ክርስትያናት መራሕቲ ከምዝሕብርዎ ምጭዋይ ኣወዳትን ኣዋልድን ክርስትያናት ናብ ምስልምና ንምልዋጥ ኣብታ ብብዝሒ ኣስላም ዝንብሩላ ሶኮቶ እትብሃል ክፍለ ሃገር ናይጀርያ ልሙድ ተርእዮ ኰይኑ’ሎ ይብሉ ።
ሶኮቶ: ናይጀርያ መጋቢት 14(Compass Direct News) ኣብ መጀመርታ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቪክቶር ኡዶ ኡሰን ዝተባህለ ወዲ 13 ዓመት ኣባል ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዘላ ክርስቶስ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስትያን እትብሃል ጠፊኡ ።
ኣብ ናይ 20 ጥሪ ሓበሬታ ግን መንእሰይ ቪክቶር ካብ ሰድራኡ ተፈልዩ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ኣስላማይ ጐረቤት ተጨውዩ ይርከብ ነይሩ ። ሓንቲ ክርስትያን መንእሰይ ስድራኡ ናብ ዝርከቡሉ ማበራ ዝተባህለ ክፍሊ ናይ ከተማ ሶኮቶ ብቁልጡፍ ብምኻድ ሓበረቶም ።
ኣደ ቪክቶር ኤስተር ኡዶ ኡሰን ናብቲ ወዳ ዝተራእየሉ ገዛ ቀልጢፋ ብምኻድ ረኸበቶ: እንተዀነ ንሱ’ውን ካብቲ ንሽድሽተ ወርሒ ትሓይሩሉ ዝነበረ ቤት ንምህዳም ብዙሕ ጻዕሪ ይገብር ከምዝነበረ ። ንኮምፓስ ሓቢራ “ብቁልጡፍ ብኢዱ ሒዘ ንገዛና ንምኻድ ናባይ ገጸይ ስሓብክዎ” “እንተዀነ ኣላህ ዎ ኣክባር! ኣላህ ዎ ኣክባር! ኣላህ ዎ ኣክባር! (እግዚኣብሄር ዓቢ እዩ) ዝብል ቅጽበታዊ ጭድርታ ሰማዕኩ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ኣስላም ናባና ገጾም ክጐዩ ምስረኣኹ ድማ ሰንበድኩ” ትብል ።
ንኮምፓስ እናበኸየት ከምዝሓበረቶ : እቶም ኣስላም ንኽልቲኦም ድሕሪ ምኽባቦም ንወዳ መንዚዖማ ። ነቲ ኣብ ገዛ ዘይነበረ ሰብኣያ ቅድሚ ምልኣኻ ገለ ኣባላት ናይቲ ጭፍራ ወዳ ሕጂ ኣስላማይ ሰለዝዀነ ንሳ ትኹን ሰብኣያ ነቲ ቈልዓ ስድራኡ ከምዘይኰኑ ነጊሮማ ።
ንሳ ንኮምፓስ ከምዝገለጸቶ « ወዳ ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት እዮም ጨውዮሞ ሎሚ ጥራይ ኢየ ርእየዮ ” “ከመይ ኢሉ ሓደ ሰብ ንወደይ ናብ ሃይማኖቱ ክኣቱ ብሓይሊ ይግድዶ? ” ትብል ኣቦ ቪክቶር ኡዶ ኡሰን ንኮምፓስ ከምዝሓበሮ ሰበይቱ ተጨኒቃ ተሌፎን ምስደወለትሉ ናብ ገዛ ብቁልጡፍ ብምምጻእ እቲ ቈልዓ እንደገና ተጨውዩ ዝጸንሖ ጥራይ የመስሎ ነይሩ ።
‘እንተድኣ ናብ ገዛ እቲ ኣስላማይ ሰብኣይ ወደይ ከምጽእ ኢለ ከይደ: ህይወት ሰድራ ቤተይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እንኰላይ ንኻልኦት ኣብ ሶኮቶ ዝርከቡ ክርስትያናት ክጥቅዕዎም መገዲ ዝኸፍት ኢለ ሓሲበ ‘ ይብል ኡሰን ብኣንጻሩ ኡሰን ንጓሳ ማሕበሩ ክነግሮ ከሎ ክልቲኦም ድማ ንኻልኦት መራሕቲ ቤተ ክርስትያንን ከምኡውን ናይቲ ክፍለ ሃገር ናይ ጸጥታ ኣገልግሎት ሓቢሮም ።
“ፖሊስ ድማ ክሳብ እቲ ሱልጣን ናይ ሶኮቶ: ኣብ ናይጀርያ ናይ ዝርከቡ ኣስላም መራሒ ካብ መገሻኡ ዝምለስ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋላ ሓደ ክገብሩ ከምዘይክእሉ ሓቢሮሙና ። ” ይብል “ ንሕና ከይፈልጥና ነዚ ቈልዓ ንሽድሽተ ወርሒ ሒዞሞ ። ምስልምና ክቕበል ድማ ገዲዶሞ ። እዚ ተግባር እዚ ኣብ ወዲ 13 ዓመት ቈልዓ ይፍጽሙ ? ”