20
Sat, Apr
0 New Articles

ጸገምና ኣንታይ እዩ?

Message 1
Typography
ህይውተ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ኩሉ ሰልፊ እዩ። ኣብ ዘመን ህይወቱ ኩሉ ዝሓልፎ ገልታዕታዕን ኣደራዕን ማእለያ የቡሉን። ዳርጋ ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዓለምና ኣብ ዲቕ ዝበለ ድኽነትን ኢኮኖሚያዊ ቕልውላውን እዩ ዝነብር ዘሎ። ሓደ ጸብጻብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ከመ ዘመልክቶ 1ቢልዮን ሕዝቢ ዓለም ትሕቲ ሓደ ዶላር ንመዓልቲ ክንብር እንከሎ 2ቢልዮን ሕዝቢ ዓለም ድማ ትሕቲ ክልተ ዶላር ይነብር ይብል እቲ ጸብጻብ።

ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ዕለም እምበኣር ኣብ ዲቕ ዝበለ ድኽነት እዩ ዝነብር ካልእ ብኣንጻሩ 70 ሚእታዊት ሃብቲ ናይዛ ዓለም ብውሑዳት ክፋል ሕብረተሰብ ጥራይ እዩ ዝውነነ። ኣብዚ እምበኣር እዩ ዘይፍትሓውነት ናይዛ ዓለም ጐሊሑ ዝረኣየካ።

ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ኣዳም ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሃብቲ ብኣገባባን ብምምርቓሕን እንተዝጠቀመሉ ኔሩ ደቂሰባት ብኢኮንዮምያዊ መዳይ ኣይምተሸገርን ኔሮም። ሰባት ኣዚዮም ሱሱዓትን ንዓይ ባህልትን ስለ ዝዀኑ ግና ኣንሆ ነቲ ኣብ ጐኖም ዘሎ ረሲዕም ነንውልቆም ክነብሩ ንርኢ ኣሎና። ኣብዛ ምድርና ዘሎ ሃብቲ ንነፍሲ ወከፍ ፉጡር ወዲ ኣዳም ኣኪሉ ዝተርፍ ምዃኑ እዮም ሊቃውንቲ ዝነጉሩና። እዚ ዀይኑ ከብቅዕ ግና ከምቲ ዝበልናዮ ዝበዝሕ ክፋል ዓለምና ብስቓይ ይጥቃዕ ኣሎ።

ኣብ ምዕራባውያን ዓለም ዝጓሓፍ ምግቢ ንብዘላ ኣፍሪቃ ናይ ዓመት ቀለብ ምኻኑ እዩ ዝንገር። ካብ ማንም ክፋል ዓለምና ብውግእን ጥምየትን ካልእ ሕማማት እትሳቐ ዘላን ዛጊት ንጸገማታ ድማ መፍቲሒ ዘይረኸበትሉ ኣህጉር ኣህጉርና ኣፍሪቃ ኣያ። ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሃብቲ ንዓና ጥራይ ዘይኮነስ ንብዘላ ክፋል ዓለምና ዝኣክል እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና ንሕና ኣፍሪቃውያን ተጠቀምቲ ሃብትና ክንከውን ይትረፍሲ ዘሎና ጸጋታት ብኻልኦት እናተጋሕጎሐ ተመሊሱ ንዓና ኣብ ረጽምን ካልእ ዘይተደልየ ነገርን የእትወና ኣሎ።

እቲ ጸገም እንታይ እዩ? ንሕና ካብ ካልኦት ህዝብታት ንላዕሊ ሓጥያትና ስለ ዝዓበየ እዩ? ወይ ኣምላኽ መዳለዊ ስለ ዝዀነ እሞ ንዓና ረሲዑ ናብ ካልኦት ስለ ዝዘወ እዩ? ምናልባት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ እዚ ግዳይ እዚ ነናቱ ትነተናታት ይህብ ይኰውን። ኣምላኽ ካብ መጀመርያ ፍጥረት ኣብ ሰብ ዘለዎ ኣረኣእያ ዘይልወጥን ኩቡሩን እዩ።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ኩሉ ፍጥረት ኩቡርን ጽቡቕን እዩ። እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ፍጹም ዝኸነ ፍቅሪ እምበር ኣድልዎ የብሉን። እቲ ጸገም ናይ ሽግርና ግና ኣብና እምበር ኣብ ኣምላኽ ኣይኰነን ዘሎ። ከምቲ ብገዛኣ ኣእዳውና ንሓድሕድና ንባላዕን ንጣፋእን ዘሎና ከምኡ ድማ ንሓድሕድና እንተሃናነጸሉን እንፍወሰሉን መድሃኒት ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ።

ኣብ ዓለምና ብፍላይ ድማ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዝረኣ ዘሎ ሽግር መሰረቱ ዘሎና መንፈሳዊ ሃውሃው ስለ ዘይጠዓየ እዩ። ሃገረ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ እንተዘይጢዑ እትዓጽዶ ፍረ ኩሉ መጺጽን መሪርን ጥራይ እዩ ዝዀውን እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ዝተራእየን ከምኡ ድማ ንሕና ብዒንትና እንርእዮና ዘሎና ዝደጋገም ታሪኽ እዩ። መጽሓፍ ቁድስና ድማ ኣብ ኣምላኽ ምዕማጽን ሓጥያት ምግባርን ሳዕቤን ሞትን ምረትን መርገምን ምካኑ ጥራይ እዩ ዝነግረና።

እቲ ናይ መጀመርያ ፍጥረት ዝዀነ ኣዳም ኣብ ኣምላኽ ምስ ዓመጸ ዝረኸቦ ፍረ እንታይ ምኻኑ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ሎሚ ንሕና ከም ሃገርን ኣህጉርን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከንጉረምረም መሰል የብልናን ከመይ እንተበልና ሳዕቤን ናይዚ ዘሎና ነገር ንሕና እምበር ኣምላኽ ስለ ዘይከነ። እሞ ድኣ እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ከም ውልቀሰባት ኣህጉርን ክንሓትት ይግባኣና። መጽሓፍ ቁዱስ ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል << መገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ ኣምላኽ ንመለስ ልብና ምስ ናይ ኣእዳውና ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ ንልዕል>> ድጉዓ 3።40-41።

ብርግጽ እቲ ዘሎና መንፈሳውን ስነኣእምራዉን ኢኮኖምያውን ጸገም መፍቲሕኡ ኣእዳውና ናብ ኣምላኽ ምልዓል ጥራይ እዩ። ንሕና ኣፍሪቃውያን ክሳብ ብምሉእ ልብና ናብ ኣምላኽ ተመሊስና ኣእዳውና ናብ ፈጣሪ ነልዕል እዚ ዘሎና ጸገም ክፍታሕ ይትረፍ ነገርና ኣናገደደን እናባኣሰን ከምዝኸይድ ክንፈልጥ የድሌና። ኣምላኽ መዳለዊ ዘይኮነስ ልቡ ግና ወትሩ ናብቶም ናብኡ ኣቢሎም ዘማዕድዉ ሰባት እዩ ዝዘዙ። ሎሚ ነፍሲ ወክፍ ሰብ ልቡ ፈትሹ ናብ ኣምላኽ ዝምለሰሉ ጊዜን ሰዓትን ከምዝበጸዓ ክስወጦ ኣለዎ። ዘሎና ኣደራዕን ሽግርን ንጽባሕ ክንጽበ ዘየኽእለና ጉዳይ እዩ።

መንፈሳዊ ሃዋህው ህይወትና ክሳብ ዘይተዓረየን ናብ ኣምላኽ ድማ ኣእዳውና ክሳብ ዘየልዓልና ጊዜ ኣዒንትና ዝርኣዮኦን ኣእዛና ድማ ዝሰምዖኦን ነገር እንተኣልዩ ስቓይን ክፋን ጥራይ ምኻኑ ንፍለጥ። ትዕቢትናና ጽንዓት ልብናን ዘምጻልና ዘሎ ነገር መከራን ስቓይን ምኻኑ እናራኣና ክነስና ስለምናታይ ኮን ክሳብ ሕጂ ብትሪ ልብ ንመላለስ ዘሎና? ኣብ ዘመን ህይወትና እንትርፎ ምረትን ስቓይን ካልኣ ተለማሚድና ዘይንፈልጥ ሰባት ክነስና ስለምናትይ ኢና ጹቡቕ ነገር ከምዘሎና እናመሰለና ብትሪ ልቢ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመላለስ ዘሎና?

