ጉንበት 18 -2008 አብ መላእ ዓለም ዘሎዉ ኣመንቲ ኤርትራውያን ብጾሙን ጸሎትን አብ ቅዲሚ ኣምላኽ ቀሪብና ውዒልና። ንሕና ሕብረት ክርስትያት አነጎላ ድማ ከምኩሎም አመንቲ አብ ቅዲሚ እግዚኣብሄር ብጸሙን ጸሎትን ውዒልና።እቲ ጉባኤ በዚ ቃል ድማ ተከፊቱ-
"እቲ ብስመይ እተሰመየ ...ገጸይ እንተደለየ ...
(2ዜና 7፡14)
ገጸይ ድለዩ!!!
ገጽ እግዚኣብሄር ዝደሊ ሰብ መጀመርታ ናቱ ገጽ ክአሊ ዝተዳለወ ሰብ እዩ፡ማለት ብጀካ እግዚኣብሄርዝምከሓሉ ነገር ኪህልዎ የብሉን ።
አብ ዘሎናዮ ዓዲ ማለት ኣንጎላ ኩለን ደቂ አንስትዮ ጸጉረን ሓጽር ስለዝኾነ ናይ ካልእ ጸጉሪ ኪሊቂባ እይን ዝውዒላ።እተን ናይ ካልእ ዓዲ ደቂ አንስትዮ ገና ናተን ጸጉሪ ስለዘሎወን ገና ካልእ አየድሊየንን እዩ። ንስኻ ድማ ናተይ ትብሎ ነገር ወይ ትምክሐሉ እንተ አሊካ ፡ እግዚአብሄር ወይ ገጽ እግዚኣብሄር አየዲልየካን እዩ።ስለዚ ገጽካ እለ እሞ ገጽ እግዚአብሄር ኪትረኪብ ኢኻ።
1.ስለምንታይ ገጽ እግዚኣብሄር ንደሊይ?
ሀ.ትእዛዝ እግዚኣብሄር ስለ ዘኮነ።
ምኽንያቱ ገጽ እግዚኣብሄር ደለዩ !!! ተባሂሉና አሎ።
‘Don't seek God's hand; seek his face.
‘Don't seek God's miracls; seek God's heart."እዱ አይኮነን ! ገጹ ድለዩ! ተኣምራቱ ኣይኮነን! ልቡ ድለዩ!!!
v ገጽ እግዚኣብሄር ማለት እድ እግዚኣብሄር ማለት ኣይኮነን።
v ገጽ እግዚኣብሄር ማለት በረኸት ኣምላኽ ማለት ኣይኮነን።
v ገጽ እግዚኣብሄር ማለት ተኣምራት ምድላይ ማለት ኣኮነን።
አብ ዘመን ጎይታና የሱስ ደድሕሪ የሰሱ ዝስዕቡ ዝነበሩ ተኣምራት ኪሪኡ ወይ እንጌራ ስለዝበሊዑ እንበር ንጎይታና የሱስ ደሊዮም ኣየኮኑን።በዚ ድማ "ዘማዊ ወለዶ"ተባሂሎም።(የው.6፡1-61)
የሕዋት ሎሚ አብ ቅዲሚ ገጽ እግዚአብሄር ንመላለስ።
Ø የሴፍ (ዘፍ.39፡3)
የሴፍ ኩሉ ግዜ አብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ዝነብር ነሩ።ገጹ ዘየኮነ ገጽ ኣምላኹ እዩ ዝርኢ ነሩ።ሰበይቲ ጶጢፋር ግና ገጽ የሴፍ እያ ተጥምት ነራ። ገጽ ሰብ ናብ ዝሙት እዩ ዝመርሐካ።የሴፍ ግና " እዚ ክነዲዚ ዝኣኪል ሓጢኣት ከመይ ጌሬ አብ ቅዲሚ ኣምላኸ ክፍጽም " ዘበሎ ናብሪኡ አብ ቅዲሚ ገጽ አምላኽ ቅሉዕ እዩ ነሩ።ስለዚ ገጽ ኣምላኽ ካብ ሐጢአት የሲውረካ እዩ።
Charles said ‘if you don't seeking God's face,the Deive is seek you'
ቻርለስ ዝተባህለ ዓቢ አገልጋሊይ "ገጽ አምላኽ ዘይትደሊይ ኮንካ ፣ ዲያበሎስ ንዓኻ ኪደሊይ እዩ"
o ገጽ አምላኽ ዝደሊይ ካብ ክፉእ ይሑሎ።
o ገጽ አምላኽ ዝደሊይ ከም የሴፍ ናብ ንግስነት ይዲይብ።
o ገጽ አምላኽ ዝደሊይ ንአምላኽ አብ ምድሪ ይወክሎ፡ማለት ወኪል ኣምላኽ የኽውን።
Ø ኖህ (ዘፍ.6፡8)
"ኖህ አብ ቅድሚ እግዚአብሄር መጎስ ረኸበ"
ቃል ኣምላኽ ድማ ከምዚ ይብል " የዓንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻደቃን እየን...(1ጰጥ.3፡12)
ኖህ አብ ቅድሚ እግዚአብሄር መጎስ ዝረኽበ አብ ቅዲሚኡ ሰለዝመላለስ ዝነበረ እዩ።አቦ ዳሕረወይቲ ዓለም ድማ ኮይኑ።
o አቦነት ካብ ገጽ ኣምላኽ ምዲላይ እዩ ዝመጽእ።
o ሞጎሰ ድማ ካብ ላዕልን ታሕትን ዘይኮነ ካብ ገጽ ኣምላኽ መድላይ እዩ ዘርከብ።
A Doctor was fight on America Airline,and said to a lady /hostess/ ‘ you are fine repentative of America Airline.She reply, I don't represe a Airline but I work for America Airline and I represent the Lord Jesus Christ.
