መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ብዝወስዶ ዘሎ ናይ ምእሳርን ምስቓይን ስጉምቲ ፖሊስ ኤርትራ ንፓስተር ዕቑባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ትማሊ ዕለት 01/10/2007 ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእትዮሞ፣ ፓስተር ዕቑባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ፓስተር ናይታ ቃለ ህይወት ኣስመራ ተባሂላ ትፍለጥ ኣገልጋሊ እዩ፣
ፓስተር ዕቑባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ብጥሪ 2005 እውን ኣብ ባረንቱ ካብ ኣስመራ 90 ኪሎሜተር ሪሒቓ ኣብ እትርከብ ዓዲ ናይ መርዓ ስነ ስርዓት እናፈጸመ ኸሎ ንዕኡን ነቶም ቃል ኪዳን ዝኣስሩ ዝነበሩ ሰባትን ንዕዱማትና ብሓይሊ ናብ መዓስከር ሳዋ ከም ዝወሰድዎም ይዝከር፣ ፓስተር ዕቑባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ሳዋ ሻዱሻይ መደበር ዝብሃል ዘስካሕክሕ እስርቤት ንዓሰርት ወርሒ ከም ዝተኣስረ ይዝከር፣ ፓስተር ዕቑባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ሓምሳታት ዝርከብ ኣገልጋሊ እዩ፣
ፓስተር ዕቑባሚካኤል ተኽለሃይማኖት በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቖልዑን እዩ፣ ኣብ ግንቦት 2006 ወዱ ንፓስተር ዕቑባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ብሰንኪ እምነቱ ትምህርቱ ኣቃሪጾሞን ናብ ሻድሻይ መደበር ማሰርቲ ሳዋን ወሲዶሞ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ፓስተር ሙሴ እዛዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወጋሕታ ናብ ገዝኡ ብምምጻእ ኣሲሮሞን ንብረቱ ብምልኡ ማለት መጽሓፍቱን ዶኩመንታቱን ኮምፒተሩን ብሙሉኡ ኸኣ ዘሪፎም ብሓይሊ ወሲዶሞ፣ በዓልቲ ቤቱ ኣብኡን ኣዲኡን እውን ተኣሲሮም ኔሮም፣ ደሓራይ ግና ከም ዝፈትሕሞ ተሓቢሩ ኣሎ፣ ድሕሪ መንግስቲ ኤርትራ ብምግፋዕ ንሙሴ ምእሳሩ እታ ገዛ ብፖሊስ ተኸቢባ እያ ቐኒያ ኣጋጣሚ ዝኾነ ዘይፈለጡ 4 ወይ 5 ይኹን በጻሕቲ እውን ካብ ኣፍደገ መንበሪ ሙሴ እዛዝ ተወሲዶም ተኣሲሮም ኣለዉ፣ ዛጊት ሃለዋት ሙሴ እዛዝ ከመይ ከም ዘሎ ዝተፈልጠ ዝተፈልጠ ነገር የለን፣
ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣምነቲ ዝወርድ ዘሎ ስቓይን ኣዚዩ ዓቢ እዩ፣ ምንም እኳ መራሒ ሃገረ ኤርትራን ካልኦት ሰበስልጣንን ነዚ ሓቂ ክኽሕድዎ እንተ ፈተኑ እዚ ጉዳይ ግና ከም ጸሓይ ብርሃን ዝደመቐ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ፣
ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ኸኣ ብዛዕባ እዞም ተኣሲሮም ዘሎ ኣምነቲ ክጽልዩን ብዝከኣሎም ኩሉ ኸኣ ሓገዞም ከበርክቱን በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