ሰብ ሰልጣን መንግስቲ ግብጺ ንእስስታት 150 ኣብ ካንታራ ዝበኣል ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ስድተኛታት ኣብ ዝሓጸረ መዓልታት ናብ ኤርትራ ክጥርዞም ምኻኑ ከም ዘፍለጠ ጋዜጠኛ ሲ.ኤስ.ዳብሊው ሚካኤል ኣርላንድ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ መንጎ እቶም ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዘለዉ 1000 ሰባት ምኻኖም ናይ ክርስትያናት ተሓላቒ ውዱብ (CSW) ሓቢሩ። ምንም እኳ ብስደት ኣብ ሃገር ግብጺ ይሃልዉ እምበር ናይ ስደተኛታት መሰል ተነፊግዎምን፣ ካብ ናይ ሕብራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ትካል ከኣ ሓገዝ ከይረኽቡ ተኣጊዶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣይክእሉን እዮም። እንተ ተመሊሶም ድማ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝጽበዮም ማእሰርትን ስቓይን ሞትን ጥራይ እዩ። እቶም ብ2002 ካብ ማልታ ናብ ኤርትራ ብግዲ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ምእሰርትን ስቓይን ከም ዝበጽሖም ይዝከር።
ኩቡራት ተኸታተልትን በጻሕትን ኤሪ ወንጌል ኣምላኽ እዩ ፍትሒ ዘውጽእ እሞ ኩላትና ስለ እዞም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናብ ኣምላኽ ጸሎት ነዕርግ። ኣምላኽ ሰማይ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ጣልቃ ከኣቱ መንግስቲ ግብጺ ዝገብሮ ዘሎ ግፍዒ ከኣ ደው ከብሎ ንጸሊ። ብኻልእ ወገን ከኣ ብእንኽእሎ ኩሉ ብዛዕባ እዞም ኤርትራውያን ንምጥባቕ ደው ንበል።
መንግስቲ ግብጺ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክጥርዞም ወሲኑ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode