28
Sat, Jun
0 New Articles

ህጹጽ ጻዊዒት ጸሎት ንኹሎም ኤርትራውያን

News
Typography

 "ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፣ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘለኹም ኴንኩም ዘክርዎም" እብ 13፣3

ኩቡራትን ፍትዋትን ተኸታተልትን በጻሕትን ኤሪዎንጌል፣ ካብ መድሓኒና ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ሰላምን ጸጋን ምሳኻትኩም ይኹን። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዘላ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርትን ኮንቴነራትን ኣጻምእን ሃሩርን ዘለዉ ብመከራ ዝሓልፉ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣመንቲ ቁጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበዘሓ ይከይድ ኣሎ። እዞም ሰዓብትን መፍቀርትን መድሓኒ የሱሱ ክርስቶስ ከምቲ ቓል ዝብሎ ስለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ዝተፈላለየ መከራን ስቓይን ይወርዶምን ይሓልፉን ኣለዉ።


 ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ኣሓዋት ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ከም በዓል ዊዐ ዳህላክን ናኩራን ዝኣመሰሉ ዘለዉ እሱራት ከቢድ ዝዀነ ኣደራዕ ይበጽሖም ኣሎ። እዞም ናይ እምነት ጀጋኑ ኣብ እምነት ደው ኢሎም ንመድሓኒ ከኽብሩ፣ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ከስፍሑ ኣምላኽ ኣብ ጥዕንኦም ፈውሱን ምሕረቱን ክልእኸሎም ኩላትና ኣበርቲዒና ንጸልየሎም ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንተ ውሓደ ንቑሩብ ደቓይቕ እኳ ብጸሎት ንዘክሮም። እቶም ክንጥርነፍ እንኽእል ከኣ ኣብ ዘዘለናዮ ቦታ ተጥርኒፍና ስሊኦም ጾምን ጸሎትን ንውሰድ።

 እቲ ትማሊ መቑሕ ሃዋርያት ዝሰበረ ኣምላኽ ሎሚ እውን እሙን እዩ። ስለዚ ነዞም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኩነታቶም እናኸፍኣ ዝኸይድ ዘሎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንዘክሮም። ነቶም ኣብ ስቓይን መከራን ዘለዉ ቤተሰቦም ንዘክሮም። ኣምላኽ ብምሕረቱ ክሓስቦም ኢዱ ክዝርግሕ ብንብዓትን ቁዝማን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከይተሓለልና ንቕረብ። እቲ ዝሰምዕ ኣምላኽ ክሰምዓና እዩ። ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ኢስቕ ኣምላኽ ያቆብ እቲ ብጎይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና ዝዀነ ዓቢ ኣምላኽ ሎሚ እውን ክሰሞዓና ጸሎትና ክምልስ ተኣምራት ክገብር እሙንን ጻድቕን እዩ። ስለዚ መከራ ኣሕዋትና ይሰማዓና፣ ስቓይ ኣሕዋትና ይሰወጠና። ከምቲ ቓል ኣምላኽ ዝብሎ ምስኦም ኮይና መከራ ንጽገብ ኣምላኽ ንኤርትራ የፍቅራ እዩ ክዝክራ ኸኣ ቀሪቡ እዩ። ኣምላኽ ይባርኽኩም።