ሐደ ዶክተር አብ አመሪካ አርላንስ እናተጓዕዘ ከሎ ነታ ተሰተናገድ ዝነበረት ከምዚ ኢሉዋ "ንሰኺ ጽቡቅ ወካሊት ናይ አመሪካ አርላንስ ኮንኪ ረኪበኪ አሎኩ ምስ በላ፡
ንሳ ድማ " አነ ወኪል ናይ አመሪካ አርላንስ አይኮንኩን፡ግና ሰራሕተኛ ናይዚ አመሪካ አርላንስ እየ፡ ነገር ግን አንበሳደር /ወኪል/ ጎይታና ኢየሱስ እየ፡ ኢላ።አሜን!!
ሎሚ ንስካ ወይ ንሲኪ ንመን ከምትወክል አብዛ ምድሪ ትፈልጥ ዶ?እቲ ብሐቂ አብ ቅዲሚ አምላኽ ዝመላለስ ሰብ አንበሳደር ክርሰቶሰ እዩ። ን አምላኽ ድማ የውኸሎ።
Ø ሙሴ(ዘጸ.33፡12-23)።
ሙሴ እቲ ነዊሕ ዘመን ምስ ጎይታ እናነበረ ኮሎ ፡በፍላይ ኢድ አምላኽ ዝተላማመደ ሰብ ነይሩ እዩ።
o 10 ትኣምራት ብእድ አምላኽ ገይሩ።
o ባሕሪ ኤርትራ ብእድ አምላኽ ከፊሉዎ።
o ንህዝቢ አምላኽ ከወሒ ጨዲዱ ብእድ አምላኽ ማይ አስቲዎም።
o ንህዝቢ 40 ዓመት ብእድ አምላኽ መሪሑዎም።
v አብ መውዳእታ ገና ገጽ አምላኽ
ኪሪ ኢደሊዩ።
ü ገጽ አምላኽ ዝደሊይ ይሳገር
o ገጽ አምላኽ ዝይደሊ ድማ አብ መድረበዳ የተሪፍ
ü ገጽ አምላኽ ዝደሊይ ምስ ክርስቶስ ይነግስ
o ገጽ አምላኽ ዘይደሊ ድማ ሕፍረት ይሸፈን
Ø ዳዊት(መዝ.27፡6)።
ዎ አምላኽ ልበይ አብ ክንዳኻ ኮይኑ ገጸይ ድለዮ የብለኒ አሎ። ዎ አምላኽ ገጸካ ይደዮ አሎኩ /መዝ.
ዳዊት በረኽት አሮን ዝበሪሃሉ ሰብ እዩ ነይሩ፡በረኸት አሮን አብ ዘሁሉቅ 6፡28-30 እዩ።ንሱ ድማ "እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልካ ... ዘብል እዩ"።
ሐደ ግዜ ዳዊት ብበደሉ ማለት ህዝቢ አምላኽ ብምቁጻሩ ካብ ሰማይ መቅጻዕቲ ምስ ተበየነሉ ፡ እቲ ነቢ ምረጽ ምሰ ብሎ "ምሕርቱ ዓቢ እዩ ካብ አብ ሰብ አብ ቅዲሚ አምላኽ ምውዳቅ የሕሽኒ "በለ።
o ገጽ አምላኽ መድላይ ማለት አብ ቅዲሚ አምላኽ ምውዳቅ ምምራጽ እዩ።
o ገጽ አምላኽ መድላይ ኣብ ልቢ እዩ።
o ገጽ አምላኽ መድላይ በረኸት አሮን ምድላይ እዩ።
ሕብረት ክርሰትያት አንጎላ።
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode