24
Wed, Apr
0 New Articles

ኣምላኽ እንቋዕ ሰብ ኣይኮነ

Message 1
Typography
ኣብዛ ሕልኽላኽ ዝበዝሓ ዓለም፣ ኣብዛ ፍትሒ ኣልቦ ዝኾነት ምድሪ፣ ኣብዛ ዓመጽን ተንኮልን ዝዓብለላ መሬት፣ ኣብዛ ዓለማውነትን ርኽሰትን ዝበዝሓ ቦታ ኢና ንነብር ዘሎና። መብዛሕትና ስለምንታይ ናብዛ ከምዚኣ ዝበለት ዓለም መጺኣ ኢልና ነቲ ዝደኮነና ኣምላኽ ዝሓመናሉ ጊዜያት ዉሑድ ኣይኮነን።

ምፍጣርና ኣጣዒስና ኸኣ እንስሳ ክንከውን ወይ ተንኸውን ኢልና ዝተመነናሉ ሰዓት እውን ውሑድ ኣይኮነን። ኢፍትሓውነት እዛ ዓለም እናተሓሳሰበና ድማ ንኣምላኽ ከም መዳላውን ሻረኛን ጌርና እንወስደሉ ሰዓት ሒደት ኣይኮነን። ኣብቲ ፍትሒ ዝደለናሉ ሰዓት ፍትሒ ምስ ተደፍነና ኣብቲ ገለ ዝደለናሉ እሞ ኸኣ ዘይረኸብናሉ እዋን፣ ኣብቲ ገለ እናሰለጦ ንዓና ግና ምስላጥ ክኣብየና ከሎ። ኣብቲ ውሒድና ከሎ ገለ ግና በዚሕዎም ክጻፍዑ ኣብ እንርእየሉ እዋን ዝስማዕና ስሚዒት ኣሎ እዩ። ብዝሑ ሰዕ ከኣ ኣብዛ ምድሪ ነዚ ዕጫ ዝተፈጠርና ኮይኑ ይስማዕና እዩ።

ሰብ እዚ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ፉጡር ወዲ ኣዳም ብኸምኡ ሰብ ክግፋዕን ክስቀን ክንሪኢ ከሎና ከኣ እምላኽ ብርግጽ ይግደስ ድዩ? ኣምላኽ ነዚ ይርእዮ ኣሎ ድዩ? እናበልና ምስ ኣምላኽን ገዛእ ርእስናን ንማጎት በዚ ከምዚ ኣብ ምንጽርጻርን ተስፋ ምቕራጽን ዝኣተና ሰባት ሕደት ኣይኮናን። ገለ ገለ ሰባትሲ ወረግ ኣምላኽ የሎን ኣብ ምባል በጺሖም ኣለዉ። ነዚ ዘለዎም ስነ ሞጎት ከኣ ዘቕርብዎ መርትዖ ኣለዎም እዩ። ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እንተ ዝህሉ ድኣ እዚ ስለምንታይ ኮይኑ? እዚ ስለምናታይ ተፈጺሙ? ኣእምርኦም ብስለምንታይ ዝተመልኣ እዩ።

እስከ ሓደ ሕቶ ክንሓትት እዚ ኹሉ ኣብ ዓለም ዝግበር ዘሎ ዘይፍትሓውነትን ዓመጽን በደልንሲ ኣምላኽ ይርእዮ ድዩ? ኣምላኽ ይዕዘቦ እንተሎ ደኣ ስለምንታይ እዚ ኹሉ ዝፍጽመ ዘሎ? ወይሲ ነዚ ዝኸውን ዘሎ ደው ከብል ዓቕሚ የብሉን ድዩ? እዚ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ምሕታትና በደል ኣይኮነን። እቲ ኣበሳ ዝከውን ዘሎ ነቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ህልዊ ኩነታት ከም ዘይግደስን ከም ዘይርእን ጌራና ክንኣምኖ ከሎና ጥራይ እዩ።

ሓደ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ሰባት ንዳዊት ናይ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ሓተቲቶሞ እዮም ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ? ዳዊት ክምልሰሎም ከሎ ከምዚ ኢልዎም ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ኣሎ ዝደለዮ ኸኣ ኩሉ ይገብር ኣሎ። ኣምላኽ ነቲ ብመልክዕን ብምስሉን ዝፈጠሮ ወዲ ኣዳም በዚ ሕጂ ኣብ ዓለም ዝሓልፎ ዘሎ ዝተፈላለየ ኣደራዕ ክሓልፍ ፍቓድ ናቱ ኣይኮነን፣ እዚ ኹሉ መጽዩን ተፈጢሩን ዘሎ ኣምላኽ ብስቓይ ሰባት ስለ ዝሕጎስን ባህ ዝብሎን ስለ ዝኮነ ዘይኮነ ባዕሉ እቲ ዝፈጠሮ ሰብ ወዲ ኣዳም ነዚ ዕነወት እዚ ምስ ሰይጣን ተሓባቢሩ ዘመጾ እዩ።

እሞ ማለትካ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰባት ይግደስ እዩ ዲኻ ትብል ዘለኻ?  ብኸመይ? እዚ ኹሉ እናሓለፍኩ? ብዛዕባ እዚ ክጽሕፍ ከለኹ ሓደ ነገር ትዝ ኢሉኒ ብዛዕባ ሓደ ፉሉጥ ሳይንትስቲ ዝሰማዕክዎ ዛንታ እዩ። እዚ ምሁር ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ስለ ዝነበረ ኣብ ዘመን ህይወቱ ብዙሕ ምርምራት እዩ ኣካይዱ፣ ሓደ ግዜ ኣብቲ ምርምር ዝገብረሉ ዝነበረ ላፕራቶርይኡ ዘይተጸበዮ ባርዕ ሓዊ ኣጋጠሞ እሞ ነቲ ንዓመታት ዝተመራመሮ ኩሉ ሃመኾ። ወዱ መጺኡ ነዚ ምስ ረኣየ ኣቦ ኦሮማይ በሎ። ኣቡኡ ኸኣ ኣይፋል እዚ ወደይ ኣምላኽ ኣብቲ ቦታ ገለ ዘይጠቅም ነገር ስለ ዝረኣየ እዩ እዚ ዝኾነ ብምባል ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ብምትራር ካብቲ ዝነበሮ ናይ ቀደም ዕዮ ዕውት ስራሕ ሰሪሑ ሓሊፉ።

ሓቂ እዩ ኣነ ንስኻትኩም ኣብ ህይወትና ዘይርደኣና ነገር የጋጥመና እዩ። ሰባት እንተኸኑ ነቲ ከምኦም ሰብ ብፍጹም ኣይርድእሉን እዮም። ኣምላኽ ክንሓዝን ፍትሒ ክጎድለና ክነብዕ ስለምንታይ ኢልና ክንሓትት ከሎና ዘይርእየና ኣይኮነን ይርእየና እዩ። ብሰንኪ እዚ ነገር እዚ እምነትና ክፍተንን ክጎድልን ከሎ ኣምላኽ ከም ሰብ ኮይኑ ኣይበልኩን ዶ ረኣይዎም ደኺሞም ኢሉ ዝባኑ ብፉጹም ኣይህበናን እዩ። ኣምሳዩኡ ይድንግጸልናን ይርሕርሃልናን እዩ። ኣምላኽ እቲ ነዛ ከባብ ዓለም ዝፈጠረ ኣብ ላዕሊ ኾይኑ ይዕዘብን ይርእን እዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ህይወተይን ህይወትካን ዝኸውን ዘሎ ኩሉ ነገር ኣምላኽ ይርእ እዩ።

እሞ ሓራይ እዚ ኩሉ ንሓልፎ ዘሎና ይርእዮ እንተሎ ድኣ ስለምንታይ ገለ ነገር ዘይገብር ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮኻ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ገለ ነገር ካብ ምግባር ኣብ ዘመናት ኩሉ ስቕ ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ካባይን ካባኻን ዝድልዮ ነገር ኣሎ ንሱ ከኣ ናብኡ ንምጻእ እሞ ብዛዕባ ነገርና ምስኡ ንማጎት ከመይሲ ንሱ ጥራይ እዩ ዝርዳእ። ኣብዛ ማዕበል ዘይፍት ሓውነትን ጓህን ቃንዛን መሊእዋ ትልብለብ ዘላ ዓለም ኣነን ንስኻን ግና እምንቶና ኣቡኡ ብምግባር ካብዚ ናይ ሕጂ ዋዕን ሽንቦባን ክንሽፈን ንኽእል ኢና። እዚ ማለት ግና ብዘይስቓይን መጉዳእትን ማለተይ ኣይኮንኩን የግዳስ ኩሉ ሰዓ ኣብ ኩሉ እዋን ነዚ ዝርዳኣ ኣምላኽ ብምእማና ንሕጎስ እሞ ሓንቲ መዓልቲ ከኣ ከም ዝረድኣና ኣሚና ኣብዛ ምድሪ ብዓወት ናብራን ንመርሕ።

