19
Fri, Apr
0 New Articles

ምጽንናዕ ኣብ ግዜ መከራ።

Message 4
Typography

ጎይታና የሱስ ኣብ ወንጌል ዮውሃንስ ከምዚ ኢሉና "ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዚ ነገርኩኹም ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም። ግናኸ ኣጆኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ ኢሉ መለሰሎም(ዮው 16=33) ጎይታ ካብ ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ መከራ ከነምልጥ ተስፋ ኣይኣተወልናን።ግናኸ ከምቲ ንሱ ስዓሪ ዝኸነ ስዓርቲ ከምኡ ከም እኸውን ነጊሩና።ጎይታ የሱስ ኣተኩርኡ ካብ መከራ ከውጻና ዘይኮነስ ሰዓርቲ ክገብረና እዩ ዝደሊ ። ምኽንያቱ ጎይታ ካብ ምቾት ናብራና ዝያዳ ባህሪናን ሂወትናን እዩ ዘገድሶ።ከምቲ ሓደ ሓደ ዘምህርዎ ካብ መከራ ምውጻእ ማለት ሽልማት ናይ እሙን ሙኻንካ ኣይኮነን። በንጻሩ እቶም ኩሉ ሓዲጎም ዝስዕብዎ ካብቶም ዘይስዕብዎ ዝያዳ መከራ ከምዝቕበኩ ጎያታ ምሂሩና ኣሎ " ጴጥሮስ እንሆ ኩሉ ሓዲግና ሰዓብናካ ክብሎ ጀመረ. ...... ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት :ኣሕዋት: ኣሓት ኣደ :ውሉድ :ግርሁ ምእቲ ካዕበት ምስ ስደት ኣብታ እትመጽእ ዓለም ክኣ ናይ ዘልኣለም ሂወት ዘይረክብ የልቦን ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። (ማር 10=18-30)።

ጎይታና የሱስ ከምዚኢሉ ጸልዩ ናብ ኣቦ ስለ ደቀመዛሙርቱ " ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር ካብ ካብ ዓለም ከተውጾም ኢለ ኣይኮንኩን(ዮው 17=15) ደቀመዛሙርቲ የሱስ መከራ ስለዝገጠሞም ካብ ዓለም ተነጢቖም ክወጹ ኣደለየን።

ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ክርስትያናት ኣብ ናይ ሮም ናይ ትያትራት ቦታታት ብሓዊ ምስ ነደዱ፥ ኣብ ብዙሕ ናይ ሮም ግዝኣት ናብ ኣናብስ መስተደርበዩ ጎይታ ካብዚ መከራ ኣየድሓኖምን።ኣብ ግዜ ዳንኤል ኣፍ ኣናብስ ዝዓጸወ፥ ሓይሊ እሳት ዘጥፈኤ ኣምላኻ ንደቂ መዛሙርቲ የሱስ እዚ ትኣምራት ኣይገበረሎምን ልክዕ ከም ጎይትኦም የሱስ። ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣመንቲ ብሂወቶም ንኣምላክ ክብሪ ሂቦም ዓሰርተ ክልተ ሌጎን መልኣኽቲ ካብ ጸላእቶም ክከላኸልሎም ኣይሐተቱን።

እታ መርዓት ወዱ ብኣናብስ ክትበታተኽ ናብ ንኣሽቱ ቁርጽራጽት ብሓዊ ክትቃጸልን ኣምላክ ካብ ሰማይ ተዓዚቡ እዩ።ብምስክርነቶም ክብሪ ረኺቡ እዩ ናብ ዝኸዶ ቦታ ዘበለ ስዒቦሞ ዋላ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘለዎ (ራኢ14=4)ጎይታ እቲ እንኮ ዝበሎም ቃል እዚ እዩ። "እንሆ ምእንቲ ክትፍተኑስ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤትማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ ክሳብ ሞት እሙን ኩን ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ" (ራኢ 2=10)።

ዋላ ሎሙውን ደቂመዛሙርቲ የሱስ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ እንተ ተሰቀዩን፥ እንተ ተሰደዱን ስም የሱስ ስለዝጸወሩ። ጎይታ ካብዛ ምድሪ ኣየውጾምን።ከምእውን ቅድሚ እቲ ዓቢ መከራ ናብ ሰማይ ብምንጣቕ ኣይወስደናን እዩ።ግናኸ ካልእ ዝሓሸ ጎይታ ክገብር እዩ ኣብ ማእከል ኣብቲ ዓቢ መከራ ስዓርቲ ክገብረና እዩ።

