24
Wed, Apr
0 New Articles

ኣረኣእያኩም ብዛዕባ እቲ መስቐል?

Message 4
Typography

ከምቲ ልሙድ መደብ ናይ ሰንበት ሒደት መዝሙር ምዝማሮም፣ እቲ ናይታ ቤተክርስትያን ጓሳ ማሕበር ተሲኡ ስብከቱ ቅድሚ ምቕራብ ንሓደ ኣብታ ምሸት ተዓዲሙ ዝመጸ ጓሻ ኣላለዮም። እቲ ጓሳ ማሕበር ነቲ ጉባኤ እዚ ሰብ እዚ ኣዚዩ ዘፍቅሮ ዓርኩ ምዃኑ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ባዕሉ ከላልን ሰላምታ ከቕርብን ነቲ ጉባኤ ዝኸውን መልእኽቲ እንተለዎ እውን ከመሓላልፍ ምኻኑ ነቲ ጉባኤ ሕበሮ። ብመሰረት እቲ ዕድመ ኸኣ እቲ ዓቢ ሰብኣይ ናብ መድረኽ ደየበ ከምዚ ክብል ከኣ ዘረባ ጀመረ።


"ኣቦን ወድን ከምኡውን ዓርኪ ወዱ ሓቢሮም ብባሕሪ ይኸዱ ነበሩ" ዘረብኡ ብምቕጻል "ናብቲ ገምገም ባሕሪ ከይበጽሑ ኸኣ ብርቱዕ ማዕበል ኣጓነፎም። እቲ ማዕበል ከኣ እምብዛ ዓቢ ነበረ። ምንም እኳ እቲ ኣቦ ኣብ ባሕሪ ጃልባ ሒዙ ናይ ምጉዓዝ ተመኩሮ እንተ ነበሮ፣ ነታ ጃልባ ግና ናብ ቁኑዕ ኣንፈት ክመርሓ ኣይከኣለን። እታ ጃልባ ኸኣ ነቲ ማዕበል ክትጻወሮ ስለ ዘይከኣለት ክትሰጥም ጀመረት ሰለስቲኦም ከኣ ተታሓሒዞም ናብቲ ባሕሪ ኣተዉ።"


እቶም ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝነበሩ መንእሰያት ብተመስጦ ክሰምዖ ጀመሩ። እቲ ዓቢ ሰብኣይ ታሪኹ ብምቕጻል "እቲ ሰብኣይ ሓንቲ ናይ መድሕን መሕንበሲ ወይ ካላማዳርያ ነበረቶ። እዛ መሕንበሲት ካላማዳርያ ንመን ከም ዝህቦ ጨንቖ። ካብ ክልቲኦም ከኣ ንመን ከድሕን ከም ዘለዎ ንምሕሳብ እኳ ግዜ ኣይነበሮን። እዚ ኣቦ ከምዚ ኢሉ ሓሰብ ወደይ ክርስትያን ሰዓቢ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ እንተ ሞተ ናብ ሰማይ ናብ ኣምላኽ እዩ። ዓርኩ ግና ገና ንየሱሱ ኣይፈለጦን ስለዚ ንዓርኪ ወደይ ከድሕን ኣሎኒ ኢሉ ወሰነ። ወደይ ፍረ ኸርሰይ የፍቅረካ እየ ብምባል እታ ናይ መድሕን መሐንበሲት ናብ ዓርኩ ወዱ ሰደዳ። ወዱ በቲ ባሕሪ ተወስደ ሬሱ እኳ ኣይተረኽበን እቲ ዓርኩ ግና ደሓነ።"


