቲ ገዛ ዝመጹ፣ ከምቲ ንማሕረዲ ዝኹብከብ በጊዕ ከኣ ንጓል ኤርትራ ነቲ መርዓዊ ነቶም ኣብቲ ገዛ ዝነበሩ ንኹሎም ናብ እንዳ ፖሊስ ወሰድዎም፣
ጓል ኤርትራ ኸኣ ከም ገበነኛ ናብ ቤት ማሕቡስ ኣትያ፣ ገበና ግና ሓደ ነገር እዩ ኣማኒት ስለ ዝኾነት ጥራይ፣ ኣብ እንዳ ፖሊስ ምስ ኣተውት እቲ ዝምለክቶ ኣካልን መንግስትን ፈጺሞም ግዳ ኣይገብሩን፣ ኣማኒት ሰዓቢት ክርስቶስ ስለ ዝኾነት መጽሓፍ ቁዱስ ስለ ዘፍቀረት እንዳ ኣመንቲ መርዓውቲ ስለ ዝበጸሐት እዚ ንዓኣቶም ገበነኛ ምዃና እኹሉ መርትዖ እዩ፣
ጓል ኤርትራ ሎሚ ትወጽእ ጽባሕ ትወጽእ እናተባህለ ግዜ ሓለፈ ብዙሕ ግዜ ኸኣ እምነታ ክትክሕድ ተነግራ ግና ኣይገበረትን ከመይ ኢላ እሞ ነቲ ዝኣመነትሉ ትኽሕድ? ጓል ኤርትራ ካብ ገዝኣ ክምለስ ኢላ ምስ ወጸት ካብ እንዳ መርዓውቲ ከም ገበነኛ ብፖሊስ ተኾብኪባ እንሆ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ እናኾለለት ክልተ ዓመታ የሕሊፋ ኣላ፣ እቶም ዝፈትውዋ ቤተሰባን ኣዝማዳን እኳ ክርእይዎ ኣይፍቀደሎምን እዩ፣
ጓል ኤርትራ እንትርፎ ኣምላኽ ክጣበቐላ ዝኽእል ኣካል የሎን እብዚ እዋን፣ እንሆ ብሰንኪ እምነታ ኣብ እስር ቤት ከርፋሕ ናብራ ተሕልፍ ኣላ፣ ጓል ኤርትራ ምንም ገበን ዘይብላ ጥቓ ገበን እኳ ቀሪባ ዘይትፈልጥ ንእሽቶይ መንእሰይ እያ፣ ጓል ኤርትራ ግና ኣብ ትሰርሓሉን ወለዳ ትሕግዘሉን ሓዳር ትገብረሉን ትሕጎሰሉን ዕድመ እንሆ ኣብ ከርፋሕ ቤት ማእሰርቲ ዕድሜኣ ተሕልፎ ኣላ፣
ጓል ኤርትራ ክትበጽሕ ኢላ ዝኸደት እንሆ ካብቶም ዘፍቅርዎ ስድራ ተፈልያ ካብ ስርሓ ተኣልያ ኣብ ግዜ ንእስነታ መሕደሪኣ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ፣
ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ እንሆ ኣብ ሓደ ኣዚዩ ከርፋሕ ቤት ማእሰቲ ከምዘላ ኣነ ይፈልጥ እየ፣ ስለዚ ኣምላኽ ረዲኤት ክኾና፣ ኣብ እምነታ ደው ክትብል ኣምላኽ ፍትሒ ፍትሒ ከውጻላ ክትጽልዩላ ብትሕትና ይሓተኩም፣
እታ ታሕሳስ 2005 ካብ ገዝኣ ዝወጸት ጓል ኤርትራ እንሆ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጊና ኣላ፣