ካብ ገዝኣ ምስ ወጸት ዘይተመልሰት መንእሰይ ኣብ ዊዓ ቓያ ይዓዝዝ ኣሎ
ኩቡራት ተኸታተልቲ ኤሪ ወንጌል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብዛዕባ ካብ ገዝእ ምስ ወጸት ዘይተመልሰት መንእሰይ ጓል ሓቐኛ ታሪኽ ኣቕሪብናልኩም ኔርና፣ ስቓይ ጓል ኤርትራ ግና ምስ ብጾታ ኣብ ዊዓ ይቕጽል ኣሎ፣ ዊዓ ኣሽንካይዶ ፉጡር ወዲ ኣዳም እምኒ እኳ ዘይቅመጦ ቦታ እዩ፣ ጓል ኤርትራን ካልኦት ብጾታን ግና እንሆ ጽዋእ መከርእን ኣብቲ ዓዲ ሃሩር ቦታ ስቓይን ተሕልፎ ኣላ፣
ጓል ኤርትራ ካብ ናይ ዓዲ ኣበይቶ ቤት ማእሰርቲ ትኽ ኢላ ናብ ዊዓ እያ ኸይዳ፣ ከምቲ ዝገለጽናዮ ኣብ ዊዓ ዘሎ ሃሩር ልዕሊ 40 ሰንቲግሬድ እዩ ዝበጽሕ፣ ኣብዚ ቦታ ሰብ ታእሲሩ ይነበር ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ንኽትሰምዖ ዘስካሕክሕ እዩ፣
ጓል ኤርትራ ግና ኣብዚ ኣጻምእ ምድረበዳ ቦታ ሃሩሩን ስቓይን ከምቶም ካልኦት ኣብኡ ንታዕሊምን ንወተሃደራዊ ልምምድን ዘለዉ ሰባት ዝብጽዕም ዕጫ ጥራይ ኣይኮነን በጺሒዋ ንሳን ብጾታን ኣመንቲ ስለ ዝኾና ጥራይ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ትሕቲ መሬት (UNDERGROUND) ዝብሃል ቦታ እየን ኣትየን፣ ዋዒ ዊዓ እናለብለበን ከይኣክል ብንእስነተን ኣብ ትሕቲ መሬት ናይ ዊዓ ስቓየን ክርእያ ተግይሩ፣
ጓል ኤትራን ብጾታን ኣብ ዊዓ ምህላወን ዓቢ ስቓይ እዩ ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ጨካናት እንስሳ ምእሳረን ከኣ ዝገደደ ስቓይ እቲ ዝኸፈኣ ከኣ ኣብ ልዕሊኣን ዝወርድ ዘሎ መግረፍትን ማህረምትን እዩ፣ እዚ ዝነግረኩም ዘለኹ ጽውጽዋይ ከይመስለኩም፣ ሎሚ ኣብ ገጽ ምድሪ ዝሕባእ ነገር የለን፣
ጓል ኤርትራን ብጾታን እምነትኽኝ ከሓደ እንዳ ተባህላ ብብትርን ዱላን ምኽትካት ንዐኣን ከም እንጀራን ማይን እዩ፣
ጓል ኤርትራ ምስ ብጾታ ተሕልፎ ዘላ ምረት በዚ ዝተጻሕፈ ቃላት ክትገልጾ ዘሸግር እዩ፣
ኣብዚ እዋን እዚ ጓል ኤርትራን ገለ ብጾታን ካብ ትሕት መሬት ወጽየን ድሮ ኣብ ኣዚዩ ከቢድ ወትሃደራዊ ታዕሊም ኣትየን ኣለዋ፣
ጓል ኤርትራ ትሓልፎ ዘላ ስቓይን መከራን ብቓላት ክግለጽ ዘይክእል መሪር ልቢ ዝሰብር ዓቢ እዩ፣ ንሳ ተምሳል ናይቶም ቡዙሓት ከምኣ ዝኣመስሉ ስለ ወንጌል ክርስቶስ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣመንቲ እያ፣ ታሪኾም ከኣ ጽባዕ እቲ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ምስ ወጸ ደሚቑ ክወጽእ እዩ፣
ስለ ወንጌል ዋዒ ዊዓ ዝልብልቦም ዘሎ፣ ስለ ክርስቶስ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝሳቐዩ ዘለዉ፣ እምነትኩም ከሓዱ እናተባህሉ ብኣዚዩ ኣስቃቕ ስቓይ ዝሓልፉ ብማህረምቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋት ኣብዚ እዋን እዚ ቁጽሮም ካብ ማንም ግዜ ኣዚዩ በዚሑን ዓዚዙን ኣሎ፣
ሎሚ ጓል ኤርትራን ብጾታን ነዚ ምስክር እዮም፣ እቶም ብሞት ዝሓለፉ ከም ሓፍትና ንግስቲ ሃይለን ካልኦትን ምስክር እዮም
ኩቡራት ተኸታተልቲ ኤሪ ወንጌል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓፍትና ንግስቲ ሃይለ ዝተባህለት ጓል 33 ዓመት ብሰንኪ እምነታ ኣብ ዊዐ ከም ዝሞተት ይዝከር እዩ፣
ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ንሕና ብዛዕባ እዘን ኣሓት እዚኣተን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪብና ክንጽልየለን ኣምላኽ ጸጋ ከብዝሓለን ንጸሊ፣
ጓል ኤርትራን ብጾታን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊእን ዝወርድ ዘሎ መከራ ዓቢ ምረትን ስቓይን ከም ዘለዎን ማንም ክኽህዶ ዘይክእል ሓቂ እዩ፣ ስለዚ በዚ ተሰኒፈን ከይሕለላን ከይሕለሉን ኣበርቲዕና ንጸልየሎም
ኣብዚ እዋን ንሕና ስለ ኣሕዋትና ብኩሉ ነገር ክንድግፎምን ክንጽልየሎም ሓላፍነትና እዩ፣ ስለዚ ጽባሕ ታሪኽ መታን ከይሓተና ሎሚ ጉቡእና ንግበር፣