ኣብዛ ምድሪ ስቓይን ዘይፍትሓውነትን ጓህን ክሳብ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ዝመጽእ ክቕጽል እዩ። ሰብ ከኣ በቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተ ዘይኣሚኑ በዚ ንፋስ እዚ እናተሃርመ ክሳብ ትንፋሱ ዘላ ትልኽ እናበለ ክነብር እዩ። እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝኣመነ ግና ወትሩ ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ኹሉ ዝኽእል ስለ ዝነብር ብጽላል እቲ ዘልኣለማዊ ኸኣ ስለ ዘጽልል ካብቲ ዝመጽእ ቁጠዓ ከምልጥ ናይ ግድን እዩ። ኣምላኽ ንዘሎና ውሽጣዊ ጓህን ቃንዛን ዘይርዳኣ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብዛ እንትርፎ ህርፋን ምጽንናዕ ዘይትረኽበላ ዓለም ደባሲ ክኸውን ዝኽእል ኣካል እንተሃልዩ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ።

ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን ኣብዚ ኩሉ መሊእልካ ከሎ ዘይትዓግበሉ እዋን፣ ኣብዚ ክብረት ከም ሓመድ ዝበዝሐሉ ሰዓት ክብሪ ዘይብልካ ኮይኑ ዝስማዓሉ እዋን፣ ኣምላኽ እወ ንሱ እቲ ዘፈቀረና መግለጺ ሕያውነቱን ፍቕሩን ከኣ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝለኣከልና ጥራይ እዩ ዕጋበትናን ምጽንናዕናን ክከውን ዝኽእል። ኣብዚ ናይ ጸልማት እዋን ንፍትሒ ኣእዊኻ ዘይትስማዓሉ፣ ንሓገዝ ጠሪዕካ መልሲ ዘይትረኸበል ህሞት ኢና ንነብር ዘሎና እሞ ንሕና ካብዚ ንመንፈስን ንስጋን ዘማህምን ኣብ ተስፋ ቕርጸት ዝሸምም ሓደጋ ከነምልጥ ኣእዳውና ምስ ናይ ልብና ናብ ኣምላኽ ብምልዓል ንመለስ፣ ንሱ ድማ ክምለሰና እዩ።

ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ክዝምር እንከሎ ከምዚ ኢሉ ኣሎ <<ሰኣን ዘናግፈኒ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣባኻ ኣዕቁብ እኔኹ ካብ ኩሎም ሰጎግተይ ኣድሕነንን ኣናግፈንን>> መዝሙር 7፣1። ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ሎሚ እቲ እንክ መምለጢ ሓደ እዩ ንሱ ከኣ እቲ ካብ ኩሉ ጽላልን መዕቖብን ዝከውን ኣምላኽ ጥራይ እዩ። መንገዲ ህይወት ኩሉ ጥጡሕ ኣይኮነን ዳራጋ ናይዛ ምድሪ ጉዕዞ ኩላተን ሓርፋፋት እየን። ወትሩ ኸኣ ብሓጎጽጎጽን ሸንቦባን እያ ትሓልፍ። እታ ዋሕሳ ኣብ ኣምላኽ ዝገበረት ነፍሲ ግና ነዚ ኩሉ ሓሊፋ ሓንቲ መዓልቲ ከም እትዕወት ዘጠራጥር የብሉን። ብኣንጻሩ ነቲ ነዚ ናይ ኣምላኽ ጽላልን ፍቕርን ዘይትርዳኣን ዘየስተውዓለትን ነፍሲ ግና ወትሩ ኣብ ስቓይን ኣብ ተስፋ ቑር`ጸትን ምንባራ ዘይተርፍ እዩ።