ንሕና ኣፍሪቃውያን ዘሎና ታሪኽ ኩሉ ኣዚዩ ዘሕፍርን ዘሕዝንን እዩ። ዛንታ ምዕራፋት መጽሓፍትና ድማ ኩሉ ሞትን ስቓይን ዘለዎ እዩ። ስለዚ ድማ ኢና ካብ ቀደም ብዝበለጸ ሕጂ ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ዝግብኣና። ምፍቲሒ ጸገም ናይ ዓለምና ውዱብ ሑቡራት ሃገራት ዘይኰነስ ባዕሉ እቲ ዝደኰነና ኣምላኽ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ከምዚ ዝብል ጹሑፍ ተባሂሉና ኣሎ።  << እዚ ብስመይ ዝተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተበለ እንተ ለመን ገጸይውን እንተደለየ ካብ ኩፉኡ መንገዱ ድማ እንተተመልሰ። ሹዑ ኣነ ካብ ሰማይ ክሰምዕዖ እየ ሓጥያቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም ምድሮም ድማ ክፍውሰሎም እየ።>> 2ዜና 7።14። እዚ ተስፋ እዚ ዘይልወጥ ኣብ ዘመናት ድማ ዝሰርሐ ተስፋ ኣምላኽ ንኹሉ ፍጥረት ወዲ ኣዳም ዝዝተዋህበ እዩ።

ደቂ እስርኣኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ በደልን ሓጥያትን ክፍጽሙ እንከለዉ ኢድ ኣእጊዝኣብሄር ኣብኦም ትኸብድ ኔራ። ኣብ ኣዚዩ ከቢድ ጭንቅን ስቓይን ድማ ይኣትዉ ነበሩ። ክሳብ ነፍሶም እትምረር ድማ ኣዚዩ ይጨንቆምን ይመሮምን ነበር። እቲ እንኰ ካብ ዝነበሮም ኣደራዕ ዝገላገልሉ ዝነበሩ መንገዲ ድማ ዘለዎም ሓጥያት ተኣሚኖም ኣእዳዎም ምስ ናይ ልቦም ናብ ኣምላኽ ምዝርጋሕ እዩ ኔሩ። ከምዚ ምስ ገበሩ ድማ ነፍሶም ዕረፍቲ ረኺባስ እታ ሃገር ብምልእታ ኣብ ህድኣት ትኣቱ እሞ በረኸት ሰማይን ምድሮምን እናበልዕ ድማ ብዘይ ሓደ ተጻባኢ ብሰላም ይነብሩ ነበሩ።

ዛንታ ደቂ እስራኢል ንዓና ሓደ ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ታሪኾም ኩሉ ድማ ነዚ ሕጂ ዘሎና ናብራ ንጹር ዝዀነ መስትያት እዩ። ንሕና ድማ ካብ መራሕትና ክሳብ ህጻውንትና ኩላትና ቭሓቢርና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ክንብል ከሎና ጥራይ እዩ ተስፋና ተሓዲሱ ነገርና ተለዊጡ ሰላምና ዓብዩ ሃድኢና ክንብር መሰል ዝወሃበና። ትዕቢትና እንትርፎ ውድቀትን መርገምን ዝመጻልና ዝዀነ ፍጹም ለውጢ የለን ስለዚ ኣምላኽ ህjኢ ትሕት ክንብል እሞ ናይዚ ውጺት ድማ መንፈሱ ከፍስስልና ይደልን ይብህግን ኣሎ።

