25
Wed, Jun
0 New Articles

እዋናዊ ዜናን ሓበሬታን

News
Typography

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣምነቲ ዝወስዶ ዘሎ ማእሰርቲ ኣዚዩ እናወሰኸን እናዓበየን ይኸይድ ኣሎ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣምነቲ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምእሳርን ምስቓይን መስርሕ ብዝኸፈኣ መልኽዑ ይቕጽሎ ኣሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ካብ ስርሖምን ኣባይቶምን ብዓሰረተታት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ኣለዉ፣እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተኣስሩ ሰባት ገሊኣቶም ኣብ 5ይ 4ይን 2ይን መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ኣለዉ፣ ገለ ካብዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ኸኣ ብርቱዕ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ ኣሎ፣


ኣስማት እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ብዝርዝር ኣብ ዝመጽእን ኣብ ዝጥዕምን እዋን ከንቕርበልኩም ምኻና ንሕብር፣ቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝግበር ዘሎ ማእሰርቲ እውን ክቕጽል ምኻኑ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይሕብእብእ ገሊጹ ኣሎ፣
ኣብ ዝሓልፈ ግዜ ድማ ፓስተር ዕቑባሚካኤል ተኽለሃይማንቶን ፓስተር ሙሴ እዛዝን ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተኣስሩ ብፍላይ ሙሴ እዛዝ ደሃይ ከም ዘይብሉ ይዝከር፣
ኩቡራትን ፍትዋትን ኣሕዋት ኣብ ልዕሊ ኣምንቲ ዝወርድ ዘሎ ማእሰርትን ጸበባን ዓቢ እዩ እሞ ስለዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪብና ንጸልን ብዝከኣለና መጠን ከኣ ንደግፎም