25
Wed, Jun
0 New Articles

ለበዋ ኤሪ ወንጌል ን2008 (ካልኣይ ክፋል)

News
Typography
ፍርሓት ኣግዚኣብሄር ንኹሉ ፍርሓታ ከም ዘርሕቕ ንረዳእ፣

ክቡራትን ፍትዋትን ተኸታተልቲ ኣገልግሎት ኤሪ ወንጌል ነዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ዓመት ዝኸውን ማዕዳ ክንህብ ከም ዝጀመርና ይፍለጥ፣ ሎሚ ኸኣ ነቲ ኻልኣይ ማዕዳና ክንርኢ፣ ጠቢብ ሰለሙን ኣብ ምሳሌ ሓደ ጥቕሲ ሸወዓተ ከምዚ ይብል “ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ>> ይብል፣

መጽሓፍ ቁዱሳ ብዛዕባ ፍርሓት ኣምላኽ ኣብ ብዙሕ ጥቕስታት ገሊጹን ምሂሩን ኣሎ፣ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ብኩሉ ጥበብ መሊኡ እኳ ክመላለስ እንተ ኸኣለ ብሰንኪ እቲ ናይ ጥበብ ጥበባት ዝኮነ ፍርሃት ኣምላኽ ንድሕሪት ስለ ዝደርበየ ግና እንሆ ዓለምናን ህዝብናን ኣብ ክወጽሉ ዘይክእሉ ታኼላ ዓዘቕቲ ወዲቖም ኣለዉ፣ ሰበ ብዘይ እዚ ጥበብ እዚ ምሉእ ኣይኮነን ክኸውን ከኣ ኣይክእልን እዩ፣ ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብ ጥራይ ከኣ እዩ ንነገራትን ንዝመጾ ብድሆታትን ዘይፈርህ ከመይ ተበልናሲ ኩሉ ነገር ኣብ እቲ ዘፍርሕ ኣምላኽ ምኳኑ ስለ ዝፈልጥን ዝርዳኣን፣

ሎሚ ጊዜ ሰይጣን ብዝተፍላለየ መፈንጠራታት ፍርሒ ኣውጢሩናን ከቢቡናን ይርከብ ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ እታ ዝነበረትና ፍጽምቲ ፍቕሪ ሪሒቓ እንሆ ኣብቲ ኣምላኽ ዘይደልየና ቦታን ስፍራን ስለ ዝተረኸብና ኸኣ መቕጻዕትና ካብ ዝሓለፈ እምብዛ ገዲዱ ኣሎ፣ እዛ ዓመት እዚ ብከመይ ዓይነት ፍርሃት እግዚኣብሄር ከም ተመላለስና ኣምላኽን መንፈሱን ጥራይ እዮም ዝፈልጡ፣ ይኹን እምበር እንሆ ሕጂ ኸኣ እዛ ሓዳስ ዓመት ኣብ ቅድሜና ተገቲራ ኣላ እሞ መከራና ክውዳእ እንተ ኾይኑ ካብዛ ዓመት እዚኣ ብዝበለጸ ብፈሪሓ ኣምላኽ ንምምልላስ ወትሩ ልብና ኣብ ቅድሚ ጸጋ ኣምላኽ ኮይኑ ይወስን፣

ሎሚ ስለምንታይ ኮን ይኸውን ብሃውሪ ብዘይ መርሒነት ኣምላኽ እናተመላለስና እንኸዶን እንወጾን መንገዲ ጠፊኡና ዘሎ? እቲ መልሲ ንጹር እዩ ኣነ ባዕለይን ንስኻትኩምን ኩላትናን ንኣምላኽ ስለ ዘይፈራሕና ጥራይ እዩ፣ ኣምላኽ ወትሩ ነቶም ዝፈርሕዎ ሚስጥሩ ምስ ገለጸሎም እዩ፣ ነዚ ኸኣ እዩ ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ከምዚ ኽብል ዝዘመረ፣ “ሚስጥር እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርህዎ እዩ ኪዳኑ እውን ከፍልጦም እዩ”  መዝ 25።14፣ እዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ከኣ ከምዛ ናይ ሎሚ ዓመት ብሃውሪን ብዝመስለናን ዲና ክንመላለስ ወይሲ ሚስጥር ኣምላኽ ፈሊጥና ብመሪሕነት መንፈሱ ኢና ክንመላለስ? ስለዚ ንኣምላኽ ክንፈርሕ ንኣምላኽ ንልብና ከዳልዎ ንሕተቶ፣

ሰይጣን ካብ እምነት ከዘንብለና ብኡኡ ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ከእትወና ኢሉ ማእለያ ዘይብሉ ፈተናታትን ኣደራዓትን ኣብና የበጽሕ ኣሎ፣ ገለ ኸኣ በቲ ዘየፍርሕ ሰይጣን ፈሪሖም ነቲ ክፍራህ ዝግብኦ ኸኣ ምፍራሕ ሓዲጎም ናይ መርከብ እምነቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ዝተሰብረቶም ሰባት ብዙሓት እዮም፣ እዞም ሰባት እንተ ዘይተመሊሶምን ነቲ ኹሉ ዝኽእል ከኣ ፍርሓቶም እንተ ዘይጌርሞ መወዳእትኦም ሰናይ ኣይኮነን፣ ምናልባት ንስኻ ወይ ኣነ ሓደ ካባታቶም ክንከውን ይከኣል እዩ ግና ኣብዚ ንፍለጥ ሎሚ እውን ተኾነ ኣምላኽ ፍራሓትና ኾይኑ ንዕኡ ጥራይ ክንፈርሕ ከኽእለና እሙን እዩ፣

እሞ እንታይ ደኣ ንግበር ናብቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንመለስ፣ ኣሕዋተይ እዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ንኣምላኽ ካብ ዝሓለፈ ጊዜ ኣዚይና ክንፈርሖ ከም ዝግባኣና ትሕብረና ኣላ፣  ሰብ ሳላ ፍርሓት እግዚኣብሄር እዩ ሃዲኡ ጸጊቡ ዝሓድር እሞ ንሕና ኸኣ ተካፈልቲ እዚ በረኸተ እዚ ክንከውን ካብ ሎሚ ንወስን፣ ንኣምላኽ ምፍራሕ ልዕሊ ኩነታት የመላልሰካ፣ ንኣምላክ ምፍራሕ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ብዓወት የመላልሰካ፣ ንኣምላኽ ምፍራሕ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ማእዲ ይሰርዓልካ፣ ንኣምላኽ ምፍራሕ ሓለፋ ኹሉ ነገር ኣብ ዉሑስ ቦታ የንብረካ፣ ሎሚ ነዚ ክንመርጽ ከመይ በረኸት ይመስለኩም፣

ሚስጥር ኣምላኽ ነቲ ፈሪሓ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ ወረግ ምሕረቱ ከይተረፈ ነቶም ዝፈርሕዎ እዩ፣ ኩብራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሓልፈ ሓሊፉ እዩ ግና ኣብ ቅድሜናን ኣብ ህይወትናን ርኢናየን ዘይንፈልጥ ሓደሽቲ መዓልታት ይመጻ ኣለዋ እሞ እተን ናይ መከራን ስቓይን እዋናት ናብተን ዘይንፈልጠን መዓልታት ሒዝናየን ከይንኣቱ እሞ ኣምሳይኡ ካብቲ ዝሓለፍናዮ ዝገደድ ከይበጽሓናን ከይረኽበናንሲ ሎሚ ንኣምላኽ ክንፈርሕ ንወስን፣ ካብቲ ብኢኮኖሚ ብመንፈሳዊ ኮታ ብብዙሕ ነገር ዘፍረሓና ዘሎ ኣደራዓት ክንሃድም እቲ መንገዲ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ንኣምላኽ ምፍራሕ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ መንገዲ፣ ስለዚ እምበኣር ፍርሓትና ኣምላኽ ክከውን ይግባእ፣

ኣምላኽ እቲ ንዕኡ ዝግብኦ ኽብሪ ክንህቦ እዩ ዝደሊ እዚ ዝከውን ከኣ ንዕኡ ብምፍራሕ እዩ፣ እቶም ናይ ዝሓለፉ ኣቦታትና ነዚ ነገር እዚ ዓቢ ምስክር ኮይኖምና እዮም ሓሊፎም፣ ኣብርሃም ካብ ቤት ኣብኡ ክወጽእ ከሎ ንኣምላኽ ፈሪሁ እዩ፣ ሎሚኸ ንሕና ነዛ ትመጽኣ ዘላ ዓመት ካብ ምንታይ ወጺና ኮን ኢና ንኣምላኽ ብፍርሓት ከነገልግሎን ክንእዘዞን ወሲና ዘሎና?

ቃል ኣምላኽ ኣብ እብራውያን 11።7 ብዛዕባ ኖህ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራኢይ ምስ ረኣየ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን እትከውን መርከብ ዘዳለወ፣ ብኣኣ ጌሩ ንዓለም ኮነና ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ከኣ ወራሲ ኾነ” ኖህ ገና ከይኮነ እንከሎ እዩ ብፍርሓት ካብቲ ዝመጽ ቑጥዓ ዘምለጠ ሎሚ ኸ ንሕና?

ዓለም እናተማሓየሸት ዘይኮነትሲ እናበስበሰትን ፍርዳ ኸኣ እናቐረበ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እሞ ንሕና ኸኣ ንምድሓና ትኸውን መረከብ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ነዳሉ መን ይፈልጥ 2008 የሱስ ክርስቶስ ዝመጸላ ዓመት ተኾነት? እሞ ነዚ ኸኣ መርከብ ምድሓን ዶ ኣዳሊና ኣሎና? እዚ ብፍርሓት ኣምላኽ ተደሪኽካ እዩ ዝኸውን፣ኣቱም ብዝተፈላለየ ፍርሓት ተኣሲርኩም ናብ ናይ ሞት ጎደና ተምርሑ ዘለኹም ዓበይትን ናኣሽቱን ንኣምላኽ ምፍራሕ ጥራይ እዩ እሞ ካብ ፍርሕት ሞት ከናግፈኩም ዝኽእል ነታ ትመጽእ ዘላ ዓመት ምስ ፍርሃትኩም ኣይትቀባበልዎ ብኣንጻሩ ኣፍኩም ከፊትኩም ዎ ኣምላኸይ ብፍርሓትካ ምልኣኒ ካብ ማእሰርተይ ነጻ ግበረኒ ፍርሓተይ ንስኻ ጥራይ ኩን በልዎ ኣምላኽ ከኣ ክረድኣኩምን ክድግፈኩምን እዩ፣ ፍርሓት ኣምላኽን ፍቑሩን ጥራይ እዩ ንስቓይና ክኣልን ከርሕቕን ዝኽእል፣