ኩላትና እንፈልጦ ኣብ ሃገርና ድማ ከምልማድ እንዘውትሮ ጾም ነንዊ ኢልና እንጽዎዓ ነገር ኣሎ እዩ። ሰብ ነንዌ ብነቢ ዮናስ ብሰንኪ ሓትያቶም እታ ሃገር ብምልኣ ክትግልበጥ ምኻና ምስ ተነግሮም ካብ ንጉሶም ክሳብ እቶም ልቢ ዘይብሎም እንስስታት ከይተረፈ ንሰለሰተ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንፍርዶም ደው ዝበለ ኣምላኽ ብትሕትናን ብንስሓን ቀሪቦም ኣምላኽ ድማ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከተማ ነነዌ ዝነበሩ120 ሺሕ ሕዝቢ ጊዲ ስለ ዝበሎ ካብቲ ዘይውዳኣ ሪቕ ምሕረቱ ዓቢ ሳህሉ ኣርእይዎም። ሰብ ነነዌ ብሓሳብ ጥራይ ዘይኰኑስ ብልቦምን ብግብርን እዮ ተመሊሶም። ንሕና ኸ ሎሚ? ብዙሕ ጊዜ ኣባና ዝርኣ ምምላስ ኣፋዊ እምበር ግብራዊ ስለ ዘይኰነ እቲ ውጺት ኣዚዩ ሒደት እዩ።

ኣምላኽ ናይ ውሽጢ እምበር እቲ እንገብሮ ደጋዊ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ብፍጹም ኣየገድሶን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ መድሓኒና ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንፈርሳውያን ከምዚ ክብል ዝተዛረቦም። <<ኣቱም ጉቡዛት ፈርሳውያንን ጸሃፍትን ዝብን ዋናጫ መሬትን ጻሕልን ትሓጽቡ ዉሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ሙሉእ እዩ እሞ ወይለኹም>> ማቴ 23።25። ካብዚ እንመሃሮ ዓቢ ኣስተምህሮ እምብኣር ኣምላኽ ብዛዕባ ኣቲ ኣውሽጥና ዘሎ ህልው ኩነታት ኣምበር ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዝናን ክብርን ክንረኽበሉ ኢልና ኣነካይዶ መንፈሳዊ ንጥፈታት ፈቲና ጸሊእና ኣብ ቅዲሚ ሰባት እምበር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቕባልነት የብሉን። ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትንሎሚ ከም ሰብ ነነዌ ብምሉኣ ልብና ናብ ፈጣሪ ክሳብ ዘይተመለስና እዋን ኣብ ኣህጉርናን ዓለምናን ፍትሒ ነጊሱ ክንሪኢ ዘይሕለምን ዘይሕሰብን እዩ። ንሕና ባዕላትና ተጠቀምቲ ጸጋታትና ኰይና ካብ ድክነትን ምጽወታን ተገላጊልና ብዘይፍርሒ ብህድኣት መታን ክንበር እዩ ኣምላኽ ዝደልየና። ኣብ ብዙሓት ክፋል ዓለምና እቶም ንኣምላኽ ቀዳምነት ዝህቡ ሕብረተሰብ ጥራይ እዮም ኣብ ቡዙሕ መዳይ ህይወትም በረከት ዝለማመዱ ዘለዉ እዚ ድማ ታሪኽ ዝምስክሮ ዘሎ ኣሉ ክበሃሎ ዘይከኣል ሓቒ እዩ። ሎሚ እምበኣር ከይወዓልና ከይሓደርና እንምለሰሉ ጊዜን ሰዓትን ምዃኑ ተረዲኢና ግብረመልሲ ንምውሳድ ንበገስ።

<<እምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዙማን ናባይ ተመለሱ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ንኹራ ደንጓዪ ብሳህሊ ከኣ ምሉእ ብእከይ ድማ ተጣዓስይ ርሕሩሑን መሓርን እዩ እም ክንዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ቅደዱ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ>> ዩኢል 3።12-14። ነዚ መልእኽቲ ኣምላኽ ምስ ተቐበልና ድማ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዓቢ ነገር ከምዘሎ እዩ እቲ ነብይ ዝነግረና። ከምዚ ድማ ይብል << እቲ ሃገር እግዚኣብሄር ዓቢዩ ነገር ገይሩ እዩ እሞ ኣይትፍርሂ ተሓጎስ ባህ እውን ይበልኪ>> ዩኤል 3።21።

ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን እምበኣር ዘመን ምሕዳስ ክመጸልና ነገርና ድማ መዕልቦ ክግበረሉ እንተደሊና እቲ ምፍትሕ ኣብ እድና እዩ ዘሎ ንሱ ድማ ከምት ኢደጋጊምና ዝሃበርናዮ ናብ ኣምላኽ ንመለስ። ኣብዛ ጽድቃ ዝደርበየት ዓለም ብቕድስና ንምንባር ክንክእል ኣብዛ ፍትሓዊት ዘይኰነት ዓለም ፍትሒ ክነግሰልና ኣብዛ ዓማጺት ዓለም ህድኣትና ክዓቢ ሎሚ እቲ ዘሎና መንፈሳዊ ጸገም ኣስተኻኺልና ናብ እቲ ኹሉ ዝኽእል ፈጣሪ ኩላ ዓለም ዝዀነ ኣምላኽ ንመለስ። ንደቂ ሰባት እቲ እንኰ ናይ መቸረሻ መፍቲሕን መዕረፍን የሱስ ክርስቶስ በይኑ ጥራይ እዩ። ካብኡ ወጻኢ ኩሉ ገለ ነገር ከንቱን ናብ መወዳእታ ዘየብጽሓና ነገር እዩ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ንቶም ህዝቢ ክዛረቦም ከሎ ከምዚ ይብሎም። <<እምብኣርሲ ሓጥያትኩም ክድምሰሰልኩም ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ድማ ዘመን ዕረፍቲ ክመጸልኩም ነቲ ቐደም ንኣኻትኩም እትሓርየ ክርስቶስ ድማ ክስደደልኩምሲ ተመለሱን ተነስሑን>> ግብ 3።19። ስለዚ ዘመን ዕረፍቲ ዘመን ምጽንናዕን ዘመን ምሕዳስን ኣብ ቅድሜና እዩ ዘሎ እሞ ሃየ እዚ ዓቢ ዝኸነ መንፈሳዊ በረኸት ከየምልጠና ሎሚ ካብ እቲ ሒዝናዮ ዘሎን ጉጉይ መገድን ካብት ኢዘሎና ኣምላኽ ባህ ዘየብሎን ህይወትን ተመሊሳና ናብ ኣምላኽ ንመለስ።

ኣብ ቅድሜና በረኸትን መርገምን ህይወትን ሞትን ተነቢሩልና ኣሎ። እቲ ምሕራይ ግና ናትና እዩ። ሎሚ እምበኣር ከምሃገር ከም ቤተሰብ ውልቀሰብ ካብ ዘሎና ንኣምላኽ ባህ ዘየብል ነገር ክሳብ ዘይተመለስና ጊዜ ካብቲ ዘሎ ክገድድ እምበር ክጢኦኢ ከመዘይኮነ ንረዳእ ኢና እሞ ናብ ኣማልኽ ንመለስ። ሐራይ እንተበልክምን እንተ ተኣዘዝኩምን ጣዕሚ እታ ምድሪ ክትበልዑ ኢኺም እምቢ እንተበልኩም ግና ብሰይፊ እታ ምድሪ ክትዋሓጡ ኢኩም ኢሰያስ 1።18 ሎሚ ነይናይ ንሓሪ።

ስለዚ እምብኣር ኣብዛ ምድሪ በረኸት ክንዓጽድ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ካብቲ ንደቂሰባት ተዳልይሎም ዘሎ መቕጻዕቲ ገሃንም ከነምልጥ መታን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ንመለስ። ኣብ ክድሜና ክልተ ነገር እዩ ተዳሊሉና ዘሎ ሞትን ህይወትን መርገምን በረኸትን እቲ ምርጫ ግና ኣብ ነፍስወከፍና እዩ። ሎሚ ንስኻ/ኺ  ካብ ተሸሚምኩሙሉ ዘለኹም ዓዘቕቲ ክትወጹ እቲ መንገዲ ሓደ እዩ። ንሱ ኸኣ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ። ሃገርን ቤትን ክፍወስ መጀመርያ ፈውሲ ኣባኻ/ኺ ክጅመር ኣሎዎ ነዚ እውን ህጂ ምስ ኣምላኽ ብምትዕራቕ ክትገብሮ ይከኣል እዩ።