19
Fri, Apr
0 New Articles

ጹርያት ልቢ

Parenting
Typography
 {mosimage}"ጹርያት ልቢ ንኣምላኽ ክርእይዎ እዮም እሞ ብጿኣን እዮም" ማቴ 5፣8

ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ግብሪ ዝገብሩ ሰባት ኣለዉ። እቲ ምኽንያት ግና ካብቲ ዘይንጹህ ውሽጣዊ ድርኺቶም ዝመጽእ ኮይኑ ንተፈላጥነት ወይ ገለ ጥቕሚ ንምርካብ ኢሎም ዝገብርዎ ነገር እዩ። ኣምላኽ ግና ካብ ንገዛእ ርእሶም ንላዕሊ ንዕኡ ዘሐጉሱ ሰባት ይደሊ ኣሎ። ንሕና ከም ኣመንቲ እንገብሮ ኩሉ መሰረቱ ካብቲ ጹሩይ ልብና ዝመጸ ክከውን ይግባእ። ኣብ ቤተሰብኩም ኣምላኽ ክባርከኩምን ተግባራትኩም ኩሉ ድማ ብጹርይ ልቢ ዝተሰነየ ኣምላክ ድማ ኣብ ቤትኩም ብግብርን ብቓልን ብምልኣት ክኸብር ትደልዩ ዶ? 


 

ነቲ ፍጹም ዝኾነ ቃል እናመርመርና እምበኣር ቤትኩም ብከመይ መንገዲ ጹርያት ልቢ እትሕቁፍ ስድራ ክትከውን እሞ ንኣምላኽ ንምርኣይ ዝተዓደለት ክትከውን ዘኽእልዋ መምርሒታት ክንርኢ ኢና። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝገብሮ ተግባራት ኣሎ እቶም ጹርይ ልቢ ዘለዎም ዉሉዳቱ ድማ ነቲ ዝገብሮ ግብሪ ይርእይዎን ይጭብጥዎን።

 

ልባትና ንኣምላኽ ከመይ ኣገደሲ ምኻኑ ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ።

 

ሃዋህው ናይ ልብና ንኣምላኽ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ። "ህይወት ካብኡ እያ ትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኩሉ ንልብኻ ሓልዋ" ምሳ. 4፣23 ብመሰረት መጽሓፍ ቁዱስ ልብና ማእከላይ ስፍራ ናይ ህይወትና እዩ። እዚ ድማ ኣእምሮና ፍቓድና ስሚዒትናን የጠቓልል ማለት እዩ። እሱ ድማ እዩ ንዓና መን ምኻና ዘረጋግጽ። የሱስ ጹርያት ልቢ ንኣምላክኽ ክርእይዎ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም ክብል ከሎ ብኻልእ ኣዘራርባ ኩሉንትናና ንዕኡ ክንውፊ ከም ዝግባኣና ዝነግረና ዘሎ። ከዚ እንተ ጌርና ድማ ንሱ ኣብ ውሽጥና ብምእታው ኩሉንትናን የጽርየና ማለት እዩ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ጥራይ ድማ ኢና ንኣምላኽ ኣብ ዙርያና ዝገብሮ ግብርታት እናራኣና ገዛእ ርእስና ንኽብሩ ክንውፊ እንኽእል።

 

 እቲ ናይ ሓጥያት ጾርን ንጽህናን ዘይብሉ ልቢ ንኣምላኽ ብፍጽም ክርእዮ ኣይክእልን እዩ። እቶም ዘይንጽህ ኣተሓሳስባን ድርኺትን ዘለዎም ሰባት ብቕድስና ክመላልሱ ስለ ዘይክእሉ ኣምላኽ ክባርኾም ብፍጹም ኣይክእልን እዩ። ኣምላኽ ብኣኣቶም ባህ ክብሎ እንተ ኾይኑ ግና ንገዛእ ርእሶም ምሕጓስ ሓዲጎም ንኣምላኽ ባህ ከብልዎ ኣለዎም። እስከ እምበኣር ብምቕጻል ገለገል ነጥብታት ክንርኢ እሞ ቤተሰብኩም ድማ ነዘን ነጥብታት ብምጽናዕን ኣብ ግብሪ ከተውዕልዎም ብምውሳንን ንልብኻትኩም ክትምርምሩን ክትፍትሹን ኢኹም።

