19
Fri, Apr
0 New Articles

ንጽህቲ ፍቕሪ እንታይ እያ? (ምኽሪ ንመንእሰያት )

Parenting
Typography

 ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ ፍቕሪ ዘለዎም ምርዳእ ብሰንኪ ፍርሕን ሕሉፍ ምጥንቃቕን ዘይመልክዑ ይህብዎ እዮም። 

 ቃል ኣምላኽ 'እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፡' ይብለና ዮሃ 4፡8። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ብኣጋፐ እትፍለጥ ዘይ ቅድመ ኩነታዊት ፍቕሪ እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ከምቲ ኣብ  1 ቈረ 13 ተገሊጻ ዘላ ፈታዊት ርእሳ ዘይኮነት  እያ። ናይ ኵሉ ዓይነት ፍቕሪ መሰረት ድማ እያ።


እታ ካልአይቲ ድማ ፊልያ ፍቕሪ እያ። እዚኣ ሕውነታዊት  እያ። ሓቢርካ ንምንባርን ንሓደ ዕላማ ንምስራሕን ድማ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣገዳሲት እያ።   2 ጴጥ  1፡7 

 እታ ሳልሰይቲ ዓይነት ፍቕሪ ድማ ኤሮስ ፍቕሪ ትበሃል። እዚኣ ጾታዊት ፍቕሪ እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ሰብኣይን ሰበይትን ክትህሉ ናይ ግድን እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ብኣጋፐ ወይ ፊልያ ፍቕሪ ጥራይ ኪፋቐሩ ኣይክእሉን እዮም።   እዛ ፍቕሪ እዚኣ  ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ስምዒትካ ንምዕጋብ እያ ተገልግል። ስለዚ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ካብ ሰብኣይን ሰበይትን እትሓልፍ ኣይኮነትን። ወድን ጓልን ክሕጸዩ ከለዉ  ሓደ ካብቲ ክፋተዉን ኪቀራረቡን ዚገብሮም ነገር ደጋዊ ጽባቐ ኪኸውን ስለ ዝኽእል፡ እዚ ምፍታው'ዚ ኤሮስ ፍቕሪ እዩ። መሰረቱ ኣጋፐ ምስ ዘይከውን ድማ መወዳእትኡ ናይ ኣምኖንን ታማርን ዓይነት ይኸውን። 2 ሳሙ 13፡1-22 

 መንእሰያት ኣብ ቤተ ክርስትያን  ኪፋቐሩ እንተኾይኖም መሰረቱ ኣጋፐ ዝኾነ ፊልያ ፍቕሪ ንዅሎም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ከምኡ ድማ ኣጋፐ ዝመሰረቱ ኤሮስ ፍቕሪ ነታ ዝሕጸይዋ ሓብቲ ወይ ትሕጸዮ ሓው ኪህልዎም ይግባእ።

 ስለዚ መንእሰያት ንኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ከፍቅሩ ከለዉ ብኸመይ ከም ዘፍቀሩ (በየነይቲ ፍቕሪ የፍቅሩ ከም ዘለዉ) ሃቐናኦም ኪምርምሩ ይግብኦም። ምኽንያቱ ፍቕሪ ካብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕልና ካብ ልግሚ ዘይብላ እምነት ስለ ዝኾነት።      1 ጢሞ 1፡5 

 ልብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ እንተኾነ ጽቡቕ እዩ።  እንተዘይኰይኑ ግና ዘይሓሰብካዮ መፈንጠራ ዘዳሉ ሰይጣን ከም ዘሎ ድማ ዘይምርሳዕ ሰናይ ስለ ዝኾነ ገለ ቃል ኣምላኻዊ ጥንቃቐ ምግባር ሰናይ እዩ።

እዚ ድማ፡ 

1. ደረትካ ምሕላው 

- ብተደጋጋሚ ብዘይ ዝኾነ ዕላማ ክትራኸብ ዘይምፍታን 

- ኣብ ሕቡእ ወይ ልጉስ ዝኾነ ቦታታት ዘይምኻድ። ምስ ሕጽ ይትኻ/ ሕጹይኪውን እንተኾነ  ቅድሚ ጊዜኡ ኣብ ፈተና ንዘይ ምውዳቕ ንዕላል ኮነ ሻሂ ንምስታይ ህዝቢ ኣብ ዘዘውትሮ መዘናግዒ ምምራጽ። ኪጽምወልና ዝብል መመኽነይታ ብድሕሪኡ ድያብሎስ ኪህሉ ከም ዝኽእል ምሕሳብ ። 

- ፍሉይ ናይ ሕጸ ዕላማ እንተዘየሎ ካብ ምስ ካልኦት ኣሕዋት/ ኣሓት ዝተፈልየ ርክባት ዘይምፍጣር፡ 

- ኣብ ሓደ እዋን ንነዊሕ ጊዜ በይንኻ ዘይምዃን 

* ካብ ትምኒት ጉብዝና ህደም  2 ጢሞ 2፡22 

2. ብምሕዳስ ሓሳብካ ምልዋጥ

ሀ. ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዝምድና ብዝምልከት እምንቶኻ ኣብ ክርስቶስ ግበር፡ ሮሜ 8፡1-3 

ለ. ለውጢ ኣብ ባህርያትካ ንምርካብ ብመንፈስ ተመላለስ፡ ሮሜ 8፡4 ገላ 5፡16-18 

ሐ. ናይ ሓሳብ ውሳነ ንምግባር ኣብ መንፈስ ክርስቶስ ኣተኵሮኻ ግበር፡ ሮሜ 8፡5 1ቈረ 6፡17-18 

መ. ውጽኢት

- ኣብ ህይወትን ሓጐስን ሰላምን ትነብር ሮሜ 8፡6-11

 

 ዘይምጥንቃቕ ዘምጽኦ ሳዕቤን

መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብሰንኪ ዝሙትን ምንዝርናን ዝመጽእ ሓጢኣት ሳዕቤኑ ሓያል ምዃኑ ኣነጺሩ እዩ ዘጠንቅቐና። 

ሀ. ምሳሌ 6፡22-33 

1. ከም ሓውን ጓህርን ዘንድድ  (ዘጥፍእ) እዩ። 6፡27 

2. መቕጻዕቲ የምጽእ 6፡29 

3. ምስ ካልእ ሓጢኣት ኪወዳደር ከሎ ዝኸፍአ እዩ። 6፡30 

4. ንነፍሱ የጥፍኣ 6፡32 

5. ጸርፉ ከቶ ኣይድምሰስን 6፡33 

ለ. መክብብ 7፡26 

1. ካብ ሞት ዝመርር እዩ

2. መፈንጠራ እዩ 

3. መቚሕ እዩ 

4. ንኣምላክ ባህ ዘብሎ ካብኣ  ይመሉቚ 

5. ሓጥእ ግና ብእኣ ይተሓዝ