ህይወት ብርባርባ ድነ ሞት ትሓልፍ እያ። ነፍሲ ብሓዘንን ስቓይን ትሓልፍን እያ ግና ኣብ ምርኩስ ኣምላኽ ተሞርኪስና ኣብ በትሪ የሱስ ተደጊፍና ግና ነዛ ብድነ ዝተኸበት ዓለም ሲዒርናያ ክንሓልፍ ንክእል ኢና። እሞ እንታይ ንግበር ነቲ ኩሉ ዝኽእል ጓሳና ንግበሮ። ሽዕ ክንብል ኢና እግዚኣብሄር ጓሳይ እዩ ዝጎድለኒ የብለይን ብድነ ሩባ ሞት እካ እንተከድኩ ኩፉኡ ኣይፈርህን እየ በትርኻን ምርኩስካን ከጸናናዓኒ እየን ንዘልኣለም ከኣ ኣብ ቤት ኣምላኽ ክነብር አየ ክንብል ኢና። ነዚ ሎሚ ኣንጸላሊና ዘሎ ዋዕን ቅልውላውን ካልእን ክንሰግሮ እንኽእል ኣብቲ ክርዳልናን ከጸናንዓና ዝኽእል ኣምላኽ ተስፋ ብምግባር ጥራይ እዩ። እምበኣር ካልእሲ ርኢናዮ እንዲና መዓስ ከምተጸበናዮ ጸኒሕና።

ብፍላይ ኣብዛ ዓለምና ካብ ማንም ንላዕሊ ብዝተፈላለየ ጭንቅን ስቓይን ዝሓልፍ ዘሎ መንእሰይ እዩ። ሕልሙ ራኢኡ ካልእ ክነሱ ዝሓልፎ ዘሎ ኣደራዕን ሕሰምን ግና መዘና ኣልቦ መዳርግቲ የብሉን። ብሰንኪ ዝተደራረቦ ስቓይ ከኣ ካብ ተስፋ ቑርጸት ሓሊፉ ኣብ ዘይተደልየ ወልፊ ዝኣተወን ከሙኡ ከኣ ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ እምነት ንድሕሪት ዝተመልሰ ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ መንእሰያት ዝመጸና ሕቶ እንድሕር ሃልዩ ኮይኑ ንምኻኑ ኣምላኽ ኣሎ ድዩ? ስለምንታይ ኣብ ነገረይ ጣልቃ ዘይኣተው? ነዚ ሕቶ ብምሕታትና ገበን ወይ በደል ኣይኮነን ከምይሲ ኣምላኽ ነዚ ዝርዳኣ ንሕቶና ዝኸውን መልሲ ድማ ስለ ዘለዎ።

ኣብ ትንቢተ እሰያስ ዝተጻሕፈ ሓደ ቓል ኣሎ ከምዚ ይብል <<ጽዮን ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉኒ ረሲዒኒ ጠንጢኑኒ እዩ በለት>> እዚ ድምጺ እዚ ናይ እስራኤላውያን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ብፍቕሪ ከምዚ ክብል መሊስሎም << ኣደ ዶ ንፍረ ከርሳ ትርስዖ እያ? ንሳ እኳ እንተረሰዓት ኣነ ግና ኣይርስዓክን እየ ኣብ ኢደይ ወቒጠኪ እየ>> ሓቂ እዩ ዝተረሳዕና ዝመሰልና ግዜ ኣሎ ጸሎትና ናብ ሰማይ ዘይዓረገ ኮይኑ ዝስማዓና ሰዓት ኣሎ። ኩሉ ሕውስውስ ኢልና ስለምንታይ እዚ ንዓይ ዝበልናሉ እንብለሉ ግዜያት እውን ኣሎ። እንሓንሳብ ንዘሎና ምረት ንምግላጹ ክሳብ እንሽገር ንኸውን ኢና። ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ሃዋህው እንከሎና ሰባት ክርድኡልና ኣይክእሉን ይኾኑ እንተ ተረዶኦም ከኣ ዝህብኡና ተስፋ ዉሱን እዩ ከመይሲ ኩላትና ሰባት ውሱናትን ዱሩታትን ስለ ዝኾና። ነዚ ኩሉ ነገርና መፍቲሕን ተስፋን ዘለዎ ግና ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ንሱ ዝርዳኣ ኣምላኽ እዩ።