 

•Ø  ንደቕኹም ሕተትዎም እንተ ደኣ ብዛዕባ ካልኦት ክትፈልጡ ደሊኹም እቲ ዝበለጸ እቲ ፈልጥሉ መንገዲ እንታይ እዩ? ብዛዕባ እቲ ሰብ ደጋዊ ናቱ ርኢኻ ብዙሕ ዶ ክትዛረብ ትክእሉ? ካብ ኣቶም መልሲ ምስ ረከብኩም ድማ እስከ ነዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብሎም። "እግዚኣብሄር ሰብ ከም ዝርእዮ ኣይርእን እዩ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ እዩ ዝሪኢ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዝርኢ" 1ሳሚ 16፣7። ብከመይ ኮን ኢና ንልቢ ሰባት እንርኢ? ኣብዚ ነስተውዕል ልብና ክንብል እንከሎና ኩሉ ኣእምሮና ፍቓድናን ስሚዒትናን ከመዘጠቓልል።

 

እስከ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ብዛዕባ ልባቶም ክሓስቡ ሕተቶም። እስከ ኣብ ሓደ ወረቐት ስእሊ ናይ ልቢ ክስእሉ እሞ ንገረሞ ነቲ ዘይንጹህ ዝበልዎ ክፍሊ ልቦም ድማ የጸልምዎ ነቲ በዚ ወገንሲ ጹርይ እየ ዝበልዎ ክፋል ድማ ጻዕዳ ይግድፍዎ። ነፍስ ወከፍ ኣባል ስድራኻ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዘልዉ ብቕንዕና ድማ ክምልሱ ከምዘልዎም ኣብ መጨረሻ ድማ እቲ ስእሊ ፍቓደኛታት ክሳብ ዘይኮኑ ጊዜ ንዐኦም እምበር ንኻልኦት ከይነግሩ ሓብሮም። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራኻ ልቡ ወይ ልባ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከመይ ከም ዘሎ ንጽህንኡ ድማ ከመይ ምኻኑ ንምምርማር ዓቢ ዕድል ክረክብ እዩ።

 

ዓላማ ናይዚ ድማ ሓደ እዩ ከም ቤተሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ዝኾነ ልቢ ምውናን እዩ። ብድሕሪዚ ድማ ሓብርኩም ኣምላኽ ጹርይ ልቢ ክህበኩም ሕተትዎ። ብፍላይ ድማ ነታ ኣብ መዝሙር ዳዊት ዘላ ጥቅሲ ጸልይዋ። ከምዚ ትብል። "ዎ ኣምላኽ ጹርይ ልቢ ፍጠረለይ ጹኑዕ መንፈስካ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ" መዝ 51፣10 እዝ ጥቕሲ እዝኣ እንትርፎ ሓደ ኣምላኽ ካልእ ማንም ጹርይ ልቢ ክህብ ዝኽእል ኣካል ከምዘየለ መረጋገጺ እዩ። እዚ ድማ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንዓና ተዋሂብና እዩ።

 

ኣብቲ ሓጥያትና ዝተሰረይሉ ግዜ ኣእዳውናን ልባትናን ነጺሁ እዩ። "ንልበይ ኣጽሬዮ ካብ ሓጥያተይ ነጺሄ ኪብል ዝኽእል መን እዩ" ምሳ 20፣9። ኣምላኽ ብዘይጸረየን ዘይቅዱስን ኣቕሓ ፍቓዱ ክፍጽም ብፉጹም ኣይክእልን እዩ። ንሱ ኩሉ ጊዜ ደኺምናን ተጎዲእናን ከሎና ክጥቀመልና ይኽእል እዩ ይኹን እምበር ኣብ ሓጥያት እናተጨማለቕና ከሎና ብፍጽም ብኣና ኣይሰርሕን እዩ።

 