እቶም ነቲ ሰብኣይ ዝሰምዖዎ ዝነበሩ መንእሰያት ሕጂኸ እንታይ ክብል ኰን እዩ ብምባል ኣቶኪሮም ክጽበይዎ ጀመሩ። እቲ ሰብኣይ ዘረብኡ ብምቕጻል "ኣብኡ ወዱ ንዘልኣለም ምስ የሱሱ እቲ ብጻዩ ግና ንዘልኣለም ብስቓይ ብዘይ የሱሱ ከሕልፎ ኣይደለይን። ነዚ እዩ ኸኣ ካብ ወዱ ንላዕሊ ነቲ ብጻይ ወዱ ከድሕን ዝደለየ። ስለዚ ንዓርኩ ወዱ ከድሕን ንወዱ መስዋእቲ ጌርዎ። ኣምላኽ እቲ ፈቃር ከኣ ንዓና ከምዚ እዩ ጌይሩልና። ንዓና ንምድሓን ነቲ እንኰ ሓደ ወዱ ስሌና መስዋእቲ ክኸውን ፈቒዱ። ስለዚ ሎሚ ኸኣ ነዚ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ጻዊዒት ተቐቢልኩም ምድሓን ክትረኽቡ ጻዊዒቱ ክትቕበሉ ይዕድመኩም" ኢሉ ናብ ኮፍ መበሊኡ ከደ። ብድሕሪ እዚ እቲ ጓሳ ማሕበር ናብ መድረኽ ደይቡ ሓጺር መልእኽቲ ኣቕረበ። ንመድሓኒ የሱሱ ክርስቶስ ከኣ ብምልኣት ህይወቱ ወፍዩ ክስዕቦ ዝደሊ ሰብ እንተሎ ኢሉ መጸዋዕታ ኣቕረበ። ማንም ግና ናብ ቅድሚት ዝወጸ ኣይነበረን።


እቲ መደብ ምስ ተወደኣ ክልተ መንእሰያት ናብቲ ዓቢ ሰብኣይ ከዱ ካብቶም መንእስያት ሓደ "ብጣዕሚ ጉሩም ታሪኽ ግና እዚ ሓቂ ኣይመስለንን ኣቦ ንወዱ ሓዲጉ እሞ እቲ ዓርኪ ወዱ ሓንቲ መዓልቲ ሰዓቢ ኣምላኽ ክኸውን እዩ ብዝብል ተስፋ ጥራይ ንወዱ የሕሊፉ ንዓርኪ ወዱ ከድሕን ኣይመስለንን" በሎ። "ጽብቕ ኣሎኻ" በለ እቲ ዓቢ ሰብኣይ ናብ መጽሓፍ ቁዱ እናጠመተ ኣብ ገጹ ዓቢ ፍሽኽታ እናርኣየ ነቲ መንእሰይ ኣተኪሩ እናጠምተ "ብርግጽ ሓቒ ዘይኮነ ዶ ይመስለካ" ግና እንሆ ኣነ ናይቲ ኣምላኽ ዝገበሮ እንታይ ከም ዝመስል ምስክር ኮይነ ኣብ ቅድሚኻ ደው ኢለ ኣለኹ። ኣምላኽ ወዱ የሱሱ ሂብኒ። ወደይ እቲ ዝነገርኩኹም ኣቦ ኣነ እየ። እቲ ሕጂ ፓስተርካ ዘሎ ኸኣ እቲ ዘድሓንክዎ ዓርኪ ወደይ እዩ" ብምባል እቲ ታሪኽ ናቱ ዛንታ ምዃኑ ሓበሮም።
እዚ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ታሪኽ ኣዚዩ ዘገርም እዩ። ብርግጽ ከምቲ ደጋጊምና እንብሎ ብዓቢኡ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ዝዛረቦ የሱሱ ገና ሓጥኣንን ዱኹማትን ኰሎና ኣብ ክንዳና ሞይቱ ህይወት ኸኣ በጃ ኹላትና የሕሊፉ። እዚ እቲ ዘይሕከኽ ሓቂ እዩ። እቲ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ብወዱ ብየሱሱ ክርስቶስ ንዝፈጸሞ ጉዳይ እንህቦ ግብረ መልሲ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታኢ ብዘየግድስ ነቲ ክውንነት ፈጺሙ ኣይልውጦን እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ምቕባልናን ምንጻግናን ነቲ ሓቂ ኣይልውጦን እዩ።


