ግንቦት 13፣ 2007 ጸሎት ኤርትራውያን ካብ ኣርባዕቲኣኡ መኣዝን ዓለምና ናብ ሰማይ ዓሪጉ። ብፍላይ ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ኸኣ ልዕሊ 300 ሰባት ዝተኻፈልዎ ጸሎት ተኻይዱ። ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኤርትራ ግንቦት 13 2007 ኣብ ብዘሎ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያንን ብዛዕባ ኤርትራ ጾር ዘለዎም ሰባትን ብናይ ንስሓን ምህለላን መንፈስ ተኻይዱ።
ግንቦት 13፣ 2007 ጸሎት ኤርትራውያን ካብ ኣርባዕቲኣኡ መኣዝን ዓለምና ናብ ሰማይ ዓሪጉ። ብፍላይ ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ኸኣ ልዕሊ 300 ሰባት ዝተኻፈልዎ ጸሎት ተኻይዱ። ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኤርትራ ግንቦት 13 2007 ኣብ ብዘሎ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያንን ብዛዕባ ኤርትራ ጾር ዘለዎም ሰባትን ብናይ ንስሓን ምህለላን መንፈስ ተኻይዱ። እዚ ብሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተኣወጀ ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኣብ ብዝሎ ኩርናዕ ዓለም ተቓሊሑን ተኣውጁን እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ምእመናንን ፈተውቲ ኤርትራን ብሓደ ልብን ብሓድነትን ብስቡር መንፈስን ስለ እታ ኣብ መከራን ጭንቕን ዘላ ኤርትራ ብንብዓትን ቁዝማን ንስሓን ናብ ኣምላኽ ቐሪቦም ዊዒሎም። እዚ “ኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ክህበካ ለምነኒ።” (መዝ 2 ፣ 8) ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ዝተኻየደ ጸሎት፣ ኣምላኽ ሰማይ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ዘሎዎ ዓቢ ዕላማ ከመይ ግሩም ምዃኑ መርኣያ እዩ። ነዚ ጸሎት ብሓደ ልብን መንፈስን ካብ ዝተጸንበርዎ ንምጥቃስ፣ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኣብ ኣውሮጳ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ኣፍሪቓን ዝርከባ ናይ ኤርትራውያን አብያተክርስቲያናት፣ ካብ እስራኤል ድማ “ዘ ፕረየር ሃውስ” ዝብሃል ኣብ ሚእቲ ሃገራት ናይ ጸሎት መርበብ ዘለዎ ኣገልግሎት ኣገልጋሊ ዝኾነ ፓስተር ቶም ሃስ ምስ ኩሎም መገላግልቱን ሓያሎ ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ዝርከቡ ናይ ኣይሁድ ጉባኤን ካልኦትን ክኾና ከለዋ ብፍላይ ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ናይሮቢ ሲነማ ድማ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ተኣኪብሞ ካብ ሰዓት 2፣30 ድ.ቐ. ክሳብ 11፣30 ድ.ቐ. ብልቢ ክጽልዩ ዊዕሎምን ኣምስዮምን። እዛ መዓልቲ እዚኣ ካብ ካልኦት መዓልታት ፍልይቲ ዝገብራ፣ ኤርትራውያንን ፈተወቲ ኤርትራን እቶም ብስም ጥራይ እኳ ዝፈልጥዋ ሰባትን ስለ እዛ ፍቕርቲ ሃገር ኣብ ኣምላኽ ንብዓቶም ከፍስሱ ምውዓሎም እዩ። ናብቲ ኣብ ናይሮቢ ከንያ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ሃዋህው ምስ እንምለስ እቲ ኩነት ከምዚ ዝስዕብ እዩ ኔሩ። እቲ ናይ ጸሎት መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 2፣30 ድ.ቐ. ብሓው ፓስተር ተኸለሃይማኖት ብጸሎት ተኸፊቱ። ብድሕሪኡ መዘምራን ናይ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ናይሮቢን ናይ ኤቤን-ዔዘር ናይ ፈውሲ መሰረት ቤተክርስትያንን ብኣምልኾ ቀጺሉ። እቶም መዘምራን ናይ ክልቲኣተን ኣባያተ ክርስትይናት “ሃሌሉያ እንታይ ይሰኣነካ ድዩ” እናበሉ ብምፍላም ቀጺሎም “ኣንበጣ ኩብኩብታ ጎደቦ ሓሰኻ ዝበልዕወን ዓመታት ክሓስና ጎይታ” ብምባል እዮም ነቲ መደብ ፈሊመሞ። ቐጺሉ ዋና ጻሓፊ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሓው ክብርኣብ ይመስገን ናይ እንቛዕ ደሓን መጻኹም መልእኽቲ ኣቕሪቡ። ንጉባኤተኛታት ከኣ ብዛዕባ እቲ ናይ ጸሎት መዓልቲ ሓጺር መብርሂ ኣቕሪቡ። ብድሕሪ እዚ ኸኣ ኣዋሃሃዲ እቲ መደብ ሓው ኣገልጋሊ ምሕረታኣብ ዘሚካኤል ብዛዕባ እቲ ዘሎ መደባት ድሕሪ ምፍላጡ ብቐጥታ መድረኽ ንወንጌላዊት ሓርነት ሳሚኤል ነቲ ጉባኤ ብናይ ንስሓ ጸሎት ክትመርሖ ኣረከባ። ሓፍትና ሓርነት ከኣ ሓጺር መልእኽቲ ብዛዕባ ንስሓ ድሕሪ ምቕራብ፣ ብዛዕባ በደል ቤተክርስትያንን ኣገልገልትን ሓውና ዶክተር ተወልደመድህን ብንስሓን ምህለላን ጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣዕሪጉ። ቐጺሉ ኸኣ ሓውና ፓስተር ምሕረታኣብ ብዛዕባ መራሕቲ ሃገርና ጸሎትን ንስሓን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ጉባኤ ዝነበረ ህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ብስቡር ልቢ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቐርብ ኔሩ። ብድሕሪ እዚ ጸሎት ስለ መኳንንትናን ሹማምንትናን ሓውና ካፒተን ማርቆስ ኣብ 1ጢሞቲዎስ 2.1-4 ብዘሎ ጥቕሲ መሰረት ብምግባር ንመራሕትና ምጽላይ ከመይ ኣገዳስን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ቅቡል ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፣ ስለ መራሕትና ክንጽልዮ ዝግብኣና ነጥብታት ቀዳማይ ስለ ድሕነቶም፣ ካልኣይ ካብ ኣምላኽ ጥበብ ኪረኽቡ፣ ሳልሳይ ድማ ሓለዋ ኣምላኽ ኪበዝሓሎም ምዃኑ ኣረድኤ። ቀጺሉ ነዞም ነጥብታት ተኸቲሉ ነቲ ህዝቢ ብጸሎት መርሐ። ኩሉ እቲ ጉባኤ ድማ ብሓባር ስለ መራሕቱን ሽማምንቱን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ቀረበ፣ ባረኾም ድማ። ድሕሪ እዚ ንኽጽለየሉ ተታሒዙ ዝነበረ ኣርእስቲ ብዛዕባ እታ ኣብ ስደት ዘላ ቤተክርስትያን ኤርትራን ማለት ብዛዕባ እቶም ስለ ወንጌል ኣብ ብመቑሕ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣመንቲ እዩ። ነዚ መደብ እዚ ኸኣ ሓውና ኣገልጋሊ ምሕረታኣብ ዘሚካኤል እዩ መሪሕዎ። ”ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፣ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘለኹም ዄንኩም ዝክርዎም።” (እብ 13.3) ዝብል ቃል ኣምላኽ መሰርት ብምግባር ኩሉ እቲ ጉባኤ ብንብዓትን ብኽያትን ስለ እቶም ንወንጌል ክብሉ ኣብ መከራ ዘለዉ ኣሕዋትና፣ ኣምላኽ ጸጋን ትብዓትን ክህቦም እቲ ዘሎ ስደት ንምኽንያት ወንጌል ክኸውን ከምኡ ድማ እቲ ዘሎ መከራን ስቓይን ኣምላኽ መኸተምታን መወዳእታን ክገብረሉ ጸሎቶምን ምህለላኦምን ናብቲ ፈጥሪ ኩሉ ዓለም ዝኾነ ኣምላኽ ኣዕሪጉ። ብድሕሪ እዚ ኸኣ ሓው ፓስተር ኦባዲያ ማዉራ ካብ ኬንያ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኣምላኽ መፍቲሒ ክገብረሉ ነቲ ጉባኤ ብጸሎት መሪሕዎ። ኣምላኽ ኣብ ኤርትራ ዓቢ መደብ ከም ዘለዎ እቲ ዘሎ ናይ ዶብ ጸገም ከኣ ኣምላኽ ከም ዝፈትሖ ብእምነት ንሱን ህዝቢ ኣምላኽን ኣዊጆም። ብፍላይ ኢሰያስ 44.24-28 ንኤርትራ ዝተዋህበ ተስፋ ከምዝኾነ ገሊጹ። ብድሕሪ እዚ ኸኣ ኣገልጋሊ ኬቨን ሲሚዝ፣ ልቢ ኤርትራ ዘለዎ ሓው፣ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ናይ ኢኮኖሚን ጥዕናን ጸገምን ዝምልከት ብንስሓን ጸሎትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቐሪቡ። ሓው ኬቨን ኩሉ ሃብቲ ዓለምና ኣብ ምድሪ ከምዘሎ ድሕሪ ምብራህ ኣብ ምሳሌ 14.34 ዘሎ ጥቕሲ መሰረት ብምግባር ምኽንያት ውድቀት ሃገርን ትርጉም ብልጽግናን ሃብትን እንታይ ምዃኑን ምሂሩ። ብድሕሪ እዚ ኣምላኽ ንኤርትራ ክባርኻን ከበልጽጋን፣ እቲ ሃብትን ብልጽግናን ድማ ንምስፋሕ ወንጌል ክጠቅምን ነቲ ጉባኤ ሒዙ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸሎትን ምህለላን ኣዕሪጉ። እቲ ንጸሎት ዝተኣከበ ህዝቢ ሓጺር ናይ ቁርስን ዕረፍቲ ጊዜ ድሕሪ ምውሳድ እንደገና ሓቢሮም ናብ ናይ ንስሓን ምህለላን መንፈስ እዮም ተመሊሶም። ብፍላይ ከኣ መዘምራን “ኣህዛብ ንርስትኻ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ክህበካ ለምነኒ ዝበልካ ኣምላኽ ንኤርትራ ሃበና” እናበሉ ብኢንግሊዘኛ ብምዝማር ጸሎቶም ናብ ኣምላኽ ኣዕረጉ። ብድሕርዚ ሓደ ቅድሚ ገለ ዓመታት ብተኣምራታዊ መገዲ ኣምላኽ ናብ ምድሓን ዝመጸ ኣገልጋሊ ሳሙአል ኣተብሃለ ኣይሁዳዊ ሓው፣ ኣምላኽ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ልቡ ብዘቐመጠሉ ቅንኣት ተደሪኹ ናብዚ ናይ ጸሎት ጉባኤ ብምምጻእ ንሃገርና ኤርትራ ብቛንቋ እብራይስጥ ጸሊዩላን ባሪኽዋን። ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ንሃገረ እስራኤል ባረኽዋን ጸለዩላን። ቐጺሉ ዝነበረ መደብ ከኣ ጸሎት ብዛዕባ እቶም ካብ ሃገርና ኤርትራ ናብ ፈቐዶ ሃገራት ዝስደዱ ዘለዉ ዜጋታት ኮይኑ ነዚ ኸኣ ሓው ፓስተር ዮሴፍ ረዘነ እዩ መሪሕዎ። ብምቕጻል ድማ ንሓው ፓስተር ዳኒኤል ዘውዱ ካብ ሕብረት ናይ ኢትዮጵያውያን ቤተክርስቲያን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ግሩም መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ብመንፈስን ስቡር ልብን ስለ እቶም ኣብ ፈቐዱኡ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ጸሎት ናብ ኣምላኽ ሰማይ ኣዕሪገ። ብድሕሪ እዚ ኸኣ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብምህለላን ብጸሎትን ሓው ረቨረንድ ተመስገን ነቲ ጉባኤ መርሖ። ኣስዒቡ ሓው ሃዋርያ ሃዲዳስ መራሒ ናይታ ኣብ ኬንያ እትርከብ ክሪስኮ ቤተክርስትያን ንህዝቢ ኤርትራ ጸለየላ። ኣብቲ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ሓያል ዝኾነ ናይ ጸሎት መንፈስ ፈሲሱ ነበረ። ኣብቲ ናይ ጸሎት መዓልቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዝተኣከቡ ኣዚዮም ብዙሓት ዕዱማትን ኣጋይሽን እዮም ተረኺቦም። ካብቶም ተሳተፍቲ ገለ ንምጥቃስ ናይ ኦፐን ዶር ሚንስትሪ ኣገልጋሊ ረቨረንድ ኪገን፣ ናይ ግሎባል ቲም ሚኒስትሪ መራሒ ፓስተር የትም፣ ናይ ግሎባል ደይ ኦፍ ፕረየር (ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ጸሎት) ተወከልቲ ኣገልጋሊ ኤላይጂያ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይሮቢ ናይ እትርከብ ደሊቨራንስ ቸርች ኦፍ ዞዋ ፓስተር ኤላይጂያ ምስ ሽማግለታቱ፣ ኣፖስትል ሃዲዳስን ኣገልገልቲ ክሪስኮ ቤተክርስትያንን፣ ኣገልጋሊ ኬቨን ስሚዝ፣ ፓስተር እስጢፋኖስ ካብ ኡጋንዳ፣ ካብ ናይ ኢትዮጵያውያን ቤተክርስቲያን ድማ ናይ ኣምሓርኛን ናይ ኦሮመኛን ኣብያተ ክርስትያናት መራሕቲ፣ ካብ እስራኤልን ኣገልጋሊ ሳሙኤልን ካልኦትን ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ዕድማት ዝተሳተፍዎ እዩ ኔሩ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ኤርትራ ብፍሉይ ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍ ኤርትራውን ብዛዕባ ኤርትራ ጾር ዘለዎም ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከቡ ህዝብታትን ተዘኪራ ዊዒላ። እዚ ድማ መርኣያ ናይቲ ኣምላኽ ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ዓቢ መደብ እዩ። ኣምላኽ ንብዓት ደቁ ርእዩ፣ እህህታ ህዝቡ ሰሚዑ ከምቲ ንደቂ እስራኤል ፍትሒን ምጽንናዕን በረኸትን ከውርደሎምን ክህቦምን ካብ ሰማይ ዝወረደ፣ ንኤርትራ ዘዕርፈሉን ዝኽሕሰሉን ጊዜ እንሆ መጽዩ ኣሎ። ዎ ኤርትራ ዘመን ካሕሳ ይመጸልኪ ኣሎ እሞ ባህ ይበልኪ። ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ህዝቢ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ብፍሉይ ዘኪሮማ ዊዕሎም። ገለ ኣብ ኣባይቲ ገለ ኸኣ ኣብ ኣኽራናት እናኸዱ ስለ እታ ዘፍቅርዋን ዘኽብርዋን ሃገሮም ብንብዓት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቦም ውዒሎም። ኣምላኽ ከኣ እቲ ክገብሮ ዘለዎ ንነብያቱ ከይነገረ ስለ ዘይተርፍ ኣብቲ ጉባኤ ኣምላኽ ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ሂቡ።1. ህዝበይ ኣብ ቅድመይ ትሕት ከም ዝበለ ርእየ ኣለኹ።2. ህዝበይ ናይ ነገስታት ልቢ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ ኣይትፈልጡን ዲኹም፧ 3. ህዝበይ ንዓይ ንልዑል ኣምላኽ ብምእዛዝኩም ምድርኹም ከም ትግዝኣኩም ክገብራ እየ።4. ድሮ ሰናይ ንፋሳት ናብ ምድርኹም ኣንፊሰ ኣለኹ።5. ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ሓሊፉ ንብዙሓት ዘብህግ ድሕሪ እዚ ኹሉ ጸበባኹም ብብዙሓት እትብሃጉ ህዝቢ ክገብረኩም እየ።6. ምሕረተይ ከም ዝናም ናብ ምድርኹም ከፍስስን ንምድርኹም ክፍውስን እየ።7. ስለቶም ምእንቲ ስመይ ኣብ መቑሕ ዝርከቡ ብመለኮታዊ ስልጣነይ ጣልቃ ክኣቱ እየ (ግብ 12.5)። 8. ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ መፈጸምታ ጌረሉ እየ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ማለት ሰዓት 11፣30 ድ.ቐ. እቲ ካብ ሰዓት 2፣30 ድ.ቐ. ዝጀመረ ናይ ጸሎት መንፈስ ብናይ ዓወት፣ ተስፋ፣ እምነትን ኣዋጅን መንፈስ ተዛዚሙ። ክሓሰና ጎይታ ኣንበጣ ኩብኩብታ ጎደበ ሓሰኻ ዝበልዕዎ ዓመታት ክሓሰና ጎይታ መከራ ስቓይ ሃገርና ኣእኪሉ ክንዓርፍ ክንርኢ ቆፎታትና መሊኡ 1. ብጾምን ብኽያትን ቁዝማን ብንዝሓ ክንምለስ ንምድሓንምሓሪ ኢኻ ንኩራ ደንጓዪርሕሩሕ ኢኻ ምሉእ ብሳህሊ /2/ 3. ኣዕውዲ እኽሊ ክመልእመጽሞቒታት ዘይቲ ከንጀርብብመብልዕ ክንበልዕ ክንጸግብ ተኣምራትካ ርኢና ክንዓግብ /2/ 5. ካብ ስእነት ካብ ሽግር ወጺና ብፍቕሪ ክንነብር ሓቢርና ናባኻ ፈጣር ሰማይ ምድሪ ክንውከል ንዓኻ ክንሓሪ /2/ 6. ሰላም ምድርና ተዓቒቡ ደም ምፍሳስ መንእሰያትና ቆይሙወለዲ ንውሉዶም ክጸግቡ ጻማ ናይ ምዕባዮም ክርእዩ /2/
ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኤርትራ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode