27
Fri, Jun
0 New Articles

ሕ.ወ.ኤ.ኣ.ማ.ም. ሰንበት ብሃገራዊ ጸሎት ተዛዚሙ

News
Typography

ኣቲ  ብዕለት 12 ግንቦት 2008 ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ ተጋቢኡ ዝቐነየ  ናይ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቓን ማእከላይ ምብራቕን  መንፈሳዊ ኣኼባ ትማሊ ሰንበት ብሃገራዊ ጸሎት ብዓወት ተዛዚሙ፣


ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቓን ማእከላይ ምብራቕን  ሰንበት ብሃገራዊ ጸሎት ተዛዚሙኣቲ  ብዕለት 12 ግንቦት 2008 ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ ተጋቢኡ ዝቐነየ  ናይ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቓን ማእከላይ ምብራቕን  መንፈሳዊ ኣኼባ ትማሊ ሰንበት ብሃገራዊ ጸሎት ብዓወት ተዛዚሙ፣ እቲ ኣገልገልቲ ሓድሽ ክንከውን ከኣልቲ ገበረና ብዝብል ዝተኻየደ ስልጣናና ሃገራዊ ጸሎት ሃገራዊ ሓድነትን ድሕነትን የምጽእ ብዝብል ናይ ጸሎት ሰሙን  ብዝብል ቴማ እዩ ተመሪሑ፣  ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ከምኡ ኸኣ ካብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝተወከሉ ኣገልገልቲ እውን ተሳቲፎሞ፣  ብፓስተር ኢሳቕ በራኺን ፓስተር ኣቤል መብራህቱን  ንመራሕትን ኣገልገልትን ዝምልከት ስልጠና እውን ተዋሂቡ፣ እቲ ዝነበረ መንፈሳዊ ኣኼባ ግሩም ዝዀነ መንፈሳዊ ሓድነት ዝተራኣየሉ እዩ ኔሩ፣  ኣብቲ ዝነበረ ናይ ስልጠና ሰሙን ምሸት ምሸት ካብ ሰዓት 4።30 ክሳብ ሰዓት 7።00 ዝጸንሐ ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራ እውን ጸሎት ተኸያዱ፣ ኣምላኽ ከኣ ብባሮቱ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምንጋፍን ምንቕቓሕን ተስፋን ዕረፍትን ሓለዋን በረኸትን ከም ዝገብር ተዛሪቡ፣ትማሊ ሰንበት ከኣ ኣብ ብዘላዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቦም ዊዒሎም፣ እዚ ሃገራዊ ጸሎት ሃገራዊ ሓድነትን ሃገራዊ ድሕነትን የምጽእ ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ጸሎት  ኣብ ብዘላ ዓለም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክካየድ ዊዒሉ፣ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ከኣ ኣስታት 500 ዝዀኑ ምእመን ካብ ሰዓት 9 ንግሆ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ምሸት ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራ ክጽልዩ ዊዒሎም፣  ኣብ ዝተፈላልየ ሃገራት ከኣ ብከመዚ ቐጺሉ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ጸሎት ኣምላኽ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘለዎ ዓቢ ምሕረትን በረኸትን መርኣያ እዩ፣ ኣምላኽ ንሃገርና ኤርትራ መመስገኒት ክሳብ ዝገብራ ኸኣ እዚ ጸሎት እዚ ክንቅጽሎ ይግብኣና፣