ሰብ ጸገምካ ፈሊጡ ምሳኻ እዩ ክደናገጽ ዝክእል እንተኸኣለ ኸኣ ምሉኡ ዘይኮነ ረድኤት ይኮነካ ኣምላኽ ግና ብስቓይ ዝስቀ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ ንስቓይካን ጸገምካን ተረድኢ ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜ መፍቲሒ ዘምጽእ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ንጭፍሉቕ ሻንብቆ ኣይሰብርን ንዝተክኽ ጥዋፍ ከኣ ኣይጥፈን እዩ። ኣምላኽ ከም ዝረኣዮ ኣይፈርድን መልክዕ ሰብ ርእዩ ኸኣ ኣየዳሉን እዩ። ኣምላኽ ናይ ውሽጥና ዝርዳኣ ኣምላኽ እዩ። ካብ ረግረግ ጸብሪ ናብ ኣምላኽ ኣእወኹ ንሱ ከኣ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዖ ይብል ዳዊት። ካብይ ኮይኑ የእውዩ ካብ ረግረግ ጸብሪ እዚ ማለት ከኣ ኣብ ውሽጢ መከራን ሽቓይን ኣብ ምሕላልን ምድረበዳን ከሎ ናብ ኣምላኽ የውዩ ኣምላኽ ከኣ ሰምዖ።

ኣምላኽ ገዓርና ዝሰምዕን ንእህህታና ኣቓልቦ ዝህብ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ድኻምና ዝርዳእ ብውድቀትና ዘይሕጎስ ጎደለና ዝፈልጥ ንሰናይና ከኣ ዝድግፍ ኣምላኽ እዩ። እሞ ናትና ግደ እንታይ እዩ? ንሱ ፍትሒ ክሳብ ዘውጻልና ጸሃይ ጽድቂ ክሳብ ዘብርቐልና ናብኡ ነእዊ ንሱሙ ንጸውዕ ናብኡ ንቕረብ። እታ ዘለናያ ጃልባ ማዕበል ናብትን ናብትን ክደፍኣ ከሎ እሞ ኸኣ ንገብሮ ጠፊእና ክንጭነቕን ኣብ ተስፋ ምስኣንን ክንወድቕ ከሎና። ኣቲ ንክእሎ ክሉ ፈቲና ዓቕልና ምስ ኣጽበብና ወይለይ በቃ ምስ በልና የሱስ ንጃልባና ከህድእ ክመጽእ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ህሞት ዘለኹም ሰባት ኣጆኹም ዘለኩም ኩሉ ሃዋህው ዝርዳኣ ኣምላኽ ኣለኩም። ሚዛን ስቓይ ሰብ ዝመዝን ኣምላኽ ጥራይ። ስለዚ ኣጆኹም። ከምቲ ነብይ ምክያስ ዝበሎ ኣንቲ ጸላኢተይ ብኣይ ብህ ኣይበልኪ እንተወደቕኩ ክትንስእ እየ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥኩ ከኣ ኣምላኽ ብርሃነይ እዩ ዝበለ ንሕና ኸኣ ኣፍና መሊእና ከሙእ ንበል። ስለምንታይ እንተ ኢልና ኣምላኽ ዝርዳኣ እምላክ እዩ። መንፈስ ኣምላኽ ናይ ምጽንናዕ መንፈስ እዩ። እዚ መንፈስ እዚ ዘናኒ መንፈስ እዩ።

ኣብ ግዜ ጓሂናን ሓዘናን ስቓይናን ሰባት ከባጭውልና ይኽእሉ እዮም ኣበይ ኣሎ ኣምላኽኩም ክብልና ይኽእሉ እዮም። መልስና ግና ኢዚ ይኹን ኣምላኽና ኣብ ሰማያት ኣሎ ዝደለዮ ኸኣ ይገብር ኣሎ ኢልና ንጸላኢ ዕድል ኣይንሃቦ። ጸላኢ ኣምላኽ እንተ ዝነብር ደኣ እዚ ኩሉ ክብል ከሎ። ሰባት ኣምላኹ ረሲዕዎ እዩ ኢሎም ክሓምዩ ከለዉ እዝኒ ኣይትሃቦም። ነዚኣቶም ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ ኮይኑ እዩ ዝስሕቖም ንስኻ ድማ ግዜ ካሕሳ ከምዘሎ ፈሊጥካ ሰሓቆም ኢኻ።