ሕመረት መጽሓፍ ቁዱስ ኩሉ ተጠቅሊሉ ናብ ሓደ እንኰ መልእኽቲ እዩ ዝመጽእ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ብወዱ ብየሱሱ ክርስቶስ ጌሩ ምብጃውን ምድሓንን ከምዘምጸ። ሰባት ግና ገና ነዚ ናይ ፍቕሪ ተግባራት ዝተረደኣና ኣይመስልን። ከምቲ ኣብቲ ኣቀድም ኣቢልና ዝርኣናዮ ታሪኽ እቶም መንእስያት እቲ ሰብኣይ ዝብሎ ዝነበረ ጽውጽዋይ ዝመሰሎም ብዝሑታ ሰባት እዚ ኣምላኽ ዝገበሮ ናይ ምድሓን ግብሪ ከም ኣፈ ታሪኽን ጽውጽዋይን ይወስድዎ ኣለዉ።


ሕጂ ዘዛርብ የሱሱ ሞይቱ ዶ ኣይሞተን ስለምንታይ ዝብል ኣምር ኣይኮነን ከምይሲ እቲ የሱስ ዝገበሮ ናይ ምድሓን ስራሕ ማንም ይኹን ምንም ክቕይሮ ዝኽእል ኣካል ስለ ዘይለ። ብኣንጻሩ ክንሓቶ ዘሎና ግብረ መልሲ ነዚ ናይ ፍቕሪ ስራሕ እንታይ ይመስል ዝብል እዩ? ካብዚ ቐጺልና ግብረ መልሲ ደቂ ሰባት ነዚ ኣብ መስቅል ዝተፈጸመ ናይ መስቀል ስራሕ እንታይ ከምዝመስል ክንርኢ ኢና እሞ ንስኻ ወይ ንስኺ ከኣ ካበየናት አገን ምኻንኩም ንገዛእ ርእስኹም ፈትሹ።

1 ሰብ ብገዛእ ርእሱ ጸገም የብሉን ኢሎም ነዚ ሓቂ ከይቅበሉ ፈትዮም ዝሓንገዱ፣
ቃል ኣምላኽ ኣብ ወንጌል ዮውሃንስ 1፣12 ክዛረብ ከሎ “ናብቶም ናቱ መጸ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን” ይብለና። ብዙሓት ሰባት ነቲ ክርስቶስ የሱስ ዝገበሮ ስራሕ ምድሓን ዝንዕቑን ዘይቅበሉን ኣለዉ። ንኣብነት ደቂ እስራኤል የሱስ ኣብዛ ምድሪ ምስ ተገልጸ ክቕበልዎ ኣይደለዩን ብኣንጻሩ እኳ ደኣ መሳድድቱ ኮይኖም። ኣብዚ ኣዋን እዚ ኸኣ ቡዙሓት ሰባት ነቲ ዝመጽእ ፍርዲ ሸለል ብምባል ኣነ ምድሓን ኣይድልየንን እዩ። ኩሉ ኣሎኒ። እዚ መድሓኒ ዓለም ኣብ መስቀል ፈጺምዎ ዝብሃል ናይ ምድሓን ስራሕ ከኣ ብሳይንሳዊ መንገዲ ዘይተረጋገጸ ጭብጥነት ዝጎደሎ እዩ። ስለዚ ሰብ ከኣ ብጹቡቕ ግብሩን ስርሑን እምበር ብኻልእ ዝምዘነሉ ምኽንያት የብሉን ብምባል ነቲ መድሓኒ ስሊኦም ክብል ዝተሳቐየሉ ስራሕ የቋናጽቡ።


ቃል ኣምላኽ ሰብ ሓጢኣተኛ ምኻኑ እኳ ይዛረብ ንሶም ግና ኣይፋል ሰብ ሓጢኣት ዝገብር ካብ ሓጥያቱ ከኣ ክእረም ዝኽእል እምብኣር ብገዛእ ርእሱ ሓጢኣተኛ ኣይኮነን ብምባል ሙማት የሱስ ንሰባት ኣድላዪ ከምዘይኮነ እኳ ደኣ ዘይተረጋገጸ ታሪኽ ምኻኑ ኣፎም መሊኦም ይዛረቡ። እዞም ሰባት ጹቡቕ ሞራላዊ ህይወት ክህሎም ይኽእል እዩ። ብተግባራቶምን ካልእን ከኣ ውሃ ዘበሉ ክኰኑ ይኽእሉ እዮም ግና ነቲ ኣብ ኣእምርኦም ዘሎ ፉንፉን ሓሳባትን ንስራሕ ኣምላኽ ብወዱ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝገብሮ ግብሪ ምንዓቕን ክሳብ ዘይሓደጉ ኣብ ፍርዲ ከምዘለዉ ምፍላጥ ኣጋዳሲ እዩ። እዚ ምቁንጻብ እዚ ነቶም ቅድሜኹም ዝሓለፉ ሰባት ኣይጠቐሞምን ካብ ፍርዲ ኸኣ ኣይመለጡን።