•Ø  እስከ ነዛ ትስዕብ ጥቕሲ ከም ቤተሰብ ብሓባር ኣንብብዋን ኣጽንዕዋን። "ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዝድይብ መን እዩ? ኣብቲ ቕዱስ ቦቱኡ ዚቐውምሲ መ እዩ? እቲ ንጽሁ ዝኣእዳውን ንጹህ ዝልቡን ነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕል ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ። ንሱ በረኸት ካብ እግዚኣብሄር ጽድቂውን ካብ ናይ ምድሓኑ ኣምላኽ ክቕበል እዩ። እቶም ዝደልይዎ ወልዶ እዚእቶም እዮም። ንገጽካ ዝደልዩ ዎ ኣምላኽ ያቆብ" መዝ 24፣3-6።

 

እስከ ብዛዕባ እዛን ጥቕስታት ተዛተዩ። ልባታካ ናብ ጣኦታት ምልዓል እንታይ ማለት ምኻኑ ተዛተዩ? እስከ ብዛዕባ እቶም ኣብ ህይወትኩም ወይ ኣብ ቤትኩም ጣኦታት ዝኾንኹም ነገራት ተዛተዩ። ምናልባት ቲቪ ወይ ስፖርት ወይ ስራሕ ወይ የዕርክቲ ወዘተ ዶ ይኾኑ? ብሓስት ምምሓል ከ እንታይ እዩ? ሎሚ ኣብ ዘመና ንሓሶት ዓለምና ከም ሓቂ ጌርና ክንቅበልም ኣሎና ብዝብል ፍልስፍና ንኣባይትና ወሪራ ከምዘላ ኣይንዘንግዕ። እዚ ጊዜ እዚ ሓጥያት መዐረ ኽንደይ ካብ ኣምላኽ ከም ዝፈለይና እንዛራረበሉን ከም ቤተሰብ ድማ ንስሓ እንእትወሉን ጊዜ ኣዩ።

 

 እስከ ሕጂ ድማ ኣምላኽ ብመሰረት ማቲዎስ 5፣8 ነቶም ጹርያት እዚ ልቦም ከመይ ዓይነት በረከት ከምዝህቦም ተዛተዩ። እቶም ንኣምላኽ ብጹርይ ልቢ ዝደልይዎ ቤተሰብሲ ከመይ ዓይነት ብሩካትኮን እዮም? እስከ ነዚ ጸሎት እዚ ንጸሊ " ሰማያዊ ኣቦ ንስኻ ትምስክረልና ብጹርይ ልቢ እንደልየካ ወለዶ ክንከውን ንደሊ ኣሎና። ንልባትና ብከመይ ከምንጽርዮ ድማ መንገድኻ ኣርእየና"።

 

 ብጹርይ ልቢ ንኣምላኽ ምድላይ ከመይ ኣገዳሲ ምኻኑ ክንርዳኣ ኣሎና።

 

ከምቲ ኣብ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 24 ትቕሲ 6 ዘንበብናዮ እቶም ንኣምላኽ ብንጹህ ልቢ ዝደልይዎ ወለድ በረኸት ከም ዝወርሱ ርእይና። መደብ ኣምላኽ ንዓና ብንጹህን ቅንዕን ልቢ ጌርና ወትሩ ብጸሎት መንፈስ ንዕኡ ከነምልኾ እዩ።

 

  • Ø እስከ እዛ ኣብ 2ጢሜጥዎስ 2፣22 ዘላ ጥቅሲ ሓብርኩም ኣንብብዋ። "ካብ ትምኒት ጉብዝና ህደም ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዝጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ"። ናይ ንእስነት እቶም ዝኸፍኡ ትምኒታት እንታይ እዮም? ብዛዕባ እዞም ጉዳያት ምስ ተዛተኹም ድማ ኣብ ቤተሰብኩም ዘሸግርኹም ኩፍኣት ትምኒታታ ብኸመይ ከም ትስዕርዎም ተዘራረቡ። እስከ እቶም ጹሩይ ልቢ ዘለዎም ቤተሰብ ከመይ ጌርም ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ከም ዝስዕቡ ኣስተውዕሉ። ኩሎም ቤተሰብኩም ክፈልጥዎ ዘለዎም ጉዳይ ዋላ ጽቡቕ ነገር ይኹን ካብ ጹሩይ ልቢ ዘይመንጨው እንተኾይኑ ኣምላኽ ከም ዝፈልጦን ዓስቢ ድማ ከምዘይህቦን ምርዳእ ሰናይ እዩ። "ኣታ ወደይ ሰለሙን ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ ብፍጹም ልብን ብፍጹም ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ ኣግዚኣብሄር ንኹሉ ልባብ ይምርምሮ ንኹሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ" 1ዜና 28፣9።