ሓደ ጊዜ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ዝተፈጸመ ዛንታ ኣሎ እዩ። ብዛዕባ ጊደዎን ዝብሃል መንእሰይ እዩ። ጊደዎን ኣብቲ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣማሊቓውያን ዝነበረ መንእሰይ እዩ። ኣማሊቓውያን ኣዚዮም ጨካናትን ሑሱማትን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ኣደራዕ ድማ ማእለያ የብሉን። ከምዚ ሕጂ ንሕና ኮይናዮ ዘሎና እቲ ህዝቢ ኣዚዩ ኣብ ዓቢ ምረት ዝነበረሉ ሰዓት እዩ። ጊደዉን እውን ናይዚ ሰለባ እዩ ኔሩ።

ኣብ ኣእምሮ ጊደዎን ሓደ ሕቶ ኔሩ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ብርግጽ ኣሎ ድዩ? ኣምላኽ እንተዝህሉ ድኣ እዚ ኹሉ ስለምንታይ እዚ ኹሉ ሕማቕ ነገር ይከውን ኣሎ? ንሕና ኸኣ ተስፋ ኣሎና ድዩ? ደጊም ኣኺሉና እዩ ክሳብ ዘሎና ኣብ ኢድ ኣማሊቓውያን ኮይና ዘመን ህይወትና ብምረት ከንሕልፎ ማለት ድዩ? ጊደዎን እዚ ዝበል ካብ ዘለዎ ምረትን ስቓይን እዩ። እዚ ቓል ጊደዎን ኣነ ባዕለይ ካልኦት እውን ክንደይሳዕ ዝደጋገምናዮ ቓል እዩ። ጊደዎን ኣብ ከምዚ ህሞት እንከሎ ኸኣ እዩ ኣምላኽ ተገሊጽሉ። ነቲ ካብ ጸላእቱ ተሓቢኡ ናይ ዕለት እንጌርኡ ዝምእርር   እሞ ኸኣ ወትሩ ኣብ ዓቢ ተስፋ ቑርጸትን ምረትን ዝንበረ ጊደዎን ኣምላኽ  ኣንታ ሓያል ጅግና ኢልዎ። ኣብቲ እዋን እቲ እቲ ኣብ ልቢ እዚ መንእሰይ ዝነበረ ኩሉ ሕቶ ናብ ኣምላኽ ኣፍሲስዎ። ኣምላኽ ኸኣ ንኹሉ ሕቱኡ መልሲ ሂብዎ ኣምላኽ ከኣ ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ሰዓት ረዲኢዎ።

እወ ዘለና ምረትን ስቓይን ልዕሊ ቃላትና ኮይኑ ኣብ ዓቢ ጭንከት ከም ዘሎና ርዱእ እዩ። ክሳብ ህላውነት ኣምላኽ ዝተጠራጠርናሉ እዋን ኣሎ። እዚ ኹሉ ክኸውን ግና ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዩ ንሱ ኸኣ ንሓልፎ ዘበል ኹሉ ይርድኦ እዩ።  ከም ሰብ ዝባኑ ሂብና ኣይከይድን እዩ።

ሎሚ እምበኣር ኩብራት ኣሕዋትን ኣሓትን ሰባት ፍትሒ ከምጹልና ዘበት እዩ። ስለዚ ከምቲ እስራኤልውያን ኣብ ዘመን ፈርኦን እህህ ዝብሉ ዝነበሩ ንሕና ድማ ምረትና ስቓይና ጓሂና መከራና ሒዝና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ነእዊ ንሱ ይርዳእ እዩ። ዎ ኣምላኽ ኣይትረድኣናን ዲኻ? ዎ ኣምላክ ድኻምና ሪኢኻ ምሕረት ግበረልና እናበልና ኣብ ኣምላኽ ምድፋእ ኣይነቃርጽ ክሳብ ዝረድኣና ናብኡ ነእዊ ንሱ ኸኣ ሓንቲ መዓልቲ ከም ዝዝክረና ርዱኡ እዩ።

ስለዚ ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ሕቶ ብዝሑ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ ዝብል ነገር ንኣእምሮና መሊኦዎ ክከውን ይኽእል እዩ። ነቲ ዘሎና ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ሒዝና ናብ ኣምላኽ ንምጻእ ንሱ ከኣ በቲ ንዑ ባህ ዘብል መንገዲ ናባና ክመጽእን ክረድኣናን እዩ። ክሳብ ሕጂ ሳሉእ ኢና ንንበር ዘሎና ጽባሕ እውን እንተ ኾነ ንሱ ይፈልጥ።