ሃዋራያ ጳሎውስ እቲ ዓቢ ናይ ኣምላኽ ሰብ ቅድሚ ነዚ ፍልጠት ሓቂ ምርካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ፍልስፍና እዩ ኔርዎ። ነቶም ብዛዕባ ሞት የሱሱን ፍቕሩን ዝዛረቡ ዝነበሩ ሰባት ከኣ የሳድድ ነበረ። ዳሓር ግና እቲ ስሊኡ ክብል ዝሞተ ግና ዘይተቐበሉ የሱሱ ተገሊጽሉ። ንምንታይ ትሰጎኒ ንምንታይ ነቲ ዝገበርክዎ ናይ መስቀል ውዕለት ተንቃሽሽ ኣሎኻ? ካብዚ ጉዳይ ተመሊስካ ነቲ ስሌኻ ክብል ኣብ መስቀል ዝገበርክዎ ውዕለት እንተ ዘይተቐቢልካ ወይለኻ ኣብ ኣፍ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ ንርእስኻ እዩ ዝገደካ ኢልዎ እቲ ስሊኡ ክብል ገዛእ ርእሱ ዝወፈየ የሱስ። ጳውሎስ ከኣ ነዚ ሓቂ ተቐቢሉ ፍልስፍንኡ ንድሕሪት ደርብዩ ነቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ክስዕብ ጀሚሩ። ብድሕሪ እዚ ኸኣ እቲ ስነ መጐቱ ዕሽነት ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖ ከምዚ ኢሉ “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ ንዓና ንእንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ”


እሞ ሕጂ ጸላኢ እቲ ክርስቶስ የሱሱ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ኰንካ ምምልላስ መወዳእትኡ ጹቡቕ ኣይኮነን እሞ ሕጂ ምምላስ ይሓይሽ።
2 ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ምድሓን ዝኣምኑ ግናኸ ሓለፍኡ ናቶም ዘቐድሙ።
ሓደ ግዜ ሓደ ጎበዝ ሃብታም ንጐይታና መሓኒና የሱስ ክርስቶስ ክስዕቦ ደለየ። እዚ ሰብ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ ደልዩ። እዚ ህየወት እዚ ኸኣ ኣብ የሱስ ከም ዘሎ ይፈልጥ እዩ። ነዚ ኸኣ እዩ ንየሱሱ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ዝሓተቶ። የሱስ ከኣ ምስ ረኣዮ ፈተዎ እሞ፣ እሞ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ሓልዎን በሎ። ንሱ ኸኣ እዚ እሞ ካብ ንእስነተይ ኣስዒበ ኩሉ ይገብሮ እየ በለ። የሱስ ከኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ ንሳ ኸኣ ዘሎካ ዘበለ ኩሉ ሸይጥካ ንድኻታት ሃቦ በለ እቲ መንእሰይ ግና እዚ ምስ ሰምዐ ኣዚዩ ሓዘነ ቡዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ ኸኣ ንድሕሪት ተመልሰ።


እዚ ዓይነት ታሪኽ ሎሚ ኣዚዩ ብብዙሕ ኣብ ዓለምና ዝርኣ ዘሎ ዛንታ እዩ። ካብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ንላዕሊ ናይዛ ምድሪ ጉዳይ ስለ ዘቐደሙ ካብ ህይወት ዘልኣለም ዝተረፉ ቡዙሓት እዮም። እናፈልጡ ናይ መስቀል ውዕለት እናተረድኦም ግና ጉዳይ ዋኒን ናቶም ስለ ዝዓጠጦም ነቲ ደሙ ዘፍሰሰሎም ከይቅበልዎ ይሕንግዱ። እወ የሱስ ኣብ መስቀል ከም ዝሞተ ይፈልጥ እየ ግና ሕጂ ክስዕቦ ኣይክእልን እየ ምኽንያቱ ብስራሕን ብናይ ገዛእ ርእሰይ ነገራትን ትሑዝ እየ ይብሉ። ግዜ ከም ዘለዎም ከኣ ንምስዓብ መድሓኒ ብግዜ የቋጽርዎም ግና እቲ ግዜ ናቶም ኣይኮነን። ክውስንላ ዘይክእሉ ግዜ ጸልማት ከምዘሎ ይርስዑ። ስለዚ ንስኻ ወስይ ንስኺ ከምዚ ዝዓይነቱ ሓሳብት እንተ ሃሊኩም ሃየ ደኣ ተመለሱ።


ገለ ኸኣ እቲ የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ይኣምኑ እዮም ግና እቲ ናይ የሱሱ ቡቑዕ ኰይኑ ስለ ዘይስምዖም ናቶም ተወሳኺ መንገድታት ብምውሳኽ ነቲ ናይ መስቀል ስራሕ ክርስቶስ የንቋሽሽዎ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ህይወቶም መርገም የምጽኡ። ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ በጀካ ወንጌል ክርስቶስ የሱስ ካልእ ተወሳኺ ዝስበኽ ወንጌል ኩሉ መርገም እዩ ዘምጽእ። እዚ መርገም ከይንዓጽድ ከኣ ነቲ ኣምላኽ ብመድሓኒ ዝገብሮ ከምዘለዎ ንቀበሎ። ምኽንይትን ወሰኸን ናብ ጥፍኣት እምብር ናብ ልምዓት ኣይብጸሓናን እዩ።

3 እቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ናይ መስቀል ስራሕ ከም ሃይማኖት እምበር ከም ለውጢ ህይወት ዘይርእይዎ ሰባት።
ኣብዚ እዋን እዚ ንሕና ሰዓብቲ ኣምላኽ ኢና ዝብሉ ብልደት የሱሱ ብሞት ትንሳኤ ከም ዝኣምኑ ዝዛረቡ ግና ኸኣ ነዚ ነገር ከም ሃይማኖት እምብር ኣብ ህይወቶም ለውጢ ዘይረኣዮም ሰባት ብቑጽሪ ቡዝሓት እዮም። እዚ መድሓኒ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ስራሕ ግና ከም ሃያምኖት ወይ ከም ልምዲ ጌርና ክንሕዞ ኣይኮናን ዝደልየና። ብሃይማኖት ሰዓቢ ክርስትና ብምዃንካ ጥራይ ናይ ብሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ ኣይገብረካን እዩ። ንየሱስ ምስዓብ ክንዮ ሃይማኖት ህይውት እዩ ክንዮ ባህሊ በረኸት እዩ። ሰዓቢ ክርስቶስ ምኻንካ በቲ ብደጋዊ ነገር እትርእዮ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ኣይግመትን ኣይውሰንን።


እቲ ይኣምኖ እዩ እትብሎ ኣብ ህይወትካ መንነትካ ሓቐኛ ዝዀነ ለውጢ ከምጻልካ ኣለዎ። ቃል ኣምላኽ ብኣፍ ጥራይ ዘይኮነ ልቢ እንተ ተውሲኾ ህያው ከም ዝኸውን ይነግር። ከምቲ ስጋ ብዘይ ነፍሲ ምውቲ ዝዀነት እምነት ብዘይግብሪ ኸኣ ከምኡ ምውቲ እያ።
ጐይታና የሱስ ካብቲ ሓደ ንፈርሳውያን ዝቋወመሉ ዝነበረ ምኽንያት እቲ ሓደ እዚ እዩ። ፈርሳውያን ሰዓብቲ ኣምላኽ ሓለውቲ ሕጊ ገበርቲ ጽድቂ ፈተውቲ ሓቂ ምዃኖም እዮም ዓው ኢሎም ዝምድሩ ብኸምኡ ኸኣ ብሰባት ዝፍለጡ ግና የሱስ ክርስቶስ ገጽ ንገጽ ተቓዊምዎ ኣቱም ጉቡዛት ከኣ ኢሉ ወቒስዎም። እወ ንየሱስ ይኣምኖ እዩ እናበልካ እቲ ንሱ ክትገብሮ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ዘይምሕላው ግብዝና እዩ። እዚ ኸኣ ብኻልኣ ኣዘራርባ ነቲ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ምንዓቕን ምንሻውን እዩ።


ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣሚናዮ እንብሎ እምነት ብሃያምኖታዊ ንጥፈታት ክንገልጾ ኢና ንፍትን። ከምኡ ብምግባርና ግና ንኣምላኽ ዘስመርና ኰይኑ ክስማዓና ይኽእል እዩ ግና እቲ ሓቒ እሱ ኣይኮነን ከምይሲ እቲ ሓቒ መስቀልካ ኣልዕሊካ ደድሕሪ እቲ ኣብ መስቀል ስሌና ዝተበጀወ ምስዓብ እዩ። እቲ ስለ ኣምላኽ ኢልና እንገብሮ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ነቲ ክርስቶስ እየሱስ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ግብሪ ብምልኣት ተኣማንነት ዘይእምነ እንተዀይኑ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ። ስለዚ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንዮ ሃይማኖታዊ ንጥፈታትና ሃማኖታዊ እምነትናን ምኳኑ ኣይንረስዕ።


ሃይማኖተኛ ምዃን ካልእ እዩ ንክርስቶስ ብሙሉእ ልብኻ ምስዓብ ከኣ ካልእ እዩ። ኣብ ደጋዊ ነገራትካ ክርስቶስ እየሱስ ዝገበሮ ምስልታትን ካልእ እምነታኢ ተግባራትን ምግባር ነቲ ሓቐኛ እምነት ኣብ ልቢ ዘሎ ኣይንጸባርቖን እዩ። ነዚ ኸኣ እዩ ብዙሕ ግዜ የሱሱ ክርስቶስ ነቶም ፈርሳውያን ወይለኹም እንበለ ነቲ ብደገታታ ዘርእይዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ብምቅዋም ዝዛረቦ ዝነበረ። ንኣብነት ሓደ ግዜ ከምዚ ኢልዎም “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈርሳውያንን ወጻኢኡ ጹቡቕ ኰይኑ ዝርኤ፣ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምውታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ ኣለኹም እሞ ወይለኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎም እቲ ውሽጡኹም ግና ግብዝናን ዓመጻን ሙሉእ እዩ” ብምባል ኣብ ማቴ 23 27-28 ዘሊፍዎም። ስለዚ እዚ ዘለፋ ከይበጽሓና ብሓቒ እቲ ኣምላኻዊ ናይ መስቀል ፍቕሪ ኣብ ውሽጣና ይሕደር እምብኣር ንስኻትኩም ካበየናት ወገን ኰን ኢኹም? ካብዞም ዝርኣናዮም ኣበይ ኰን ምተሰራዕኩም? እምነትኩም ከምቶም ሰብ ብገዛእ ርእሱ ሓጥያት ኣይኮነን ሓጥያት ግና ክገብር ይኽእል እዩ እንተዀነ ምድሓን ዝብሃል ኣይድልዮን እቲ ብዛዕባ የሱሱ ዝገበሮ ኸኣ ጽውጽዋይን ታሪኽን እዩ ምስ ዝብሉ ሰባት ዲኹም? ወይ ከኣ እወ ክርስቶስ የሱስ ስለይ ክብል ኣብ መስቀል ሞይቱ እዩ ግና ሕጂ ክስዕቦ ኣይክእልን እየ ከመይሲ ናተይ ዝዀነ ዋኒን ኣሎኒ ትብሉ ሰባት ኢኩም? ወይ ከኣ እቲ ክርስቶስ የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ከም ሃይማኖት ጥራይ ብምርኣይ ብሃይማኖታዊ ንትፈታት እምብር ኣብ ሓቐኛ ሎውጢ ዘየለኹም ከ ክንደይ ኢኹም?

እየሱሱ ግና በጃ ኩላትና ኣብ መስቀል ዊዒሊ ስለ ኹላትና ኸኣ ሓሊፉ እዩ ነዚ ሓቂ ምቕባል ግና እቲ ሓላፍነት ናትና እዩ።