ጎይታና የሱስ ካብ መከራ ከውጻና ዘይኮነ ኣተኩርኡ ካብ ክፍእ ከድሕነና ኣዩ።ብመከራ ክንሓልፍ ይፈቅድ እዩ።ጎይታ ኣብ መንፈሳዊ ሂወትና ብርትዓት እንኸነሉ ኣንኮ መንገዲ ብመከራ ምሕላፍ ምኳኑ ስለዝፈልጥ እዩ።

ጎይታ ብመከራ ክንሐልፍ ይፈቅድ እዩ ዝብል መልእኽቲ ግና ጋሻ እዩ ንናይ ሎሚ ክርስትያናት ምቾት ዝመልኦ ናብራ ዘፍቅሩ።እቲ ምኽንያት ድማ ስንበት መጸት ንእዝንኻ ክትስምዖ ባህ ዘብል ስብከት ጥራይ ስለዝሰምዑ። ነገር ግን ከም ክርስትያን ብመከራ ምሕላፍ ዝብል መልእኽቲ ናይታ ቀዳመይ ዘመን ዝነበርት ቤትክርስትያን መልኽቲ
ሃዋርያት እዩ "ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ" (ግብ 14=22)።

ኣብ ገዛ፥ ኣብ ቦታ ስራሕ እንረኽቦም ንኣሽቱ ፈተናታት ንቲ ብሕጂ ዝመጽእ ዓቢ መከራ መዳለዊ እዮም። ስለዚ ድማ ሎሚ እሙናት ክንከውን ይግባእ።ቃል ኣምላኻ ከምዚ ይብለና ብዛዕባ ምድላው "ምስ ኣጋር ተቓዳዲምካ ኻብ ዜድክሙኻ ከመይ ኢልካ ድኣ ምስ ኣፍራስ ክትቃዳደም ኢኻ ኣብ ሃገር ሰላም እንተ ተኣመንካ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ " (ኤር 12=5)።

ኣብ ራኢ ዮውሃንስ ቃል ኣምላክ ከምዚ ይብለና"ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ። 10-11 ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ ብድሕረይ ከኣ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዚብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ" (ራኢ 1=19-11) ዮውሃንስ ገዛእ ርእሱ ክተቅስ ከሎ ተማቓሊ መከራ ብክርስቶስ የሱስ እዩ።ነፍሲ ወከፍ ወደመዝሙረ የሱስ ብምሉእ ልቡ ንጎይታ ዝፍቅር ኣብቲ ዝመጽእ መከራ ተኻፋሊ ክኸውን ክዳሎ ይግባእ ክሳብ ኣብ ንምድሪ ብሂወት ዘሎ።ዮውሃንስ እዚ መልእኽቲ ክጽሕፎ ከሎ ኣብ ምቾት ኩነታት ዘይኮነስ ምእንቲ ቃል ኣምላኻን ምስክር የሱስን ኣብ ጳጥሞስ ደሴት ብመከራ እናሓለፈ ከሎ እዩ።

እቶም ቁዱሳን ኣብ እቲ ጸረ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ ዝሕልፍዎ መከራ ምእንቲ ክጽሕፍ ባዕሉ ዮውሃንስ ብመከራ ክሓልፍ ነይርዎ።ኣምላኽ ቅድድሚ ብመከራ ንዝሓልፉ ቁዱሳን ምግልጋልና ንዓና ብመከራ ብስደት እዩ ዝሕልፈና።ጽንዓት ኣመንቲ ዓቢ ብቕዓት ምኳኑ ኣብ ብምልኡ ሓድሽ ኪዳን ኣተኩሮ ተዋሂብዎ ኣሎ።ጎይታና የሱስ ከምዚ ኢሉና ኣሎ፥

" ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም" (ማቴ 24=9)

"እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ" ( ማቴ 24=13)።

(ብሓው ዛክ ፖንነን ዝተጽሓፈ Encouragement In Tribulation)

Translated by Yosief Desta