25
Wed, Jun
0 New Articles

ኢራናዊ ክርስትያን ብክርስቶስ ዘለዎ እምነት ብምእማኑ ይግረፍ

News
Typography

‘…ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ክግለጽ ዝመጽእ ዘሎ ክብሪ ከም ዘይመዓራረዮ: እኣምን ኣለኹ።’ (ሮሜ 8:18-19)


ብመሰረት ፋርሲ ክርስትያናዊ ናይ ዜና መርበብ (FCNN) ኢራናዊ ክርስትያን ኣ. ሽ. (FCNN ንድሕነት እቲ ሰብ ኢሉ መንነቱ ይዕቅብ) ብ 4 ግንቦት 2007 ድሕሪ ምስ ናይ ሓለዋ ጸጥታ መኪና ዘጋጠሞ ናይ መኪና ሓደጋ ብኣባላት ሓለዎ ጸጥታ ተታሒዙን ተኣሲሩን ።
ድሕሪ እቲ ሓደጋ ሰለስተ ኣባላት ጸጥታ ብብዕሉግ ቃላት እናጸርፍዎ ንመኪናኡ ክፍትሹ ከለዉ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ የሱስ ፊልምን (DVD) ረኸቡ ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ብዛዕባ ሃይማኖቱን እምነቱን ክሓትዎ ምስ ጀመሩ ክርስትያን ከምዝዀነ ተኣሚነ።
የሱስ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ሉቃስ 12:8 ከምዚ ይብል ‘ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝእመነኒ ኩሉ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ክእመኖ እዩ ።’

እቶም ኣባላት ሓለዎ ጸጥታ ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና ከምዝተለወጠ ምስምዑ ብብርቱዕ ድሕሪ ምንካስ ናብታ መኪና ደርብዮም ኣብ ሰፋህ ፓስድራን (Sepah Pasdaran) ናብ ዝርከብ መበል 102 እስላማዊ ወታሃደራዊ መደበር ወሲዶሞ ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከምዝሕብሮ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ካብቶም ሓለውቲ ጸጥታ ንኣ.ሽ ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና ሰለዝተለወጠ ብመናፈቕነት ሞርታድ (Mortad) ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዕን ብዘይ ክሲ ወይ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ብጽኑዕ ብኵርማጅ ክወቅዖን ክገርፎን ጀመረ ።
ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሑን ምግርፉን  ብሓገዝ ስድራኡን ነቶም ሰበ ስልጣን ዝተዋህበ ፋይናንሳዊ ዋሕስ ተፈቲሑ ።
ንሕና ከም ክርስትያናት ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝተማሃርናዮ ነቶም ዝሰጉና ምሕረት ክንገብር: ልክዕ ከምቲ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ከሎ ዝብሎ:
ኣቦይ: ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም ። ሉቃ 23:34
ኣብ ዝቐረባ እዋን ፎክስ ናይ ዜና መርበብ ንኢራን ኣብ ዓለም ካብተን ንክርስትያናት ዘሳድዳ  ዘለዋ ሃገራት መበል ሳልሰይቲ ሰሪዕዋ ኣሎ ። ብተወሳኺ ፎክስ ናይ ዜና መርበብ ኢራን ብቀልጢፋ ናብ ቀዳማይ ደረጃ ከምትሰጋገር ይሕብር ።