 

 

  • Ø እስከ ሕጂ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ካብቲ ዝገብርዎ ጽብቕ ግብሪ ሓንቲ ይንገሩ እሞ ካበየናይ ድርኪት ተደርኾም ከም ዝገብርዎ ድማ ይንገሩ? ንኣብነት ዓራት ምንጻፍካ ገዛ ምውልዋልካ ካልእን መበገሲኡ እንታይ እዩ? ንኣምላኽ ንምሕጋስ ካብ ጹርይ ልቢ ዶ ወይ ብግዴታ? እስከ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ኣብ ህይወቶም ዘሸግሮም ጉዳይ ሒዞም ሓቢሮም ንሓድሕዶም ይጸላለዩ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ዘሸግረኩም ነፍሲ ወከፍ ሓጥያት ዓወት ክህበኩም እዩ ።

 

 

ንኣምላኽ ምርእያ ከምይኣገዳሲ ምካኑ ኣዚኻ ምርዳእ።

 

እንተደኣ ኣእምሮና ተገባራትና ድርኺትና ወዘተረፈ ጸርዩ ወይ ነጺሁ ኣምላኽ ንዕኡ ብምርኣይ ከምዝባርኸና ቃል ኣትዩልና ኣሎ። ኩላትና ክርስትያናት ኣምላኽ ኣበይ ከምዘሎን እንታይ ይገብር ከምዘሎን ክንርእዮ ንደሊ ኢና።እዚ ዓይነት ድሌት ባህርያዊ እዩ ከመይሲ ንሱ ንዓና ንቤተሰብና ንነገርናን ንኻልእ ኩሉን ኣብ ኣእዳው ሒዙና  ከምዘሎ ስለ ንፈልጥ እዩ። ብፍላይ ኣምላኽ ጥራይ ዝፈልጦ መደብን ሓሳብን ኣብ ልዕሊና ኣለዎ ምክንያቱ ንሱ ዓቢ እዩ ኣባና ዘለዎ ዓላማ  ድማ ንሕና ክንሽከሞ ዓቕሚ የብልናን።" ንመዓሙቕ ኣምላኽ ዶ ኸተቕሮ ንምልኣት እቲ ኹሉ ዚኽእልሲ ኸተቕሮ ትኽእል ኢኻ?" እዮ 11፣7። 

 

ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ከመይ ዓይነት ናብራ ክነብር  መታን ክንፈልጥ ኢሉ ገለ ነገር ይገልጸልና እዩ። " እቲ ስውርን ነገር ዘበለ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ። ኩሉ ቃላት እዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ኽንገብር እቲ ጉሉጽ ንዘላኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ" ዘዳ 29፣29። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንልብና ምስ ሓጸቦን ምስ ኣጽረዮን  እቲ ንሱ ዝገብሮ ኩሉ ክንርእን ተማቓልቲ እቲ ንሱ ዝገብሮን ኩሉ ድማ ንኸውን ካብዚ ንላዕሊ ዘሕጉስ ነገር እንታይ ኣሎ። እንተድኣ ንናይ ኣምላኽ ስራሕ ብዝግባእ ክንርኢ ደልና ልብትና ኩሉ ንኣምላኽ ከነግዝኦ ፍቓደናታት ክንከውን ይግባእ። ኣምላኽ ነቶም ንልቦም ክጸሪ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ሰባት ከንጽሆም ፍቓደኛ ኣይኮነን። ንቤተሰብና ካብቲ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክንምህሮም ዝግባኣና እቲ ኣምላኽ ኣዳልይዎ ዘሎ ምልኣት በረኸትን እቲ ኣብ ዙርያና ዝስርሖ ነገርን መታን ብሰንኪ ልብና ዘይምጽራይና ከይሓልፈና እዩ። እቲ ቡሩኽ ሰማያዊ ኣቦና ኣባና ጉሩም ዝኾነ መደብ ኣለዎ።

 

" ምኽሪ እግዚኣብሄር ንዘልኣለም እዩ ሓሳባት ልቡውን ካብ ወለዶ ንወልዶ ይቅውም" መዝ 33፣11። ኣምላኽ ንዓና ንቤተሰብና ንደቅናን ንደቂ ደቅናን ዘለዎ መደብ እንታይ እዩ? መደብ ንዓና ድሮ ኣብ ኤርምያስ 29፣11 ከም ተጠቕሰ ይኣምን። " ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብ ይፈልጦ እየ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ ሓስብ ደሓን እምበር ናይ ኩፉእ ኣይኮነነ ይብል እግዚኣብሄር። ክትጽውዕኒ መጺኩም ድማ ክትልሙንኒ ኢኹም እሞ ክሰሞኣኩም እየ። ብምልኡ ልብኹም እንተደሌኹምንስ ክትደልዩኒ ኽትረኽቡኒውን ኢኹም" ኢር 29፣11።

 

 

•Ø  እስከ ንቤተሰብኩም ንኣምላኽ ምርኣይ ማለት እንታይ ማለት ምኻኑ ሕተትዎም። ናይ ነፍሲ ወከፎም መልሲ ምስ ረኸብኩም ድማ እስከ ኣቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ዝገበሮ ግብሪ እንታይ ምካኑ እንተርእዮሞ ሕተትዎም። ንኣምላኽ ብስጋ ክንርእዮ ግና መሰል ከመዘይብልና ክንፈልጥ ኣሎና ከመይሲ ንሱ ኣዚዩ ዓቢ መዘና ኣልቦ ስለ ዝኾነ።

 

•Ø  ስለምንታይ እዩ ንኣምላኽ ምርኣይ በረኸት ዝዀነ ኢልኩም እስኪ ደጊምኩም ንቤተሰብኩም ሕተትዎም? ንኣምላኽ እንተ ዝርእዮዎ ነሮምሲ እንታይ ፉሉይ ነገር ኰን ምገበሩ ነሮም ይኾኑ? እቲ ንሱ ዝገብሮ ዶ ኾን ክገብሩ ምደለዩ ነሮም ይዀኑ? ንዕኡ ከምልኹ ኣዚዩ ብዙሕ ጊዜ ዶ ምወሰዱ ኔይሮም? እስከ ብዛዕባ እዚ ናብ በረኸት ዝመርሕ ጉዳይ ተዘራረቡ። እስከ ነዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ኣስተንትንዎም።

 

1ተስ 2፣4 "እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዝምርምር ኣምላኽ እምበር ንሰብ ባህ እነብል ኣይኮናን ...።"

 

ምሳ 22፣11 "እቲ ንጽህና ልቢ ዝፈቱ እሞ ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ ፈታዊኡ ንጉስ እዩ።"

 

1ጢሞ 1፣5 "እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ ካብ ሰናይ ሕሊና ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ።"

 

እምበኣር ንኣምላኽ ኣቦና ከንሕጉሶ ክንደሊ ከሎና ብዛዕባ ኩነታት ልብና ዝግድሰና ክንከውን ይግባእ። እቲ ቃል ዝተኣትወልና ተስፋ ኣምላኽ ኣባና ክፍጸምን ንኣምላኽ ድማ ክንርእዮን ተካፈልቲ ስርሑን በረኸቱን መታን ክንከውንሲ ንሱ ኣብታ ናትና ናይ ውሽጥና ዓለም ኣትዩ ከንጽሃና ፍቓደናታት ክንከውን ይግባኣና፣ እስከ እዛ ኣብ መዝሙር ዳዊት 139፣23-24 ዘለዎ ጥቕስታ መዓልታዊ ጸሎትኩም ትኹን። " ዎ ኣምላኽ መርምረኒ ሓሳበይ ከኣ ፍለጥ ፈትነኒ ሕሳበይውን ፍለጥ መገዲ ዓመጻ እንተ ኣልዩኒ ርኤ ኣብቲ ናይ ዘልኣለም መገዲ ምርሓኒ።"