መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣምነቲ ዝወስዶ ዘሎ ማእሰርቲ ኣዚዩ እናወሰኸን እናዓበየን ይኸይድ ኣሎ
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣምነቲ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምእሳርን ምስቓይን መስርሕ ብዝኸፈኣ መልኽዑ ይቕጽሎ ኣሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ካብ ስርሖምን ኣባይቶምን ብዓሰረተታት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ኣለዉ፣እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተኣስሩ ሰባት ገሊኣቶም ኣብ 5ይ 4ይን 2ይን መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ኣለዉ፣ ገለ ካብዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ኸኣ ብርቱዕ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ ኣሎ፣
ኣስማት እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ብዝርዝር ኣብ ዝመጽእን ኣብ ዝጥዕምን እዋን ከንቕርበልኩም ምኻና ንሕብር፣ቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝግበር ዘሎ ማእሰርቲ እውን ክቕጽል ምኻኑ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይሕብእብእ ገሊጹ ኣሎ፣
ኣብ ዝሓልፈ ግዜ ድማ ፓስተር ዕቑባሚካኤል ተኽለሃይማንቶን ፓስተር ሙሴ እዛዝን ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተኣስሩ ብፍላይ ሙሴ እዛዝ ደሃይ ከም ዘይብሉ ይዝከር፣
ኩቡራትን ፍትዋትን ኣሕዋት ኣብ ልዕሊ ኣምንቲ ዝወርድ ዘሎ ማእሰርትን ጸበባን ዓቢ እዩ እሞ ስለዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪብና ንጸልን ብዝከኣለና መጠን ከኣ ንደግፎም
እዋናዊ ዜናን ሓበሬታን
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode