ብሰንኪ እምነተንን ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ምስዓበንን ጥራይ ኣብ ኣጻምእ ናይ ዊዒ ተኣሲረን ዝነበራ ኣስታት 15 ዝዀና ደቀንስትዮ ተፈቲሔን። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እቶም ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣሕዋት ብዝተፈላለየ መንገዲ ስቓይ ይሓልፉ ከም ዘለዉ እሙናት ምንጭታት ይሕብሩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብካምፓስ ዳይረክት ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኸኣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣገልገልቲ ብኽሕደት ሃገር ክሲ ከቕረበሎም ይደናደን ከም ዘሎ ሓቢሩ። እዞም እንትርፎ ንኣምላኽ ምእማኖም ካልእ ገበን ዘይብሎም ኣገልገልትን ኣመንትን ኣብ እምነት ደው ኢሎም ክጸንዑን ኣምላኽ ሰማይ ከኣ ፍትሒ ከውጻሎም ክንጽልየሎም ነተሓሳስብ ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ቡዙሕ ተስልጥ እያ
ብሰንኪ እምነተን ተኣሲረን ዝነበራ ኣሕዋት ነጻ ተለቒቐን
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode